ባይቶ ሕብረት ኤውሮጳ ንሰብኣዊ መሰላት፡ ኤርትራ ብዘይቅድመኩነት እሱራት ክፍትሑ ውሳኔ ኣሕሊፉ !

ባይቶ ሕብረት ኤውሮጳ ንሰብኣዊ መሰላት፡ ኤርትራ ብዘይቅድመኩነት እሱራት ክፍትሑ ውሳኔ ኣሕሊፉ !

ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ብዕለት 8 ባይቶ ሕቡራት ኤውሮጳ ንሰብኣዊ መሰላት ንሰልስተ ሃገራት፡ ብፍላይ ከኣ ጉዳይ ዳዊት ኢሳቕ ኣብ ኤርትራ ኣመልኪቱ ብዝለዓለ ድምጺ ውሳኔ ኣሕሊፉ። ኣብ ኤርትራ ብዘይ ዝኾነ ክስን ፍርድን ንዓመታት ተኣሲሮም ዘለዉ ፖለቲካውያን ጋዜጠኛታት መራሕቲ ሃይማኖትን ብዘይቅድመ ኩነት ክፍትሑ ከም ዘለዎም ሃገራዊ ማዕከን ቲቪ ሽወደን ገሊጹ።

ዳዊት ኢሳቕ ብ23 መስከረም 2001 ንግሆ ብፖሊስ ኤርትራ ካብ ገዝኡ ምስ ተወሰደ ንልዕሊ 19 ዓመት ደሃይ ዘይብሉ ከም ዝተሰወረን ዝገለጸ ጸብጻብ፡ ዕጫ ዝተረፉ እሱራት’ውን ካብኡ ብዘይፍለ ኩነታት ከም ዝርከቡ ኣፍሊጡ። ሃንደበት ብ11 ጥሪ 2009 ዳዊት ኢሳቕ ካብ ማእሰርቲ እምባትካላ ንወታሃደራዊ ሆስፒታል ኣብ ዝተመሓላለፈሉ ነጻ ወጺኡ ምስ ተባህለ፡ ብሕማም ምኽንያት ንመርመራ ሕክምና ደኣ’ምበር ነጻ ከም ዘይወጸ ኣሉታ ዝሃበሉ መላኺ ስርዓት ህግዲፍ፡ ኮሚሽን ወኪል ሕቡራት ኤውሮጳ ብዝገበሮ ውዕል ዝቃዶ ዘይምንባሩ ገሊጹ ከም ዝነበረ ምስካር ኣገዳሲ’ዩ።

ቤት ምኽሪ ውሕመ ክልተ ግዜ ብጉዳይ ኩነታት ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ብወርሒ 11 ግንቦትን/ 30 ሰነ 2020 ኣልዒሉ ዘትይሉ።ኣብ’ቲ ለበዳ ሕማም ኮሮና ቫይረስ ዘስፋሕፋሓሉ ከኣ ጉዳይ እሱራት ዝምልከት ኣብ ዝኸፍአ ሓደጋ ከየምርሕ እሱራት ክትፍሑ ጸዋዒት ቀሪቡ ከም ዝነበረ ይዝከር። ብዘይካ’ዚ ብ23 ታሕሳስ 2009 ዝሓለፈ ውሳኔ፡ ዳግማይ ብ5 ታሕሳስ 2011 ነቲ ዝሓለፈ ውሳኔ ዘሕይል ኣብ ግብሪ ክውዕል ኣብ ልዕሊ ኤርትራ እገዳ ተወሲኑ።

ብዘይካ’ዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ምሕጽንታትን ውሳኔታትን፡ ብፍሉይ ልኡኽ ኮሚሽን ውሕመ ንሰብ መሰላት ክልተ ግዜ ጸብጻባት ቀሪቡ ኣብ ልዕሊ እሱራትን፡ ብሓፈሻ ከኣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝወርድ ዘሎ ግፍዕታት፡ ንመንእሰያት ዘጋጥሞም ዘሎ ሓደጋታት ምስ ምስክርነቱ ብሰፊሑ ገሊጹ።

ይኹን’ምበር ብምስምስ ሰላም ብ8 ሓምለ 2018 ዝተኻየደ ርክብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንምትብባዕ ዝተወስደ ስጉምትን፡ብወገን ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተወሰነ እገዳ ክለዓል፡ ባዕሎም እቶም ከሰስቲ ከም ተጣበቕቲ ኤርትራ ኮይኖም ቀሪቦምስ ነቲ ብ2009ን 2011 ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተበየን እገዳ ክለዓል ጸቕጢ ብምግባር ብደገፍ መንግስቲ ኣሜሪካ፡ ብዕለት 14 ሕዳር 2018 ውሕመ እገዳ ሰሪዝዎ። እዚ እገዳ ክስረዝ ዝገበረ ከኣ ነቲ ብሓሶት ብስምስም ሰላም ዝዝመር ዝነበረ ዝሃቦ ተስፋ፡ ጉዳይ እሱራት፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ስደተኛታት ኤርትራውያን ኩነታት ክቅየርን ሓድሽ ተስፋ ከምጽእ ንዝብል ሓሳብን ከም ዝነበሮ ይጥቀስ።

ደጊም ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ካብ’ቲ ዝሓዞ መስመር ጭቆናን ግፍዕን ዘይእለ፡ብኣንጻሩ’ኳ ደኣ ኣብ’ዚ ንርከበሉ ጽንኩር ኩነታት ንለበዳ ሕማም ኮሮና ከም መሳርሒ ህርፋን ስልጣኑ፡ ግፍዕታት ከም ዝበዝሕን ዝሕይልን ገይሩ ይሰርሓሉ ምህላዉ ባይቶ ሕቡራት ኤውሮጳን ቤት ምኽሪ ውሕመ ንሰብኣዊ መሰላት ብተደጋግሚ ስምዕታት ክቅጽል እንርእዮ።   

ዜናን ሓበሬታን

ውሓደለ

12 ጥቅምቲ 2020

Leave a Reply

Please log in using one of these methods to post your comment:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.