“ኣይሓርስ ኣይምሕስ ዕድምኡ ኣብ ሕጽኖት ስልጣን ዝሕለፎ ” መላኺ ስርዓት ህግዲፍ

ኣይሓርስ ኣይምሕስ ዕድምኡ ኣብ ሕጽኖት ስልጣን ዝሕለፎ መላኺ ስርዓት ህግዲፍ

ርእሰ ዓንቀጽ ውሓደለ

15 ሓዳር 2020

ኤርትራ ድሕሪ 30 ዓመት ብረታዊ ተጋድሎ ንነጻነት ዝተኸፍለ ከቢድ ዋጋ፡ መስዋእትን፡ ኣብ ኣፍሪቃ ኣለዉ ካብ ዝበሃሉ እኹል ተረፍ ዘመናዊ ኣጽዋር ዝዓጠቐ ዝሓየለ ሰራዊት ዝውንን መንግስቲ መላኺ ወታሃደራዊ ስርዓት ደርግ፡ ብጀጋኑ ዜጋታት ተሳዒሩ ካብ ኤርትራ ወጸ። ኣህጉራዊ ሕብረተ ሰብ ዓለም ልዑል ኣቃልቦ ዝሰሓበ ኣትኵሮን ዝገበረሉ ነቶም ኣብ ዓለምና ዝነውሐ ንሃገራዊ ነጻነትን ሓርነትን ዝተኻየዱ ቃልስታት ሓደ ጉዳይ ኤርትራ ኣብ ኣፍሪቃ ብምንባሩ ምስ ድሩት ዓቕምታቱ ንዝተጓናጸፎ ዓወት ብመስዋእቱ ዘረጋገጾ ነጻነት መወዳደሪ ዘይብሉ ብምንባሩ ታሪኽ ሰኒድዎ’ዩ።

ኤርትራ ካብ ባዕዳዊ ምሕደራ መላኺ ወታሃደራዊ ስርዓት ደርግ ነጻ ወጺኣ መግዛእቲ ኣብቒዑ፡ ብሳላ ደቓ ኣኽሊል ነጻነት ሰቒላ ኣብ ሓድሽ መዋእል ጎደና ሰላም ዕብየትን ስልጣነን ክትስጉም፡ ኣብ ጎኒ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ጸኒዖም ንመሰል ርእሰ ውሳኔ፡ ንፖለቲካዊ ማሕበራዊ ፍትሒ ዝደገፉ መሓዙት ሃገራት፡ ማሕበራት፡ውልቀ ሰባት፡ ልዕሊ ዋናታቱ ተስፋን ትጽቢትን ባህግን ዘንበርሉ፡ኣብ ማዕከናት ሬድዮን መሳዅቲ ፈነወ ቲቪ፡ ጋዜጣታት ዓብላሊ ብእዋናዊ ሓተታታት ተሰንዩ ፡ ንተርኽቦ መቐያይሮ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራን ቀይሕ ባሕርን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘጠቃለለ ሓደ ምዕራፍ ዝዛዘመ ህዝቢ ከም ህዝቢ ኣብነታውን መወከሲ ነዊሕ ቃልሲ ንነጻንት ዝተቓላሓሉ ነበረ።

ብተስፋን ትጽቢትን ባህግን ጥራሕ ዘይኮነ ልዑል ዋጋ ዝተኸፈለሉ ነጻነት፡ ሰላምን ራህዋን፡ ፖለቲካዊ ምርግጋእ፡ ማሕበራዊ ፍትሒ ክነግስ ትጽቢት ኣብ ዝተገብረሉ እዋን፡ ” ኣይሓርስ ኣይምሕስ ዕድመኡ ኣብ ሕጽኖት ስልጣን ዝሕለፎ መላኺ ስርዓት ” ኣብ ስልጣን ተሓብአ። ንዝሓለፈ 30 ዓመታት፡ ዓብይ ንእሽቶ፡ ሰብኣይ ሰበይቲ፡ መንፈሳውያን መራሕቲ ሃይማኖት፡ ምሁራት ተጋደልቲ ከይበለ ንኩሉ ብኣልማማ ህዝብና ነታ ሂወቱ ክመርሕ ኣንፈት ከም ዝስሕት ገበሮ። ክሳብ ቅኑዑን ግጉይን ንምርድኡን ንምቅባሉን ዘሸግር፡ ሕማቕን ጽቡቕ ምልላይ ዘስእኖም መደናገሪ ምሕደራ ኣተኣታተወ። መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ራዕድን፡ ሽበራን ፈጢሩ፡ ብጭውያ ማእሰርቲ፡ ንሕቡእ ኣዋጅ ገደብ ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት ተወሲኽዎ ከይዱ ከይዱ መዋጽኦን ፍታሕ ዘይተረኽበሉ፡ ብማዕዶ መጻኢ ተስፋታት ዘይርእይሉ መንእሰይ፡ ብፍላይ ድሕሪ ዶባዊ ኵናት ኢትዮ-ኤርትራ ዓቕሊ ጽበት ልዕሊ ተጸዋርነት ህዝቢ ዝበጽሓሉ እዋን ምልካዊ ምሕደራ ነጺሩ ተራእየን ዝተጋህደን። ህዝቢ ኣጽኒቱ ሃገር ንምጥፍፋእ ክሳብ ሎሚ በጺሕሉ ዘሎ ደርጃ መደብ ሓንጺጹ ምድላዋትን ወዲኡ ዝኸይድ ምንባሩ ተግባራቱ፡ ጭቡጥ ህሉው ኩነታት ህዝብና ኣመስከረ። ምሕደራ ህግዲፍ ብገዛእ እከይ ተግባራቱ ፍርዲ ቤት ከይቀረበ ከኣ ተረትዐ። ይኹን’ምበር ስርዓት ህግዲፍ ኣብ ልዕሊ’ቲ ጅግና ዝኾነ ህዝቢ እገዳ ብምግባር ንኩሉ ዓይነት ህዝባዊ ኣገልግሎት፡ ሕክምና፡ ትራንስፖርት ቀረብ ዕዳጋ ማይን መብራህትን ጌሩ ዳኛን ፈራድን ዘይብሉ ንህዝቢ ብምፍትታሕ እግባይ በለ።

ህዝብና ብግርህነቱ ብስውር ኣካይዳ መራሒ መላኺ ጃንዳ ህግዲፍ ኣብ ልዕሊኡ ጥፍኣት ተበየነ። ውሽጣዊ ጉዳይ ኤርትራ ከይተመዓራረየን ከይተሰርዐን ብግዳማዊ ዝምድናታት ብምትካእ ካልኣዊ ቦታ ብምሃብ ንረብሓታቱ ክሰርሕ ለይቲ ምስ መዓልቲ ጸዓረ። ምስ’ቲ ቅድሚ ነጻነት ምስ ህወሓት ዝሃነጾ ዝምድናን ዝጀመሮ ምሕዝነት’ኳ ከም’ቲ ዝድለ እንተዘይቀጸል፡ ነቲ ሕቡእ ምስጢራዊ መዝገባት እንዳመዘዘ ከም ኣማራጺ ኣብ ዝጠዓሞ ግዜን ኩነታት ኣንፈት ወጻኢ ዝምድናታት ብምቅይያርን ምስ ውሽታዊ ጉዳይ ኤርትራ ብምትሕውዋስ ንረብሓታቱ ክውዕሎ ብዝኽእል መንገድን ንህዝቢ ብምድንጋር ኣብ ታኼላ ሸሞሞ። ኣማስይኡ ብቀጻሊ ንኵናት ህውከትን ዕንወትን ዝዕድም ወረ ሒዙ ብምምላስ ከኣ ህዝቢ ተዳሎ ነቲ ብመስዋእትኻ ዘረጋገጽካዮ ነጻነትካ ንምጥፋእ ከይደቀሱ ዝሓድሩ ኣለዉ ብምባል ብቀዳምነት መጥቃዕቲ ውድባት ኤርትራ ጀመረ። ብተወሳኺ ጎረባብቲ ሃገራት ሰሪዑ ኢትዮጵያ ብሱዳን፡ የመን ብሱዑድ ዓረብ ፡ ግብጺ ብሊብያ፡ ኡጋንዳ ብደቡብ ሱዳን እንዳቀያየረ፡ ኬንያን ጁቡቲ ሶማል ከኣ ብተናጽል ብምሓዝ መደባቱ ቀጸለ። ዝዓበየ ክፋል ስርሓት ህግዲፍ ከኣ ሃብና ኣብ ዘይምልከቶን ዘይድልዮን ፖለቲካ ከህልኾ ጸንሐ።

ህዝቢ ኤርትራ ብማሕበራዊ ፍትሒ፡ ቁጠባን፡ ዕብየት ማሕበራዊ ናብራ እንዳተሳቐየ ክነሱ ህግዲፍ ንፍሽለታቱ ብግዳማዊ ዝምድናታት ሽፋን ምምሕዳሩ ንምቅንጃው ዝወሰዶ መደብ ስርሓት ፡ ንዕድመ ሕጽኖቱ ኣብ ስልጣን ንምንዋሕ ጽባሕ ጽባሕ ሓድሽ መድረኽ ፖሊቲካ ብምፍጣር ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ፍርሕን ራዕድን፡ ሽበራ ኵናትን ወረ ኵናትን ብምንዛሕ፡ ጽባሕ ውዕል ሰላም ኢትዮ-ኤርትራ 8 ሓምለ 2018 ነታ መወዳእታ፡ ን30 ዓመታት ዝተኻየደት ውዲታት ኣዋጅ ወይ ጸዋዒት ሰላም ኢትዮ-ኤርትራ እውን ጃንዳ ህግዲፍ ንጸዋዒት ሰላም ከይቀንዕ ግዜ ክኸስብን ኣብ ክልተ መደብ ኸፊሉ ተበገሰ። እዚ ከኣ ነቲ ” ኣይሓርስ ኣይምሕስ ዕድምኡ ኣብ ሕጽኖት ስልጣን ዝሕለፎ መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ” ዝብል ኣርእስቲ ሓሳብ ማዕረ’ቲ ዝወሰዶ ስጉምቲ ጽቡቕ ገይር ዝሰማማዕ’ዩ።

ካብ’ቲ ዝገርም ድሕሪ 17 ዓመት ዶባዊ ኵናት ኢትዮ-ኤርትራ ኣብ መጀመሪያ መስርሕ ሰላም ብ” Game Over” ዝብል ፈላሚ መደረን ኣጀንዳን፡ ንባዕሉ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ክልተ ዓመት ዝተኻየደ መስርሕ ዝምድናታት ሰላም እንታይ ከም ዝመስል እንታይ ዓይነት ውጽኢት ከም ዝተረኽበሉን ህዝብና ካብ ዝረኣዮ ዝሰምዖ ዘንበቦን ንላዕሊ ምስክርነት ክቀርበሉ ዝኽእል ኣይኮነን። ከም ኣብነት ክጥቀስ ዝኽእል ኩልና ደለይቲ ፍትሒ ንሰማማዓሉ ጉዳይ ” ኣይከሰርናን” ብሂል ዝዓበየ ጉዳይ ጥልመት ህዝብን ሃገርን ምንባሩ’ዩ።

ካልእ ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ዝፈጸሞ መወዳድርቲ ዘይብሉ ዕንወት ንጎኒ፡ ገዲፉ ነቶም ” Game Over ” ዝተባህሉ ወገናት እንተኾነ ን27 ዓመታት ንዝሃነጽዎ፡ ሕጽኖት ስልጣኑ ንምንዋሕ ከም በዓል ጉዳይ ኮይኑ ክንዮ መረብ ወግሐ ጸብሐ ቁጽሪ ዘይብሉ መገሻታት ኣብ በዓላትን ምምራቕ ጽምብላት ዘሕልፎ ግዜ ምስ ጉዳይ ሰላም ሰናይ ጉርብትናን ዘይራኸብ ዛንታ ክልተ ጫፋት ትያትራትን’ዩ።

ህዝቢ ንምድንጋር ከም ተራ ሰብ ኮንካ ምንባር ዝካየድ ትያትሮ፡ ኣብ ኤርትራ ዝካየድ ኣብ ዓብይቲ ሃገራዊ በዓላት ይኹን ጽምብላት መንግስታዊ ፕሮቶኮል ዘይብሉ ሸለልትነት ዝመልኦ ፡ከም ማንም ተራ ሰብ ዝወድዮ ክዳን፡ ሳንደል ጌርካ ምቅራብ ክረአ እንከሎ፡ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ኣብ ቦታ ሕርሻ ክራቫታ ጌርካ ምኻድ ከኣ ንተዓዛቢ ዘገርም ዘይኮነስ ዘሕዝን ኣካይዳ’ዩ። ኣብ ኤርትራ ን29 ዓመት ተመሃሮ ኣስመራ ዩኒቨርሲቲ ይኹኑ ካልኦት ሃገራዊ ኮለጅ ኤርትራ ብመራሕ ሃገር ዘይተመረቝ ክነሶም ኣብ ጎረቤት ሃገር ከይድካ ዋና ጉዳይ ብምዃን ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ ምምራቕ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ተራእዩ ዘይፈልጥ ፍሽኽታታትን ምዕጕርቲ ተመሃሮ ብምስዓም ዝተገብረ ምትብባዓት ንመንእሰይ ኤርትራ ንተማሃሮ ብፍላይ ክንደይ ስሚዒት ይኹን ጉድኣት ከም ዘስዓበ ብዘይምርዳእ ዘይኮነስ ኮነ ኢልካ ተስፋ ንኽቆርጹ ዝተፈጸመ ተግባራት ምኳኑ ርዱእ’ዩ። ይትረፍ ንህልዋት ነቶም ብወርሒ ሕዳር 2013 ኣብ ላምፕዶሳ ብሰንኪ እከይ ተግባራት ህግዲፍ ሂወቶም ዝሰኣኑ ኤርትራውያን ዜጋታት እንተኾነ መንነቶም ዝኸሓደ ስርዓት ብምንባሩ ሚዛን ዝተነበረሉ ብምኳኑ ኣብ ፖለቲካዊ ምሕደራ ህግዲፍ ሓድሽ ኣይንበረን።

ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንስውኣትና

ዓወት ንተቃላሳይ ህዝቢ ኤርትራ

ዜናን ሓበሬታ ውሓደለ

15 ጥቅምቲ 2020

Leave a Reply

Please log in using one of these methods to post your comment:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.