ምልኪ ህግዲፍን ኣተሓሕዛ ለበዳ ሕማም ኮሮና ቫይረስ ኣብ ኤርትራ ”ብድሕረይ ሳዕሪ ኣይትብቆላ”

ምልኪ ህግዲፍን ኣተሓሕዛ ለበዳ ሕማም ኮሮና ቫይረስ ኣብ ኤርትራ ”ብድሕረይ ሳዕሪ ኣይትብቆላ”
ለበዳ ሕማም ኮሮና ቫይረስ ካብ ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰባትን ሕብረተ ሰብ ዓለም ዘስዓቦ ጉድኣት ኣዝዩ ብዙሕ’ዩ። ብደረጃ ዝተፈላልዩ መንግስታት ክውሰድ ዝጸንሐ ኣገባብ ምክልኻል ሕማም ከኣ ብመራኸቢ ብዙሓት ክቅላሕ ጸኑሑ ኣሎ። ካብ ወርሒ ለካቲት ክሳብ እዚ እንርከበሉ ዘለና ወርሒ ጥቅምቲ 2020 ኣብ ፈነወ ቲቪ ይኹን ራዲዮ ፍሉይ መደብ ተሓዚእሉ ብቀጻሊ ዝመሓላለፍ ዘሎ ሓበሬታታት ነቲ ለበዳ ንምክልኻሉ ዝዓለም ጥራሕ ዘይኮነስ፡ መንግስታት ሃላፍነተን ወሲደን ጠንቂ ለበዳ ዘስዓቦ ተነጽሎ ማሕበራዊ ሂወት፡ ስራሕ ኣልቦነት፡ ገንዘባዊ ትሕዝቶ፡ ትራንስፖርት ወዘተ ብተከኣል ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ዘይተኣደነ ጻዕሪታት ምህላዉ ኩሉ ዝርእዮን ዝዕዘቦን ዘሎ’ዩ። እዚ ጻዕሪ ከኣ ምስ’ቲ ለበዳ ዝተኣሳሰረ፡ ሕብረተ ሰብ ሓንቲ ሃገር ብኸመይ ኣገባብ መዓልታዊ ስርሓቱን ንቡር ሂወቱን ክመርሕን ዝኽእለሉ፡ ኣብ መጽናዕቲ ዝተሞርኮሰ ዝሓሸ ኩሉንተናዊ ስትራተጂ ንምምዳብ ተጸሚዱ ይርከብ። እዚ ዓይነት ተግባራትን ኣካይዳን ኣብ ሓንቲ ሃገር ተወሲኑ ዝተርፍ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ስግር ዶባተን ዝኸይድ ካብ ምምኽኻርን ሓበሬታ ምልውዋጥን ሓሊፉ፡ ንመድሕን ህዝበን ቁጠባዊ ሃለዋት ሃገርን ዝሓሸ ንዝበልኦ ቅዲ ወይ ሞዴል ኣተሓሕዛ ንምትእትታው ይጽዕራ ምህላወን’ዩ።
መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ለበዳ ሕማም ኮሮና ኣብ ዝተጋሃደሉ፡ ልዕሊ ሓልዮት ህዝቡን ቁጠባዊ ሃለዋት ሃገርን ዝያዳ ዘገደሶ ስልጣኑ ስለ ዝነበረ፡ ምስ’ቲ ኣብ 2019 ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ኤርትራ ዝተላዕለ ሃገራዊ ሕቶ ቅዋማዊ መንግስትን ፍትሕን፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ንኸይልሑኽን ከየንጸባርን ብዝሓደሮ ስግኣታት ሕነ ንምፍዳይ፡ ብምስምስ ለበዳ ሕማም ኮሮና ቫይረስ ንህዝቢ ከይንቀሳቐስ እገዳ በየነሉ። እገዳ ምንቅስቓስ’ኳ ኣይምተጸልአን፡ እንታይ ደኣ ምስኡ ብምትእስሳር ሕጽረት ቀረብ ዕዳጋ ወሰኸሉ። ህዝብና ብዘይዝኾነ መዓልታዊ መግቢ ኣብ ገዛ ተዓጽዩ ክሓልፎ ክጻወሮ ዘይክእል ልዕሊ ዓቕሙ ዝኾነ ኩነታት፡ ብፍላይ እቶም ካብ ኢዶም ንኣፎም ዝናበሩ ኣብ ሕማቅ ኩነታት ዝወደቑን ዝሽገሩን ስድራ ቤታት ብዝያዳ ዘሰቕዮም ግዳይ ኮሮና ቫይረስ ምዃኖም ዘይኮነስ፡ ልዕሊ ኩሉ ግዳይ ፖለቲካዊ ስልጣን መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ክኾኑ ምርኣዮም’ዩ። እሞ እቶም ኣብ ጎደናታት ሸቒጦም ንድራሮም ዝምእርሩ፡ ስድራ ቤታት ዝናብዩ ንኣሽቱ ነርጋዶ ኣብ ገዝኦም ተዓጽዮምስ ብምንታይ ክናበሩ ስለ ዝተደለየ’ዩ ዝብል ሕቶ መልሲ ዘይብሉ ኮይኑ ምትራፉ ኣመለኻኽታ ህግድፍ፡ ጠመተ ህግዲፍ እንታይ ምዃኑ ካብ ዘነጽሮ ሓደ’ዩ።
መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ንለበዳ ሕማም ኮሮና ቫይረስ ከም መሐለዊ ስልጣኑ ወታሃደራዊ ኮማንዶ ቆጺርዎስ፡ ብሓንቲ ቃል ህዝቢ ንኸይንቀሳቐስ ብምእጋዱ ኣብ ህዝብና ዝወረደ ኣደራዕ፡ እቶም ገገለ ዕደለኛታት ስድራ ቤታት ሰቦም ካብ ወጻኢ ንዝስደደሎም ሓገዝ እንተኾነ ከይዶም ንኸየምጽኡን ከይጥቀምሉን ብኣልማማ ዝኣገደ’ዩ። ምሕደራ ህግዲፍ ሓገዝ ከዳሉ ነይርዎ ግን ከኣ ዘየተግበሮ ይጽናሕ’ሞ፡ ነቲ ካብ ቤተ ሰቦም ብወጻኢ ንዝተላእኸ ሓገዝ ረኺቦም ንኽየጥቀሙ ዝተገብረ እገዳ ኸ እንታይ ኣምጽኦ ዝብል ሕቶ፡ ቀንዲ መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ንለበዳ ሕማም ኮሮና ቫይረስ ንምንታይ ዕላማ ይጥቀመሉ ምህላዉ ግሉጽ ይገብሮ።
ከም’ቲ ልዕል ክብል ዝተጠቕሰ፡ ብዙሓት መንግስታት ኣብ እዋን ለበዳ ሕማም ኮሮና ቫይረስ፡ ነቶም ጠዋሪ ዘይብሉ ዓበይቲ ኣረጋውያን፡ ግዳም ሓደር፡ ስድራ ቤት ዘይብሎም ህጻናት፡ ሕሙማት፡ መዓልታዊ ይኹን ወርሓዊ እቶት ዘይብሎም ስድራ ቤታት ንእምላይ ንምሕብሓብ ካብ’ቲ ቀዳማይ መደብ ወሲዱ፡ ክሳብ ንህሉው ኩነታት ሚዛንን ገምጋምን ዝወስድ ኩሉ ዜጋ ብዘይቅድመ ኩነት ሓደ ወርሒ ኣብ ገዛ ተሓይቡ ክጸንሕን ሙሉእ ደሞዝ ከኣ መንግስቲ ክኸፍሎ ምዃኑ መብጽዓ ዝኣተወሉ ህዝባውን ሃገራውን ሓልዮት ጥራሕ ዘይኮነ ሰብኣውነት ዝመልኦ ኣገባብ ኣተሓሕዛ ዝተፈጸመሉ ንርእዮን ንነብሮን ዘለና ሕብረተ ሰብ፡ ህዝቢ ኤርትራ ይትረፍ ዘይለመዶ ሓገዝ ህግዲፍ፡ ባዕሉ ክናበር ዕድል ምስኣኑ’ዩ።ንዝተላእከሉ ሓገዝ ክጥቀመሉ ዕድል ምስኣኑ’ውን’ዩ።
ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝተፈላለያ ንኣሽቱ ከተማታት ዝነብሩ ህዝብና፡ በዚ ስውር እገዳ ምስምስ ኮሮና ቫይረስ ከይንቀሳቐስ ተኸልኪሎም ኣለዉ። ትራስፖርት ጠጠው ኢሉ ሃገር ከም ዝለምስ ተገይሩ። ይኹ’ምበር ህግዲፍ ንዕላማታቱ ንምዕዋት ስልጣኑ ንምሕያል ገና ከም’ቲ ባዕሉ ዝነዝሖ ፕሮፕጋንዳ ብዘይዝኾነ ይኹን መከላኸሊ ክንደይ ዝኣክሉ መንእሰያት ኣብ ሳዋ ተኣኪሞ ከም ዝነበሩ ብግልጺ ዝተዓዘብኩም ውሑዳት ኣይትኾኑን’ኹም። ባዕሉ ህግዲፍ ኣብ ዘካይዶ ኣኼባ ዞባዊ ምምሕዳራትን ዝተፈላልዩ ኣሃዱታትን ምስ’ቲ ህዝብና ንኸይራኸብን ከይንቀሳቐስን ተኣጊድሉ ዘሎ ምኽንያት ብምንጽጻር ክህቦ ዝኽእል ፖለቲካዊ ገምጋምን ሚዛንን መለክዒ ምልክነት ጥራሕ’ዩ።
ኣብ ኤርትራ ስድራ ቤቶም ክበጽሑ ይኹኑ፡ ደገፍቲ መላኺ ስርዓት ዝኾኑ ብውልቀ ዋኒኖም ዜጋታት፡ ክሳብ ሕጂ ካብ ዘለዉዎ ቦታ ንኸይንቀሳቐሰ ተኣጊዱም፡ ካብ ስርሖም ቦኺሮም፡ ምስ ስድራ ቤቶም ተፋላልዮም ይሓልፍዎ ኣለዉ። ደጊም ደገፍቲ መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ዝወርዶም ዘሎ ግፍዕታት ክመሃርሉን ንፍትሕን ሰላም ክሓስቡ ይግባእ። እዚ ሕቶ ውልቀ ሰባት ንምልዓል ዘይኮነ መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ስልጣኑ ንምክልኻል ዝኸዶን ዝወስዶ ስጉምትን ማዕረ ክንደይ ምዃኑ ንምሕባር’ዩ። ካልእ ኣብ ኤርትራ ንፍሉይ ዕላማ ንምትግባር መገሻ ኣይተረን ወይ ኣተቋረጸን ዘሎ። እዚ ዘልዕሎ ሕቶ’ውን ተወሳኺ ዕብዳን ስልጣን ክሳብ ክንደይ ክኸይድ ከም ዝኽእል ዘመላኽት’ዩ። ኣብ ቅድሚ ሕቶ ስልጣን እንተ ጸኒሕኻ መን’ኻ እንታይ ጌርካን ሰሪሕካን ብዘየገድስ ዝተባህለ ምፋጽም ጥራሕ ምኳኑ ከኣ ብዝለዓለ ከረድኣና ዝኽእል ኣተሓሕዛ ለበዳ ሕማም ኮሮና ቫይረስን ዘይምዕሩይን ዘይፍታሕውን ዘይሰብኣውን እንታይ ደኣ ንዕብለላ ፖለቲካዊ ስልጣን መላኺ ስርዓት’ዩ።
ዘለኣለማዊ ክብርን ዝክእን ንስውኣትና
ዓወት ንተቃላሳይ ህዝቢ ኤርትራ
ዜናን ሓበሬታን ውሓደለ
20 ጥቅምቲ 2020
You must be logged in to post a comment.