ሃገራዊ ክሕደት ጉጅለ ኢሰያስን ክወሃብ ዝነበሮ ግብረ- መልስን

ሃገራዊ ክሕደት ጉጅለ ኢሰያስን ክወሃብ ዝነበሮ ግብረ- መልስን
ኤርትራ ድሕሪ ናይ ሳላሳ ዓመት ጉዕዞ ከቢድ መስዋእቲ ነጻ ዝኾነት ሃገር ኢያ። እዚ ጥራይውን ኣይኮነን ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ጉጅለ ህግደፍ ንረብሓ ህዝብን ሃገርን ከም ዝሕለቅ መሲሉ ንዘቅርቦ ዝነበረ ምኽንያታት ተጻዊሩ ብትዕግስቲ ዳግም ን29 ዓመታት ከይተሓለለ ንለውጢ ዘማዕደወ ውን ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ ንጉጅለ ህግደፍ ንነዊሕ ዓመታት ተጻዊርዎ ኣብታ ናይ መወዳእታ ከመኻንየሉ ዘይክእል ኣፍደገ ልዳት ምስ ኣብጾሖ በቲ ጸሊም ድሕረ-ባይትኡ ስለዘይተኣማመነ ናብቲ ሓቀኛ መንነቱ ዝኾነት ክሕደቱ ጥራይ ኢዩ ጥሒሉ ዝተረፈ። ነቲ ኣብ ተመኩሮ ሃገራት ዓለምና ዘይተራእየ ሃገራዊ ክሕደቱ ደጊምስ ኤርትራዊ መንነት ተዳኺሙ ዩ ኣብ ዝበለሉ ኢዩ ከግህዶ ዝተራእየ።
ሓደ ውልቀ ባእታ ዘሕመቆ ንህዝብን መንነትን ኤርትራ ዘይመስል ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ውሽጢ ድሙቅ መለለዪ መንነት ኤርትራን ህዝባን ዝኾነ ሕሉፍ ጅግንነታዊ ታሪኽ ቃልሲ ሰውራን ኣብ ውሽጢ ኣጀንዳ ተደላይነት ምህናጽ ምዕብልቲ ደሞክራስያዊት ኤርትራ ኣበየ መድረኹ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት እናተሓበአ ድሕሪ ምጽናሕ ንሃገርን መንነትን ሰሪቁ ናብ ጸሊም ዕዳጋ ከምሪሕ ናይ ዝተራእየሉ ክሕደት ብዘየወላውል ንኹሉ ተነጺሩ በሪሁ ኢዩ። ክሕደት ጉጅለ ህግደፍ ብመጠን ቲ ዝተራእየሉ ክብደቱ ዘደንጹ ኣብ ልዕሊ መንነት ኤርትራ ዘለዎ ንዕቀት ዘብርህ ንሃገርን ህዝብን ናይ ምስራቅ ፈተነ ኢዩ ነሩ።
ዝኾነ ግብሪ እንተስ ብኣወንታ ወይ ብኣሉታ ዝልለ ንዑኡ ዝመጣጠን ግብረ- መልሲ ክህልዎ ውሁብ ኩሉ ዝርዶኦ ሓቂዩ። ስለዝኾነ ድማ ንክሕደት ጉጅለ ህግደፍ ኣመልኪቱ ትርጉም ሃገር ንክስሞዖ ዘኽእል ጥዑይ ህዋሳት ዘለዎ ኩሉ ኤርትራዊ ግብረ- መልሲ ሂቡ ኢዩ። ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ናይ ዓለም ዝርከብ ኤርትራዊ ውድብ ሰልፊ ማሕበረ-ሰብ ውልቀ ባእታ ብዝተፈላለየ ኣገባብ ንክሕደት ህግደፍ ኰኒኑ ኢዩ። ብመጠን እቲ ክሕደት ክወሃብ ዝነበሮ መልሲ ግን ክንዮ ቲ ዝተራእየ ግብረ-መልሲ ክኸውን ይግቦኦ ከም ዝነበረ ንማንም ርዱእ ኢዩ።
ሰራቂ ኣብ ገዛ ሓደ ስድራ-ቤት ወይ ዓዲ( village) ኣቲዩ ክዘምት ኣብ ዝረኣየሉ። ኩሉ ኣባል ታ ስድራ ዓዲ ነቲ ዘማቲ በየናይ ኣገባብ ንሓዞ ብከመይ መደብ ብምንታይ ንህረሞ መዓስ:ኣበይ:………ወዘተ ኢሎም ኣይማጎቱ ኣይመኻኸሩን ኢዮም። የግዳስ ሴፍ ዘለዎ ሴፉ በዓል ጭማራ ጭማርኡ በዓል በትሪ በትሩ ኣልዒሉ በዓል ጠበንጃ ጠበንጅኡ ለጉኦሙ ደድሕሪ ቲ ሰራቂ ኣርክብ ኣርክብ ከየምልጥ ጥራይ ኢዩ ዝኸውን እቲ ዕማም እሞ ነቲ ዘማቲ ሒዞም ናብ ፍትሒ የቅርብዎ።
በጻብዕቲ ዝቁጸሩ ቁንጣሮ ጉጅለ ህግደፍ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ስልጣን ሃገር ተወጢሖም ዘህለቅዎ ኤርትራዊ ሂወት ዝሞቁሕዎ ዜጋ ዘባኸንዎ ሃገራዊ ጸጋታት ዝደወንዎ ኤርትራዊ ክብርታት ዝገሃስዎ ሰብኣዊ መሰላት ከይኣኽሎም ኣብታ ዕርበቶም ኣነ ብድሕረይ ከኣ ውሕጅ ብዝብል መርሆ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ዘሚቶም ከጥፍኡ ኢዮም ፈቲኖም ። ኣምላኽ ግን ሕያዋይ ኢዩ። ኣይሰለጦምን። ዘይሰለጠሎም ምኽንያት ብኤርትራዊ ግብረ መልሲ ከም ዘይኮነ ኩሉ ዝርዶኦ ክውንነት ኢዩ። ገለ ክፋል ኤርትራዊ ደጋፊ ተቃዋሚ ተባሂሉ ክጸራረፍ ጸኒሑን ኣሎን። ውድባት ኣብ ፕሮግራም ብዛዕባ ሓድነት ጽላልዶ ወይስ ፍጹም ሓድነት ኣብቲ ዝቀውም ሓድነት ብኽንደይ ይኹን ውክልና……….ወዘተ ኣብ ዝብል ቀዳምነት ሂበን ክማጎታ ትርጉም ደሞክራስያ ትርጉም ዕልማናውነት ግዝኣተ ሕጊ ብዝተፈላለዩ ቛንቛታትን ስነ-ቃልን ኣብየት ኣብየት ኣብየት ክትንትኖኦ ጸኒሐንን ኣለዋን። ይኹን እምበር ተመስገን ንፈጣሪ ከዳዕ ኢሰያስን ጉጅሊኡን እቲ ንህዝብን ሃገርን ከጥፈኣሉ ዝመደብዎ ዕዳጋ ንባዕሉ ኣብ ሕንፍሽፍሽ ኣቲይዎ ኣይሰለጦምን። በቲ ዘጋጠሞ ፍሽለት ዝተኸስአ መራሕ ጉጅለ ህግደፍ ገና ክሳብ ዝጥዕሞ ዲጋ ጋሕተላይ ዶ ወሕስነት መግቢ ንምኽዕባት ሃብቲ ዓሳ ዶ ወያነ ወያነ ወያነ ዶ ክብል ፖሊቲካዊ ጽላለ ኣድሂብሉ ይርከብ ኣሎ።
ሎሚ ኤርትራዊ እዚ ህልዉ ኩነታት ከየምልጦ ከምተን ናይ ቀደም ስድራቤታት ወይ ዓድታት ኤርትራ ሓው ተመሲሉ ኣብ መንጎኦም ንዝተራእየ ናይ ኣደባባይ መንድሊ ዕድል ከይሃቡ ብሓባር በተግ ኢሎም ዝሕዝዎ ዝነበሩ ንከዳዕ ኢሰያስ ውን ሓቢርና ናብ ፍትሒ ብምቅራብ ነዞም ኣብ ዘይእዋኖም እንትንትኖም ዘለና መዳያት ኣብ ዑና ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ሃገርና እንዝትየሎም ምዃኖም ምልላይ የድሊ ኣሎ።
ኣቡ ያረድ
You must be logged in to post a comment.