መንእሰይ ኤርትራ ንባዕልኻ ከም መንነት ክውን ግበር!!

መንእሰይ ኤርትራ ንባዕልኻ  ከም  መንነት                                ክውን ግበር!!
      መንእሰይ እቲ  ኣገዳሲ  ናይ ለውጢ ዳይናሚካዊ ሓይሊ  ክፋል ሕብረተ-ሰብ ኢዩ። ኣብ ሂወቱ  ኩሉ መዳያዊ  ለውጢ  ክርኢ  ዝህንጠ ንጭቆናን  ዓመጽን  ዝነጽግ  ናይ  ሓሳብን  ጉልበትን ዓቅሚ  ይውንን። ኣተሓሳስባ  መንእሰይ ኣብ ቅድሚኡ  ንዝርእዮ በደል  ግፍዒ  መግዛእቲ  ጥልመት ትምክሕቲ  ብቀጥታ ዘይቅበል  ብንጹህ  ሓዲሽ  ባህርን መንፈስን ዝልለ ኢዩ።  እዚ  ዝኾነሉ  ምኽንያት ንተፈጥራዊ  ክውንነት  ኩሉ ሳዕ  ብኣወንታ  ትጽቢት  ስለዘንብረሉን  ሕማቅ  ክርኢ  ክሰምዕ  ከሎ ድማ ካብ ንቅድሚት ዘማዕድዎ ሓያል ሃረርትኡ  ወጻኢ ስለዝኾነ  ኢዩ።  ከም ውጽኢቱ  ኸኣ ዩ  መንእሰይ  ወትሩ  ደላይ  ለውጥን ናይ ኣወንታዊ ምዕባለ  ቀንዲ ረቛሕን ተባሂሉ  ዝግለጽ። ቛንቛ  መንእሰይ ካብ  ምዝራብ  ንላዕሊ  ብግብሪ  ምስራሕ  ኢዩ። ስለዚ  ኸኣ  ዩ  ካብ  ማንም  ንላዕሊ  ነብሰ-ምትእምማንን  ተወፋይነትን  ዝውንን። ኣብ  ሕሉፍ ህያውነት ብዘይምንባሩን ቅድሚኡ ጸሓይ  ርኢዩ ንዝጸኖሖ  ወለዶ ናይ  ምኽባር  መንፈስ ስለዘሕድርን  ግን   ከከም  ቲ  ዘውረሶ ጸኒሕ  ትውልዲ እንተስ ብኣሉታ ወይ ብኣወንታ ክጽሎ   ተኽእሎታት ኣሎ።  ብሰንኪ ዛ  ናይ  ሓንቲ   ባህርያዊት ክፍቲ ሕጽረት ኸኣ ዩ ተመኩሮ  ይጎድሎ  ዝበሃልን ንዝተፈላልዩ  ብከላታት  ዝሳጣሕን  እምበር ካልእ ኣበር  ዝበሃል  በፍጹም የብሉን። መለኽቲ  ገዛእቲ  ስርዓታት  ልዕሊ  ኩሉ  ከም  ሕሱም  ዘስግኦምን  ዝፍሮሖምን  ክፋል ሕብረተ- ሰብ  መንእሰይ  ኢዩ። መብዛሕትኡ  ኣስተዋጽኦታት  ሂወት  ወዲ ወዲ  ሰብውን  ኣብ  ዕድመ ንእስነት ዩ  ዝረጋገጽ። 
      ታሪኽ  ምዕባለ ደቂ-ሰባት  ከም  ዝሕብሮ ዝኾነ ሕብረተ-ሰብ  ንባዕሉ  ዝልለየሉ  ኩሉ  መዳያዊ  ክብርታት  ኣለዎ። ገለ  ውሑድ ኣብነታት ንምጥቃስ ድማ  ኣብ መንነቱን ሃገራውነቱን  ከም  ህዝብን  ሃገርን ኣብ  ዘፍልጦ  ጂኦግራፊካዊ  ክልን ስነ-ኣእሙራዊ ኣተሓሳስባን ሓባራዊ  ተሪር  ዕግበት  ይውንን። ነዚ ሓባራዊ ዕግበት  ዝውንነሉ ብሃገር ንዝፍለጥ ዝዓዘዘ ክውንነት ብከመይ ኣብ ሂወቱ ከም  ዝግልገለሉ  ወትሩ  ብዝሕደስ  ናይ   ሓሳብን ስራሕን  ማሕበራዊ ፖሊቲካዊ  ምስ  ካልኦት  ኣብ  ዝህልዎ  ዝምድናታት (ዲፕሎማሲ) ኤኮኖምያዊ  ባህላዊ……ወዘተ ኮታ  ኩሉ  መዳያዊ ክብርታት  የጥሪ።  በዚ መዳያት ዚ  ኣብ ልዕሊ ህዝቢ  ኤርትራ ዝንበር  ሚዛን  ምስቲ  ኩሉ  ብሰንሰለታውያን  ገዛእቲ  ክሓልፎ  ዝጸነሐ ሂወት  ፈለማ  ኣብ ባዕሉ  ቀጺሉ ምስ   ከባቢኡ ዝሰማማዕን ዝመሳሰልን  ኣወንታዊ  ክብርታት ጸኒሕዎ  እንተተባህለ ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ ኢዩ።  ገለ ካብ ኣገደስቲ  ዝርዝር  ክብርታት  ህዝቢ  ኤርትራ  ከኣ ኣብ  ባዕሉን  ምስ ከባቢኡን ብፍቅርን ስኒትን ናይ ምንባር ክብርታት ዝጸኖሖ ሰላማዊ  ህዝቢ ከም ምዃኑ ሕሉፍ ናይ ቅድሚ  ዘመነ ህግደፍ ታሪኹ ዝምስክረሉ ሓቂ  ኢዩ። ሎሚ እዚ ብሂል  ዚ  ዘይወሓጠሎም እንተስ ካብ  ዘይፍላጥ ወይ ዘይመደይ ኢሎም  ዝብገሱ   ንኤርትራውነት  ዘሰይጥኑ ቦታውያን ዞናውያን ኣህጉራዉያን   ጎሊሆም  ዝረኣዩ ጥርጡራት  ክልታት ኣለዉ። ቀደም  ኤትራዊ ወለዶ ኣብ   ኣብ  ብኩራት ናይ  ባዕሉ  መንግስቲ ኣብ  ትሕቲ  ዝተፈላለዩ  ተኸታተልቲ   ጨፍጨፍቲ    ናይ  ምሕረትን  ሰላምን  ስልጣኔ  ዘየስፍኑ  ዘይምህሩ ስርዓታት  እናተገዝአ ከሎ ኳ  ኣብ  ዘይቃደውሉ  ሁመት   “ዝባን  ሕጊ  እንዳባ  ዝባን ኣሕዋት  ካብ ድሕረይ ከይትተርፍ እወሓስ  ኣግብእ  ገዚተካ  ኣሎኹ”  ተባሃሂሎም ፍልልያቶም ብሰላም ይፈትሑን የመሓድሩን  ነሮም። ከምቲ  ኣበየ  ኩርንዓት  ዓለም  ዝረአ  ሃይማኖታዊ  ዓለታዊ ወይ ናይ  ካልእ  ምኽንያታት  ምቅትታል  ኣብ መንጎ  ህዝቢ  ኤርትራ   ይኹን ምስ ጎረባብቲ  ኣህዛብ ኣይነበረን። ገለ ውሑድ  ዝተራእየውን ወረርቲ ንቀጻልነት ግዝኣቶም  መቃቂልካ  ግዛእ  ካብ  ዝብል  ዘሳውርዎ ኢዩ ነሩ  እምበር  ካብ  ዘይሰላማዊ  ባህርን መለለይን  ኤርትራውነት   ዝነቅል ኣይነበረን። 
     ህዝቢ ኤርትራ  ኣንጻር  ኢትዮጽያዊ መግዛእቲ  ብረታዊ ገድሉ  ድሕሪ  ምእዋጁ  ኣብ  መንጎ  ፖሊቲካውያን  ውድባቱ  ዝተራእየ   ምጽላማትን  ምቅንጻላትን ናይ  ኲናት ሕድሕድ ተረኽቦውን እንተኾነ ዋላ  ኳ ገለ  ኤርትራዊ  መምዘኒታትን መለለዪታትን  ፈጺሙ  ኣይነበሮን  እንተዘይተባህለ  ሎሚ ኣጸቢቁ  ተነጺሩ  ከምዘርከብ  ከምቲ ናይ  ድሕሪ  ካልኣይ  ኲናት  ዓለም ጠፋጢፎም  ጠፋጢፎም ባሕሪ  ዘለዋ  እስትራተጂካዊት  መሓዛ  ልዕሊ  ሓያላን  ሃገራት  ዓለምና ዝኾነት ዓባይ ኢትዮጽያ  ንምምስራት  ዝተፈተነ  ህዝቢ  ኤርትራ  ግን ኣይፋሉን ሃገርን  መንነትን  ኢየ  ኢሉ  ስለዝመከተ  ዳግም  ዝቀጸለ  ንኤርትራውነት ንምጥፋእ  ዝሰዓበ  ኣዚዩ  ሓደገኛ ውዲት ውን  ነርዎ  ኢዩ።  ስለዝኾነ  ከኣ  ዩ ኤርትራዊ  ኣብ ናይ  ነንሕድሕዱ  ናይ  ምቅትታል  ኲናት  ውዒሉ ገሪምዎ  እንታይ  ኢና  ዀና ደቂ ሓንቲ  ኤርትራዊት  ማህጸን ንቀታተል  ዘሎና  እምበርዶ  ንሕና  ኢና እናበለ  ዝጭነቅን ዝድንጾን  ዝነበረ።  ብርግጽ  ከኣ  ሓያል   ብኹሉ  መዳያት ዝተጠናነገ  ንኤርትራዊ ክብርታት ዕላማ  ዝገበረ   ካብቲ እዋን ቲ ኣብ ዝተናወሐ ንናይ ሎሚ  መድረኽ  ንሰንሰለት ወለዶ ኤርትራ ንምብታኽ  ዝተሰርሐ  ዘሕዝንን ዘጨንቅን  ተመኩሮ  ኢዩ ነሩ።   
      ድሕሪ ነጻነት መሬትን ልኡላውነትን ሃገረ ኤርትራን  ኤርትራዊ  ከም  ኩሉ  ማሕበረ-ሰብ   ዓለም  ኣብታ  መጻኢት ኤርትራ  እናበለ  ዝስወኣላ  ዝነበረ ሃገሩ ኣብ ባዕሉን ምስ ከባቢኡን   ኣብ  ሰላምን ምዕባለን ኣብ  ናይ  ሕድሕድ  ምክብባርን ክነብር  ዩ  ይምነ  ነሩ።  ይኹን  እምበር ንሕና  ዝበልናዮም  ረጊጾም ከም  ድላዮም  ክኸዱ  ኣይፋሉን  ዝበሉ  ቅርሕንቶም  ካብ ዝሓለፈ  ክፍለ-ዘመን ንእስታት 70 ዓመታት ዝደኰኑ  ሰብ  ርኹስ  መንፈስን    ኣምሰሉታት  ልኡኻቶን ንሳልይ መዋእል  ሸርሕታቶም  ቀጺሎም። 

      ናይ  ሃገራዊ  ሓርነታዊ  ብረታዊ  ቃልሲ ቁስሊ   ህዝቢ ኤርትራ  ከይሓወየ  ኸኣ  ኣቃልቡኡ  ብመስኰት  ንምህውታት   ብ1993 ዓ-ም ኣብ  ጋሽ ባርካ  ኣብ  ዔሽንኪት ዝተባህለ  ቦታ  ሱዳን  ደቂ  ሞሮኮ  ዝርከብዎ  ግብረሽበራዊ  ኣሃዱ  ብምልኣኽ  ኣብ  ልዕሊ  ሰራዊት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ  መጥቃዕቲ  ኣካይዶም  ዝብል  ዘሰንብድ  መግለጺ ተኣዊጁ።  ከም  ውጽኢቱ  ዕጡቅት  ሰራዊት  ደቡብ  ሱዳን (SPLA)  ተዓዲሙ  ምስቲ  ከፊኡና  ከሎ  ጽላል  ዝኮነና  ሓው  ህዝቢ  ሱዳን  ኣብ  ቶጋን  ኣቡገንል  ሓፊር   ዓጊግ  ቶከር…..ወዘተ ናይ ምድማይ  ውግኣት  ተኻዪዱ።  

       ካብቲ  ግዜቲ  ጀሚሩ  መንእሰይ  ኤርትራ ንለውጥን  ምዕባለን  ከየማዕደወ  ኣብ  ዘይውዳእ  ሻቅሎት  ዝነብረሉ  መደበር  ታዕሊም  ሳዋ ተመስሪቱ  ምስ ኩለን  ጎረባብቲ  ሃገራት  የመን  ጅቡቲ  ኢትዮጽያ  ኲናት  ተሳዊሩ  ሃገር  ኣብ  ሓደጋ ከላ ፍትሓዊ ስርዓት  ኣይከኣልን ተባሂሉ እቲ ዝተራእየ  ተራኢዩ  ዝተረኽበ  ኸኣ  ተፈጺሙ።    
     ክቡራት ኤርትራውያን  መንእሰያት  ደቅና

 ድሕሪ ነጻነት  ኤርትራ  ብቀጥታ  ኣብ  ትምህርቲ  ዕዮ  ህንጸት ሃገር  ክትዋፈሩ  እሞ   ዝለዓለ  ደረጃ  ትምህርቲ  ብምርግጋጽ  ክትነግዱ ክትውንኑ ክትወልዱ  ክትዝምዱ  ክትድሰቱ ኮታ  ኩሉ  ናይ  ምቾት  ሂወት  ከተስተማቅሩ  ዩ  ዝግበኣካ  ነሩ። 
    ከዳዕ ኢሰያስን ጉጅሊኡን  መንእሰይ  ሰላም  እንተረኺብካ ብዛዕባ  መሰላካ  ክትሓቶ  ከም  እትክእል እሞ ዝዓግተካ  ሓይሊ  ከምዘይብሎም  ስለዝፈልጥ ዩ ነቲ  ኩሉ ናይ  ምጥፋእካ  ሸርሕታት  ዝኣጉዱልካ።   ብሰሪ ዚ  ገለ ገለ  ኣካልካ  ዝኾኑ  መንእሰያት  ኣያታትና  ተቃሊሶም እንታይ  ረኺቦም  ክብሉ  ይስምዑ  ዮም።  እዚ  ግን  ግጉይ  ተረዶኦ ዩ።  ኤርትራውያን  ስለዝተቃለስና ኣይኮናን  ኣብዚ  ናይ  ሎሚ  ሽግር  ወዲቅና።  የግዳስ  ሓድነት  ስለዘየረጋገጽና  ካብ ነዊሕ  እዋን  ጸላኢ  ህዝቢ  ኤርትራ  ንዝኾነ  ኢሰያስ  ኣንጊህና  ስለዘይተቆጻጸርናን  ዘይፈለጥናን  ኢና  ናብዚ ናይ  ሎሚ ሓደጋ  ወዲቅና።  

     ሕጅውን  ንከዳዕ  ኢሰያስ  ጀግና እናበሉ  ዝቅጽሉ ብምህላዎም   ዮም   ገና  ንህዝብናን ሃገርናን  ዝኸውን  ብቁዕ  ፍታሕ  ከየረጋገጽና  ኣብ  ጸገም  ንቅጽል  ዘለና።  ጅግንነት   ብጭካነ  ተታዂስካ ብብረት  ሰብ  ምቅታል  ብድፍረት  ንኣሸሓት  ዜጋታት ምእሳር  ከይሰጋእካ  ርኹስ  ውሳኔታት ምውሳን  ማለት  ኣይኮነንን።  ሽፍታውን  ንትሕዝቶ  ካልኦት  ንምዝማት ሂወት ንምጽናት  ብጭካኔ  ይዋጋእ ብድፍረት  ይውስን  ይቀትል  ኢዩ።  ጅግና  ግን ኣይኮነን።
     ጅግንነት   ምእንቲ  ፍትሕን ሓቀኛን  ዕላማ ህዝብኻ  ኣብ ኲናት  ሂወትካ  ኣወፊኻ  ምውጋእ ክኸውን  ከሎ  ብካልእ  ሸነኽውን   ኣብ ኲናት  ዘይህልወሉ   ሰላም  ምእንቲ  ፍትሓውን  ሓቀኛን  ጉዳይ  ህዝብኻ ዓው  ኢልካ  ምጥባቕ  ማለት  ኢዩ። 

  ኣሕዋቱ  ዝቀትል  ዝኣስር ደቁ  ንስደት  ዘሳጥሕ ንሉኡላውነት  ህዝቡን  ሃገሩን  ኣብ  ዋጋ  ዕዳጋ  ዘእቱ ጀግና  ኣብይ  ተራኢዩን  ተሰሚዑን  ይፈልጥ?ጀጋኑ ሓሊፎም  ኢዮም። ከዳዕ  ኢሰያስ ዓይኒ  ዘንቑር  ካብ  ጽላሎቱ  ከይተረፈ  ሰጊኡ ቀደመኒ  ብማለት ዝቀትል   ሕማቅ ጸላኢ  እንበር  ጀግና  ኣይኮነን። 
     ከዳዕ  ኢሰያስ  ንዓኻ  ንመንእሰይ  ከም  ናይ  ለውጢ  ሓይሊ  መጠን  ከም  እስሓይታ ፈሪሑኳ  ዩ  ከይደቀሰ  ዝተፈላለዩ  ውዲታት ፍሒሱ በታቲኑኳ።ጎረባብትኻ  መንእሰያት  ሱዳን  ኢትዮጽያ ብከመይ    ንሃገሮም ብኣወንታ  ይቅሩ ኣለዉ  ረአዮም። 

       ሎሚ  ከዳዕ ኢሰያስ  ከቢድ  ዋጋ  ክትከፍል  ዝሓተካ  ኣይኮነን። ሓድነትካ  ኣረጋጊጽካ ዒሒህ  ምስ እትብሎ  ዝብርግግ ብዋጋ   ጀጋኑ ኣባሓጎታትካ  ኣቦታትካ  ኣያታትካ ዝተጠፍጠፈ ናይ  ሓሶት  መካኒካዊ  ስረሓት ዝኾነ ጸላኢ  ኢዩ።  ብሃይማኖት  ኣውራጃ   ቛንቛ ጾታ  ዓሌት  ሕሉፍ  ታሪኽ ውድባት ኣብ  ፍልልይ  ምንባር  መግለጺኻን  መለለዪኻን  ኣይኮነን።    ናትካ ሓዲሽ  ታሪኽ  ብምስራሕ ንባዕልኻ  ክውን  ግበር!!
     ኣቡ ያረድ

Leave a Reply

Please log in using one of these methods to post your comment:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.