ኣብ ኤርትራ ን29 ዓመታት ኵናት ኣዕሪፉ ኣይፈልጥን!

ኣብ ኤርትራ ኵናት ኣዕሪፉ ኣይፈልጥን!

ርእሰ ዓንቐጽ ውሓደለ

28 ጥቅምቲ 2020

ኣብ ኤርትራ ኵናት ኣዕሪፉ ኣይፈልጥን፡ እንተኾነስ እንታይ ዓይነት ኵናታት እዮም ነይሮም ኢልካ ክትፈላልዮምን ከተለልዮም ይከኣል። ምሕደራ ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝብና ኵናት ኣዕሪፉ ኣይፈልጥን። ኣብ’ዚ ወግሐ ጸብሐ ዝውልዖ ኵናት ከኣ መሕብኢ ስልጣኑ ገይርዎ ጸኒሑ። ህዝቢ ኤርትራ ቀሲኑ ንኸይንበር፡ መሰሉን ክብሩን ከይሓትት፡ ተጠቓሚ ጸጋታቱ ንኸይከውን ዝሓለፈ 17 ዓመት ኣብ ጽላሎት ኵናት ኣለና እንዳበለ፡ ቅድሚኡ’ውን ምስ ዝተፈላለያ ጎረባብቲ ሃገራት ብዝወልዖ ባርዕ ዕድመ ቀዳማይ ወለዶ ድሕሪ ነጻነት ኣጥፊኡስ፡ እንሆ ካልኣይ ወለዶ ኣብ ሰንፈላል ከም ዝሓልፍ ይገብሮ ኣሎ። እዚ ምሕደራ ከኣ ንዘይሕጋዊ ኣገባብ ስልጣን እከይ ተግባራቱን ሒዙ ክቅጽል ዘጠዓዓሞ መደብ’ዩ።

ምሕደራ መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ብውሽጥን ብወጻእን ከም ሓደ ጓንጓ ወይ ዝቆንቆነ ገረብ ኮይኑ ትርጉም ዘይብሉ ፖለቲካዊ ውሳኔታትን መደብ ሒዙ ክጓዕዝ ጸኒሑን ኣሎን። ኣፍራይ ሓይሊ መንእሰያት ብምስምስ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ቅድመ ግንባር ጅሆ ሒዙ፡ ክረምቲ መጸት ብተፈጥሮ ንዝለምዐ፡ ብውሕጅ ዝተኣከበ ማይ ባዕሉ ከም ዝፈጠሮ ገይሩ ዝዛረብ፡ ኣብ ቁጠባዊ ዕብየት ትንሳኤ ምዕባለ ሕርሻዊ ትካላት ንህዝቢ ኤርትራ ከዕንግለሉ ኣብ ዘይክእል ደረጃ ብምውዳቑ ኩሉ ግዜ ንግዳም እንዳጠመተ ክነብር ዘጽንሖ ሓደ ነፍሱ ዝኸኣለ ቁጠባዊ ኵናት’ዩ። ምስ’ዚ ዝተኣሳሰረ ከኣ ኤርትራ ተፍርዮ ህዝባ ጸጊቡ ብመጠኑ ንወጻኢ ተላኢኹ ኣታዊ ክረከበሉ ዝኽእል ምህርቲ ከፍሪ ዕድል ብዘይምርካቡ፡ እተን ውሑዳት ኣብ ግዜ መግዛእቲ ዓብየን ዝነበረ ቦታ ሕርሻታት’ውን ተዳኺመን ወረአን ዘይስምዓሉ ጠፊኤን ተሪፈን። ምስ’ዚ ብዝተሓሓዘ ተመሳሳሊ ዕጫ ዝበጽሐን ፋብሪካታት’ውን ዓንየን፡ ሰራሕተኛታት ተሰጕጎም ኣቦታትን/ኣደታትን ናበይቲ ስድራ ቤታት ስራሕ ኣልቦ ኮይኖም ዘትረፎም ኩነታት’ዩ።

ኵናት ምሕደራ መላኺ ስርዓት ጥይት ብጥይት ዝተፈጸመ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ዝተፈላልየ መደብን ስልትን ዘለዎ፡ ዕንወት ህዝብን ሃገርን ባህሪ ዝሓዘ’ዩ። ከም’ቲ ህዝብናን ህዝቢ ዓለምን ዝፈልጦ ኤርትራ ኣብ ድሕሪ ነጻነት ምስ ብዙሓት ጎረባብቲ ሃገራት ኵናት ከም ዘካየደትን ዘይሓዊ በሰላ ተሰኪማ፡ ንዓመታት ዝቀጸለ ዘይሃስስ ስምብራት ዝገደፈ ኣብ ውሽጢ ሃገር ይሃሉ ኣብ ወጻኢ ኣብ ገጽ፡ ኣብ ናብራኡ፡ ኣካይዳ ኤርትራዊ ዜጋ ደሚቝ ዝረአ ተሞክሮ እዩ። እቲ ዝኸፈአን ቀጻሊ ብዘይምቁራጽ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝተፈጸመ ግፍዕን ዕንወትን ጭቆናን ምስ’ዚ ዳሕረዋይ ዘቤታዊ ኵናት ዝተፈጸመ እከይ ተግባራት’ዩ።

ኵናት ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ተኻይዱ እንድዩ፡ እንተኾነስ ምስ’ቲ ዝኽፈል ሰብኣዊ ዋጋታት፡ እንተስ እተን ሃገራት ለቢመን ይኹና፡ ተዳኺመን፡ ወይ’ውን መንጎኛ ዓራቒ ረኺበን ጠጠው ንምባሉ ጻዕሪ ተኻይድሉ እዩ። እቲ ኣብ መንጎ ህግዲፍን ህዝብን ዘሎ ውሽጣዊ ኵናት ግን ዝዳንዮን ዝሽምግሎን ጠጠው ዘብሎ ዘይብሉ፡ መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ተሲኡ ደቒሱ ሰባት ካብ ምጭዋይን ምእሳርን ምጥፋእን፡ ትንፋስ ዘይህብ ማሕበራዊ ፍትሒ ዝተሳእኖ መሪር ናብራ ዜጋታት ብዘይ ድሌቶምን ምርጭኦምን ንስደት ከምርሑ ዝደፋፍእ ስርዓት’ዩ። ህግዲፍ ባዕሉ ምልክት ጭቆናን ግፍዕን ምዃኑ ኣሚኑ ዝፈልጦን፡ ኣንዳዕዲዑ ዝዛረበሉ ዝምድረሉን፡ ንሰዓብቱን ደገፍቱን ዘነቃቓሓሉ፡ መንእሰያት ዝጉስጉሰሉን ፖለቲካዊ ውሳኔታቱ እዩ። ቅዋም፡ ባይቶ፡ ሕግን ፍትሕን ነጻ ቤት ፍርዲ ዘይብላ ሃገር ካብ ኩሉ ደሞክራሲያዊ ጸጋታት፡ ብኡ መሰረት ክርከብ ዝኽእል ክብርታት ዜታትን ተሪፉ ማለት’ዩ። ደገፍቲ ስርዓት ህግዲፍ ግን ነዚ ጭቆናን ምልክን ግፍዕን’ዮም ዝድግፉ። ብልክዕ ከኣ ከም’ቲ ድሌት መላኺ ስርዓት፡ ብቋንቋኡ ሎሚ ምርጫ፡ ብዝሒ ሰልፍታት፡ መራኸቢ ብዙሓት ኣየድልን ዝብሉ። እሞ ህግዲፍን ሰዓብቶም ኣብ’ዚ ተጋጢሞም ዶ ? እወ። ደጊም ህግዲፍ ነቲ ምልክት ጭቆናን ምልኪን ዝኾነ ባህርያቱ ኣንቒሑ፡ ረብሓ ንዘይብሎም ዜጋታት ኣብ ጎኒ ስልጣኑ ክስለፉ ንጥፍኣት ይምርሽ ኣሎ።

ህዝብና ባዕዳውያን ገዛእቲ ሓይልታት ዝምስክርሉ፡ እንተስ ሰሪሑ ድዩ ሓሪሱ ብኣፈ ጻምኡ፡ ብርሃጹ ዝናበር ህዝቢ፡ ህግዲፍ መተካእታ ምሕደራ ከየዳለወን ከይቀረበን፡ ካብ’ተን ዝርካበን ብሕታውያን ፋብሪካታትን፡ መንግስታዊ ትካላትን ጸንጺሉ ዝደርበዮም ወለዲ ዝሓለፍዎ ናብራ፡ ኣደታት ካብ ቤተን ወጺኤን ኣብ ቃልዕ ጎደናታት ማርያም ትሃብኩም ዝበላሉ ኩሉ ዝረኣዮን ዝመስከሮን ደረጃ ሕሰም ናብራ ዝተራእየሉ ኵናት ምስ ህዝቢ ኤርትራ’ዩ።

ካብ’ዚ ሓሊፉ ተሪፉ ህዝብና ተሓጋጊዙን ተለቒሑን ተመርቒሑን፡ ብጽቡቕ እዋን ዘጥረዮን ንብረቱ እንዳሸጠ ንዝረኸቦ ገንዘብ’ውን፡ በቲ ሓደ ንመጠን እቲ ኣብ ዕዳጋ ዝርከብ ቀለብ ዘይወዳደር ክብሪ ዋጋታት፡ በቲ ካልእ ከኣ መላኺ ስርዓት፡ ብዝተፈላልየ ምኽንያታት ብፍቃድ መንግስቲ ክዕደል ንዝገበሮ፡ ኣባል ህግዲፍ ኮይንካን ዘይኮንካን፡ ኣኼባ ተረኺብካ ኣይተረኸብካን ሌላን ጉሌላን ብዘለዎ ነቲ ኩነታት ካብ’ቲ ዝነበሮ ክፉእ ናብራ፡ ዝገደደ ሕሰም ዝተወሰኾ፡ ሰባት ብማይን ቀረብ መግብን ክዛረብ፡ ክሓፍር፡ ክሓስር፡ክዋረድ ገይርዎ’ዩ። እዚ ንባዕሉ ኵናት’ዩ። እዚ ኣብ ጎደናታት ዓበይትን ንኣሽቱን ከተማታት ኤርትራ ወትሩ ዝረአ ሓድሽ ሓድሽ ሰናሪዮታት’ዩ።

በዚ ምሕደራ ህግዲፍ ዝሓመመን ዝተሳቐየን፡ ግቡእ ህዝባዊ ኣገልግሎት ዘይብሉ ዜጋ ምስ ሓመመ፡ ይትረፍ ነቲ ዓበይቲ ሕማማትስ፡ ንርእሲ ትፍውስ ኬኒና ዘይብላ ሃገር ገይርዋ። ኤርትራ ብስንኪ’ቲ ኣብ ውሽጣ ዝተኣጎደ ኵናት ከኣ ነቶም ኣለናልኪ ዝብልዋ ዝነበሩ ለባማት ሽማግለታት ዓዲ፡ መንፈሳውያን መራሕቲ፡ ዶክቶራት፡ መሃንዲሳት፡ ፈላጣት ከይተረፉ ኣብ’ውጢ’ቲ ምሕደራ ከም ጨው ክሓቍን ክጠፍኡን ተራእዮም። ገገለ ብማእሰርቲ፡ ገገለ ካብ ስራሕ ብምእጋዶም፡ ናብራ ዝመረሮም ክብሪ መሰሎም ዝሰኣኑ ዝተሰዱ ኮይኖም፡ እታ ሃገር ከም ዘይወለደት ዘምከን ስርዓት’ዩ። እዚ ከኣ ዘይቋርጸ ኵናት 29 ዓመት ምስ ዕድመ ምሕደራ ህግዲፍ ዝተኣሳሰረ’ዩ።

ህግዲፍ መዕነዊ ምዃኑ ባዕሉ ዝገለጾ ክሳብ ድሮ ነጻነት ብዘለወን ዓቕሚ ከፍርያ ዝጸንሓ ወደባትና፡ ንኣስቱን ዓበይትን ፋብሪካታት፡ ትካላት ቤት ትምህርቲ የለን ሞይቱ’ዩ ክብል ዝገለጾ መስደመም ታሪኽ’ዩ። እቶም ጸላእትና ንብሎም ሰራሕተኛታት ኣዋፊሮም ከስርሕዎ ዝጸንሑ፡ ዋናታቱ ምጽእ ኢሎም ሞይቱ ክብልዎ ከኣ ነቲ ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ኤርትራ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ዝገልጾን ዝምስክሮን’ዩ።

ኣብ’ዚ ዝሃለፈ ኣዋርሕ ከኣ’ሞ፡ ከም’ቲ ብተደጋጋሚ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሓት ክጥቀስ ዝጸንሐ፡ ብምስምስ ለበዳ ሕማም ኮሮና ቫይረስ፡ ህዝብና ይትረፍ ሓሪሱን ሰሪሑን ክናበርስ ካብ ገዝኡ ንኸይወጽእ ተኣጊዱ ዝርከበሉ ዘሎ፡ ሽማግለታት ህጻናት ኣደታት ረዳኢ ዘይብሎም ኣብ ገዛ ተዓጽዮም ይነብዑን ዘለዉሉ እዋን በጺሑ። እቲ ዝገርም መንግስታት ዓለም ንህዝበ ብፍላይ ነቶም ድዅማት ኣብ ምሕጋዛምን ኣለይመለይ ምባለን እንዳሃለዋ፡ ኩነታቶም ንምምሕያሽ ኣብ ዝጎያየሉ መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ደሞዝ ዝኸፈሎ ህዝቢ ከም ዘለዎ ኮር ተገልበጥ፡ ነቲ ድኻ ህዝብና ካብ ዘይብሉ ንሕማም ኮሮና ቫይረስ ደገፍ ክገብር ከም ዘለዎ ብምግዳድ ካብ ኣፍ ደቁ መንጢሉ ክህቦም ይረአን ይስማዕን ኣሎ። ብኡ’ውን እንተሓሊፉሉን ጉዳይ እንተፈቲሑን’ዩ። ህዝብና ብውሑዱ ክሓልፎ ዝጸንሐን ዘሎ ኵናት ከኣ ነዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ዘንጸባርቕን ሓቐኛ ታሪኻዊ ምስሊ ህሉው ኩነታት ሃገርና’ዩ። ድሕሪ ቅዋም ሞይቱ ምባል ጽቡቕ ክመጽእ ኢልካ ስለ ዘይሕሰብ ስዒቡ ንህዝብና ዝተነገሮ እንተነበረ ወደባትና ሞይተን፡ ፋብሪካታትና ሞይተን፡ ተደማሚሩ ከኣ ኣይከሰርናን ብምባል መዝገቡ ዓጽዩ። እቲ ኵናት ግን ይቅጽል ኣሎ።

ደላይ ፍትሒ ዝኾነ ህዝብና ከኣ ነዚ ኵናት ከኣ ብተሪር ሓድነት ክንገጥሞ፡ ኤርትራዊ ኣብ ዝሃለወ ይሃሉ ሓቢሩ ክለዓል ይግባእ።

ዘለኣለማዊ ክብር ዝኽርን ንስውኣትና

ዜናን ሓበሬታን ውሓደለ

28 ጥቅምቲ 2020  

Leave a Reply

Please log in using one of these methods to post your comment:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.