ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ’ውን አስተውዕል!! ብተስፋይ ተኽለ ደበሳይ ሕ/መንግስታት አሜሪካ

ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ’ውን አስተውዕል!!
ብተስፋይ ተኽለ ደበሳይ ሕ/መንግስታት አሜሪካ
11/02/2020
ክቡር ተቓላሳይ ህዝብና!
ንብዙሕ ዘመናት አብ ገዛእ መሬትካ፣ ሰላምን ቅሳንነትን ስኢንካ፣ ብዝተፈላለዩ ባዕዳውያን ሐይልታት፣ ከምዝተሃሰኻን ከም ዝተደሃኽካን፣ ክሳብ ሎሚ ካብ ዝኽሪታትካ ዘይተኸወለ፣ እቲ ዘይሐወየ በሰላ ውግእን ኲናትን ስንብራትካ ባዕሉ ዝምስክሮ ኢዩ።
ብፍላይ አብቲ ዝሐለፈ ናይ 30 ዓመታት ብረታዊ ተጋድሎኻ፣ ንኽትግምግሞ አዝዩ አሸጋሪ ዝኾነ፣ ሰብአዊ ሂወትን ጉልበትን፣ ጥሪትን ንብረትን፣ በቲ ጨካን ሐይልታት መግዛእቲ ኢትዮጵያ ዘስካሕክሕ ዕንወትን ብርሰትን ወሪዱካ ኢዩ። ሎሚ’ውን እንተኾነ እቲ “ኤርትራ ባሕራ’ምበር ሰባ አየድልየናን ኢዩ” ዝብል መቐጸልታ ናይ ሃጸይ ሃይለስላሴ ዝኾነ ደግሲ ሕማሞም ዝተላዕሎም፣ ኮሎኔል አብይ አሕመድ ዝብሃል ውዲተኛ መራሒ አምሪሖም ዳግም ቁስልኻ ክጎድኡኻ ይሸባሸቡ አለዉ። ንልዑላዊ ሃገራዊ ዋንነት ባሕርኻ ንምቁጽጻርን ንምርሳይን ከአ፣ “ኢትዮጵያ እንደገና ናይ ቀይሕ ባሕሪ ወናኒት ንምግባራ፣ ናይ ባሕሪ ሐይሊ ሰራዊትን መራኽብን አጽዋርን አዳሊና አለና” ክብሉ ብአዋጅ ገሊጾም አለዉ።
ነዚ ኩሉ ሐደገኛ ዝኾነ ውዲታትን ሽርሒታትን ንምፍጻም ከአ፣ እቲ ናይ 30 ዓመታት መሪር ተጋድሎኻን፣ ሰፍ ዘይብል መስዋእትኻን ፍረ ጻማኻ ዘሚቱን ጨውዩን ዝገበተ፣ ንሰላምካን ቅሳነትካን ዝጻባእ፣ ኢሳያስ አፍወርቂ ዝብሃል ከዳዕ፣ ናይቲ ውዲትን ሽርሕን እቲ ቅድመ ግንባር ቀንዲ ተዋሳአይ ምዃኑ ኢዩ።
ክቡር ተቓላሳይ ህዝብና
“ሳእንኻን ይመስል አብ እግርኻን ዘይትወድዮ” ከም ዝብሃል፣ ንህዝቢ ኤርትራ ዓይኒ ብዓኒ ብርእዮ ዝኸድዔን ዝጠለመን ኢሳያስ አፍወርቂ፣ ዝያዳ ካብ ኤርትራን ህዝባን፣ ብዛዕባ ኢትዮጵያን ህዝባን ከም ዝሐስብን ከም ዝጭነቕን፣ ቅድሚ ሕጂ ብተለቪጅን ከይሐፈረ ከይሐነኸ፣ ብአዋጅ ደርጒሑልካ ኢዩ። ስለዝኾነ ከአ “ስልጣነይ ንአብይ አሕመድ አረኪበ ኢየ . . . ምስ ኢትዮጵያ ሐደ ሃገር ኢና. . . ኩሉ አምሊስናዮ ኢና አይከሰርናን . . . ዶብ ዘይኮነ ክንዮው ዶብ ክንሐስብ አለና ” ዝብል መልእኽቲ ኢሳያስ፣ ካብ ሐደ ሰላዪ ኢትዮጵያዊ’ምበር ካብ ሐደ ኤርትራዊ ኢየ ዝብል ፍጹም ዝሕለም’ውን አይኮነን። ነዚ ንሃገራዊ ልዑላውነትካ አብ ዋጋ ዕዳጋ ዘእቱ፣ ሽርክነትን ውዲትን ናይ ኢሳያስን አብይ አሕመድን አብ ግብሪ ከይውዕል ግን ቀንዲ ዕንቅፋት ዝኾኖም፣ ህዝቢ ትግራይን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ኢዮም። ስለዚ እቲ ዘዳልዉዎን ዘዋጣውጥዎን ስላዕ፣ አብ ህዝቢ ትግራይ ተሐጺሩ ዝተርፍ ዘይኮነስ፣ ድሒሩ ዝመጽእ ተሪር ስላዕ ቀንዲ ዝውቃዕን ዝህረምን ዕላማ ንስኻ ህዝቢ ኤርትራ ምዃንካ ከሎ ጌና ብአግኡ ተገንዘቦ። አብይ አሕመድ ንኢሳያስ አምሪሑ፣ ኢትዮጵያ አብ ኤርትራን ገማግም ቀይሕ ባሕርን ከም ድሌታ ክትዋደይን ክትዕንድርን መታን፣ ቅድም ቀዳድም ንህዝቢ ትግራይ ምንብርካኽን፣ ንክልላዊ መንግስቱ ምውጋእን ምልጋስን ዝብል ሐባራዊ ስትራተጂ ወጢኖም ክንቀሳቐሱ ጀሚሮም ምህላዎም ከአ ናይ አደባባይ ሚስጢር ኢዩ።
ከዳዕ ኢሳያስ አፍወርቂ ንህዝቢ ኤርትራን ደቁን ብምጽናትን ብስደትን ፋሕፋሕ አቢሉ ብምድኻም፣ አብ ትሕቲ ፍጹም ቁጽጽረይ አእትየዮም ኢየ ዝብል ምትእምማን ዕግበትን ስለዘሕደረ ከአ፣ እንሆ አብ ዝኾነ ሰዓትን እዋንን፣ ናይ ኲናት ነጋሪት አዋጅ አዊጁ እቶ ክብለካ ዘጸግሞ አይኮነን። ቅድሚ ሕጂ’ውን እንተኾነ፣ እቲ ንሱ ዘቖሞ ባይቶ ኮነ ሚኒትራቱን አብ ዘይፈልጥዎ፣ መራሕቲን አዘዝቲን ምክልኻል ሰራዊት ኤርትራ አብ ዘይፈልጡዎን ዘይተዳለዉሉን፣ ኲናት ባድመ ኢሉ አብ ዘይውዳእ ታኼላ ጥፍአትን ብርሰትን አእትዩካ ኢዩ።
እሞ’ኸ ሎሚ ህዝበይ በቲ ደጋጊሙ ዘደናገረካን ዘታለለካን፣ ንህልውናኻ ከም ህዝብን ሃገርን ዝድምስስ፣ ብተንኮል ዝተጠጅኤ ሐዲሽ ናይ ኲናትን ውግእን ነጋሪት አዋጅ ኢሳያስን ክትቅበሎ ዲኻ? ወዲ ሰብ ሐደ ወይ ክልተ ግዜ ይደናገር፣ ካብኡ ንላዕሊ ምስ ዝደናገር ግን እቲ አበሳን ሕመቕን ናይቲ ዝደናገር’ምበር ናይቲ መታለሊን መደናገሪን አይኮነን።
አብይ አሕመድ ዝመርሖ ናይ ኢትዮጵያ ፈደራል መንግስትን ሰዓብትን፣ ንኢሳያስ ብምሐዝ፣ ንህዝባዊ ወያኔን ህዝቢ ትግራይን ወጊእካ ብምንብርካኽ፣ ንኤርትራን ባሕርታታን ዳግም ናብ ኢትዮጵያ ቁጽጽር ምምላስ ንዝብል ስትራተጂ ኲናቶም፣ ኢሳያስ ምስኦም ክሐብሮምን ክጽንበሮምን ካብ መረጸ፣ ንሕና ከም ኤርትራውያን’ከ እንታይ ይኹን ምርጫና? ንድሕነት ሃገርናን ህዝብናን’ከ ምስ መን ንተአሳሰር?
ህዝቢ ትግራይን ክልላዊ መንግስቱን ብተደጋጋሚ ንጹርን ግሉጽን ብዝኾነ እዉጅ መርገጾም፣ ናይ ኤርትራ ሃገራዊ ልዑላውነትን ነጻ ህልውናን አብ ዋጋ ዕዳጋ ዝአቱ አይኮነን ብምባል ንሃገራዊ ልኡላውነት ኤርትራ ከምዘኽብሩን ዝሕለቑን ብዘየማትእ አገባብ ክገልጹ ጸኒሖም ኢዮም።
ስለዚ ኢሳያስ ምስ መንግስቲ አብይ አሕመድ ብምሽራኽን ብምውዳይን ንህልውናና ከም ሃገርን ህዝብን ዝጻባእ መርገጽን ስትራተጂን ካብ ሐዘ፣ ንሕና ከአ ከም ህዝብን ሃገርን ምስቲ ብዘየማትእ ንሃገራዊ ልዑላውነትና ዘኽብርን ዝአምንን እዉጅ መርገጽ ዝሐዘ፣ ጅግና ህዝቢ ትግራይን ክልላዊ መንግስቱን ምስላፍን፣ ንልዑላውነትና ብዘረጋግጽ፣ ንሐድነት ህዝብና ከአ ብዘኽብር አተሐሕዛን፣ ንህሉው ኩነታትና ዘግጥም ናይ ሐባር ስትራተጂ ምሕንጻጽን ምትግባርን ዓይኒ ዘይሕሰዮ፣ ቃል ዓለም ከአ ዘይግበሮ፣ እዋናውን መድረኻውን ኢዩ። እዚ ክንብል ከለና ኢሳያስ ኮነ እቶም አብ ፈይስቡክን ዩትዩብን ዝዓስከሩ ኮራኹሩን ወዓጋቱን፣ ሐለይቲ ሃገር ክመስሉ ብዙሕ ከጒርዑን ክበኽዩን ምርአይ ከአ ከገርመና የብሉን።
ከዳዕ ኢሳያስን አብይ አሕመድን ንውዲታዊ ሽርክናኦም ዘዓውት ወተሃደራዊን ፖለቲካውን ስትራተጂ ክሕንጽጹ ከለዉ፣ ህዝቢ ኤርትራን ተቓለስቲ ደቁን እውን እንተኾነ ንክብሪ ህዝቦምን ንሃገራዊ ልዑላውነት ሃገሮምን ዘዓውት ስትራተጂ ናይ ምሕንጻጽ ውሳኔ ማንም ዘይሻመዎ መሰሎም ኢዩ።
በዚ አጋጣሚ ህዝቢ ኤርትራ ብሐፈሻ፣ መንእሰይ ኤርትራ ከአ ብፍላይ፣ ነታ ጽባሕ ዝመርሐን ዘማሐድራን ልዑላውነታ ዝዓቀበት ኤርትራ፣ ናይ ምድሐናን ምክልኻላን፣ ታሪኻዊ ሐላፍነት ተሰሚዑዎ ነዚ ሐደገኛ መድረኽ አብ ምግጣም ብሐላፍነት ክምክትን ተስታፍነቱ ብተግባር ከርኢን ዜግነታዊን ሃገራዊን ግዴታኡ ኢዩ።
ከምኡ’ውን ሰራዊት ምክልኻል ሐይልታት ኤርትራ፣ ነቲ ኢሳያስ አፍወርቂ ብተደጋጋሚ ኲናትን ውግእን ብምእጓድን ብምስዋርን፣ ንመንእሰይ እዛ ሃገር’ዚአ ወግሔ ጸብሔ እንዳገፈፈ፣ አብ ትርጉም ዘይብሉ አህላኺን አብራሲን ታኼላ ኲናት ክሽምሞ ዝገብሮ ጎስጓስን መናወራን ይአክል ክብሎን ተቓውሞኡ ከስምዕን መድረኹን እዋኑን ሕጂ ኢዩ።
አብዚ አዝዩ ሐደገኛን ተአፋፊን ንህልውና ኤርትራ ከም ሃገር ዝፈታተን እዋን፣ ንተቓወምቲ ውድባትን ሰልፍታን ኤርትራ ዝብሃል እንተልዩ፣ ሰአን ተላዚብካን ተወሃሂድካን ብሐደ ጥርኑፍ ሃገራዊ ግንባርን መሪሕነትን ምስራሕ ዘምለጠናን ዝኸሰርናዮ ዕድልን ውሑድ አይኮነን። ሕጂ’ውን ዝተፈላለየ ምስምስን ምኽንያትን ንጎኒ ሐዲገን፣ ነዚ መድረኽዚ ዝገጥም ሐባራዊ መርገጽን ስትራተጂን ንምሐዝ፣ ብዝቐልጠፈን ብህጹጽን ዘድሊ ስጉምቲ ክወስዳ ተሪር ምሕጽንታን ለበዋን ነቕርበለን። ህዝባዊ ምንቅስቓሳት ይአክልን፣ ሲቪካዊ ማሕበራትን ከአ፣ ነቲ ዝድገፍን ዝተባባዕን ስጉምቲ ዝወስድ ሸነኻት እንዳአተባብዔ ንቕድሚት ክደፍኦን፣ ነቲ ድሒሩ ዘሎ ከአ ንሐድነት ዘጠናኽር መአዝን ንኽሕዝ ሃናጺ ድምጹ ከስምዕ ነዘኻኽር።
በዚ አጋጣሚ ንህዝብታት ኢትዮጵያ እነመሐላልፎ መልእኽቲ፣ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ኩሎም ጎረባብቱ አህዛብ ብሐፈሻ፣ ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያ ከአ ብፍላይ፣ አብ ሕድሕድ ምክብባር ዝተሰረተ አብ ሰናይ ሕውነታዊ ጉርብትና ተሞርኲሱ፣ አብ ዞና ቀርኒ አፍሪቃ ምርግጋእን ቅሳነትን ክሰፍን ናይ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ወትሩ ጻዕሪ ምዃኑ ነረጋግጽ። ምስ ኢትዮጵያዊ ዝኾነ ሐዉ ህዝቢ ትግራይን ክልላዊ መንግስቱን’ውን እንተኾነ፣ ንኩሉ ዘፈላልን ዘሰሐሕብን ጉዳያት ብህዱእ ምስትውዓል ዝመልኦ ጎነጽ አልቦ ዝኾነ ሰላማዊ መዕርፎ ክረክብ ድምጹ ከስምዕ ነዘኻኽር። ከመይ አብ መንጎ ህዝቢ ትግራይን ክልላዊ መንግስቱን፣ ፈደራላዊ መንግስቲ አብይን ክኽሰት ዝኽእል ወተሃደራዊ ጎንጺ፣ ንኢትዮጵያ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ንመላእ ቀርኒ አፍሪቃ ዘናውጽ፣ መወዳእታ ዘይብሉ አህዛብ ዝበልዕ እሳት ሐዊ ክኸውን ተኽእሎ ከምዘለዎ ምግንዛብ የድሊ።
አብ መወዳእታ ክንብሎ እንደሊ ንጅግና ተቓላሳይ ህዝቢ ትግራይን ክልላዊ መንግስቱን፣ አብ ሃገራዊ ነጻነትን ልዑላውነት ኤርትራን ዘለኩም ዘየወላውል ንጹር እውጅ መርገጽ እንዳ አድነቕና፣ ብተሪር ሐድነትኩምን ክምህ ዘይብል ሐርበኛ ወንኹምን፣ አብዚ ዞባዚ ንሰላምን ምርግጋእን አህዛብና ዘውሕስ፣ ሰዓርቲ ኰንኩም ከም እትወጹ አይንጠራጠርን።
እግዚአብሄር ንአህዛብ ቀርኒ አፍሪቃ ሰላምን ምርግጋእን ቅሳነትን የውርድ!!
You must be logged in to post a comment.