እከይ ተግባራት መላኺ ስርዓት ህግዲፍ፡ ኣብ ከውሊ ሓድሽ ኣህጉራዊ ፍጻሜታት

እከይ ተግባራት መላኺ ስርዓት ህግዲፍ፡ ኣብ ከውሊ ሓድሽ ኣህጉራዊ ፍጻሜታት

መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ፡ንህርፋን ፖለቲካዊ ስልጣኑ ዘዕግብ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ እከይ በደላት ግፍዕን ዘካይደሉ ኣብ ከውሊ ሓድሽ ኣህጉራዊ ፍጻሜታት እዩ። ህዝቢ ኤርትራን። ህዝቢ ዓለምን ኣቓልቦ ኣብ ዝስሕብ ሓድሽ ኣህጉራዊ ፍጻሜታት ኣብ ዝተራእየሉ፡ መላኺ ስርዓት ኣድብዩ ብምጽናሕ እከይ ተግባራቱ ይፍጽምን ንረብሕእ ዕድመ ስልጣኑ ከኣ ይጥቀመሉ።

መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ኣብ መፋርቅ 90ታት ኣብ መንጎ ክልተ ሃገራት ሩንዳን ብሩንድን ዝጀመረ፡ ኣብ መንጎ ክልተ ኣሕዋት ዓሌታት ቱሲን ሁቱን ዝቀጸለ ዘስካሕክሕ ኣፍሪቃዊ ህልቒት ህዝቢ ንምርዓድ ከም ሕሱም ፕሮፕጋንዳ ሰሪሕሉን ተጠቒምሉን’ዩ።ኣብ መንጎ መንግስቲ ሱዳንን፡ ተቃውምቲ ሓይልታት ሱዳናዊ ኪዳን ዝነበረ ፖለቲካዊ ግርጭታት ኣብ ክንዲ ንምፍታሕ ጻዕርታት ምክያድ፡ ኣብ 1994 ኤምባሲ ሃገር ሱዳን ብምዕጻው ቤት ጽሕፈት ንተቃወምቲ ንክኸውን ከም ዝዋሃብ ተገይሩ። 1998/2000 ዓ.ም ድሕሪ ዶባዊ ኵናት ኢትዮ ኤርትራ፡ ተቃወምቲ ሓይልታት ረፓፕሊክ ፈደራላዊ ዲሞክራሲያዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ብወጻእታት፡ ብዋጋ ነጻነት ህዝቢ ኤርትራ ንጥፈታቶም ንምክያድ ልዑል ዋጋ ዝተኸፈሎ ምንባሩ ዝኽሪ ትማሊ’ዩ። ብፍላይ እቶም ኣንጻር ነጻነትን ክብርታት ህዝቢ ኤርትራ ድግዲጊት ተዓጢቆም ዝጭርሑ ዝነበሩ ግንቦት 7 ከይተረፈ ገበርትን ሓደግትን ጠርነፍቲ ተቃወምቲ ሓይልታት ኢትዮጵያ ኮይኖም ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ንጥፈታቶም ጉባኤታቶም ከካይዱ ተገይሩ።

ብተመሳሳሊ ካብ ሙሉእ ዓለም ዝተሳተፍዎ ተቃወምቲ ሓይልታት ሶማልያ ኣብ ወርሒ መስከረም 2007 ዓብይ ኮንፈረንስ ኣብ ኣስመራ ተኻይዱ። መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ንዞም ዝተጠቕሱ ተቃወምቲ ፖለቲካውያን ሓይልታት ጎረባብቲ ሃገራት ሱዳን፡ኢትዮጵያ ሶማሊያ ንመራሕቶምን ሰራዊቶም ካብ ኣፍ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ መንጢሉ እዚ ዘይብሃል ወጻኢታት ብምግባር ናብይዎምን ኣማሕዲርዎምን እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ንብረቱን ገንዘቡን ጓኖት ክጻፍዕሉ ኣብ በይቶም ተኾርሚያም ንብዓቶም ተነጺፎም ከም ዝሓልፉ ተገይሩ። እቲ ዕላማ ከኣ ንህዝቢ ኤርትራ ንምቅጻዕ፡ ንምርዓድን ንምፍርራሕን ኮይኑ፡ ውሽጣዊ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ጉዳይ፡ ኣብ ሰላምን ምርግጋእን ዘይምጽእ ዋጋ ዘይብሉ ብግዳማዊ ፖለቲካዊ ከውሊ ጌርካ ድላይካ ምፍጻምን ዝዓለመ’ውን እዩ። ብልክዕ ከኣ ህዝቢ ኤርትራ ንደላይ ሰላም ዝከኣሎ ክገብር ክሕግዝን ዝግባእ’ኳ እንተኾነ ጾር 30 ዓመት ኵናት ንነጻነት ከየውረደ፡ ከብዱ ብጥሙዩ፡ ዝባኑ ብዕሩቝ ውን ክህብ እንተደለየስ መን ይቕበሎ። ህግዲፍ ካብ ህዝቢ መንጢሉ ንጓኖት ኣመንጊጕ ሂብዎም’ዩ።

ብመስከረም 11 2001 ኣብ ሃገር ኣሜሪካ ዝተፈጸመ ህልቒት ሰባት፡ ህዝቢ ዓለም ኣብ ሻቕሎት እንዳሃለወ መላኺ ስርዓት ኣብ ዓለም ተራእዩን ተሰሚዑን ብዘይፈልጥ ኣገባብ ብዘይ ክስን ፍርድን ንጉጅለ 15፡ ወነንትን ሰራሕተኛታት ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ሰዓብቶምን ስድራ ቤቶም ብጃምላ ዝኣሰረሉን ዝዳጎነሉ ከውሊ ኣህጉራዊ ፖለቲካዊ ተርእዮ ነበረ። ዛጊት ፍታሕ ዘይተረኽበሉ ታሪኽ ክርሳዕ ህግዲፍ ዝስርሓሎ ዘሎ ኵናት ኣብ ርእሲ ኵናት ንህዝቢ መስተርሆት ከሊእኻ፡ ዓፊንካ እከይ ተግባራት መላኺ ስርዓት ክፍጸም ምድላይ’ዩ።

ሎሚ ከኣ እንሆ ወርሒ ሕዳር 2020 መንግስቲ ኣሜሪካ ንፕረሲደንታዊ ምርጫ ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን፡ ብፍላይ ድሕሪ ሞት ጆርጅ ፍሎይድ ምስ ፍትሕን ሕግን፡ ሕቶ ዓሌታት ዝተኣሳሰረ፡ ሕማም ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ተወሲኽዎ ዝጸንሐ ዘይርጉእ ኩነታት፡ ህዝቢ ኣሜሪካ ይኹን ዓለም ንሓድሽ ምምሕዳር ይኹን ፍታሕ ክረክብ ኣብ ትጽቢት እንዳሃለወ፡ መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ከኣ ኣብ ከውሊ እዚ መድረኽ ፕረሲደንታዊ ምርጫ ኣሜሪካ፡ ተመሃሮ ኮሌጃት ኣስመራን ዓዲ ቐይሕን ካልእ  ኣኻኺቡ ንጥፍኣቶም ኣብ ዝውላዕ ኵናት ንምእታዎም ይሸባሸብ ኣሎ።

ህዝቢ ኤርትራ ኵናት ሂወት ዝበልዕ፡ ንብረት ዘብርስ፡ ሰላምን ዘማሕግን ዘርሕቅ፡ ከይዱ ከይዱ ዘይሓዊ በሰላ፡ ጽልእን ቅርሕንትን ዝገድፍ፡ ብኩሉ እንተናኡ ንህዝቢ ንሃገር ዘይርብሕ ፍጻሜ’ዩ። ምእንቲ’ዚ ከኣ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን ዘሎ ህዝብና፡ ኣባላት መከላኸሊ ሰራዊት፡መራሕቲ ሰራዊትን ብሓደ ድምጺ ኣብ ጎኒ ውጽዕ ህዝቦም ሃገሮም ኣንጻር ኣዕናዊ ኵናት ጎረቤት ሃገር ንሰላም ጠጠው ክብሉ ይግባእ። ኣብ’ዚ ኵናት ብዘይካ ጃንዳ መላኺ ስርዓትን ገገለ ሰዓብቱን ሓደ’ኳ ረብሓ ዘለዎ ንስለ ዘይርከብ ህዝቢ ንሰላም ደው ይበል።

ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ስውኣትና

ዓወት ንተቃላሳይ ህዝቢ ኤርትራ

ዜናን ሓበሬታን ውሓደለ

5 ሕዳር 2020                

Leave a Reply

Please log in using one of these methods to post your comment:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.