ዕብዳን መራሓቲ

ዕብዳን መራሓቲ 

                እዚ ሰሙን እዚ ክልተ ዓበይቲ ፍጻሜታት ክንዕዘብ በቂዕና ኣሎና ። ክልቲኡ እቲ ተረክቦታት ምስ ሰላምን ድሕንነት ደቂ ሰባት ዝምልከት ኮይኑ ፣ ሓደ ወገን ነታ ዲሞክራሲ እትብል ኣምር ኣንጺፉ ንነዊሕ እተጓዘ ህዝቢ ስለ ዘኮነ ፣ እቲ ዝተጓነፎ ጸገም ብቀሊል ክፍትሖ እንከሎ ፣ እቲ ሓደ ግን ኣንፈት ዲምክራሲ ስለ ዘይብሉ ኣብ ህዝብን ንብረትን ዕንወት ከሰዒብ ምዃኑ እናፈለጠ ኣብ ስልጣን ክጸንሕ ክብል ኵናት ወሊዑ ይርከብ ኣሎ።

                ቀዳማይ ተረኽቦ ፡ ህዝቢ ኣሜሪካ ነቲ ንኣርባዕተ ዓመታት ዝመረጾ ዶናልድ ትሩምፕ ዝብሃል ሰብ ብድምጹ ከፋንዎ ዝተገደደሉ ነቲ ዝእተዎ መብጻዓን ሓላፍነትን ከተግብር ስለ ዘይበቕዔ ፡ ህዝቢ ብሕማም ለበዳ ኮቪድ -19 ከምቆጽሊ እና ረገፉ ጥራሕ ንኪድ ንቅድሚት ዝብል  ፣ ድምብርጽ ዘይብሎ ጋኒን ስለ ዝኮነ እዩ ። ኣብዚ ምርጫ እዚ እንተላይ ብዙሓት ካብቲ ናቱ ወገን ዝኮኑ ረፑብሊካውያን ኣንጻሩ ከድምጹ ወሲኖም ። ምክንያቱ ካልእ ሕማቅ ዘረባባት ዝወጾ እዃ እንተነበረ  ፣ እቲ ቀንዲ ሽግሩ ነቲ መሰረት ዲሞክራሲ ዝኾነ መሰረት ትካላዊ ኣሰራርሓ ናይዚ  ሃገር ክዕኑ ስለ እተዓዘብዎ እዩ ። ናይ ዶናልድ ትሩምፕ ካብ ስልጣን ምስንባት  ንህዝቢ ኣሜሪካ ጥራሕ ዘይኮነ ፡ ንብዙሓት ኣብ ዓለም ዝርኸቡ ኣዕሩኽ ኣሜሪካ እፎይታ ፈጢሩሎም ኣሎ ።

                 ካልኣይ ተረኽቦ ፣ እቲ ብኮረኔል ዓቢይ ኣሕመድ ዓሊ ፣ናብ ልዕሊ ህዝቢ ክልል ትግራይ ኣዊጁዎ ዘሎ ሰፊሕ ወራር መንግስቲ ኢትዮጵያ እዩ ። እዚ ውራር እዚ ክፍጸም ዝተባህግሉ ምክንያት ክንዮ መሬትን ህዝብን ትግራይ ዝጠመተ ወራር እዩ ። ኣብ ተግባሪኡ ክንዕዘብ እንተኮይና እውን ኣሰር ናይቶም ብ18 መስክረም 2000 ዝተኣስሩ ጉጂለ 15 ይመሰል ። ኣብቲ ሽዑ ዓለም በቲ ኣብ ኣሜሪካ እተፈጸመ መጥቓእቲ ተሽቂላ እንከላ ክፍጸም እንከሎ ፣ ሎሚ እውን ዕለት 11/3/2020 ኣሜርካን ዓለምን ብናይ ኣሜሪካ ምርጫ ውጺኢት ሻቅሎት ኣትዩዋ እንከሎ ዝተወለዔ ናይ ወልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈውርቂ ምክሪን ምዕዶን ዝተሓወሶ እዩ ።

                እቲ ቀንዲ ሽግር ኣብ ሃገርናን ከባቢናን ዋንኡ ወልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ እዩ ። ሕልምታት ወልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ሰፋሓትን ክተተግብሮም ማእለያ ዘይብሎም ዋጋ ሂወት ሰብን ንብረተን ዝሓቱ ኮይኖም ጸኒሕምን ኣለውን ። ኤርትራ ነጻነታ ምስ ተጎናጸፈት ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ዳግማይ ኵናት ዝእቱ ምኽንያት ኣይነበራን እንብል ኤርትራውያን ብዙሓት ኢና ። ወልቀ መላኪ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ግን ተጠሊዑ ኣብ ዝኾኑ ፖለቲካዊ ምዕብልናታት ኢትዮጵያ ኢዱ ኣጣሚሩ ክምዘይዕዘብ ኣብ ቓልዕ ወጺኡ ንዓለም ገሊጹ እዩ ። እዚ መርገጽ እዚ ከኣ ነቲ ኣብ ሜዳ እንከሎ ጸጸኒሑ ብጨቅ  ዘብሎ ዝነበረ ምስ ኢትዮጵያ ብኮንፈደረሽን ናይ ምንባርን እንተ ሰለጦ ከኣ መራሒ ኢትዮጵያ ምዃን እቲ ክሳብ ሕጂ ዝሳቅዮ ዘሎ ሓማምን ሕልምታቱን እዩ ። ውድብ ሓርነት ትግራይ (ወያኔ)ከኣ ክሳብ ሕጂ ነዚ ሕልምታት እዚ ንከይትግበር ዘይስገር ዱልዱል ዕርዲ ኮይናቶ ጸኒሖን ኣላን ።

                ኣምባሳደር በራኺ ገብረስላሴ ኣብቲ ምጅማር ኵናት ባድመ ነቲ ናይ ሩዋንዳን ኣሜሪኻን 5 ናይ ሰላም እማመ  ተቀቢልና ብክብረትና ካብ ባድመ ንውጻእ እሞ ብሰላማዊ ኣጋባብ መሬትና ንሕተት ኣብ ዝበሃለሉ ግዜ እዪ ወልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ፡ “ዋላ ጸሓይ ኣይትብረቕ ካብ ባድመ ኣይወጽእን “ክብል ዝፈከረ ። ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈውርቂ ናይ ሩሑቅን ቀረባን ራኢ እንተ ዝነበሮ ኣብ እተናወሐ ኵናት ኢትዮጵያ ወይ ከኣ እታ ወያኔ ዝብላ ውድብ ክትስዕሮ ምዃና ክፈልጥ ምተገብኦዶ ? ኵናት ባድመ ቀጺሉ ሰራዊት ኢትዮጵያ ከኣ ደፊኡ ኣብ መሬት ኤርትራ ኣትዩ ብዙሓት ከተማታት ኤርትራ ተቆጻጺሩ ፣ ህዝብና ኣደዳ ሞትን ሰደትን ጥሜትን ኮይኑ እዩ ።

                ወልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈውርቂ ኣብዘን ዝሓለፋ 20 ዓመታት ወያኔ እትብል ቃል ንህዝቢ ኤርትራ ከፈራረሓላን ከም ቖልዓ መውጽኢ ኣፉ ኾይና ጸኒሓ ። እቲ ሕልምታት ሕቡእ ኣጀንዳ ስለ ዝኮነ እምበር ከም ልሙድ ጉዳይ ባድመ በቲ ዝልገሰሉ ዝነበረ ናይ ፈተውቲ ሃገራት ሽምግልና ተቀቢሉ፣ ሰብን ንብረትን ህዝቢ ኤርትራ ከይዓነወ ክፍትሖ ቀሊል ነይሩ ።በቲ ካልእ እዚ ወልቀ መላኪ ኵናት ከምዘየዋጽኦ ስለ ዝፈለጠ “ ኣይሰላም ኣይኵናት “ ዝብል ደውታ ስለ ፈጠረ ፣ ንህዝቢ ኤርትራ መሰል ናይ ምንባር ስለ ዝኸልኸሎ ህዝቢ ዳግማይ ሞትን ስንክልናን ከም ኣማራጺ ዘርብሖ ስለ ዘይኮነ ስደት መሪጹ ኣደዳ በደዊንን ዓሳታት ባሕርን ኾይኑ ቀጺለ።

                ወልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንህዝቢ ኤርትራ ሓሊዮት ዘይብሉ ፡ ንኩሉ ንጥፈታት ማሕበራውን ቁጣባውን ን20 ዓመታ ደው ክብል ገይሩ ከብቅዕ ፣ ሎሚ ሃሳሳት ህዝቢ ተረክብና ኣብ መስኮት ኢንተርነት ኾይኑ ፡ ነቲ ደምበ ተቃውሞ ንዓመታት ኣውያት ዘስሙዑሉ ዝነብሩ ገባትን ዓማጽን ምሕደርኡ ተገምጥሎ ኣስተምህሩ ክህበና ተራእዪ ። ህንጻታት ኣስመራ ክይጽገኑ ዝወሰነ መን ዲዩ ፡ እንዳ ዓለባ ማሺነሪ ክምርት ዝወሰነ መንዲዩ ፡ ባጽዕ ሉል ቀይሕ ባሕሪ ኾይና ክይትቅጽል ዝወሰነ መንዲዩ ? ንህዝቢ ኤርትራ ማይ ዝስተ ከቅርብ ዘይከኣለ ሽፍታ ወልቀ መልኪ ብዛዕባ ሕሰምን መኸራን ህዝቢ ኢርትራ ዝሕተተሉ መዓልቲ ክህሉ እዩ ።እዚ ኩሉ ዝገልጸሉ ዘሎ ኤርትራ ርእሳ እትክእል ሃገር ኣይኮነትን ስለዚ ምስ ኢትዮጵያ ተሓዊስና ክትነበር ዝብል ናይ ነዊሕ ዕላማታቱ ንምትግባር ይቀራረብ ከም ዘሎ ዝሕብር እዩ ።

                እቲ ሕጂ  ኣብ ኢትዮጵያ ብዝበቆለ ህዝባዊ ለውጢ ፣ ኣብ ስልጣን ዝመጸ ኮረኔል ዓቢይ ኣሕመድ ወላዲቱ ሻብዓይ ንጉስ ኢትዮጵያ ክትኸውን ኢኻ ኢላቶ ስለ ዝነበረት ፡ ንጉስ ኤትዮጵያ ምዃን ከኣ ቀይሕ ባሕሪ ከጠቓልል ኣሎዎ በሃልቲ ስለ ዝኮኑ ፡ ሕልምታት ወልቀ መላኺ ኢሳያስን ፣ ኮለኔል ዓቢይ ኣሕመድ ናይ ምውህሃድ መስሪሕ ጥራሕ እዩ ዘድሊዮም ዘሎ ። ነዚ ናይ ክልቲኦም ጥሙሕ ዕንቅፋት ዝኮነት እዛ ውድብ ወያኔ እትብሃል ኣብ መንጎ ኣትያ ዕንቅፋት ስለ ዝኮነቶም ፡ ዝኮነ ሽርሕታት ክኣልሙ ድሕሪ ምጽናሕ እነሆ ኮረኔል ኣሕመድ ከምቲ መፎርያት ኮሚል ናይ ኢትዮጵያ ናይ ሰላም ሚኒስተር ዝሃበቶ ምክሪ ነቲ ጉዳይ ብዘተ ምፍታሕ ተሓሲሙ፣  ክምቲ  ወልቀ መላኪ  ኢሳያስ ኣፈውርቂ  ናይ ኣምባሳደር በራኺ ገ/ስላሴ ለበዋ ነጺጉ ኵናት ዝመረጸ ፡ ኮረኔል ዓቢይ ከኣ ኣብ ክንዲ ሰላም ኹናት መሪጹ ንሰላማዊ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ምጽናት ምድማይን ይርከብ ኣሎ ።

                እዚ ኹናት እዚ ናይ መወዳእታ ክበጽሖ ዝድለ ዘሎ ዕላማ እንታይ እዩ ? ክረኔል ዓቢይ ኣሕመድ ኣብ ስልጣን ምስ መጸ ነቲ ናይ ኢምፐራጦርያዊት ኢትዮጵያ ሓይሊ ባሕሪ ክምስርት ወሲኑ ኣብ ምትግባር ኣሎ ።ኣፍድገ ባሕሪ ዘይብላ ኢትዮጵያ ፣ እቲ ሓይሊ ኣብ ናይ መን መሬት ክሰፍር ዝብል ሕቶ እውን ሕንቅል ሕንቅልተይ ኮይኑ ጸኒሑ ።ሕጂ ግን ገለ እሙናት ምንጭታት ከም ዝብሉዎ ፡ ኣብ ዝሐለፈ መዓልታት ወልቀ መላኪ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንገለ ላዕለዎት ወተሃደራት ኣኪቡ፡ ቀይሕ ባሕሪ ሰፊሕ ስለ ዝኮነ በይንና ክንቆጻጸሮ ስለ ዘይንእክል ምስ ኢትዮጵያ ብሓር ክንሕሉዎ ኢና ክብል ከም እተዛረበ ይሕበር ኣሎ። ብተወሳኪ  ኮረኔል ዓቢይ ኣሕመድ  ምስ ወልቀ መላኪ ኢሳያስ ኣፈውርቂ ወድብ ዓሰብ ክማቐል ምዃኑ እውን ደጋጊሙ ክገልጸልና ጸኒሑ ኣሎ ። እቲ ካብ ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተሓቢኡ ዘሎ ናይ ክልቲኦም ውዕል ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንኮረኔል ዓቢይ ክመርሕ ስልጣን ሂበካ ክብሎ እንከሎ ናይ ዋዛ ኣይኾነን ። ኣብ መንጎ ክልቲኦም ናይ ስልጣን ምክፍፋል ተገይሩ ኣሎ ። ንወያኔ እንተ ደምሲሶም ሓደ ከምቲ እተገልጸ ቀ.ሚኒስተር ይኾውን እቲ ክልኣይ ከኣ ፕረሲደንት ሀገረ ኢትዮጵያ ይብሃል ማለት እዩ ። እዚ ኹናት ብህጹጽ ክወደኣሉ ዝደለ ዘሎ ከኣ እቲ ነገር እዚ ተግባራዊ ንምግባር እዩ ።    

                ስለዚ እዚ ኵናት እዚ ኣንጻር ህዝቢ ትግራይ ዝኻየድ ዘሎ ፡ ኢትዮጵያውያን ብድላዮም ክግልጽዎ መሰሎም እዩ ። ይኹን እምበር እቲ ሓቁ ፣ ነቲ ጉዕዞ ናብ ቀይሕ ባሕሪ ዝወስድ ከሳልጥ ምዃኑ ቀዳማይ ዕላማኡ እዩ ። ስለዚ ዝተከፍለ ዋጋ ይከፈል እዚ ኹናት እዚ ክሳብ ኣብ ልዕሊ ወያኔ ዓወት ዘመዝግቡ ደው ዝብል ኣይመስልን ኣሎ ። እቶም ትምክሕታውያን ንልዑላውነት ኤርትራ ዘይኣምኑ ነዚ ኵናት እዚ ከም ሓደ ጽቡቕ  ኣጋጣሚ ገይሮም ክጥቀሙሉ ቆሪጾም ዝነቀሉ ይመስሉ ።ብቀንዱ ከኣ ምስቲ ሽፍታ ጉጂለ ኢሳያስ ብጽቡቅ እተናበቡ እዮም ዝመስሉ ። እዚ ኵናት እዚ ብፈደራላዊ ሰራዊት መንግስቲ ጥራሕ ዘይኮነስ ፣ተወሳክቲ  ብሚልሽያን ፍሉይ ሰራዊትን ብሄር ኣምሓራ ይሳተፍዎ ከም ዘለዉ ይግለጽ ኣሎ። ስለዚ እዚ ኩናት እዚ ምስ ተወደኤ እቲ ከባቢ ብፍላይ ኣብ ነጻነት ኤርትራ ክስዕቦ ዝክእል ሓደጋ ይህሉዶ ? ኣብ ኢትዮጵያ ዘለው መራሕቲ ሃይማኖታት እቲ ኵናት ናይ ኣሕዋት ህዝብታት ደም ምፍሳስ ስለ ዝኮነ ደው ክብል ይጽውዑ ኣሎው። እንተኮነ እዚ ኵናት እዚ ብናይ ኮረኔል ዓቢይ ኣሕመድ ጽቡቅ ድልየት ጥራሕ ደው ዝብል ኣይኾነን ። ምክንያቱ ወልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈውርቂ ካብ ጽፍሪ እግሩ ፣ ክሳብ ጨጉሪ ርእሱ ኣትዩዎ ስለ ዝኮነ ወያኔ ከይጠፍኡሉ ፍቓደኛዶ ይኽውን ? ምኽንያቱ ወያኔ ዘይብላ ኢትዮጵያ ጽቡቕ ክሕምብሰላን ድልየታቱ ክፍጽመላን ተክሮታት ዝሓጽሮ ኣይኮነን።

                መደምደምታ              

ላዕለዋይ መርሕነት ወያኔ ትግራይ ነቲ ብኮረኔል ዓቢይ ኣሕመድ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ  ተኣዊጁ ዘሎ ዘይፈትሓዊ ኵናት ብውሕሉል እስትራተጂካዊ ቅዲ ኵናት ክትገጥሙዎ ኣሎኹም ። ኣብ ገዛእ መሬትኩም ዝመጸኹም ወራሪ ሓይሊ ስለ ዝኮነ ክትዕወቱሉ ባህርያዊ እዩ ። ኩሉ ንሰላም ዝገበርኩምዎ ተበግሶታት ጸማም እዝኒ ዝተወሃበሉ ምክንያት ኮረኔል ዓቢይ ኣሕመድ ምስ ኢሳያስ ኣፈውርቂ ናይ ሓባር ምርድዳእ ኣብ ኣሃዳዊት ስርዓት ኢትዮጵያ ስለ ዘሎዎም እዪ ።እንተኾነ ኵናት ምስ ተጀመረ ብኽመይ ከም ዝውዳእ ሕጊ የብሉን ። እዚ ኮረኔል ዓቢይ ኣሕመድ ኣብ ሚኒስትሪታቱ ገይሩዎ ዘሎ ለውጥታት እቲ ኵናት ከምቲ ዝደለዮ ከምዘይኮነ ጽቡቅ ኣብነት እዩ ። በቲ ካልእ እቶም ዝተሸሙ ኩሎም ካብ ብሄር ኣምሓራ ምዃኖም ዝሕብሮ ነቲ ምስ ኢሳያስ ዝኣተዎ ኣሃዳዊ ስርዓት ደገፍቱ እቶም ኣምሓራ ምዃኖ እዩ ዝሕበር።

 ሕጂ እውን ጻዊዒትኹም ንሰላም ክቅጽል ኣሎዎ። ሕድገታት ገይርኩም ምእንቲ ድሕነት ህዝቢ ትግራይ ነቲ ክመጸኹም ዝክእል ክሳራታት ኣብ ልዕሊ ህዝብን ንብረትን ክትቅንስዎ ጻዕርኹም ኣዛይዱ ።  ጅግንነት ኣብ ዓውዲ ኵናት ጥራሕ ኣይኾነን ዝምዝገብ ፣ ምእንቲ ሰላም ዝክፈል ዋጋ እውን ቆራጽነት ዝሓትት ጅግንነት እዩ ። ንእብነት ኣያቱላህ ኩመይኒ ናይ ኢራን  መራሒ ዝነበረ ነቲ ኣብ መንጎ ዒራቅን ኢራንን( 1980 -88 )ዝነበረ ኹናት ደው ክብል ዝቀረበሉ ዕማመ ምስ ተዓዘበ ፡ ካብ ድልየቱን ትጽቢታቱን ንታሕቲ ምስ ኮነ” እዚ ስሚ እዩ ፣ ስሚ እንተ ሰቲኻዮ ይቀትለካ ፣ ክቀትለኒ ምዃኑ እናፈልጥኩ ይቅበሎ ኣሎኩ “ ክብል መልሱ ፡ ድሕነት ህዝቡ ስለ ዝዓዘዞ ። ስለዚ መራሕቲ ወያኔ ምእንቲ ድሕነት ህዝቢ ትግራይን ምእንቲ ሰላም ተዓጻጻፍነት ክተርእዩ ምርጫ ዘይብሉ ጉዳይ እዩ  ።

ኣምላኽ ሰላምን ፍቅርን ንህዝብታት ቀርኒ ኣፍሪቓ ይሃብ፡

ክብሮም ግረነት

11/7/2020

Leave a Reply

Please log in using one of these methods to post your comment:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.