ደሃይ ! ሕሰብ ኣስተውዕል ተማራመር ተባራበር

ደሃይ
ሕሰብ ኣስተውዕል ተማራመር ተባራበር
ሰላም ኩቡራት ንፍትሒ ዝቃለስ ህዝብና፡ እዋኑ እዋን ተጠንቀቕ፣ጽዊዒትን፣ምሕጸንታን፣ኢና ንነብር ዘሎና። ህዝብና፡ ቀሲኑ
ዝነብረሉ እዋን ዘይፈልጦ መዋእል ኮይኑ፡ነታ ድሕሪ ሳላሳ ዓመታት ዝወሰደ ብረታዊ ቃልሲን፣ኣሽሓት ደቁ ከፊሉ ዘምጽኣ መሬታዊ
ናጽነት፡ኣብ ሓደጋ እትኣትወሉን፡ከምኡ’ቲ 1998 ጀሚሩ ኣብ ታሕሳስ 2000 ብነፍሲሄር ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ መለስ
ዜናውን፣ብውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ኣልጀርስ ዝተፈረመ ውዕል መሰረት ጠጠው ዝበለ ኣምሳላዊ ዶባዊ ውግእ፡ክዝከር
ከሎ ኣብ ክልተ ዓመት ዘይኣክል፣ዕስራን ትሽዓተን ሽሕ ዜጋታትና ዝተቐዝፍሉ፡ሓደ ሚሊዮን ህዝቢ ዝተዛናብሉ፣ካብ ዓይንና
ዘየልገሰን ደም ስዋኣትና ዘይነቐጸን ከሎ፣ሕጂ እነደገና ኣብ ክውጻእ ዘይኽእል ናይ ዓለታት ውግእ ፡ህዝብና ክሽመም ኣይነፍቅድን
ዝብል ብድሆ ከነሪእን ከነስምዕን ግዴታና እዩ፡፡
ሕጂ’ኸ ደቂ መን ክስውኡ፣ሰብኣይ ሰበይቲ መን ኽቕዘፉ፡ኣደ ኣቦ መን’ዮም ብሓዘን ክምህንኑ፡ስለምንታይን ኣብምንትምንታይ
እዩ ? ኣብ ኢሳያስ ዝጠጅኦ ውግእ ዝኣትዉ ? ካብ ምባል ዝነቐለ ኩሉ ዝተወደበ ይኹን ዘይተወደበ ባእታ፣ጽዊዒት፣ምሕጽንታ፣
ለበዋ ስጋብ መጠንቀቕታ፡ብመገዲ እተን ዘለዋ ማዕክናት ደምበ ፍትሒ የማሓላልፍ ኣሎ፡፡
ኩላትና ከም እንትምነዮ ፡ ብሓፈሻ ህዝቢ ኤርትራ፣ብፍላይ ክኣ ንሰራዊትን ምክልኻል ሃገር፡ነዚ ብ-ኢሳያስ ዝተጠጀአ፣ብ-ኣብይ
ተቐባልነት ረኺቡ ናይ ህዝብታት ምጽናት፣ ተኻፋሊ ከይኸዉን፣እምበይትኡ ከስምዕን ካብኡ ሓሊፉ፣ነዚ ገባቲ ኣጽናቲ ስርዓተ
ኢሳያስን ውሑዳት ጉጅሉኡን፣ብረቱ ናብኦም ከቕንዕን፣ለውጢ ንምምጻእ ሓርበኛታዊ ባህሪኡ ብምዝውታር፣ ግዲኦም ከበርክቱ’ዩ
ሃረርታን ለበዋን ትጽቢትን፡፡
እቲ ዝገርመካ እዚ ብመስዋእቲ ህዝቢ ሕልናዊ ዕግበት ዝረክብ፡ኣረመናዊ ሰይጣናዊ ኢሳያስ፤ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዳርጋ ምጽናት
በጺሑስ፡እቲ እከይን ብምጽናት ህዝቢ ዘይዓግብ፣ነቲ ብንእስነቱ ዝሓሎሞ ሕልሚ ንምትግባር፡(ደርፊ ኣንዲት ዑቑባይ ‘’መን እዩ
ንሱ ጀጋኑ ውሒጡ ዘጉስዕ፣ታሪኸይ ሓይኹ ዘኾምስዕ’’)፤ንህዝቢ ኢትዮጵያ ብሓፈሻ፡ህዝቢ ትግራይ ክኣ ብፍላይ፡ንምጽናት ናተይ
ኢሉ ተታሓሒዝዎስ፡ኤርትራ መደበር ውግእ ኮይና ሰሓብ ተጎተት ናይ ውግእ ዕግርግራት ኮይና ትርከብ።
ካብዚ ዝነቐለ’ዩ ኩሉ በቢ ዘለዎ ኣይፋል ደው በሉ፡ ውግእ ብዘይ ዕንወት ፍታሕ ኣይኮነን ንምባል፡ደሃዩ ከስምዕ ህርድግ ዝብል
ዘሎ፡፡
እቲ ብወገና ዘተሓሰሰበና ፋሕ ዝበለን እርኑብን ብዘይ ምዃኑ ደራኺ ክኸዉንዶ ይኽእል ? ዝብል ሕቶ ቅልቅል ይብለና ።
እተን ናይ ዜና ማዕክናት ካብ ውልቀ ሰባት ጀሚርካ ስጋብ ህዝባውያን ሲቪካውያን ማሕበራት፡ ናይ ይኣክል ምጥርናፋት፣
ከምኡ ናይ ሓባር ስርሓት ከነካይድ ተዋሃሂድና ንምስራሕ ድሮ መደባትን ሓይሊ ዕማማትን ኣውጺና ዝብላ፣ኣብ ርእሲ’ቲ ናይ
ሓባር መግለጺ፣ በቢ-ወገነን ጽዊዒት ምግባርስ ነቲ ፖለቲካዊ ክብደት ክህልዎ ዘለዎ ኣይጎድኦንዶ ? እቲ ክኸዉን ዝግብኦ እንብሎ
ሓደ ኣፈኛ፣ዕለት ብ-ዕለት ን-ኣብ ውሽጥን ዲያስፖራ ዘሎ ህዝብና፣ሞራላዊን ሕልናዊን ምሕጽንታትን ሓበረታን ክህብን፣ነቶም
ኣብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዘለዉ ስደኛታት ሓገዝ ምሃብን፣ነተን ሰብኣዊ መሰል ኣህጉራውያን ማሕበራት ዘድሊ ጽላልልን
ምትሕግጋዝን ክገብራሎም ምውካስን ምምሕጻንን፣ካብኡ ሓሊፉ ምስኣተን ተዋሃሂድካ ትሰርሓሉ ባይታ ምፍጣር ዘድሊ
ይመስለና።
ነዚ ድስቡጣ ማፍያ ስርዓተ ኢሳያስ ንምልጋስ ዝቓለሱ ዜጋታትና አብ ውሽጥን ጎራባብቲ ሃገራት ክህልዉ፣ ስለ ዝኽእሉ ሃሰስ
ብምባል ዘድሊ ንዋታውን ሞራላዉን ምድግጋፍ ጥራይ ዘይኮነስ፣እቲ ዘድሊ ምትእስሳር/መርበብ(Network) ከፊትካ፣ክሕይልን
ድልዱል መሰረት ለውጢ ንምብቃዕ ጻዕርታት ክግበር ይግባእ።
ስለዚ ሕሰብ ኣብዚ እዋን እትዋሳኣሉ ፖለቲካዊ ባይታ፡ ኣስተውዕል ንፍትሓዉን ዲሞክራስያው ራኢታትካ፡ ተማራመር
እትጥቀመሉ ቃልስን ርእሰ-ነገርን፡ ተባራበር ሕጂ እያ እታ ወርቃዊት እዋን፣ነቲ ካብ ነዊሕ እተቓለስካሉ ህዝባዊ ስልጣን ኣብ
ኢድካ እትጭብጦ ፡፡
ህዝቢ ክጸንት ኢድካ ኣጣሚርካ ኣይርኣይን፡ ጽንሰ-ሓሳብ ናይ ፍትሓውያን ተቓለስቲ፡ድሕነትን ሓድነት ህዝቢ ምርግጋጽ፣
ልእላውነት ሃገር ምሕላው፣ግዝኣተ-ሕጊ ምንጋስ ካብ ኮነ፡ብግብሪ ነዚ ንምብጻሕ ንቃለስ፡፡
ኣዳለውቲ ፍትዊ ክፍለ ምስ ብዙ ቡቱኞሊ

Leave a Reply

Please log in using one of these methods to post your comment:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.