እዛ ሃገር አብ ሐደጋ ‘ላ ኤርትራዊ ብሓድነትካ ሎሚ አድሕና ! ብተስፋይ ተኽለ (ሳንዲያጎ ሰ.ኣ )

እዛ ሃገር አብ ሐደጋ ‘ላ ኤርትራዊ ብሓድነትካ ሎሚ አድሕና

ብተስፋይ ተኽለ (ሳንዲያጎ ሰ.ኣ )

ቅድሚ አርባዕተ ዓመት አቢሉ፣ ዓለም ለኻዊ ሐይልታት ብፍላይ ከአ አሜሪካ እትመርሖ ምዕራባዊ ዓለም ጂኦ ፖለቲካዊ ጽልዋታቶምን ቁጽጽሮምን አብ ዞባ ቀርኒ አፍሪቃን ቀይሕ ባሕርን ንምብርታዕ፣ አበርቲዖም ድሕሪ ምንቅስቓስ፣ ነቲ ዕዮቲ ንምስላጥ ብመጀመርያ ክውሰድ ዘለዎ፣ አብ መንጎ መንግስታት ኢሳያስ ዝመርሐ ኤርትራን፣ ብኢህወደግ እትምራሕ ኢትዮጵያን ዘሎ ጎንጽን ፍልልያት ወጊድካ ንክልቲኦም ብምኽሳብ ጽልዋ ቁጽጽርካ ምርግጋጽ ዝብል ስትራተጂ ብምሕንጻጽ ተንቀሳቐሱ። ናቶም ጂኦ ፖለቲካዊ ስትራተጂ እምበር፣ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ስቓይን መከራን ግን ዕጅብ’ውን አይበሎምን። ነዚ ተልእኾዚ ንምፍጻም ከአ ቀንዲ መተግበርቲ  ዝኾንኦም ኮራኹር ሃገራት፣ ንስዑድያን ሃገራት ኢመረይትን ሐላፍነት ብምሃብ ዕዮኦም ጀመሩ። ንነዊሕ እዋን ብስዉር ርኽክባት እንዳተኻየደ ጸኒሑ ከአ፣ አብ ኢትዮጵያ ሐድሽ ምዕብልና ተኸስተ። ዝነበረ ናይ ኢህወደግ መንግስቲ ውሽጣዊ ተሐድሶ ከነካይድ አለና ብዝብል፣ ናይ መሪሕነት ምቅይያር ድሕሪ ምክያዱ፣  አብይ አሕመድ አብ ስልጣን ደበኽ በለ። ካብዚ እዋን እዚ ከአ ተሰማዕነት ኮነ ዓብላልነት ናይ ህወሐት እንዳጎደለ አብ ክልል ትግራይ ጥራሕ ከምዝሕጸር ኮነ። ኢሳያስ ናይ ነዊሕ ዓመታት ስዉር ሕልሙን፣ ውልቃዊ ሕነ ዝፈድየሉ ምቹእ እዋንን ከም ዝተፈጥረሉ ኮይኑ ተሰምዖ። ነቲ ዕርቅን ሰላምን ዝብል ንጎኒ ሐዲጉ ከአ፣ “Game Over” (ግጥም አኸለ) ብዝብል ጭርሖ አብዝሔ። አስመራ አዲስ አበባ  ናይ አብይን ኢሳያስን መንገዲ ማይ ኮነ። አብይ አሕመድ መጀመርያ ንህዝቢ ኤርትራ ክሃምልን ከደናግርን “ምስ ኤርትራ ሰላም ክንገብር ኢና ንውዕሊ አልጀሪስ ከአ ብምልኡ አብ ግብሪ ከነውዕሎ ኢና” በለ። ህዝብና ይኹን አህዛብ ኢትዮጵያ’ውን ናይ ሰላም ሃዋርያ ሎሚ ተረኽበ ብዝብል ዓለለ ተሐጎሰ። ይኹንምበር እቲ ዝተሐልመ ሰላምን መብጽዓን ሐሞዂሽቲ ድአ ኮነ። እቲ አብ መንጎ ክልተ ሃገራትን አህዛብን ክግበር ዝግብኦ ንጹር ውዕልን ስምምዓትን ተሪፉ፣ አብ መንጎ ኢሳያስን አብይ አሕመድን  ከምኡውን ለአኽቲ ጎይቶቶምን ዝፈልጥዎ ስዉር ስምምዓት ኮይኑ ተረፈ። አርእስቲ ሰላምን ዕርቅን ተሪፉ፣ አርእስቲ ድሕነትን ሐድነትን ኢትዮጵያ ቀንዲ ዋኒንን ስራሕን ኢሳያስ ኮነ። እቲ ዝኸፍኤ ከአ  ኢሳያስ ንህዝቢ ኤርትራ አዝዩ ስለዝነዓቖ፣ “ደጊም ስልጣነይ ንአብይ አሕመድ አረኪበ ኢየ ….. ሐደ ህዝብን ሃገርን እምበር ክልተ ህዝቢን ሃገር ዝብል ዓሻ ኢዩ ….. ጉዳይ ዶብ ዘይኮነስ ክንዮው ዶብ ክንሐስብ አለና …” ብምባል፣ ን20 ዓመት ምሉእ ደቆም አብ ጎዳጒዲ ድፋዕ ከምዘየብለየ፣ ኤርትራውያን ዘይተጸበይዎ መቓልሕ አዋጅ አብ ማእከል አዲስ አበባ አስምዔ። አብይ አሕመድ’ውን ብወገኑ፣ ነቲ ንህዝብና ከሃምል ዝበሎ ቃል ዓጺፉ፣ እንቋዕ ድአ ንኢሳያስ ሐዝና’ምበር ጉዳይ ኤርትራስ ደጊም አብ ኢድና ኢዩ ብዘስምዕ መግለጺ፣ “ንሕና ሐደ ህዝቢ ኢና …. ዓሰብ አነን ኢሱን ክንካፈላ ኢና …. ደጊም ናይ ወጻኢ ጉዳይ ኤርትራ ባዕለይ ኢየ …. “ ምባል ጀመረ። ንህዝቢ ኢትዮጵያ’ውን “ ግደፍ ዘለዉስ እቶም አቐዲሞም ካባና ዝተፈልዩ’ውን ክምለሱና ኢዮም ….. ናይ 30 ዓመታት ዝተኻየደ ውግእ ኤርትራ ናይ ከንቱነት ኢዩ … ኢትዮጵያ ዳግም ወናኒት ቀይሕ ባሕሪ ክትከውን ናይ ባሕሪ ሐይሊ ከነቕውም ኢና” ብዝብል ከለዓዕልን ስምዒት ህዝቢ ኢትዮጵያ ከጎሃህር ከአ ጀመረ። ኩሎም ተረፍ ደርጊ ዝነበሩ ጀነራላት’ውን ከይተረፈ ምፍካር ጀመሩ።  ጉዳይ ህዝቢ ኤርትራ አብ ሐዲግ ሰማይ ሐዲግ ምድሪ ጠልጠል በለ። አይ እሙን ሃገራዊ መንግስቲ ረኺቡ ንመንነቱን ሃገራዊ ልዑላውነቱን ዝጣበቕ ክረክብ፤ አይ ስጡምን ጥርኑፍን ዘድምዕ ዓውደ ተቓውሞ ረኺቡ ተስፋ ክገብር፣ ኩሉ ንህዝብና’ስ ወዮ ድአ ኮኖ። መስደምም ኢሳያስ አብ ቀረባ ግዜ ንኤርትራውያን አጸቢቑ ተስፋ ከቑርጽ “ ነዛ ሃገር ሲንጋፖር ክንገብራ ኢና እንዳበለ ብባዶ መብጽዓ ንህዝቢ ኤርትራ ንነዊሕ እዋን ከዓሽዎን ከሃምሎን ድሕሪ ምጽናሕ፣ ነቲ ኮነ ኢሉ ሰብአዊ ዓቕሚታቱ  በታቲኑ፣ ቁጠባዊ ሃብቲ ኤርትራ አዕንዩ ክዘርጎ ዝጸንሔ ሕብረተሰብ ኤርትራ፣ “እዛ ሃገር ሐንቲ የብላን አበይ ዘሎ ሉል ቀይሕ ባሕሪ ኢዩ፣ ቀደም ዝነበረ ፋብሪካ ጥርሙዝን ዓለባን እኳ የብላን …. ማይ ኤለትሪክ የለን ደሞዝ መኽፈሊ ተሳኢኑ” ክብል ወሪሑ አብ መወዳእታ እንከ ከይሐፈረ ከይሐነኸ፣ “ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ተፈልያ ክትቅጽል አይትኽእልን ኢያ” ክብል ዓው ኢሉ ብዘይቃል ዓለም ሐዲሽ መርድእ አዊጁልና ምህላዉ ኢዩ።

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ! ክቡር ተባዕ መንእሰይ ኤርትራ!!

ካብዚ ንጹር ዘየጋጊን ዘየዳድን  እዉጅ መልእኽቲ  ከዳዕ ኢሳያስ አፍወርቂን አብይ አሕመድን እንታይ ዝያዳ ክበርሃልካ ኢኻ እትጽበ? ከም እትሕረድ ላም ክሳብ ጎዛዝዮም ስጋአ ዝወስዱ፣ ቆርበታ ወይ ዓጽማ ከአ እንካ ኢሎም ክሳብ ዝቶኽቡልካ ዲኻ ደቂስካ ክትጽበዮም? ናይዞም ክልተ ውዲተኛታት መራሕቲ ንጹር ዕላማ ብዘየጋጊ መንገዲ፣ በቲ ብክንደይ መስዋእትኻን መስዋእቲ ብሉጻት ደቅኻን ዘማዕቆብካዮን ዘውሐስካዮን ነጻነትካ ከንቱ ምግባርን፣  ንሃገራዊ ልዑላውነትካ አብ ዋጋ ዕዳጋ አውሪዶም ናብታ ዝነበርካያ ውርደትን ሐሳርን ክትወርድ ኤርትራ ሃገርካ ንዕዳጋ ወሪዳ አላ። ንዕዳጋኦም ብሰላም ተዋግዮም ንዓኻ ሸይጦም ወዋጋኦም ከይወስዱ ከአ፣ ንመደቦም ዝዕንቅፍ ህዝቢ ትግራይን ክልላዊ መንግስቱን ተረኽቡ። እዚ ንአብይን ኢሳያስን ዕረፍቲ ልቢ ከልኦም። ስለዚ ናይ አብይ አሕመድ ኢትዮጵያ ንውሽጣዊ ስዉር  ሐርበኛአ ሰላዪ ኢሳያስ አፍወርቂ ሒዛ፣ ውራያ ከይተሰከፈት ከተካይድን መደባ ሰሪዓ ክትዋጋእን ተሸባሸበት። ዋናን ወናኒትን ቀይሕ ባሕሪ ክትከውንን፣ ኤርትራውያን ጉም ኢሎም ብኽሳራ ክተርፉን፣ ቅድም ቀዳድም ንህዝቢ ትግራይን ክልላዊ መንግስቱን ግድነት ምውጋድ ስለዝመረጹን ዝወሰኑን ከአ ንውግእ ክዳለዉ ከረሙ። እንሆ ከአ ብዕለት 3 ሕዳር 2020 ባርዕ ኲናት ብነፈርትን ብአጋርን ጀመሩ። ህዝቢ ትግራይ ነቲ ብሸነኽ አብይ አሕመድ ዝተፈነወሉ ወራር ብኩሉ ሸነኽ ምስ ተሐምሸሸ፣ አብይ ረዳት ናይ ኢሳያስ ሐቲቱ እንሆ ብኹሉ ኩርናዓት ምስ ትግራይን ኤርትራን ዘዳውብ ካልእ ግንባር ተኸፊቱ፣ ንህዝቢ ኤርትራን ደቁን አብ ዘይምልከቶም ኲናት ክጠብሶም ይርከብ። አብዚ ጥራሕ ከይተሐጽረ ካብ ወደብ ዓሰብ ዝብገሳ ናይ ሃገር ኢማራት ድሮን ንህዝቢ ትግራይ ከጥቅዓ ብምጅማር፣ ክብደት ናይቲ ኲናት ዛይዱ ዞባ ቀርኒ አፍሪቃ ሰላማ ናብ ፍጹም ምዝርራግ ዘብጽሕ ደረጃ ይሰጋገር አሎ። ህዝበይ ውዲታዊ ሽርክና ኢሳያስን አብይ አሕመድን አብ ትግራይ እንተተዓዊቱ፣ እቲ ቀንዲ ዝህረም ዕላማ ብርግጽ ንስኻን፣ ምፍራስ ሃገራዊ ልዑላውነትካን ምዃኑ ከሎ ጌና ተገንዘብ። ነዚ ዕሽሽ ኢልካ ምስ እትሐልፎ ከቢድ ዋጋ ደቅኻን ደቂ ደቅኻን ከኽፍለካ ኢዩ።

እዚ ውግእ’ዚ አዝዩ ሐደገኛ አብ ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ተወሲኑ ዝሕጸር ዘይኮነስ፣ ከይዱ ከይዱ ጠንቃምን ሰራምን፣ ንሃገራዊ ልዑላውነት ኤርትራ ዝግህስ መስርሕ፣ ዓጋቲ ዘይብሉ አብ ተግባር ንምውዓል ዝቕጽል ምዃኑ ምንም ዘጠራጥር አይኮነን። ስለዝኾነ ከአ ሎሚ ህዝቢ ትግራይ በዞም ክልተ ውዲታዊ ሽርክና ኢሳያስን አብይ አሕመድን ጎይቶቶምን እንዳተቐጥቀጠ ከሎ ትም ኢልካ ምርአይ፣ ነቲ ጽባሕ ክትጸሮ ዘይትኽእል ድቦላ ሐደጋ ክሳብ አብ ርእስኻ ዝወድቕ ትም ኢልካ ምጽባይ ብሐቂ ዕሽነት ኢዩ። ህዝበይ እዚ ሐደጋ’ዚ ሎሚ አብ ማዕዶኻ ከሎ ክዕጸፍን ክቕልበስን እንተዘይክኢሉ፣ እታ ሃገር አላትኒ እትብላ ኤርትራ እንዳርአኻ እንዳሰማዕካ ወይ ካብ ኢድካ ክትጠፍእ ኢያ ወይ ንምምላሳ አዝዩ ሰፍ ዘይብል ዋጋ ክትከፍል ኢኻ። ቅድሚ ሕጂ ንክንደይ አውያትና ዕሽሽ ኢልካዮ ኢኻ። ሕጂ’ውን ዝርዳእ አእምሮ ዝሰምዕ አእዛን አምላኽ ይሃብካ። ንህዝቢ ትግራይን ደቁን ሎሚ ምድጋፍካ ንኤርትራዊ ሃገራዊ ረብሐኻን ክብርኻን መታን ከተዕቁብ እምበር፣ ንሳቶምስ ደጊፍናዮም አይደገፍናዮም ንብሄራዊ መንነታዊ ክብሮምን መሰሎምን ከረጋግጹ አብ ከተማ ኮነ ገጠር፣ አብ ዱር ኮነ ጎቦታት ትግራይ ብትብዓት ተዋጊኦም ከምልስዎ ኢዮም። መልእኽተይ ነቶም ናይ “ትግራይ ትግርኚ” ዝኾነ ናይ ትግርኛ ተዛረብቲ መንግስቲ ክምስርቱ ዝብል ፍርሂ እትዘርኡ ኤርትራውያን ዝብሎ ሐደ ነገር ከየዘኻኸርኩዎም ክሐልፍ አይደልን። ንሕና ኤርትራውያን ንክልቲኡ ቅዱስ ሃይማኖታትና ክርስትና ይኹን ምስልምና ካብቶም ቀዳሞት ዝተቐበልናዮ ህዝቢ ኢና። ክልቲኡ ቅዱስ እምነትና ከአ ካብቶም አብ መላእ አፍሪቃ ዝርከቡ አህዛብ ብዝተፈልየ መልክዕ፣ ምልክት ሕድሕድ ምጽውዋር፣ ምልክት ሐድነት፣ ምልክት ሐይልና ኮይኑ ንምሉእ መዋእልና ከም ህዝብን ሃገርን ጠርኒፉና ክኸይድ ዝጸንሔ ኢዩ። ብተሳትፎ ኩልና ከአ ኤርትራ እትብሃል ሃገር ነጻ አውጺእናያ። ሐቂ ኢዩ አብ መንጎ ከም ብዓል ኢሳያስ አፍወርቂ ዝተባህሉ ስዉራት ሰለይቲ ሰሊኾም ብምእታው፣ አብ ሐድነትና ዝርግርግን ምጥርጣርን ከምዝአትወና፣ ሕድሕድና ከአ ከም ዘይንተአማመን ከምዝገበሩና ስዉር አይኮነን። እዚ ግን ድሌትን ባህግን መላእ ህዝቢ ኤርትራ አይኮነን። በቲ ንሶም ዘጻወዱልና መንገዲ ምስ እንኸይድን፣ አብ ሕድሕድና ምጥርጣርን ፍርህን ምስ እነስፍንን፣ ነዚ ናይ ፍርሂ መንፈስ እዚ ክንስዕሮ ምስ ዘይንኽእል ግና፣ ብገዛእ ግጉይ አተሐሳስባና ተጠሊፍና፣  ከም ሃገር ደው ክንብል ብሐቂ ከጸግመና ኢዩ። እቲ ናይ “አግአዝያንዶ እንታይዶ” ዝብል ፍርሂን ስግአትን’ውን እንተኾነ፣ ናይ ውሱናት ግዳ ከአ አብ ሃገራዊ ውሳኔና ተጽዕኖን ግደን ክገብሩ ዘይኽእሉ ክነሶም፣ ባዕልና አተዓባቢና ናይ ስግአት መንፈስን ፍርሂን ምፍጣርን ምዝራእን፣ ንሐድነትና ከም ህዝቢ ሃሳዪ አብ ልዕሊ ምዃኑ፣ ንጸላእቲ ኤርትራ ዘገልግል ፕሮፓጋንዳ ባዕልኻ ምንዛሕ ኢዩ። ስለዚ ድልድልትን ብሐድነታ እትልለ ኤርትራ ክውንቲ ናይ ምግባር፣ አብ አሉታዊ ይኹን አወንታዊ አተሐሳስባና ስለዝሙርኮስ፣ ባዕልና ንሐድነትና ዝፈታተን አብ ድብያ ጸላእትና ዘውድቐና መፈንጠራታት ከይነብዝሕ ንጠንቀቕ።

18 ሕዳር 2020

Leave a Reply

Please log in using one of these methods to post your comment:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.