እንታይ እዩ ወሪዱና ? ሕሰብ ኣስተውዕል ተማራመር ተባራበር

እንታይ እዩ ወሪዱና ?
ሕሰብ ኣስተውዕል ተማራመር ተባራበር


ሰላም ኩቡራት ተካታተልቲ ወይብ ሳይታት፡ሎሚ እነልዕሎ ኣርእስቲ ‘’ እንታይ እዩ ወሪዱና’’ ዝብል ክኸዉን ዝደረኸና ፣ እዚ እንርእዮ እንሰምዖን ዘሎና ሃዋሁው ዝነቐለ ኮይኑ ነቶም ብስቕታ ንልእላውነት ሃገር ንሓድነት ህዝብን፣ፍትሕን፣ዲሞክራስን፣ግዝኣተ-ሕግን ዝቃለሱ ሓርበኛታት፡ኣብ ቦቶኦም ኮንካ (empathize)ምስ እትሓስብ፡ እንታይ’ዩ ወሪድዎም ? እንታይ እዮም ኮይኖም ? ዝብሉ ዘለዉ ኮይኑ ይስማዓና። ነዚ ጹሑፍና እትኻታተሉ ኣሕዋት ፡ ፍትሓውያን፣ንልእላውነት ሃገርን ሓድነት ህዝብን ኣብ ባይታ ግብራውያን ኣለዉ ድዮም ? ዝብል ሕቶ ክላዓል ይካኣል።
ብወገና ታሪኽ ኣቦታትና ዝምስክሮ፣ ዝሓለፈን ዘሎን ኤርትራዊ ሓርበኝነት ኣብ ደምን ዓጽምን፣ሓንጎልን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዜጋታትና ስለ ዘሎ፤እምነትና፡ ኩሉ በቢ ኣቕሙ ግደታኡ ንምውፋይ፣ገሊኡን ብፖለቲካ፣ብ-ሰብኣዊ መሰላት፣ብ-ህዝባውያን ማሕበራት፣ብሞያውያን ሙሁራትን ኣካላት፡ክዋዳደብ ገለን ክኣ ብግብሪ ኣብ ባይታ
ክዋሳእ ባህርያዊ እዩ ዝብል ጹኑዕ ራኢን ሓሳብን ስለ ዘሎና እዩ ዝብል መልሲ ንህብ። እቲ ኣውራ ክርሳዕ ዘይብሉ፡ኣቦታትና ኣንጻር ባዕዳዊ መግዛእትታት ከም እተቃለሱ፡እዚ ንሳላሳ ዓመታት፣ ሸዊታት ደቁ ከፊሉ ናጽነት ሃገር ዘስረከበና፡ዋላኳ ካብ ከርሲ ቃልስና በሎኽ ኢሉ፣ነታ ብሓርበኛታትና ዝመጸት ሃገር ጨውዩ፡ኣብዚ ጸልማትን ንመዋእል ዘይሕከኽ ገበን፣ህዝብና ዘይደለዮን ዘይተተምነዮን ምንጻት ህዝብታት ተገዲዱ ደቁ ዝሳተፍሉ፣ካብ መሬቱ ነቒሎም ዓሳክር ኢትዮጵያ ንህዝቢትግራይ ምድቋስ፣ንመሪሕነት ህወሓት ንምቕያድ፡እንሰምዖን እንርእዮ ዘሎና ህሞት፡ነዚ ዘይቅበልን ሃገሩ ካብ ሓደጋ ምድሓን፡ካብኡ ሓሊፉ ናይ ደስቡጣ ኢሳያስ ግብርታት፣ኤርትራ ሃገርና ሓንቲ ኣካል ኢትዮጵያ ንዝብል ሕልሙ፣ ጠጠው ንምባልን ፍትሕን ዲሞክራስን ኣብ ቦታ ውልቀ መላኽነት ክትካእ፡ግዝኣተ-ሕጊ ክነግስ፣ዝቃለሱ ሓርበኛታት ክህልዉ ግድንንባህርያዉን እዩ።

እዞም ሓርበኛታት እዚኣቶም ከም ንዓና ዝስማዓና እንሓስቦ ህላውነቶም ናይ ግድን ኮይኑ፡ምስክሮም ግብሪ፡ ስርሖም ኣወንታዊ ውጺኢት ብምባል ስቱርን ዑቁቡን መስርሕ ክክተሉ ምምራጾም ክንኣዱን መድሕን ሃገር ተባሂሎም ከም እቲ ዞሃንነስ ትካቦ ዝደረፎ ‘’ዘመን ታሪኽ ወዲ ሰብ እዩ ዝንበብ ዝንገር ዝጻሓፍ አብ ገበር’’ዝበሎ ናታቶም ውን ሽሞም ኣብ ገበር ዝጻሓፍ ምዃኖም ኣይንጣራጠርን፡፡ብግብሪ ዝሰርሕ መወዳድርቲ ከምዘይብሉ ክኣ ንኣምን፤ ክም ኣብ ዓለምና ሱቱር ሰውራ ዘካየዱ ተዓወቲ ኮይኖም ዝወጹ፣ናትና ናይ ለውጢ ሰውራውያን ስቱርን ግብራውያንን’ዉን ተዓዊቶም ከም ዝወጹ ብማንም ዓይነት ኣይንጣራጠርን ጥራይ ዘይኮነስ ትምኒትናን ትጽቢትናን እዉን እዩ፡፡
ካብዚ ዝነቐለ እዞም ከይተራእዩ፣ከይተሰምዑ.ዝቃለሱ ክህልዉ፣ግድን’ዩ ኢልና እንግምቶም፡ኣብ ቦቶኦም ኮንካ ምስ እትሓስብ፣እዚ ኣብ ዲያስፖራ ኮንካ በቢ ዘለኻዮ ብማዕክናት ይኹን ማሕበራዊ መራኸቢታት ክሰምዑ እንተዝኽእሉስ፣ እንታይ’ዩ ወሪድዎም ? እንታይ እዮም ኮይኖም ? ዝብል ሕቶ የልዕሉ ዝብል ወኸሳ መጺኡና፡
ብወገን ተኻታተልቲ-ኸ እንታይ ትብሉን ትሓስቡን ? ። ብወገን’ዚ ኣብ ሃገርና ተኸሲቱ ዘሎ ህሞት ክንርኢ ኮሎና፡እቲ ደስቡጣዊ ወተሃደራዊ ምሕደራ ጉጅለ ህግደፍ
ከይኣኽሎ፡ኤርትራ ብወተሃደራት ኢትዮጵያ ኣዕለቕሊቓ ክትርኢ ክትዕዘብ ከለኻ፡(de facto) ብተግባር ኣካል ክትከዉን ከም-ትኽእልን ዘተሓሳስብን ጥራይ ዘይኮነስ፣ነቲ ኣቐዲሙ እዚ ማፍያዊ ደስቡጣ ኢሳያስ ዝበሎ ሃገርና ወሲኽካ፣እታ ሕልሙ ዝነበረት ኣብ ተግባር ይርእያ ኣሎ ክትብል ዘጸግም ኣይመስለናን። እዚ ኩነታት እናረኣና ክነስና ከምቲ ናይ ኣቦታትና ምስላ ‘’ ጻሕላ እናሓረረ ከሎ ጻሕሊ እንዳ ጎረበታ ተኽዉስ” ዝባሃል፡እቲ ጉዳይ ኣብ ውሽጢ ሃገርና ዝካናወን ዘሎ ገዲፍና፣ ነቲ ዘይፍትሓዊ ዘይሕጋዊ ምጽናት ህዝብታት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ፡ወገናውያን ቲፎዞታት፣ ዝመልክዑ፡ፖለቲካዊ መግለጺታት ትንታነን፣ ካብኡ ሓሊፉ እዋኑ ዘይኮነ ወኸሳ፣ ነቲ ብሕጊ ተወዲኡ ብሕጋዊ መሰረት ክዕጾን ክሕተትን ዘለዎ፣ናይ ዶብ ወኸሳታትን ከምኡ ዝኣመሰሉ ሃየሳ(critic)ክትሰምዕ ከለኻ፡እታ ኣብ ኣርእስትና ዘቐመጥናያ እንታይ’ዩ ወሪዱና ? ብተወሳኺ እንታይ ኢና ንብል ዞሎና ? ዝብሉ ሕቶታት ክልዓሉ ግድነት ይኾኑ። ህዝቢ ኤርትራ ካብ መዋእል ኣትሒዙ ግደ መግዛእትታት ኮይኑ፣ንገዛእቲ ንምስጓግ ዘይሕለል ቃልሲ ኣካይዱ ምዃኑ እንፈልጦ ታሪኽ ኮይኑ፡ፍትሒ ንምንጋስ ምቅላስን ናጽነት ሃገር ንምውሓስን ሓድነት ህዝቢ ንምጥንካርን፣ ዘየዋላውል ግዜ ሕጂ እዩ። ብሓደ ድምጺ ሓይልን ነዚ ደስቡጣ ስርዓተ ጉጅለ ህግደፍ ካብ ገጽ መሬት ንምጥፋእ ክጽዓር ዘለዎ ወርቃዊ እዋን ሕጂ እዩ።

ንፍትሕን ሰላምን ኣብ ኢትዮጱያ ክነግስ ክጽዋዕ ዝግብኦን፣ውግእ ደው ክብል ባይቶታት ዓለምለኽ ምትሕስሳብን፣ ኣብ ኤርትራ ዝተሞኮረ ምጽናት ህዝብን ሕጊ ኣልቦ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ክታኣታቶን ሱር ክሰድድን ከሎ ክኹነን ይግብኦ። ኣብ ወገን’ቲ ውጹዕ ዝህቢ ኢትዮጵያ ብሓፈሻ፣ብፍላይ ክኣ ጎረበትና ህዝቢ ትግራይ ክንኸዉን’ዩ ዝግባእ ዝብል ራኢ አሎና፡፡ ግዚኡ ነዊሕ ፖለቲካዊ ትንታነ ምሃብ ዘይኮነስ፣ቑኑዕ ፍትሓዊ መርገጺ፡ኣብ ጎድኒ ውጹዓት ህዝብታት ምዃን፣ ነቲ ህዝብና ኣጓኒፍዎ ዘሎ ህሞት እዉን፣ ኣንጻር ወጽዕኡ ንምቅላስ ዝወስዶ ስጉምትታት የሐይሎ ኢና ንብል ፡፡ ሕሰብ፣ ሃገርካ ካብ ኢድካ ክይትምንዛዕ፡ ኣስተውዕል ነቶን ብግብሪ ኣብ ባይታ ዝቃለሱ ደቅኻ ክትሕግዝ፣
ተማራመር፣ ኣብ ዘይ-ግባእ ክትዓት እና ኣተኻ ግዜካ ከተጥፍእ፣ ተባራበር ቃልስኻ ባዕልኻ ከተካይድ።


ኣዳለውቲ ጽሑፍ ፍትዊ ክፍለ ምስ ብዙ ቡቱኞሊ

Leave a Reply

Please log in using one of these methods to post your comment:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.