መግለጺ ህጹጽ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ውሓዲለ

መግለጺ
ህጹጽ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ውሓዲለ

ሓርበኛ ህዝቢ ኤርትራ፡
ዝዀነ ሃገር፡ ኣብ ጎረቤቱ ካብ ዝፍጠር ኣሉታዊ ይኹን ኣወንታዊ ምዕባለታት ጽልዋ፡ ናጻ ክኸውን ኣይክእልን’ዩ። ስለዝዀነ፡ ኣብ ጎረቤት ሃገር፡ ኢትዮጵያ፡ ተፈጢሩ ዘሎ ኲናት ሓድሕድ ንዂሎም ጎረባብቱ፡ ኣውራ ከኣ ንሃገርና፡ ፈጢሩሉ ዘሎ ቅጽበታዊ ኣሉታዊ ጽልዋ ርኡይ ኰይኑ’ሎ።
ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ ዓመታት፡ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲን ክልል ትግራይን፡ ዝማዕበለ ምስሕሓብ፡ ሰላማዊን ዲሞክራሲያዊን ድሌት ብዘሰነዮ ዘተ ክፍታሕ ሃንቀውታ ህዝቢ ኤርትራ ነይሩ። ኢሳያስ ኣፈወርቂ ግን፡ ውልቃዊ ቅርሕንቱ ንምርዋይን፡ ሳዕቤኑ ኣብ ልዕሊ ህዝብናን ሃገርናን ከየገደሶን፡ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ኢትዮጵያዊ ወገናት ንዝተጀመረ ዘይምቅዳው ኣብዚ ሕጂ ዘለዎ ደረጃ ክበጽሕ ዘይፈንቀሎ እምኒ ኣይነበረን። እነሆ ከኣ ንልዕሊ 20 ዓመታት ክፍሕሶ ናይ ዝጸንሐ ተንኰል ውጽኢት ንሱ ብዝደለዮን ዝበሃጎን ኣገባብ ኣብ ጥርዙ በጺሑ።
ኢሳያስ፡ ካብ መጀመርትኡ፡ ንነትጒ ኵናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ኣንበድቢዱዎ ጥራይ ዘይኰነ፡ ንክጅመር ይኹን ምስ ተጀመረ፡ ኣብ ምውጣኑን ትግባረኡን ይኹን፡ ንምክያዱ ዘድሊ መሳለጥያታት ኣብ ምቕራብ፡ ንጡፍ ተራ ተጻዊቱ። ኣብ ንኢትዮጵያውያን ወገናት ንሓድሕዶም ምብኣስ ጥራይ ከይተሕጽረ፡ ሰራዊት ኤርትራ፡ ብቐጥታን ተዘዋዋሪን፡ ኣብ ኩሉ ግንባራት ኲናት፡ ካብ ኣላማጣ ብምብራቕ ክሳብ ሑመራ ብምዕራብ፡ ከም ዝሳተፍ ጌሩ። ሕሉፍ ሓሊፉ፡ ንህዝቢታት ኤርትራን ክልል ትግራይን ንምብኣስ፡ ዝተወረረ ዓዲታትን ኣቝሻትን ትግራይ ኣደዳ ዝምታን ዘረፋን ጌሩዎ። ነጸብራቕ ሕሉፍ ቅርሕንትን ድሕረይ ሳዕሪ ኣይትብቈላን’ዩ።
ዋላ’ኳ ጠንቂ ምጅማር ኲናት፡ ወራር ክልል ትግራይ ንመዓስከራት ሰሜን እዝ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኰይኑ ብፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ እንተ ተገልጸ፡ ካብ ሓቂ ዝርሓቐ’ዩ። ቅድሚ’ዚ ብፈደራላዊ መንግስቲ ዝተዋህበ መግለጺ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ ይጎዓዝ ነይሩ’ዩ። እዚ ከኣ ንክልል ትግራይ ምክባብ’ምበር ካልእ ዕላማ ዝነበሮ ኣይነበረን። ኣብ መንጎ ኢትዮጵያውያን ተቐናቐንቲ ወገናት ኣብ ዝግብር ምስሕሓብን ጕስጢን ኣቲና ጸግዒ ናይ ሓደ ወገን ክንሕዝ ኣይንደልን፡ ኣይግባእን ከኣ። ንግደ ሓቂ ግን፡ ክሉ ኣንጻር ክልል ትግራይ ኵናት ንምጅማር ዘድሊ ምቅርራብን ምትዂቷኽን፡ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ዓለም ተጌሩ’ዩ። ካብ’ዚ ሓቂ’ዚ ምምላጥ ኣይከኣልን። ክሳብ ናብ ሰፊሕ መሬት ኤርትራ ዝተገብረ ናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓባራዊ ምቅርራብ ንኲናት ከምዚ ካብ ኰነ፡ ኣብ ንትግራይ ዘዋስኑ ክልላት ኢትዮጵያ እንታይ ተጌሩ ምግማቱ ኣየሸግርን ጥራይ ዘይኰነ ኣብ ቃልዕ ዝወጹ ዝነበሩ ናይ ሚዲያ ሓበሬታታት’ውን ውሑዳት ኣይኰኑን።
ከም ውጽኢት ናይዚ ዝተገልጸ ምቅርራባት ከኣ፡ መንግስቲ ኤርትራ፡ ንትግራይ ኣብ ወተሃደራዊ ከበባ ንምእታው ዓቢ ተራ ተጻዊቱ። ናይ ኤርትራ መዕርፎታት ነፈርቲ፡ ንሰራዊት፡ ወተሃደራዊ ኣጽዋርን፡ ካልእ ወተሃደራዊ ሎጂስቲካዊ ቀረባትን ኢትዮጵያ መራገፊን መዐደሊን ማእከል ኰይኑ ኣገልጊሉ። ሰራዊት ምክልኻል ኤርትራ፡ ኣብ ኩሉ፡ መበገሲኡ ኤርትራ ዝገበረን ኣንጻር ክልል ትግራይ ዝቐንዐን ወተሃደራዊ ስርሒታት ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ብዝተፈላለየ ደረጃታት፡ ተሳቲፉ’ዩ። ከም ናይዚ ሳዕቤን ከኣ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻን ኣብ ከባቢ ዓውደ-ኲናት ዝርከብ ዓድታትን፡ ከምኡ’ውን መዕርፎ ነፈርቲ ከተማ ኣስመራ፡ ናይ ዓውደ-ውግእ መዳፍዕ፡ ነዊሕ ርሕቀት ዝጎዓዝ ሚሳይላትን፡ ነፈርትን፡ ደብዳባት ዕላማታት ኰይኑ። ብጣዕሚ ዘጕሂ ፍጻመታትን ኣብ ሓንጎል ህዝቢታት ኤርትራን ትግራይን ንነዊሕ ክጸንሕ ዝኽእል በሰላ ዝገድፍንዩ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ስርዓት ውልቀ-ምልኪ ናይ ዝፈጸሞ ገበን ከፋል ዕዳ ኰይኑ!
ብወገን ውልቀ መላኺ ኢሳያስ፡ ንልዕሊ 20 ዓመታት ዝኣክል ኢዱን እግሩን ኣጣሚሩ ክዕዘብ ከም ዘይጸንሐ፡ ንወፍሪ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣንጻር ክልል ትግራይ ከም ዋልታ ብምጥቃም፡ መሬትና ኣምሊስና ኢሉ ንክጅሃርን ንርእሱ ከም ጅግና ንምቕራብን፡ ንሰራዊት ምክልኻል ኤርትራ ግዳይ ጌሩዎ’ዩ። ብሰንኪ’ዚ ኵናት ኣብ ልዕሊ ህዝቢን ሃገርን ኤርትራ ዝወርድ ዘሎ ቁጠባዊ ዕንወትን ፖለቲካዊ ውርደትን ከይኣክል፡ ብኣማእትን ኣሽሓትን ዝቝጸሩ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ኤርትራ ኣብ ዘይምልከቶም ኲናት ሂወቶም ይስእኑን ይስንክሉን ኣለዉ። ከም ናይዚ መቐጸልታ’ውን፡ ዝዝኽትሙ ህጻናትን፡ ካብ ዝሓለፉ ናይ ሓርነትን ዕንደራ ኢሳያስ ዘበገሶምን ኲናታት ዝተረፉ ሓሓደ መንእሰያት ዝሰኣኑ ኣሽሓት ኤርትራውያን ወለዲን ክህልዉ’ዮም።
ኣብ መደምደምታ፡
- ህዝቢ ኤርትራ ካብ ኣራግጽ ናይ ባዕዲ ሰራዊት ክላቐቕን ግዳይ ናይ ዘይምልከቶ ኲናት ካብ ምዃን መታን ክድሕንን፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ኤርትራ ክወጽእ፣
- ሰራዊት ምክልኻል ኤርትራ፡ ልጓም-ኣልቦ ዕንደራ ኢሳያስ ከብቅዕ፡ ንርእሱ፡ ንህዝቡን፡ ንሃገሩን፡ ኣብ ምክልኻል ከተኲርን መታን ክኽእል፡ ካብ ዘይምልከቶ ናይ ኢትዮጵያ ኲናት ሓድሕድ ብናይ ባዕሉ ውሳነ ክስሕብ፣
- ኩሎም ኣብ ኲናት ተሳተፍቲ ዝዀኑ ወገናት፡ ንሰላማዊ ህዝቢ ዕላማ ዝገበረ፡ ወይ ወተሃደራዊ ዕላምኡ ናይ ምውቃዕ ርጉጽነት ዘይብሉ ከበድቲ ኣጽዋር፡ ኣብ ሰላማዊ ህዝቢ ዝነብረሉ ከባቢታት ካብ ምጥቃም ክቝጠቡ፣
- ሰላም፡ ሓድነትን፡ ምርግጋእን፡ ኢትዮጵያን ህዝቢታታን፡ ከምኡ’ውን፡ ጸጥታን ምርግጋእን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ምርግጋጽ ዓቢ ተራ ስለ ዘለዎ፡ ተጀሚሩ ዘሎ ጎነጻዊ ረጽሚ ፖለቲካዊ ሓይሊታት ኢትዮጵያ ብሰላማዊ ዘተ ክፍታሕ፡ ህዝቢን መንግስትን ኢትዮጵያ ብኣውርኡ፡ ከምኡ’ውን ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ፡ ቅልጡፍ ስጉምቲ ክወስዱ፣
ውድብ ሓድነት ንዲሞክራስያዊ ለወጢ ጻውዒቱን ምሕጽንትኡን የቕርብ።
ክብሪ ንዘይሕለልን ዓቃልን ህዝብና፡
ማእከላይ ባይቶ – ውድብ ሓድነት ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ
23 ሕዳር 2020
You must be logged in to post a comment.