ንሃገራዊ ህልውና ኤርትራ ዝጻባእን ዝጻረርን አካል እንተሎ፣ ሎሚ ንምሕዝነት ኢሳያስን አብይን ይደግፍ።

ንሃገራዊ ህልውና ኤርትራ ዝጻባእን ዝጻረርን አካል እንተሎ፣ ሎሚ ንምሕዝነት ኢሳያስን አብይን ይደግፍ።

ብ ተስፋይ ተኽለ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ

ክቡራት ደቂ ሃገር አቦታትና ክምስሉስ “ገ እንዳበሉኻ’ዶ ትጋገ” ይብሉና ነበሩ። ብዛዕባ እዚ ዝካየድ ዘሎ ዘሕዝን ኲናት አብ መንጎ ፈደራል መንግስቲ አብይን ክልላዊ መንግስቲ ህዝቢ ትግራይን ጌና ይቕጽል አሎ። እዚ ውግእዚ ንኤርትራውያን ከይተረፈ አብ ሚዛንን ገምጋምን መርገጽን ከይተረፈ ፈላልዩዎም ይርከብ። አብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ተረኽቦን ምኽኒትን፣ ንመላእ አህዛብ ኢትዮጵያ ዘንድድ ባርዕ ምእጓድ ዘይኮነስ፣ ቀንዲ ፈውሱ፣ ነቲ ውዒሉ ሐዲሩ ዘይተርፍ፣ ንህዝቢ ምስ አህለቕካ ክአ ናብ ዘተን ልዝብን ምቕራብ፣ አቐዲምካ ምግባሩ ዝተመርጸ ኢዩ ኔሩ።ይኹን’ምበር ተመኩሮ መራሕቲ አፍሪቃ ብአጉል ትዕቢት ዝተላዕጠጠ፣ ሐልዮት አህዛቦም ዘይብሎም ጉሐሉ፣ እቲ ዓቕሞም ንሱ ጥራሕ ኢዩ።  ነውጺን ጎነጽን ኮነ ሰላምን ቅሳነትን ናይ ጎረባብትና፣  ብአወንታ ይኹን አሉታ ክጸልወና ግድነት ኢዩ።

እዚ ኲናት’ዚ አዝዩ ሐደገኛ ዝገብሮ፣ ንዓና ንኤርትራውያ’ውን ዝጸልወና፣ አብ ክሊ ኢትዮጵያውያን ጥራሕ ዝተሐጽረ ዘይምዃኑ ኢዩ። እዚ ውግእዚ  ሰባብን ጠንቃምን፣ እቲ ሐላፍነት አልቦ ዝኾነ መርዛም ተመን ኢሳያስ አፍወርቂ’ውን “አብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኢድና አጣሚርና አይንርእን” ብምባል ብቐጥታ አእዳዉ ዘእተወሉ ብምዃኑ፣ ንህልውና ኤርትራ ከም ሃገር ዝጻባእ ትሕዝቶን ሐደጋን ሒዙ ኢዩ ዝመጽእ ዘሎ። ናይዚ ውግእዚ ውጽኢቱ፣ እንተስ ብአሉታ እንተስ ብአወንታ ናይ ጽባሕ ጂኦ ፖለቲካዊ አቀማምጣ ቀርኒ አፍሪቃ ዝጸሉን ዝውስንን ውጽኢት ሒዙ ከም ዝመጽእ ምንም ዘጠራጥር የብሉን። ኤርትራውያን ብዛዕባ እዚ ውግእዚ አመዛዝናኦም ተፈላልዮም፣ ነናቶም ሚዛንን ገምጋምን ክህብሉ ይርአዩ። እቲ ዘሕዝን ኤሪትራዊ ርእይቶ ዘይጥርኑፍን ፋሕ ጭንግራሕ ዝበለን፤ሐሐሊፉ ክአ አብ ሕድሕዱ ዝተሃራረም ብምዃኑ፣ ነቲ ዝመጽእ ሐደጋ’ውን እንተኾነ  ብቐሊሉ ክጻወሮን ክሰግሮን ናይ ምኽአሉ፣ አዝዩ ዘተሐሳስብ ኢዩ። ብሐፈሽኡ እቲ ዝንጸባረቕ ርእይቶ ኤርትራውያን ብከምዚ ዝስዕብ ክጠቓለል ይከአል።

1ይ ወገን – እዚኦም እንተስ ብፍላጥ ድዩ ሰአን ፍላጥ ደገፍቲ ናይቲ ከዳዕ ሽፍታ ስርዓት ኢሳያስ ኮይኖም፣ ከምቲ ንሱ ዝደልዮን ዝተቓለሰሉን ዕላማ፣ ወላ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ትጸንበር፣ ጥራሕ ወያኔ ትስዓር ትሸነፍ ዝብል ሞጎተን እምነትን ዝሐዘ፣ እቲ ስርዓት ናብ ዝጎተቶ ዝጉትት፣ ናቱ ነጻ ሐሳብ ዘይብሉ ተጎታቲ ኢዩ። ብሕጽር ዝበለ መጣቓዕትን መላኻዕትን ዝተአኻኸቡዎ፣ ንኢትዮጵያዊ ሰላዪ ኢሳያስ አፍወርቂ ዘገልግሉ፣ ናይ ባራዩ ማሕበር ኮይኑ፣ ብህልውና ሃገራዊ ልዑላውነት ኤርትራ ዘየገድሶ፣ ንድምጺን  ከንፈርን ኢሳያስ ዝሕሉ፣ ዘጠቓለለ ደምበ ኢዩ።

2ይ ወገን- እዚ ሸነኽ’ዚ አብ ሕሉፍ አሉታዊ ታሪኻዊ ተረኽቦ ጌጋታት ጥራሕ ሸንኮለል ዝብል፣ ሕጂ አብ ባይታ ዘሎ ክመዝንን ንዕኡ ዝበቅዕ ፍታሕ ክርኢ ዝጽግሞ ኮይኑ፣ ህዝቢ ትግራይ ምስ ዝስዓር፣ አብ ልዕሊ ሕሉፍ ተግባራት ወያነ ሕነ ከምተፈድየሉ ዝቖጽር ኢዩ።  ህዝቢ ትግራይ እንተተዓዊቱ ከአ፣ ናይ “ትግራይ ትግሪኚ” ሕልሚ ክዕወት ኢዩ ብዝብል ፍርህን ስግአትን ዝሽቚረር ኮይኑ፣ ነቲ ፍንጫሕ መሰንገልኡ ዝኾነ ህዝቢ ብጃምላ ዝኸስስን ዝጥርጥርን፣ ዝያዳ ማንም ክአ እሙን ኤርትራዊ ኮይኑ ክርኤ ተዋስኦን ዘረባን ዘብዝሕ ኢዩ። ንመርገጹ ዘዓወተ እንዳመሰሎ ከአ፣ ነቲ ዝዓበየ ሐደጋ ሒዙልና ክመጽእ ዝኽእል ምሕዝነት ከዳዕ ኢሳያስን አብይ አሕመድን ክዕወት ዝደልን ዝምነን እውን ኢዩ። ዝኽተሎ ፖለቲካ አዝዩ ጸቢብ፣ ንምልአት ሕብረተሰብ ኤርትራ አብ ግምት ዘየእቱ፣  አብ ስግአትን ቂምን፣ ፍርህን ቅርሕንትን ዝተሞርኮሰ ሚዛን ዝተዋሕጠ ብምዃኑ፣ ንክዉን ሐቅታት አብ ምቕባሉ ዝጽገም፣ ስትራተጂካዊ ቅኑዕ ኤርትራዊ ፍታሕ አብ ምርግጋጽ ፈጺሙ ራእይ ዝሐጽሮ፣ ብጽበት አተሐሳስባ ዝሳቐ ኤርትራዊ አካል ኢዩ።

እዚ ሸነኽዚ ንድሕነትን ህልውናን ልዑላዊት ኤርትራ ንምርግጋጽ አብ ዝግበር ተጋድሎ፣ ወትሩ ከሳሲ ባህርያት ዘለዎ፣ መጻኢ ሕልሙ ብዋጋ ጥፍአት ናይ ሐደ አካል ህዝቢ፣ ናቱ ዕብለላ ከረጋግጽ እምበር፣ ሕብረተ ሰብአዊ ማዕርነትን ፍትሕን ዝመልኦ፣ ሃገራዊ ምልአት ኤርትራ ምርግጋጽ ራእይ ዘይብሉ፣ ሐደገኛ ዝኾነ አተሐሳስባን እኩይ ዝኾነ መርገጽን ዝሐዘ ኢዩ።

3ይ ወገን – እዚ ሸነኽ’ዚ እቲ ዝካየድ ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ ደው ክብልን፣ መንግስቲ አብይን መንግስቲ ክልላዊ ትግራይን ጸገማቶም አብ ክንዲ ብኲናት ብሰላማዊ አገባብ ዘተ ክፈትሑዎ ዝአምን ኢዩ። አብ ጉዳይ ኢትዮጵያውያን ናይ ኢሳያስ ኢደ ጣልቃነት ምእታውን፣ ሻራን ዘራይን አብይ አሕመድ ኰንካ፣ ንሐይልታት ምክልኻል ኤርትራ አብ ዘይምልከቶ ኲናት አእቲኻ፣ ጸረ ህዝቢ ትግራይ ምውዓሉን አትሪሩ ይቃወሞ።

ነቲ ኢሳያስ ጣልቃ ከምዝአቱ ቅድሚ ሕጂ፣ “ጉዳይ ኢትዮጵያ የገድሰና ኢዩ አእዳውና አጣሚርና አይንርእን ኢና” ብምባል አነጺሩ ዝሃቦ መግለጺን፣ አቐድም አቢሉ ከአ “ንሕና ምስ ኢትዮጵያ ክልተ ዘይኮነስ ሐደ ህዝቢ ሐደ ሃገር ኢና ….. ክልተ ዝብል ዓሻ ኢዩ። …… ስልጣነይ ንአብይ አረኪበ አለኹ …… ብሕጂ ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ተፈልያ ክትቅጽል አይትኽእልን ኢያ …..” እንዳ ተባህለ ደጋጊሙ ዝቃላሕ መቓልሕ፣ ምስቲ ዝካየድ ኲናት ብምትእስሳር አዝዩ ዘስግኦ ሸነኽ ኢዩ። ምስዚ አብይ አሕመድ “ግደፍ ዘለዉ እቶም ቀደም ካባና ዝተፈልዩ ክመጹን ክምለሱን ኢዮም … ናይ 30 ዓመት ቃልሲ ኤርትራ ንከንቱ ኢዩ ኔሩ ….. ሐይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ አሰልጢንና ወዲእና ኢና ኢትዮጵያ ዳግም ወናኒት ቀይሕ ባሕሪ ክትከውን ኢያ” ዝብል መግለጺታቱ’ውን እንተኾነ ነቲ ስግአቱ አዝዩ ዘራጉድ ኮይኑ ኢዩ ዝርአዮ። ብሕጽር ዝበለ ናይዞም ክልተ ውዲታውያን መራሕቲ ስትራተጂን፣ ቀንዲ ናይዚ ውግእዚ ዕላማን ህወሐትን ህዝቢ ትግራይን ጥራሕ ዘይኮነስ፣ እንኮላይ ናብ ህዝቢ ኤርትራን ልዑላዊ ግዝአቱን ዝተኮረ ምዃኑ ዝተገንዘበ  ሸነኽ ኢዩ። ነቲ ብክልቲኦም መራሕቲ አቐዲሙ ዝተገልጸን ዝተሐንጸጸን ንምትርጓም፣ ህዝቢ ትግራይን ክልላዊ መንግስቱን ዘይስገር ደንጎላን ዕንቅፋትን ስለ ዝኾንዎም አቐዲምካ ንህዝቢ ትግራይን መንግስቱን አንበርኪኽካ ጥራሕ ኢዩ ብዛዕባ ጉዳይ ኤርትራ ክትግበርን ክረጋገጽን ዝኽእል መደምደምታ ስለዝበጽሑ ኢዩ ነዚ ኲናት’ዚ ዘባርዑ ዝብል ሚዛን’ውን የንጸባርቕ።። ስለዚ እዚ ውግእዚ አማስያኡ ከይዱ ከይዱ፣ ንህዝቢ ትግራይ ድሕሪ ምንብርካኽ፣ ከምቲ ብግልጺ ክልቲኦም መራሕቲ አብይን ኢሳያስን ዝሐበሩዎ፣ ንነጻ ሃገራዊ ልዑላውነት ኤርትራ አፍሪስካ፣ ንኤርትራ ዝጸንበረት ወናኒት ቀይሕ ባሕሪ ዝኾነት ዓባይ ኢትዮጵያ ንምፍጣር ዝዓለመ ኢዩ ዝብል እምነትን መርገጽን ርእይቶን ዝሐዘ እውን ኢዩ። ስለዝኾነ ንህዝቢ ትግራይ ወሪሩ ብምንብርካኽ፣ ንህዝቢ ኤርትራን ሃገራዊ ልዑላውነቱን ከፈራርስ ዝህንደድ ሐይሊ፣ ክኹነንን ክውገዝን፣ አብ ጎድኒ ህዝቢ ትግራይ ኰንካ አባኻ ከይበጽሔ ከሎ ብማዕዶ ምክልኻሉን ስትራተጂካዊን ቅኑዕን ኢዩ ዝብል እምንቶ ዝሐዘ ኢዩ። ቀንዲ ዝሙርኮሰሉ (ሀ) ንሃገራዊ ልዑላውነት ኤርትራ ዘይጻባእ (ለ) ንምልአት ሐድነት ህዝቢ ኤርትራ ዘኽብር (ሐ) ንነጻ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ውሳኔ ኤርትራውያን ምስ ዘኽብር ሐይልን መንግስትን ክዛመድን ክተአሳሰርን ቅኑዕ ምዃኑ ከአ ይአምን።

4ይ ወገን – እዚ ሸነኽዚ ዝያዳ ብዕድመ ዘይበሰሉ መንእሰያት ዘጠቓለለ፣ ብሰንኪ ሽፍትነታዊ ምምሕዳር ኢሳያስ አብ ሕቚፊ ወለዶምን ሃገሮምን ክዓብዩን፣ ብባህሎምን ታሪኾምን ልምዲ ዓደቦኦምን እንዳተኾስኮሱ ንምዕባይ ዕድል ዘይረኸቡ፣ ግዜን መድረኽን ዝወጽዖም ዝተበደሉ ኢዮም። ካብዚኦም “አግአዝያን” ዝብል ጉጅላዊ ምንቅስቓስ ፈጢሮም፣ ነቲ ትግርኛ ዝዛረብ ኤርትራውን ነቲ ትግርኛ ዝዛረብ  ኢትዮጵያዊ ትግራዋይን ህዝብታት አብ ሐደ አምጺእካ ናይ “አግአዝያን” ትብል ሃገር ምትካል ኢዩ ዝብል እምነት ዘለዎ ጉጅለ ኢዩ። እዚ ጉጅለዚ ንታሪኻዊ አመጻጽአ ሃገራት አፍሪቃ ብግቡእ ዘይግንዘብ፣ ንቋንቋን እምነትን ባህልን መሰረት ዝገበረ፣ ንሃገራዊ ልዑላውነት ኤርትራን ንሐድነት መላእ ህዝቢ ኤርትራን አብ ግምት ዘየእቱ፣ ብአንጻሩ ንብሄራት ኤርትራ ብምቁንጻብ ትርጉምን ትሕዝቶን ዘይርዳእ “ናይ ቀቢላ” ብዝብል ሐረግ ደጋጊሙ ከም ማስቲካ ዝሕይኽ፣ ዕምቆትን አፍልጦን ታሪኽ ሕብረተሰብ ኤርትራ አዝዩ ዝጎደሎ ኢዩ። ነዚ ጉጅለ’ዚ ዝድግፍዎ ስልኳን ላሕኲን ህግደፍን፣ ካብ ተጋሩ ከአ ውሱናት ኤሊት ምሁራት ኢና ዝብሉ ዝርከብዎምን ምዃኑ ኢዩ ዝዝረብ። ብሕጽር ዝበለ ግን አብ ህዝቢ ኤርትራ ብዙሕ ዝርኤ ጽልዋን ዘስግእ ሐይልን ጽልዋን የብሉን። ነዚ ጉጅለ እዚን ርእይቶኡን፣ ከም ናይ ምሉእ ርእይቶ ደቂ ከበሳ ትግርኛ ተዛረብቲ ጌሮም ከቕርብዎ ዝፍትኑን፣ አስጋኢ ኢዩ እንዳበሉ ህዝቢ ብምድንጋር ክብለጽሉ ዝህቅኑ ከም ዘለዉ’ውን ምግላጽ አገዳሲ ኢዩ።

ንምድምዳሙ ዝአክል እቲ ሕጂ አብ መንጎ አብይን ኢሳያስን ዝመርሕዎ ውዲታዊ ሽርክናን፣ ህዝቢ ትግራይን ክልላዊ መንግስቱን ዝካየድ ኲናት፣ ፈቲና ጸሊእና ንዓና ኤርትራውያንን ሃገራዊ ልዑላውነትናን ይትንክፈናን ይጸልወናን ኢዩ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ካብዚ መዋጽኦ ዝኾነና ሐባራዊ ርእይቶን ጥርኑፍን ውዱብን ኤርትራዊ አተሃላልዋ ዝጠልብን ዝሐትትን እዋን ምህላውና ምግንዛብ ከድልየና ኢዩ። ሎሚ አብዚ ጉዳይዚ ካብ ስምዒታውን ቂምን፣ ሕሉፍ አሉታዊ ተረኽቦን ፍርህን፣ ሕድሕድ ምጥርጣርን ምክሳስን  ወጺእና፣ ከም ህዝብን ሃገርን ጥርኑፍ ዝተወደበ ሐባራዊ አተሐሳስባ ክንጭብጥን ክንሕዝን እንተዘይበቒዕና፣ ሐያልን ብሐድነታ እትልለ ስልጥንትን ቅስንትን ኤርትራ አብ ምህናጻ ብሐቂ ክሕይለናን ክጽንክረናን ኢዩ። ውሽጣዊ ሐድነቱን ምትእምማኑን ዘየጽንዔ ህዝቢ፣ ደው ኢሉ ክቐውምን ሃገር ክሃንጽን ሕልሚ ጥራሕ ኢዩ። እቲ ሎሚ እንሐስቦን እንገብሮን ስራሐት፣ ጽልዋታቱን አሰራቱን ንህሉው እዋን ጥራሕ ዘገልግል አይኮነን። የግዳስ ንሂወትን መንብሮን መጻኢ ወለዶታት ኤርትራ ተደኲኑ ዝጸንሖም ምዃኑ ተገንዚብና፣ ንደቅናን ደቂ ደቅናን አብ ግምት ዘእተወ ጽፉፍ ሃገራዊ መሰረትን ሰረትን ዘትሕዝ ዕዮ ንዕየ።

Leave a Reply

Please log in using one of these methods to post your comment:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.