ጠቕሙን ረብሐታቱን ፍጹም ዘየለሊ፣ ኩሉ ምስ አጥፍኤ ብጣዕሳ ዘእዊ’ስ፣ እንታይ ኮን ክንብሎ ኢና ? ብተስፋይ ተኽለ

ጠቕሙን ረብሐታቱን ፍጹም ዘየለሊ፣ ኩሉ ምስ አጥፍኤ ብጣዕሳ ዘእዊ’ስ፣ እንታይ ኮን ክንብሎ ኢና?
“ታሪኽ ርእሱ ይደግም” ከም ዝብሃል፣ ናይ ዘመነ አንድነት ዝነበረ ፖለቲካ ሚዛን ምክፍፋልን ፍልልይን፣ እዚ ሕጂ ዘንጸባርቕ ዘሎ ብዝተፈላለየ ርእይቶ ዝዘቕበበ ክውንነት ኤርትራውያንን ተመሳሳሊ ባህርይ አለዎ። ጣልያን ካብ ኤርትራ ተሳዒሩ ምስ ወጸ፣ እንግሊዝ’ውን ንዕኡ ተኪኡ ምስ አተወ፣ ሃጸይ ሃይለስላሴ ነተን አብ ትሕቲ ጣልያን ዝነበራ ኤርትራን ሶማልያን ንዓይ ኢየን ዝግብአ ዝብል ሞጎተ አልዒሉ ነበረ። ጅግና ህዝቢ ሶማል ሐድነቱን ምውህሃዱን አጽኒዑ፣ ንሃይለስላሴ ፈጺሙ ነቓዕን ዝዋሳአሉ ባይታን ከልኦ ዕድል’ውን አይሃቦን።። አብ ኤርትራ ግን ናይ ነጻነት ጭርሖ አልዒሎም ዝተላዕሉን፣ አንድነት ምስ ኢትዮጵያን ዝብሉን ኮይኖም ብምክፍፋል፣ ሃይለስላሴ መሳርሒ ዝኾንዎን እግሩ ከም ልቡ ዘዕርፈሉን ዕድል ተኸፍተሉ። ህዝቢ ኤርትራ ንዓና ኢዩ ዝደሊ ዝብል ፖለቲካዊ ፕሮፓጋንዳን፣ ኢዮጵያን ኤርትራን አደን ጓልን ኢየን ዝብል ስብከትን፣ ብኤርትራውያን ኮራኹሮምን፣ ካብ ትግራይ እንዳተሳገሩ ዘርዕዱ ኢትዮጵያውያን ቀንጸልቲ ሸፋቱን አወሃሂዶም ከአ ክሰርሑ ጀመሩ። ናይ አቦታትና ፍልልያት ፖለቲካዊ ምምቕቓልን፣ ዝተወሃሃደ ጥርኑፍ መርገጽን አተሐሳስባን ብሰንኪ ዘይምህላው ዝፈጠሮ ጸገማት ከአ፣ ጉዳይ ህዝቢ ኤርትራ ተሐላለኸ። ከም ውጽኢት ዘይሐድነቶም’ውን፣ አብቲ አሜሪካ ንጂኦ ፖለቲካዊ ረብሐታታ ክትብል ዘዳለወቶ፣ ብውሳኔ (390/V) ዝስመ ናይ ፈደረሽን ውዕል ክቕበሉ ግድነት ኮኖም። ጸኒሑ እቲ ክሳብ ሕጂ ዘንጸባርቕ ዘሎ፣ ሃርጋፍ ዝኾነ ጥሙሐት ኢትዮጵያ ዘንቀሎ ስስዔ፣ ንውዕልታት ፈደራላዊ ስምምዕ ጥሒሱ ንኤርትራ ተራ ጠቅላይ ግዝአት ኢትዮጵያ ገበራ። ብቐጥታ ከአ ነቲ ኤርትውያን ዝንየትሉ ታሪኽን ቅርሲን ብምድምሳስ፣ ኤርትራውያን ዝምሃርሉ መጻሕፍቲ ብምንዳድ፣ አገዳሲ ዝኾነ ቁልፊ ቁልፊ ዝኾነ መንግስታዊ ቦታታት ብምቁጽጻር፣ ብዓል ለማ በገበያ ዝብል መጻሕፍቲ ብምቕያር፣ ንኤርትራውያን ከቐይሙ ጀመሩ። ድሒሩ ግን ምሕደራ ሃጸይ ሃይለስላሴ ድሕሪ ምርአይ፣ እቶም አንድነት ኢሎም ቀንዲ ተንቀሳቐስቲ ዝነበሩ ከይተረፈ “ዋይ አነ ሸእ” ኢሎም ብክቱር ጣዕሳ ጉህዮም ሐዘኑ። ህዝቢ ከአ ናይ ቀደም ዝሐዝዎን ዝነበሮምን ሕሉፍ መርገጾም ተዓዚቡ “ማሕበር ተጣዒሰ” ዝብል ቅጽል መጸውዒ አውጽአሎም።
ናብዚ ሕጂ ዘሎ ክውንነት ምስ እንምለስ፣ አተሃላልዋ ኤርትራውያንን ዝሕዝዎ ዘለዉ መርገጽን ተመሳሳልነት ከም ዘለዎ ንርኢን ንዕዘብን። ሽግር ናይ ኤርትራ ሎሚ እቲ ንምክፍፋል ህዝብና ተጠቒሙ፣ ውዕሊ ፈደረሽን ዘፍረሰ ሃይለስላሴ አይኮነን። የግዳስ ንኤርትራውያ ተመሲሉ ዝተጸፍየ ኢሳያስ አፍወርቂ ዝተባህለ ሰላዪ ምዃኑ መድረኽ ባዕሉ አግሂዱዎ አሎ። ኢሳያስ እዚ ኩሉ ክገብር፣ ሐለፋ እቶም ሽዑ ዝነበሩ ተጋደልቲ ዝበልሕን ዝቖርጽን ኮይኑ ዘይኮነስ፣ ኩሉ’ቲ ዝምድቦን ዝገብሮን ብዝረቐቐ ስልቲ ድሕሪ መጋረጃ ኮይኖም ዝሕንጽጽሉን ዝመኽርዎን ጎይቶት ኔሮሞ ኢዮም። ከተማታት ሱዳን እንዳአተወን እንዳወጸን ከአ ጎይቶቱ ኩሉ ዘድልዮ አይመገብዎን ክብሃል አይከአልን። ንኩሉ ከም ልቡ ክገብር ተወሳኺ ብልጫ ዝኾኖ’ውን፣ ቀንዲ ግርህናን እምነትን ሐርበኛት ተጋደልቲ ዝዓበየ ርሒብ ዕድል ሂብዎ ኢዩ እንተተባህለ ዝጋነን አይኮነን።
ኩነታት አጸቢቕና ምስ እንምርምርን እንዕዘብን፣ ኢሳያስ ነቲ ሽዑ ዘንጸፎ መሰረት ሎሚ መዛዘምታ መታን ክገብረሉ፣ ብጋህዲ ከይሐሰወ ንዘለዎ ኢትዮጵያዊ ባህግን ሃረርታን ብግልጺ እንዳሐበረ ክመጽእ ጸኒሑን አሎን።ንአብነት ብመሰረት ሻለቃ ዳዊት ወልደገርግስ ዝሃቦ ንጹር መግለጺ ምስክርነት፣ አብ 1989 ወተደራት ኢትዮጵያ ንደርግ ዕልዋ ከካይዱ እሞ ድሕሪኡ ምስቲ ዕልዋ ዝገበረ ኮይኑ ናይ ሐባር መሰጋገሪ መንግስቲ ክምስርት አብ ናይ ሐባር ስምምዕ ከምዝበጽሑ ኢዩ ዝሕብር ። ኢሳያስ አብ ወርሒ ሐምለ 1991 ድሕሪ ነጻነት፣ ” እቲ ነጻነት ዝብሃል አብ ስነ አእምሮ ጥራሕ ዝተርፍ ኮይኑ፣ ኤርትራን ኢትዮጵያን ግን ብቁጠባዊ ምውህሃድ ጀሚረን፣ አብ ፍጹም ፖለካዊ ምጽንባር ዝዛዘም መስርሕ ዘይተርፍ ኢዩ” ከም ዝበለ ጭቡጥ ሰነዳት ምስክር ኢዩ። እቲ አዝዩ ብቑጽሩ ውሑድ ኤርትራዊ ንአራግጻ ኢሳያስ ዝተገንዘበ ሽዑ አእውዩ ኢዩ። ነዚ ግን ግደፍ ትሰምዕ እዝኒ ዘቃለበሉ’ውን አይተረኽበን። ቀጺሉ አብ 1996 ንመጽሔት አሰር ዝተባህለ፣ “ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ትርጉም ዘይብሉ ክዓቢ ኢዩ” ዝብል መግለጺ ሃበ። ሽዑ’ውን ብዘካቶም ውሑዳት ደቂ ሃገር ዝተገደሰሉ’ኳ አይነበረን። ኢሳያስ ነቲ ተረቂቑ ካብ ኤርትራውያን ዝሐብኦ ቀንዲ ስዉር ተልእኾኡ፣ ንኤርትራን ኢትዮጵያን ዝጸንበረ ሐድነትን፣ ንሱ ጎብለል ገዛኢ ናይ ቀርኒ አፍሪቃ ክኸውን ዝነበሮ ባህጊን ዝምድምድ ባይታ ኢዩ ዘጣጥሕ ኔሩ። ነዚ ሕልሚ’ዚ አብ ግብሪ ከውዕሎ እንተኾይኑ ከአ፣ ቅድም ቀዳድም ንዕኡ ዘፍርሆን ዝወዳደሮን ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ውድብ እንተልዩ፣ ዝገበርካ ጌርካ ወይ ምጥፍኡ ወይ ከአ ድኹም ኾይኑ ንኽቕጽል ምግባሩ ነበረ። አብ ውሽጢ ውድቡ ከአ ንሕቡእ ምስጢሩ ከይነቕሑሉን ከየነቓቕሑን ዝፈርሆም ምሁራት ሐርበኛታት ኤርትራውያን ምምሐውን ምቕንጻልን ስርሔይ ኢሉ ተተሐሐዞ። እቲ ናይ መጨረሻ ዕላማኡ ከአ፣ ንሱ ምሉእ ብምሉእ ዝቆጻጸሮ ውድብ ምርግጋጽን፣ አብ ስልጣን ከምጽኦ ዝኽእል፣ ምስ ኢትዮጵያውያን መደራደሪ ዝኾኖ ሐያል ኤርትራዊ ሰራዊት ምህናጽን ኢዩ። ነዚ ንምርግጋጽ ብዕቱብ ምቅላሱ ከአ፣ ንመራሕቲ ህዝባዊ ግንባር አዛንዩዎምን አሽኪዕዎምን ኢዩ። ኢትዮጵያውያን ወደባትን ገማግም ቀይሕ ባሕሪን ሒዙሎም ምስ ዝመጽእ፣ ከም መራሒኦም ኮይኑ ክመጽእን ተቐባልነትን እምነትን ከምዘንብሩሉ ብምትእምማን ረቂቕን ሕቡእን ስልቲ ስትራተጂ ሒዙ’ውን ተቓሊሱ ኢዩ። ኢሳያስ ካብ ሜዳ ኤርትራ አትሒዙ ብሐድነት ኢትዮጵያ ተገዳስነቱን አቓልቦኡን ብምዕዛዝ፣ ንህዝባዊ ወያኔ ሐርነት ትግራይ አብ ውሽጣዊ ጉዳዮም እንዳአተወ፣ ከምዚ አይትሐንጽጹ ከምዚ አይትበሉ እንዳበለ፣ ደጋጊሙ ጦብሎቕታ ኢዱ ዘእትወሉ መበገሲ ቀንዲ ዋና መሰረቱ ከአ ንሱ ኢዩ። ሕሉፍ ሐሊፉ አብ ቅዋም ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ አትዩ ክጫማለቕን፣ ኢለዮም ኢሉ ባዕሉ ብአፉ ከጉባዕብዕን ምርአይ ከአ ኩሉ ዝፈልጦ ሐቂ ኢዩ።
ንሕልሚታት ኢሳያስ አብ ምሕምሻሽን ምብርዓንን ግን፣ እቶም ካብኡ ዝጎርሑን ዝተንኮሉን መራሕቲ ህዝባዊ ወያኔ፣ ዕላምኡን መጨረሻ መዓልቦኡን ጽቡቕ ጌሮም ስለዝተገንዘቡዎ፣ ፈጺሞም ፈልከት አቢሎም ከሕልፍዎ አይከአሉን። ምኽንያቱ ኢትዮጵያውያን ብፍላይ ከአ አምሐራ፣ ካብ ንህወሐት ዝመርጹ ነቲ ገማግም ቀይሕ ባሕሪን ወደባት ዓሰብን ባጽዕን ሒዙሎም ዝመጽእ ኢሳያስ ቀዳምነትን ምርጫን ከም ዝገብሩ አቐዲሞም ተገንዚቦሞ ኢዮም ። አብ አኼባ ለንደን ናይ መጨረሻ ዝነበረ ብሄርማን ኮሄን መንጎኝነት አብ ዝተገብረ ዘተ፣ ሄርማን ኮሄን ናይ ሐባር መሰጋገሪ መንግስቲ ብሐባር መስርቱ ምስ በሎም፣ ኢሳያስ ርእሱ አድኒኑ ትም ምስ በለ፣ መለስ ዜናዊ “አይሰማዕካዮን ዲኻ ዝብሎ ዘሎ …. ናይ ህዝቢ ኤርትራ ተልእኾ ነጻነት’ዶ አይኮነን … ስለዚ ንስኻ ጉዳይካ ግበር ንሕና ከአ ጉዳይ ኢትዮጵያና ክንገብር” ምስ በሎ ኩርምይ ጭብጥ ከም ዝበለ ኢዩ ዝንገር። እቲ ቐንዲ ምስ መራሕቲ ወያኔ ክሳብ ሕጂ ቃልቃል እንዳበለ ዝኸይድ ዘሎ፣ አብ ኩሩምቱ ክአ ዝሐዞ ቂምን ብቐልን ከአ ልክዕ መሰረቱ ንሱ ኢዩ። ንህዝቢ ኤርትራን ደቁን መፋደዪ ሒንኡ መታን ክገብሮ ከአ፣ ዝተፈላለየ መደናገሪ ምስምስ እንዳገበረ ስምዒት ኤርትራውያን ብምቱኽታኽ ናብቲ “ አብ ባድመ ተወሪርና” ዝብል ርኹስ አጀንዳ ኲናት ምዕራፍ አሰጋጊርዎ ኢዩ።
ብሐቀኛ አገላልጻ ካብ ስምዒት ወጺእና ምስ እንመዝኖ፣ ህወሐት ብዘይካቲ ግጉይ መርገጽ ወሲዱ፣ ሻራ ህዝባዊ ግንባር ኮይኑ አብ ውግእ ሕድሕድ ኤርትራውያ ጣልቃ ብምእታው ንተጋድሎ ሐርነት ኤርትራ ምህራሙ አሉታዊ ታሪኽ ምፍጻሙ ግሉጽ ሐቂ ኢዩ። ይኹን’ምበር አፍ ደገ ዶባቱ ከፊቱ ዝዓደመን ዘእተወን ዋናን ቀንዲን ተጠያቒ ኢሳያስ አፍወርቂ ምዃኑ ክንግንዘብ ይግባእ። ህወሐት ካብ ኢሳያስ አፍወርቂ ንላዕሊ ንነጻነት ኤርትራ ንጹር መርገጽ ብምሐዝ እጃሙ አበርኪቱ ኢዩ እንተበልና ከአ ቃል ዓለም የብሉን። ተንኮለኛ ኢሳያስ ግን ንቂምታኡ ሐቢኡ ንህዝቢ ኤርትራ ብዝተፈላለየ መደናገሪ ፕሮፓጋንዳ ውልቃዊ ጽልኡ ከምዝላበሶ ጌሩዎ ኢዩ። ብዋጋ ህዝቢ ኤርትራን ሃገራዊ ልዑላውነቱን ከአ፣ ንቂምታን በቐልን ምስ መራሕቲ ህወሐት መዳቐሲን ሕነ መፍደዪን ክኾኖ፣ እንሆ ህዝቢ ኤርትራ ሰፍ ዘይብል ናይ ጽንተት ዋጋ ክኸፍል ይርከብ።
ኤርትራውያን ነዚ ብግቡእ ተረዲኦም፣ ብተግባርን አተሐሳስባን ሐድነቶም አስጢሞም፣ ብስሙር ፖለቲካዊ መኸተ ክንዲ ዝምክትዎ፣ ኢሳያስ ብግልጺ ” ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ተፈልያ ክትቅጽል አይትኽእልን ኢያ” ዝብል ጎስጓስ ሕጂ ብርኡይ እንዳአካየደ፣ አፍ ደገታት ኤርትራ ከፊቱ ንአሽሐት ሰራዊት ኢትዮጵያን ኩሉ ዘድልዮም አጽዋርን ናብ ኤርትራ እንዳጓረተ ከሎ፣ ናይ ጽባሕ ሳዕቤናት ዘይግንዘቡ ኤርትራውያን ምህላዎም ብሐቂ ዘስደምም ኢዩ። ካብ ነቲ ብጉዳይ ነጻነትን ሃገራዊ ልዑላውነትን ኤርትራ ንጹር አዋጅን መርገጽን ዝሐዘ ህዝቢ ትግራይ፣ ብዝያዳ ምስቲ ዶብና ቀይሕ ባሕሪ ኢዩ፣ ኢትዮጵያ ወናኒት ቀይሕ ባሕሪ ዳግም ክትከውን ኢያ” ዝብል እውጅ መርገጽ አብይ አሕመድን፣ ንልዑላውነት ኤርትራን ክድውን ዝጓየ ዘሎ ኢሳያስን ዝዳናገጹን ዝድግፉን ክትርኢ ከለኻ ከአ፣ ናይ ኤርትራውያ ስነ አእምሮ ክሳብ ክንደይ ምስቅልቅልን መትሐዚ አልቦ ፈንጨጋርን ምዃኑን ኢዩ ዘረድእ። አቦታትና’ውን እንተኾነ አብ ጉዳይ ሃገሮም ኤርትራ፣ ሰአን ስሙር አተሐሳስባን ሚዛንን፣ ሐድነታዊ አተሐሳስባ ከጥርዩ ብዘይምኽአሎም ኢዩ ከይፈተዉ ዔረ እንዳጠዓሞም ጎደሎ ነጻነት ንፈደረሽን ዝተቐበሉ። ንሕና ደቆም’ውን ከቢድ ሰፍ ዘይብል ዕዳ መስዋእቲ ዝኸፈልናዮ። ሕጂ’ውን በቲ እንወስዶ መርገጽ ንዳሕረዎት ወሎዶና ሰፍ ዘይብል ዕዳ ከይንገድፈሎም ንጠንቀቕ፣ ካብ ተመኩሮ ቀዳሞት ከአ ንምሃር።
እግዚአብሄር ድአ ይኽደነና’ምበር፣ ኢሳያስ ዓይንና እንዳረአየ እዝኒና እንዳሰምዔ፣ ብድሎ ድሎ ነዛ ሃገር አሕሊፉ ክህባ ይጓየ ኢዩ ዘሎ። ብምልኡ ሰራዊት ምክልኻል ኤርትራ ናብቲ መግሃር ሐዊ ኲናት ሕድሕድ ናብ መሬት ኢትዮጵያ ሰዲዱ፣ ቁጽሪ አልቦ አሽሐት ሰራዊት ኢትዮጵያ ከአ ናብ ኤርትራ ምእታዉ፣ ዘወርቲ ውግእ ነፈርቲ ኤርትራ አውሪዱ፣ ንኢትዮጵያውያን ዘወርቲ ነፈርቲ ምሃብ፣ አብይ ምስ ኢሳያስ አብ ዓሰብ መደር ክንገብር ተሰማሚዕና ኢና ብምባል፣ ናብ ኩሎም አብ ዓለም ዝርከቡ አባላት ባሕሪ ሐይሊ ዝነበሩ መጸዋዕታ ምግባር ዕላምኡ ከመይ ጌርና ኢና ክንስሕቶ? ፣ አንቱም ኤርትራውያን ደቂ ሃገር ናበይ ገጽና ንኸይድ ከም ዘለናስ ካንዶ አይነስተውዕልን አይስቆረናን ኢዩ። ካንዶ እዛ ባድመ ትብሃል ካርታ መጣልዒት ኢሳያስ’ሲ አኺልዋ ከተደናግረና ክትነብር ኢያ? ህዝበይ ንስኻ ብዛዕባ ባድመ ተእዊ አለኻ። ኤርትራ ብዓባያ ግን እንዳረአኻያ ካብ ኢድካ ከይትሃትፈካ ሕሰብ ተጨነቐላ። ጉዳይ ባድመ ኮነ ዶባት ህዝቢ ኤርትራ ምስ ቀሰነ ክፈትሖ ዝኽእል ጸገም ኢዩ። ብመላአ ሃገርካን ወደባትካን ቀይሕ ባሕርኻን ኢሳያስ ንጸላእትኻ ምስ አረከቦም ግን፣ ጉዳይ ባድመን ዶብን ዝብሃል አርእስቲ ፈጺሙ ትርጉም አይክህልዎን ኢዩ። ምስ ህዝቢ ትግራይ ዘፈላሊን ዘሰሐሕብን ጉዳይ ዶባት እንተኾይኑ ክልቲኡ ህዝብታትና ህድእ ኢሉ መዓርፎ ክረኽበሉ ዝኽእል ኢዩ። መዋእልካ ምሉእ አብዚ ኩሉ አደራዕን ሕሰምን አጀንዳ አብ ልዕሊ አጀንዳ እንዳፈጠረ፣ መጀመርያ ምስ ሱዳን ወስታት፣ ድሒሩ አከታቲሉ ምስ የመንን ኢትዮጵያን ጅቡቲን፣ ውግእ እንዳጻሕተረ ትንፋስ ዝኸልአካ እንኮ ኢሳያስ አፍወርቂ ዝብሃል ምዃኑስ ከመይ ጌሩ ኢዩ ዝስወረካ? ኢሳያስ ትማሊ ብስዉር አብ ሰውራና ዝተጸፍየ ስሙ ተጋዳላይ፣ ሎሚ ከአ ግሁድ ከዳዕ ኢትዮጵያዊ፣ ንህልውና ኤርትራ ዝጻባእ ፖለቲካዊ ነጋዳይ ምዃኑስ አግሂዱዎ አሎ። አንታ ኤርትራዊ ከመይ ጌሩ ኢዩ ነዚ ርኡይ ነገር ዓይንኻ ዓዊሩ ዝጠፍአካ። ሕጂ’ውን እቲ ዝኸደ ዝርካቡ ከይጠፍኤ፣ ሰራዊት ኤርትራ ናብ ዶባት ዓድቡኡ ካብ መሬት ኢትዮጵያ ወጺኡ ክምለስ፣ ሰራዊት ኢትዮጵያ ከአ ጠቕሊሉ ካብ ኤርትራ ክወጽእ ድምጽኻ አስምዕ ቃልስታትካ አበራትዕ።
You must be logged in to post a comment.