ህዝቢ ኤርትራ ዝመርሖ ደኣ ስኢኑ እምበር ኣይሓመመ ኣይጸመመ !

ህዝቢ ኤርትራ  ዝመርሖ ደኣ ስኢኑ እምበር ኣይሓመመ ኣይጸመመ !


   ኣብ ዝባኑ ንዝወርድ ምእሳር ምቅታል ምግፋፍ ሰብኣዊ መሰላት ክንዮ ዚ ድማ  ብጃምላ ክጠፍእ ምእንቲ ኣብ ዘይምልከቶ ናይ ህልቂት ኲናት ብምእታው ንዝግበር ወንጀል ዝቅበል ህዝቢ ኣብ ታሪኽ ወዲ ሰብ  ከቶ ተራኢዩን ተሰሚዑን ኣይፈልጥን ኣይክረአንውን ኢዩ። ጉጅለ ህግደፍ ካብ ጽባሕ ነጻ መሬት ኤርትራ ንህዝቢ ናብዚ እብዚ እዋን ኣብጺሕዎ ንዝርከብ ናይ መጨረሻ ናይ ጥፍኣት ውዲት ንከብጾሖ በብቁሩብ ዝተፈላለዩ ርኹሳት ውዲታት እናኣለመ ከተግብር ጸኒሑ ኢዩ።  ገለ ካብኦም መንእሰይ ኤርትራ ካብ ቤቱ ተጓሕጒሑ ንኽባረር ሰፊሕ ቤት ማእሰርቲ ሳዋ ብምምስራት ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ኣብ ኣጽናቲ ኲናት ኣእቲይዎ።  ነቲ ናይ ጉጅለ ህግደፍ  እኩይ ተግባራት ካብ  ውሽጢ  ዝተራእዩ ተቃውሞታት ኣይተዓወቱን ምኽንያቱ ድማ ኩሎም እቶም ዝተራእዩ ተቃውሞታት ኣብ  እዋንን ሓድነትን ጉድለት ስለዝነበሮም ኢዩ። ከም ውጽኢቱ  ኢሰያስን ጉጅሊኡን ነቲ ጎኒ ድኽመቶም ብምርኣይ በበይኖም ክቅንጽልዎም ክኢሎም። ስለዚ እቲ ኣብ ውሽጢ ዝተራእዩ ተቃውሞታት  ብኩራት ሓድነት ሰፊሕ ውሽጣዊ ተቃዋሚ ሓይልን ንህዝቢ ኣብ ምጥርናፍን ምልዕዓልን ድኽመት ስለዝነበሮ ግዳይ ኮይኖም ተሪፎም። በዋጋ ሂወቶም  ዝከኣሎም ዝገበሩ ንኹሉ  ከም ዝገበሩ ኢዩም  ሞ በዚ ኣጋጣሚ ክብርን መጎስን ንዓዕዓኣቶም ይኹን። እገለ  ከምዚ ነሩ  እገለ ኸኣ ገምዚ ይገብር ነሩ ብማለት ዝወሃብ ናይ  ዝበዀሩ ብሂል ቅቡል ኣይኮነንን። 


    ካብ ውሽጢ ሃገር ወጻኢ ናይ ዘለዋ ተቃወምቲ ውድባት ደለይቲ ፍትሒ ሲቪክ ማሕበራት ምንቅስቃሳት ውልቀ-ባእታታት…….ወዘተ ነናእሽቱ ፖሊቲካውያን መሳሪሒታተን ተሓንጊጠን ኣብ ብኩራት ሓድነት ንኹንን ነማሕጽን ነገንዝብ ነተሓሳስብ ካብ ምባል ሓሊፈን ንኹሉ ተቃዋሚ ኤርትራዊ ፖሊቲካዊ ብምጥርናፍ ኣድማዒ ዕዮ ክትግብራ ኣይከኣላን። ዘካይዶኦ ፈተነ ሓድነትውን መን ኣበየናይ ቦታ እንታይ ናይ ስልጣን እጃም ኣለዎ ዝጥምት ናይ ይምሰልን ናይ ሃልክን ፈተነ ደኣ እምበር ብቁዕ ፍታሕ ንምምጻእ ዝሕልንኡ ጻዕሪ ኣይነበረን።  ካልእስ ይትረፍ ነቲ ካብ ኤርትራ ብኣማእት ኣሽሓት ኣብ ስደት ንዝርከብ መንእሰይ ክጸልዋ ኣይከኣላን። መራሕተን ዕድመ ደፊኦም እናተፋነው ከለዉ ኣብቲ ዝቀውም ሓድነታዊ ሓይሊ ገደይ እንታይ ኢዩ መን ኣነ ክመርሖ ኣለኒ ብዝብል ኣንነት ዝተጎብአ ንምግላጹ ዝሕፍር ተርእዮታት እናተደጋገመ ዝመጸሉ ክውንነት ኢዩ። እዚ ጥራይውን ኣይኮነን ኣብዚ ሕጂ ዝርከብ እዚዩ ሓደገኛ ኩነታት ኳ ንኹሉ ኣወንዚፈን ግዝያዊ ንድሕነት ሃገር  ንምሕላው ዘኽእል ሓባራዊ ኣካል  (mechanism)  ብምቛም ክሰርሓስ ይትረፍ ከም እማመ  ኳ ሓደ ሸነኽ ተበግሶ ክወስድ ኣይተራእያን።  ሕጂ ኣብዚ ቀረባ እዋናት ምንቅስቃስ ይእክል ተበግሶ ጀሚሩ ይስማዕ ኣሎ።  ውድባት ድሕነት ሃገር ከም ማናን ጸጋን ካብ ሰማይ ወሪዱ ናይ መጻኢ ስልጣን ከመይ ኮን ይኸውን ብማለት ኣዚጊበን ዝጽበያ ዘለዋ ይመስላ።   ኣዚዩ ዘሕዝን ኢዩ!!!!። ስለዚ ነታ ተድሊ ንእሽቶይ መድረኽ ዝሓታ ጠለብ ዘይፈጸምካስ ህዝቢ ተዳኺሙ ኢዩ መከራ በዚሕዎ ማእሰርቲ ጭፍጨፋ ቅትለት ሕሰም ኣስካሕኪሕዎ ምባል ፈጺሙ ዘሕንኽ መመኽነይታ ኢዩ።  ንዝያዳ ቅትለት ማእሰርቲ ጭፍጨፋ ምጥፋእ መንነትን ብዝያዳ ዝቃወም እበር ኣመን ኢሉ ዝቅበል ሰብስ ይትረፍ ዝኾነ ፍጡር ኳ ፈጺሙ ኣይተራእየን። ሕሉፍ ሓሊፉ ኣብዚ ቀረባ እዋናት ህዝቢ ኤርትራ  ከም ዝሓመመ  ምሕረት ክጽለየሉ ይርከብ።  ዝሓመመ ወይ ዝተጸለለ  ፖሊቲካዊ ውድባት ኣቚሙ ክንሱ ማዕረቲ ዝተሰከሞ ሓላፍነት ዘይበቀዐ ኢዩ  ምሕረት የውርደልካ  ዝበሃልውን ንሱ እምበር ህዝብስ ኣይብኢዱ ኣይብእግሩ  ዝጽገዓሉ ዝዓስለሉን መሪሕ ኣካል ስኢኑ ኢዩ ክጭፍጨፍ ዝርከብ እምበር ነሓመመ ነይጸመመ።
ኣቡ ያረድ 

Leave a Reply

Please log in using one of these methods to post your comment:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.