ምስ ህግዲፍ ክካየድ ዝጸንሐ ምስጢራዊ ርክብ፡ ባይቶ ሽወደን ንመንግስቱ ጸብጻብ ሓቲቱ

ምስ ህግዲፍ ክካየድ ዝጸንሐ ምስጢራዊ ርክብ፡ ባይቶ ሽወደን ንመንግስቱ ጸብጻብ ሓቲቱ

ትማሊ ዕለት 5 ታሕሳስ 2020 ኣብ ሃገራዊ ፈነወ ቲቪ ሽወደን SVT ብጽሑፍ ከም ዝተዘርግሐ፡ ኣባላት ዝተፈላልያ ሰልፍታት ኣብ ባይቶ ሽወደን ንጉዳይ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ ኣመልኪተን ምስ መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ንልዕሊ 19 ዓመት ብምስጢር ክካየድ ዝጸንሐ ርክብ ጸብጻብ ክቀርበሎም ሓቲቶም ኣለዉ።

ውድብ ሓድነት ንዲሞክራሲ ለውጢ ካብ’ዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ጠለብ ባይቶ ሽወደን መሰረት ብምግባር፡ ኣብ ዝተፈላልያ ሃገራት ብፍላይ ኣብ ሃገር ሽወደን ዝጸንሐ ምቅርራባትን ዝምድናን ህግዲፍ እንታይ ዓይነት ዲፕሎማሲያዊ ዝምድናታት ምንባሩ ኩሉ ዝፈልጦ’ዩ። ዓለምና ቀስ ብቐስ ዘድልዮም ሓበሬታ ብምእካብ ህግዲፍ ብመንገዲ ኣምባሳድራቱ ኣቢሉ ዝህቦም ሓበሬታ ማዕረ ክንደይ ሓቕን ኣብ ባይታ ዘሎ ወድዓዊ ኩነት ዘይምዃኑ ሕርሕራይ ገይሮም ይፈልጡ’ዮም።

ባይቶ ሽወደን ንመንግስቶም ዝቀረበ ጸዋዒት ሓደ ነቲ ህግድፍ ኤርትራ ሰላምዊትን ዲሞክራሲያዊትን ሃገር’ያ እንዳበለ ዝነዝሖ ፕሮፓጋንዳታት ቀዳማይ ዲፕሎማስያዊ ክስራን ፍሽለትን ዘጋልጽ ወስታ ኣብ ልዕሊ ምዃኑ፡ ብዛዕባ እሱራት ክሕተቱ እንከለዉ ዝገብረሎም ተወሳኺ ሕማም መርዘን ኣዝዩ ከም ዝኸብዶም ፍሉጥ ነገር’ዩ።

ዝሓለፈ 19 ዓመታት ማሕበር ዳዊት ኢሳቕ፡ ሲቪካውያን ማሕበራት ውልቀ ሰባትን፡ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ንጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ክቀርብ ወይ ብነጻ ክፍታሕ ዘይሕለል ጻዊዒት ከከይዱ ድሕሪ ምጽንሖም ብዘይዝኾነ ይኹን መልሲ ኣልቦ ተረሲዑ ምሕላፉ፡ ኣብ ኤርትራ ቁጽሪ ዘይብሎም ብዝሒ ብፖለቲካን ሕልናን ዝተኣሰሩ ከም ዘለዉ ዝሕብር ምልክት ምስ ተረኽበ ከኣ ብዘይወዓል ሕደር እሱራት ክፍትሑ ብቀጻሊ ጻዕሪ ካብ ምክያድ ድምጾም ካብ ምስማዕ ዓዲ ኣይወዓሉን። ኣብ ኤርትራ ዝካየድ መወዳድርቲ ዘይብሉ ግፍዕን ማእሰረትን ከም ዝነበረን ዘሎ ብሰፊሕን ዓሙቕን ዘረጋገጾ ጸብጻብ ፍሉይ ልኡኽ ሽማግለ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት መንግስታት ምንባሩ ዝዝከር’ዩ። ብፍሉይ ተርእዮ ንዓለምና ዘገረመ ከኣ ካብ ቅድሚ 20 ዓመታት ጀሚሩ ዝተራእየ ዘየቋርጽ ዋሕዚ ስደተኛታት መእሰያት ኤርትራ ንኤውሮጳን ኣሜሪካን መርኣያን ምስክርን ግፍዕታት ስርዓት ህግዲፍ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ህዝብናን ዓለምና ዝፈልጦ ኮይኑ እዩ።

መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ምስ’ቲ ኩሉ ክሕደቱ ነተን ብስም ሰብኣዊ ረድኤት ዝረኽበን ሓገዛትን ከይተርፋን ከይቋረጻን ብዝሓድሮ ፍርሒ፡ ብተደጋጋሚ ንዝቀርበሉ ሕቶታት ፖለቲካውያን እሱራት፡ ሰብኣዊ መሰል፡ ሕግን ቅዋምን ኣብ ኤርትራ ብዝምልከት፡ብሎሚ ጽባሕ፡ ግዜ ንምኽሳብን ግዜ ንምትሕልላፍን፡ ኣብ’ቲ ዶባዊ ኵናት 1998 ገና ዘይተወድአ ሃገራዊ ጉዳይ ስለ ዘለና እንዳበለ፡ እቲ ጉዳይ ብምስጢር እንተተሒዙ ክፍታሕ ዘይክእል ኣይኮነን ብምባል እንዳታለለን እንዳፈራረሐን ክኸይድ ጸኒሑ። ይኹን’ምበር ዝሰዓበ ዓመታት ህዝብና፡ በብእዋኑ ሓንሳብ ብዋሕዲ ማይ ነቕጽን፡ ስእነት ስራሕ፡ ማእሰርትን ስደትን ተወሲኽዎ ኣብ መወዳእታ ከኣ ሕማም ለበዳ ኮሮና ቫይረስ፡ ኣንበጣ፡ ኵናትን ተደማሚሮም ማሕበራዉን ቁጠባውን ፖለቲካውን ቅልውላዋት ንዝሓሸ ፍታሕ ዘይኮነስ፡ ተስፋ ዘይብሉ ኩነታት ከምርሖ ጸኒሑ። ህዝቢ ኤርትራ ብውሽጣዊ ጉዳዩ ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ ጎረባብቱ ሃገራት ዝፍጠር ዝኾነ ይኹን ዓይነት ግርጭታት ብቀጥታን ብተዘዋዋርን ስለ ዝትንክፍዎ፡ ኣውንታዊ መንጸብረቕታን ተስፋ ዘይህቡ ኮይኖም ኩሉ እንተናዊ መስርሕ ሂወት ኤርትራዊ ፍጹም ምዕባለ ዘይተራእየሉ ኣብ ደውታ ብምጽንሖም ሎሚ ብቀሊሉ ተኣፋፍን ተነቓፍን ክኸውን ገይርዎ ኣሎ።

ደላይ ፍትሒ ህዝብና ብቀዳምነት ኣብ ሓድነቱ ኣትሪሩ ክሰርሕን፡ ኣብ ዲፕሎማሲያዊ ዝምድናታቱ ብምንጣፍ፡ ህግዲፍ ንዝፈጠሮ ሓደገኛ እዋን ቀይሩ ንረብሓ ህዝብን ሃገርን ከውዕሎ ዘኽእሎ ዕድላት ክጥቀመሉ ዝሕተተሉ ዘሎ እዋን’ዩ።

ዓወት ንተቓላሳይ ህዝቢ ኤርትራ

ዜናን ሓበሬታን ውሓደለ

6 ታሕሳስ 2020

Leave a Reply

Please log in using one of these methods to post your comment:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.