ዓሻ እናተበሃልካ ካብ ምዕሻው ንላዕሊ ውርደትን የለን !

ዓሻ እናተበሃልካ ካብ ምዕሻው ንላዕሊ ውርደትን የለን
1ይ ምኒስተር ኢትዮጽያ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ኣትሒዙ ብግልጺ ንሉኡላውነት ኤርትራ ከም ሃገር ግሂሱ ኣካል ኢትዮጽያ ንክትከውን ዘኽእሎ መደባቱ እናገለጸ ክመጽእ ዘኒሑ። ገለ ካብቲ ዝበሎም ከምቲ ኩሉ ዝፈልጦ “ኣነን ኢሱን ተደሚርና ኢና። ንዓሰብ ብሓደ ክንካፈል ኢና። ኢትዮጽያ ካብ ጫፍ ራስ-ቀሳር ክሳብ ራስ-ዱመራ ምስ ኩሉ ዓለም ዘራኽብ ናይ ባሕሪ ኣፍደገ ዝኾነ ዓቢ ጸጋ ኣለዋ በለ”። ማዕረማዕሪኡ መራሕ መንግስቲ ህግደፍ ካብ ብርክት ዝበሉ እዋን ምስ ህዝቢ ኢትዮጽያ “ሓደ ህዝቢ ኢና።ሎሚ ክልተ ህዝቢ ኢና ዝብል እንታይ ይኸይድ ከምዘሎ ዘይፈልጥ ዓሻ ኢዩ። ሓላፍነተይ ንዓኻ ኣብይ ኣሕመድ ኣረኪበ ኣሎኹ። ንስኻ ኢኻ ትመርሓና። ነዚ ዘረባ ክጥዕመለይ ኢለ ዝብሎ ዘለኹ ዘይኮነስ ናይ ብልበይ ኢየ ክብል ብንጹር ገለጹ። እዚ ርኹስ መግለጺታት ኮለነል ኣብይ ኣሕመድን ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ኢሰያስን ካብ ዝተሰንዘሩሉ ንነጀው ልኡላውነት ኤርትራ ብርኡይ ተጋሂሱ ኢዩ። ንኩሉ ኤርትራዊ ኢየ ዝብል ድማ ካብዚ ንልኡላውነት ኤርትራ ዝግህስ ተረኽቦ ንላዕሊ ብሓደነት ከስሮሖ ዝኽእል ኣይነበረን የለንውን። ይኹን እምበር ኣብ ዚ ተሃዋስን ሓደገኛን ሃለዋት ኣብ ኣገባብ ኣቀላልሳ ፍልልይ ዘመዝገባ ተቃወምቲ ውድባት ክትሰምዕ ከለኻ ኣዚዩ ዘሕዝን ኢዩ። ዕድሚኦም ምሉእ ኣብ ብረታዊ ገድሊ ዘሕለፉ ገዳይም ተጋደልቲ ብሰንኪ ፖሊቲካዊ እምነቶም እታ ዝተቃልሱላ ሃገር ከይረገጹ ክሳብ ዚ እዋን ኣብ ስደት ክንሶም ካብ ውድባት ተስፋ ቆሪጾም በበይኖም ኣብ ምንቅስቃሳት ይኣክል ተደሪቶም ክትርኢውን ኤርትራውያን ሃለዋትና ኣይግድን ዘየብል ኣይኮነን።ብዙሓት ተቃለቲ ህዝብና ዝኸፈሎ ከቢድ ዋጋ እናፈለጡ ኣብ ሲቪክ ማሕበራት ጥራይ ተደሪቶም ንዓመታት ነማሕጽን ንኹንን ንጠልብ ነገንዝብ………ወዘተ እናበሉ ጸላኢ ኢሰያስ ብሃገር ክጣላዕ ክትርኢ ከለኻ ዝስመዓካ ጓሂ ዓቢ ይኸውን። ካብብፖሊቲካውያን ውድባት ምንቅስቃሳት ይኣክል ሲቪክ ማሕበራት ወነንቲ ማዕናት መራኸቢ ብዙሓን ምሁራት ሰብ ዝተፈላለዩ ሰብ ሞያ ወልቀ-ዜጋታት ነዚ ከም ህዝብን ሃገርን ኣጓኒፍና ዘሎ ሓደጋ ንምግጣም ዘብቕዕ ሓደ ሓባራዊ ኣካል (Machinism) ክቀውም ኣይተኻእለን። እማመ ዘቅርብ ዝኾነ ሸነኽ ዛጊት ኣይተራእየን። ኣብዚ ቀረባ እዋን ምንቅስቃሳት ይኣክል ሓደ ኣካል ኣቚሙ ተሰሚዑ ኣሎ። ጽቡቅ ጅማሮ ዩ ናብ ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ሓይሊ ክምዕብል ድማ ተስፋ ይገበር። ደምበ ተቃውሞ ድሒሩ ደምበ ደለይቲ ፍትሒ ዝብል ስያመ ዝተዋህቦ ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ዝኾነ ፖሊቲካዊ ሓይሊ ካብ ነዊሕ እዋን ሓድነቱ ኣረጋጊጹ ሃገሩን ህቡን ዘድሕነሉ ብዙሕ ወርቃዊ ዕድላት ኣሕሊፉ ዩ። መራሒ ህግደፍ ሕሉፍ ሓሊፍዎን ብደዐኡ ኣመና ገንፊልዎን መንነት ኤርትራን ህዝባን ኣጽኒቱ ሎሚ ኤርትራ ርእሳ ዝኸኣለት ነጻ ሃገር ያ ዝብል እንታይ ይኸይድ ከም ዘሎ ዘይፈልጥ ዓሻ ኢዩ እናበለ ከሎ ገለ ኣካላት ደምበ ፍትሕን ተቃውሞን ኢና ዝብሉ ኣብ መንፈስን ሕልናን ጸላኢ ኢሰያስ እንተወሓደ ክብሪ ኤርትራን ህዝባን ኣሎ ክርከብውን ይኽእል ኢዩ ካብ ዝብል ሕልና ኣብዚ ተላዒሉ ዘሎ ውግእ ሕድሕድ ኢትዮጽያ ስርዓት ህግደፍ ኢድ ከም ዘእተወ ጭብጢ የለን ዝብሉ ክትሰምዕ ከለኻ ትግረም። ምኽንያቱ ኢሰያስ ንነብሱ ካብ ማንም ንላዕሊ መን ምዃኑ ጽቡቅ ጌሩ ንነብሱ ሰለዝፈልጥ ካብ ባዕሉ ንላዕሊ ጸጸባብቆ ዝኾነ ይኹን ሸነኽ ክህሉ ኣይክእልን ኢዩ። እንተተራእየውን ዓሻ እናተባህለ ዝዕሹ ጥራይ ኢዩ። ክንዮ ዚ ዝኸፈአ ውርደት ድማ የለን።
ብኣንጻር እዞም ንወራሪ ባህሪ ሃጸይ ሃይለስላሴ ዝደግም ናይ ኮለነል ኣብይ ኣሕመድ ዓማጺ መግዛእታዊ መርሆን ንክሕደት ማሕበር ኣንድነት ዝትግብር ሰላዪ ኢትዮጽያ ኢሰያስ ኣፈወቅን መራሕ መንግስቲ ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረጽዮንገብረሚካኤል ምእንቲ ነጻነት ኤርትራ መስዋእቲ ከፊልና ኢና ሕጅውን ንፋስ ብዝመጸ ይምጻእ ዘዘው ዘዘው ዘይብል ህያው መርገጺና ኢዩ ክብል ንልኡላውነት ኤርትራ ዘኽብርን ኤርትራ ከምሃገር ክትነብር ዘብርህን መርገጽ ህዝቢ ትግራይ ኣንጊሁ እናገለጸ መጺኡ። እዚ ናይ መንግስቲ ክልል ትግራይ መርገጽ ንህዝቢ ኤርትራ ብምሕላይ ጥራይ ካብ ዝተጋነነ ልዕለ ልዕላዊ መንቀሊ ዝብገስ ኣይነበረን። የግዳስ ብቀንዱ ንኤርትራ ብሓይሊ ዓሚጹ ኣካል ኢትዮጽያ ብምግባር ብሓውን ሓጺንን ዝገዝእ ስርዓት ንትግራይ ይኹን ንኢትዮጽያ ብፍትሒ ከመሓድር ኣይክእልን ኢዩ ካብ ዝብል እስትራተጂካዊ ራኢ ዝነቅልውን ኢዩ። ብሓቂ ድማ ኣብ ሕሉፍ ተመኩሮ ወራር ኢትዮጽያን ነብሰ ምክልኻል ገድሊ ህዝቢ ኤርትራን ዝተኻየደ ናይ 30 ዓመት ኲናት ሓደ ሚልዮን ዝኸውን መንእሰይ ኢትዮጽያ ሃሊቁ። ጸጋታት ኢትዮጽያ ኣብ ክንዲ ኣብ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ህዝባ ዝውዕል ናይ ውግእ መሳርሒታት ኣብ ምግዛእ ባኺኑ። ከም ውጽኢቱ ህዝቢ ኢትዮጽያ ኣደዳ ድኽነትን ሕማማትን ኮይኑ። ብፍላይ ድማ ህዝቢ ትግራይ ናይ ኲናት መዋስኢ መድረኽ ኮይኑ ኣብርእሲ ቲ ብውግእ ዝሃልቀሉ ዝነበረ ኩነት ግዳይ ንምጥቃሶም ዘሰክፉ ብቀሊሉ ክፍወሱ ዝኽእሉ ሕማማት ብምዃን ተጋሩ ኣብ ዝነብሩሉን ዘዝኸድዎን ቦታ ከምቆጽሊ ክረግፉ ተራእዮም። ተጋሩ ኣብቲ መድረኽቲ ልክዕ ከም ማንም ፍጡር ሰብ ክንሶም ከም 2ይ 3ይ 4ይ …… ወዘተ ዜጋ ዘይኮኑስ ከም ፍንፉናት ንዑቃት ፍጥረት ተቆጺሮም ብኹሉ መዳያት ክብሪ ዘይብሉ ቅጽላት እናተዋህቦም ንምዝካሩ ዘስካሕክሕ ሂወት ኣሕሊፎም ኢዮም። እታ እንኮ ዝነበረቶም ምርጫ ድማ ኣንጻር ንግስነት ሃጸይ ሃይለስላሴን ስርዓት መንግስቱ ሃይለማርያምን ተቃሊሶም መሰሎምን ክብሮምን ምምላስ ጥራይ እምበር ካልእ ኣይነበረን። ኣብ እዋን ብረታዊ ገድሊ ምእንቲ ብሄራዊ ክብሮም ምቅላሶም ማንም ዘይነፍጎም መሰሎም ኢዩ። ኣብቲ መድረኽ ቲ ግን ናብዚ ናይ ሕጂ አዋን ዘውደቆም እስትራተጂካዊ ጌጋ ፈጺሞም ኢዮም። ንሱ ድማ ኣብ ኤርትራ ሓደ ውድብ ጥራይ ንክህሉ ምስ ህግ ኣንጻር ተሓኤ ኣብ ኲናት ምእታዎም ኢዩ። ምስ ህግ ምምሕዛዎም ኣንጻር ደርጊ ዝዓለመ ኢዩ ምባሎም ምኽንያታዊ ኣይነበረን። እቲ ምንታይሲ ተሓኤ ትኹን ካልኦት ውድባት ውን ኣንጻር ገርጊ ዝዋጋእ ዝነበረ ሓይሊ ደኣ እምበር ንቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ንሓደጋ ዘሳጥሕ ወይ ዘስግእ ሓይሊ ኣይነበረን። ድሕሪ ምውዳቅ ስርዓት ደርግ ውን ኣብ ህዝቦም ብመጠኑ ቁሩብ ኣንፈት ዲሞክራሲ ኣተኣታቲዮም ጉዳያቶም ምስ ህዝቦም ክግምግሙ ከብቅዑ ብኣንጻሩ ኣብ ኤርትራ ህልም ዝበለ ምልኪ እናሃለወ ምስኡ ተማሓዚዮም ኣብ ስልጣን ክቅጽሉ ምፍታኖም ግዝኣቶም ውዒሉ ሓዲሩ ምስ ክልክሞም ዝኽእል ሓዊ ተጸጊዑ ምህላዉ ብእዋኑ ክጥንቀቁ ኣይከኣሉን። እኳ ደኣ ንኢሰያስን ስርዓቱን ከም ድሕረግምባር ኣሚኖም ኣብ ልዕሊ ካልኦት ብሄራት ኢትዮጽያ ጸብለልትነቶም ብሓይሊ ብዘረጋግጽ መልክዕ ኣብ ምሕደራ ኢትዮጽያ ንወትሩ ክቅጽሉ ንስልጣን ተጠምጠምኒ ኢሎማ። ብውሽጢ ሃገሮም ብካልኦት ትምክሕተኛታት ብሸነኽ ኤርትራ ድማ ብህግደፍ ተቀርቂሮም ግዜ ይንዋሕ ይሕጸር እዚ ናይ ሎሚ ሓደጋ ክመጾም ከምዝኽእል ኣይፈለጡን ስልጣን ኩሉ ነገር መሲልዎም ተታሊሎም ክጎዓዙ ጸኒሖም። ብስርዓት ህገደፍ ክምዝመዙ ድሕሪ ምጽናሕ ድማ ምስ መረሮም ብ1998 ኢሰያስ ኣብ ዘዋደደሎም ክኣትውዎ ዘይግቦኦም ኲናት ኣቲዮም። እቲ ምንታይሲ ናይ ዶብ ሽግር ብውግእ ከም ዘይፍታሕ እናፈለጡ ኣብ መደብ ኢሰያስ ጥሒሎም። እዚ ጥራይውን ኣይኮነንን ጉዳይ ዶብ ብዓለም ልኻዊ ቤት ፍርዲ ብይን ምስ ተዋህቦ ውን ኢሰያስ ኣብ ከመይነት ኣፈጻጽምኡ ምዝታይ ምስ ኣበዮም ዝኽፈሉ ከፊሎም ካብቲ ብይን ዝተዋህበሉ በይናዊ ናይ ምስሓብ ስጉምቲ ክወስዱ ነርዎም። በቲ ሓደ ሸነኽ ብተረፍ መረፍ ትምክሕተኛታት ሓይሊ ኣብ ፓርላማ ብድምጺ ተሳዒርና ተገዲድና ናብ ኲናት ኣቲና ክብሉ በቲ ካልኣይ ሸነኽ ድማ ኢሰያስ ኣብ ከመይነት ትግባረ ብይን ቤት ፍርዲ ኣቢዩና ምባሎም ናይ ሓደ ኣብ ስልጣን ዝርከብ ሓይሊ ምኽንያት ኣይኮነን። ንጉዳይ ዶብ ዝተዋህበ ብይን ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ብዝምልከት ብቁዕ ንፈተውቲ ዘደስት ንጸላእቲ ድማ ዕድል ዘይህብ ፍታሕ ከቅርቡ ነርዎም። ነዚ ዘይምግባሮም ን20 ዓመት ኣብ ናይ ኣይውግእ ኣይኲናት ተጠንቀቅ ኩነታት ከለዉ ኣህጉራውን ዞባውን ውሽጣዊ ናይ ትምክሕተኛታት ሓይልን ውዲታት ኣርኪብዎም ሽግሮም ዝያዳ ከፊኡን ጸንኪሩን ካብቲ እንኮ ከም ውሕስነት ዝምርኮሱሉ ስልጣን ተኣሊዮም።
ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ስልጣን ድሕሪ ምምጽኡ ን2 ዓመት ዝኣክል ንመከላከልያ ሰራዊት ኢትዮጽያ ናቱ ምእዙዝ ክገብር ክሰርሕ ጸኒሑ። ብዙሓት መኮንናት ተጋሩ ካብ ሰራዊት ንገለ ብጥሮታ ንገለ ብብልሽውና ንገለ ኸኣ ካብ ሓደ ብሄር ጥራይ ኮይኖም ንካልኦት ከኣ ብቅትለት ኣሊይዎም ኢዩ።እቲ ዘገርም ድማ ነቶም ናይ ደርጊ ዝነበሩ መኮንናት ሰራዊት መሊስዎም። ኣብዚ ሕጂ እዋን ይረአ ከምዘሎ ድማ ኣብ ክንዲ ብንሕገ መንግስቲ ዝምእዘዝን ንዶብ ሃገር ዝሕልሉን ሰራዊት ምዃኑ በዂሩ ኣብ ፖሊቲካዊ ቁርቁስ ሻርነት ገሩ እቲ ዝኾነ ሞያዊ ሰራዊት ዝውንኖ ብሕጊ ሃገር ንዝተወሰነ ዕላማ ናይ ምውጋእ እምነቱ ኣጥፊኡ ብትእዛዝ ኣሃዳዊ መላኺ ኣብ ኲናት ንባዕሉ ነዲዱ ንህዝቡን ሃገሩ ከንድድ ይርከብ። ኣብዚ ክካየድ ዝርከብ ኲናት ኣብይ ኣሕመድን ኢሰያስን ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ ከም ኩላሶ ገዓት ኣብ ሓደ እዋን ዝድምሰሱ መሲልዎም ሰራዊቶም ብኹሉ መኣዝን ወሪሮም ይርከቡ። ይኹን እምበር ውግእ ወይ ኲናት ብባህሪ ናይቲ ክካየደሉ ዝርከብ ባይታን ህዝብን ተዋሳእቱን ናይ ባዕሉ ዝግዛኣሉ ባህርያዊ ሕግታት ስለዘለዎ ከምቲ ብኣብይ እሕመድን ኢሰያስን ዝተመደበ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ። ትግራይ ኣፍደገ ባሕሪ ወይ ምስ ካልኦት ሃገራት ዘራኽብ ዶብ ስለዘይብላ እዚ ውግእ ብስዕረቶም ክድምደም ኢዩ ዝብሉውን ኣለዉ። ህዝቢ ትግራይ ግን ክሳብ ሕጂ ከም ሓደ ኣካል ኮይኑ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ክልል ትግራይ ደው ዝበለ እናመሰለ ይቅጽል ኣሎ። ብርግጽ ከምኡ እንተኾይኑ ድማ ህዝቢ ትግራይ ንባዕሉ ባሕሪ ኢዩ። እዚ ጥራይውን ኣይኮነን ነቲ ካብ ንትግራይ እተዳውብ ሃገር ዘድሊ ኩሉ ነገር ከማልእ ዝኽእል ውን ኢዩ። ሰራዊት ትግራይ ንከተማታት ገዲፉ ምስሓቡውን ነዚ ህዝቢ ትግራይ ንባዕሉ ባሕሪ ምዃኑ ዝተረደአ ዕዮ ይመስል። እቲ ምንታይሲ መንግስቲ ክልል ትግራይ መንግስቲ ኢየ እናበለ ብሓደ ሸነኽ ህዝቢ ከመሓድር በቲ ካልሽ ሸነኽ ድማ ኣንጻር እዞም ወረርቲ ክዋጋእ ተደራራቢ ከቢድ ሓላፍነት ኢዩ ዝኾኖ። ብፍላይ ህዝቢ ምምሕዳርን ምቅላብን ካብ ውግእ ምክያድ ንላዕሊ ሰፍ ዘይብል ሓላፍነት ኢዩ። እቲ መንግስቲ የ ንህዝቢ ይሓሊ የ ሕጊ ከኽብር ኢየ ክብል ዝርከብ ኣብይ ኣሕመድ ክሽከሞ ደጊፎምሉ ኣለዉ። ነዚ እንተዘይ ገሩ ብኹሉ ዝምልከቶም ሸነኻት ክሕተት ኢዩ። መንግስቲ ክልል ትግራይ ግን ናይ ምውጋእ ውራዩ ጥራይ ኢዩ ክገብር። ስለዚ ኣብይ ኣሕመድ ንህዝቢ ትግራይ ክቅልብ ኢዩ። ህዝቢ ትግራይ ድማ ካብ ኣብይ ኣሕመድ ተቀቢሉ ነቶም ተዋጋእቲ ደቁ ክቅልብ ኢዩ። ኣብዚ መርስርሕ ዚ ዘሎ ገልታዕታዕ ከኣ ንኣብይ ኣሕመድ ብውሽጣውን ዞናውን ኣህጉራውን መዳያት ዘይተኣደነ ዋጢጥ ኢዩ። ሰለዚ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ብዙሕ ግንባራት ተሸሚሙብዩ ከዋጋእ እምበር ከምቲ ንሱ ውግእ ተደምዲሙ ዩ ዝበሎ ኣይኮነን። ስለዚ እምበኣር
እዚ ተፈጢሩ ዝርከብ ናይ ውግእ ኩነታት ንዓና ንኤርትራውያን ብሓደገኛነት ስለዝጸልወና ብዘይውርዓል ሕደር ናይ ኩሉ ተቃዋሚ ደላይ ፍትሒ ምንቅስቃሳት ይኣክል ሲቪክ ማሕበራት ወነንቲ ትካላት ሚድያ ግዝያዊ ህጹጽ ነዚ ኩነታት ዝገጥም ሓባራዊ ኣካል (mechanisim) ብምቛም ንድሕነት ሃገርናን ህዝብናን ምስራሕ የድሊ ኣሎ። ክንዮ ዚ ነዚ ብሰንኪ ዕብዳን ኢሰያስ ሃገር ብኹላ ኣብቲ ውግእ ጥሒላ ከላ ኣይምልከተናን ኢዩ ምባል ዓሻ እናተበሃልካ ምዕሻው ኢዩ። ካብኡ ዝኸፍእ ውርደት ድማ የለን።
ኣቡ ያረድ
You must be logged in to post a comment.