ተደጋጋሚ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ስደተኛ ኤርትራ

ተደጋጋሚ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ስደተኛ ኤርትራ

መንእሰይ ኤርትራ ገደብን መወዳኣት ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ልዕሊኡ ብ1994 ካብ ዝእወጅ ጀሚሩ፡ ኣብ’ታ ብመስዋእቲ ኣቦታቱን ኣደታቱን ዝተረከባ ሃገር እፎይታ ረኺቡ ክነብር ኣይከኣለን። ንወታሃደራትን ስልጠና፡ ዋሕዚ መንእሰይ ንሳዋ ሒዝዎ ዝነበረ ምስጢር ብዙሕ ከይጸንሐ፡ ድሕሪ ነጻነትን ልዑላዊት ሃገር ኤርትራ ተርኽቦ ዶባዊ ኵናት ኢትዮ-ኤርትራ 1998 ዕጫ መጻኢ ወለዶ ኤርትራ እንታይ ከም ዝነበረ ኩሉ ዝምስክሮ እዩ።

ይኹን’ምበር ኵናት ተጀሞሩስ ነቲ ጉዳይ ሽማግለን መንጎኛታት ምስ ኣተውዎ፡ ክሳብ ምቁራጽ ተጻብኦ ዝተበጽሐ ስምምዕ ንሽግር ኤርትራዊ መንእሰያት ክፈትሖን ጠጠው ከብሎ ኣይተራእየን። መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ምስ መንእሰያት ብፍላይ ሕሳብ ስለ ዝነበሮ፡ ነቲ ኣብ ትሕቲ ዓላማ ሃገር ዘምሓሎ ውዕል ጠሊሙ፡ ኣብ ሳዋ ዝኣተወ ከም ዳስ ዓዲ ሓውያ ወጻኢ፡ ዕረፍቲ ፍትሒ ዘይብሉ ኣብ ፈቐዶ ጎቦታት ከርተት ቀጸለ።

ኣብ መበል 13 ስሩዕ ኣኼባ ባይቶ ህግዲፍ ምስ ዶባዊ ኵናት ዝተኣሳሰረ ካልእ ማሕበራዊ ፍትሕን፡ ሕጋውነት ባይቶን መንግስት፡ ምርጫ ወዘተ ዝምልከት ዓብይ ሃገራዊ ሕቶታት፡ ብኣባላት ባይቶ፡ ላዕለዎት መራሕቲ ሰራዊትን ሚኒስተራት ኤርትራ ኣብ ዝተላዕለሉ፡ ምስጢር ጃንዳ መላኺ ስርዓት ህግዲፍ እንታይ ምንባሩ ቐስ ብቐስ ክቃላዕ ጀመረ። ጀጋኑ ነበራት ተጋደልቲ እዋኑ ሕጂ እዋኑ’ዩ ብማለት ባይቶ ዝተሰማማዕሉ ሕጊ ባይቶኣውን ሰልፋውን ምርጫ ንኸይጸድቕ ብዙሕ ቃልሲ ተኻየደ። ከም ውጽኢቱ ከኣ ሚኒስተራት፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ፡ ጋዜጠኛታት፡ ተራ ደላይ ፍትሒ ዝኾነ ዜጋ ግዳይ ማእሰርትን ጭውያን ኮኑ። ገጹ ዝቐልዐ ምልኪ ከኣ ተራእዩ ብግሉጽ ከኣ ግፍዕታት ጀመረ።

ቀዳማይ ግፍዒ

ብሰንኪ ሕቡእ ኣጀንዳ መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ዝወረዶ ግፍዕ፡ ኣብ መዛግብትን ኣብ ጎቦታትን ክበሊ ዝተፈርዶ መንእሰይ፡ ኣብ’ቲ እዋኑ ዝነበረ ዘይምሕር ቀይዲ፡ ክመሃር፡ ክስልጥን፡ ክምዕብል ይትረፍስ ዓይኒ ዝፈትዎም ወለዱን ኣሕዋቱ ክርኢ’ኳ መሰል ከም ዘይብሉ ርእዩ ኣስተውዒሉ፡ ንክብሩን መሰሉን ከቛምት ጀጋኑ ኣቦታቱ ዘልዓልዎ ሕቶታት ኣብ ክንዲ ብሰላምን ኣገባቡን ክምለስ ዘይምኽኣሉ፡ ህግዲፍ ቅንዕና ዘይነበሮ ምሕደራ ምዃኑ ኣንፈት ስለ ዝሃቦ ተገዲዱ ንዝፈትዎም ስድራ ቤቱን ሃገሩን ገዲፉ ንስደት ኣምርሐ። እዚ ዘርእዮ ከኣ ሓደ ዜጋ መሰሉን ክብሩን ተሓልዩ ክነብር ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ ዝበጽሐ ምዃኑ ይሕብር።

ካልኣይ ግፍዒ

ጋሻ ዓሻ ከም ዝበሃል፡ መንእሰያት ኣብ ዘይፈልጥዎ በራኻታት ምስ ኣራዊት ዘገዳም ሓዲሮም መሪር ጉዕዞ ሰጊሮም። መንእሰያት ብግቡእ ኣብ ትሕቲ ስድራ ቤቶም ክዓብዩን ክወርስዎን ዝግባእ ተሞክራታት ባህሊ ገድሊ መነባብሮ ዘይቐሰመ መንእሰይ፡ ግፍዕታት ህግዲፍ ንስደት ምስ ነነዎ፡ ኣብ ጉዕዞኡ ማእለያ ዘይብሉ ግፍዕታትን፡ ግዳይ ሸፋቱ፡ መሰጋገርቲ ንግዲ ሰባት ኮይኑ’ዩ። ገንዘቡ ጥራሕ ኣይኮነን፡ ሂወቱ ውሕስነት ኣብ ዘይብሉ፡ ” ካብ’ቲ ቶኵስካ ቅተል” ዝብል ኣዋጅ መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ዝጀመረ፡ ትንፋሱ ኣብ ኢዱ ሒዙ፡ ክሳብ ኣብ’ቲ ብፍላይ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ጽላል ዝረክብ ዕረፍቲ ኣይረኸበን። ዳሕረዋይ ዓመታት ብፍላይ 2004 ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ሽመልባን ማይ ዓይኒ ዝበሃሉ መዕቆቢ ስደተኛታት ዝበጽሓሉ፡ ብውድብ ሕቡራት መንግስታት፡ ዝተፈላልዩ ማሕበራት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ተፈላጥነት ረኺቦም ብምቅጻሉ፡ ካብ ማእሰርትን ጭውያን ግፍዕታት ህግዲፍ ዕድል ረኺቡ ዶብ ዝሰገረ ኣብ’ዘን መዓስከራት ክዕቆቡ ጸኒሖም። ካብኣቶም ንሳልሳይ ሃገር ዝሰገሩ’ውን ውሑዳት ኣይነበሩን። ምስ’ቲ ብዝሒ ግፍዕን ዓመጽን ግን ስደት ካብ ግዜ ንግዜ እንዳዛየደ ቁጽሪ ስደተኛታት መንእሰያት ተሪፉስ ህጻናት ትሕቲ ዕመ’ውን ከይተረፉ ስዓቡ።

ሳልሳይ ግፍዒ

ምስ’ቲ ኩሉ ክህሉ ዝኽእል ጉደለታትን ሕጽረትን፡ ብሕቡራት መንግስታት ክፍሊ ስደተኛታት ይኹን ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ስድራ ቤቶም እንዳተሓገዙ፡ ክሳብ’ዚ ትማሊ ኵናት ኣብ መንጎ ፈደራል መንግስትን ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዝጅምር፡ ጸገሞም ጸይሮም፡ ንግዚያዊ ሩፍታ ዝረኸቡላ መዕቆብ ስደተኛ፡ ኣብ መስመር ኵናት ብምንባሩ ካብ’ቲ ደብዳብ ኣይደሓኑን። ሰላማውያን ስደተኛታት ዝነብሩሉ ቦታ’ውን ኣይተባህለን። እንታይ ደኣ ከም ሓደ ወታሃደራዊ መስመር ኵናትን ብምንባሩ ካብ ጠያይትን ቦባታትን ኣይደሓነን።  ነዚ ብዝምልከት ሜሮን እስቲፋኖስ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሓት ዘመሓላለፈቶ ሓበሬታ፡ ብዛዕባ ሓደ መንእሰይ ኣብ ቦታ መዕቆቢ ስድተኛታት ዘጋጠሞ ዘይሓሰቦ ሓደጋ ተወጊኡ፡ ካብ ቦትኡ ብዘይኣገባብ ንሕክምና ንውሽጢ ኤርትራ ተወሲዱ ከም ዝዓረፈ ትገልጽ።

ራብዓይ ግፍዒ

መንእሰያት ኤርትራ እምቢ ንግፍዕታት መላኺ ስርዓት ኢሎም፡ ኣብ መንጎ እንስሳ ዘገዳምን ጸጥታ ህግዲፍን ውሕስነት ሂወት ዘይብሎም ኣብ መዕቆቢ ስደተኛታት በጺሖም ጉዳዮም ብዝምልከቶ ኣካል ክረአ ዘቅረብዎ፡ ብመጠኑ ሕጋዊ መሰል ስድተኛታት ረኺቦም ክነሶም፡ ብሰንኪ’ዚ ኵናት መሰሎም ተነፊግዎም፡ ከካብ ዘለዎ ቦታ ተመንጢሎም መፍቶ ህግዲፍ ኮይኖም ይርከቡ። ብባህልና ኣብ ኤርትራ ዝዓበናሉ ክሳብ ንኣሽቱ ህጻናት ዝፈልጥዎ ዕቝባ ዕቝባ’ዩ። ካብ ዓብይ ኣያኻ ወይ ሓውኻ ሓዲምካብ ኣብ ጎረቤት እንተተዓቆብካ ካብ’ቲ ገዛ ንግዳም ክሳብ ትወጽእ ዝትንክፈካ ሰብ ሓደ’ኳ ኣይርከብን። እዚ ከኣ ዕቝባ ማለት ማዕረ ክንደይ ምዃኑ ዝሕብር እንዳሃለወ፡ ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ግን ሕነ ንምፍዳይ መንእሰያት ንምጽናት፡ ነቶም ካብ ኢዱ ወጺኦም ዕቝባ ዝረኸቡ ከይተረፈ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እንሆ ዘይተኣደነ ግፍዕታት ክፍጽም ይርከብ ምህላዎም ንሰምዕን ንርእዮን ኣለና።

ምእንት’ዚ ኩሉ ግፍዕታት፡ ፖለቲካውያን ሓይልታት ኤርትራ፡ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ሲቪካዊ ማሕበራት፡ ደላይ ፍትሒ ህዝብና ንኣህጉራዊ ሕብረተ ሰብ ዓለም ድምጾም ከስምዓሎም ግድነት’ዩ። በዚ ከኣ ኣብ ድምጽና ዋላ ንሓንቲ ትሓብረሉ ኣገባብ ክንፈጥር፡ ንመሰልናን ክብርናን ሓቢርና ክንቃለስ ምእንቲ ውጽኡዕ ህዝብና፡ ሃገርናን ግፍዒ መንእሰያትን ቃል ንኣትወሉ ይኹነና።

ዜናን ሓበሬታ ውሓደለ

12 ታሕሳስ 2020   

Leave a Reply

Please log in using one of these methods to post your comment:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Google photo

You are commenting using your Google account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.