መልእኽቲ ኣ/መ ውሓደለ ኣቶ ተስፋሚካኤል ዮሃንስ ብምኽንያት በዓል ልደትን ሓድሽ ዓመትን 2020

ርሑስ በዓል ልደትን ሓድሽ ዓመትን 2020
ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን እትነብር ዝኸበርካ ህዝብና፡ ርሑስ በዓል ልደትን ሓድሽ ዓመትን ይግበረልና እንዳበልና ብስም ኩሎም መሪሕነትን ኣባላትን ውሓዲለ ሰላምታና ነቕርበልኩም። ኣብ ዘይንቡር ኩነታት ከም ንቡር ወሲድና ነዊሕ ጉዕዞ ከይድና’ና። ኣብ ከም’ዚ ዘተሓሳስብ ኩነታት ከኣ ንቅንያት በዓል ልደት ሰላምታና ከነቅርብ እንከለና፡ ምስ’ቲ ህዝብና ክሓልፎ ዝጸንሐን ዝሓልፎ ዘሎ ጽንኩር ኩነታት፡ ሕማም ለበዳ ኮሮና ቫይረስ፡ ወራር ኣንበጣን፡ ሕጂ ድማ ዘይርጉእ ሃለዋትን ኵናትን፡ ንኩለን ስድራ ቤታት ኤርትራ ዘየቕስን ማዕረ ክንደይ ከቢድ ጾር ምዃኑ ንርእዮን ንሰምዖን ኣለና። ንዘይተርፍ ባህልን ጸኒሕ ልምድን በዓል ልደት 2020 ፡ክንዝክር፡ ከነስተንትንን ከኣ ንሰላም ቅሳነትን ራህዋ፡ ንፍቕርን ሓድነትን ክንሓስብ ከም ዝገብረልና ግን ኣይንጠራጠርን። ነዚ ተስፋ’ዚ ሒዝና ብስም ኩሎም ኣባላት ውሓደለ ርሑስ በዓል ልደትን ሓድሽ ዓመትን ይግበረልና ንብለኩም።
ኣቦ መንበር ውሓደለ
ተስፋሚካኤል ዮሃንስ
23 ታሕሳስ 2020
You must be logged in to post a comment.