ዓመት ይመጽእ ዓመት ይኸይድ

ዓመት ይመጽእ ዓመት ይኸይድ
ሕሰብ ኣስተውዕል ተማራመር ተባራበር
ወድሰብ ካብ ማህጸን ኣደ ጀሚሩ ንዝመጽእ እዋን፣ ለይቲ ምስ መዓልቲ እናጸብጸበ ብተስፋ ይነብር፣ንዝመጽእ ክጽበ ሃንቀውታ
የሕድር ፤ ንሕልሙ ጋህዲ ክኾነሉ፣ ትንቢት ናብ ግብራዊ ዝኾነሉ፡ ትዕግስቲ እና-ዘውተረ ጻዕርታቱ የካይድ ።
ኣብ ዓለም ማህጸን ኣደ ከሎ፣ ናብ ደገ ዓለም ምስ (ተወልደ)ወጸ ዝጠቕሞን ንሂወቱ ዘዕንግለሉን ዝዓብየሉን ጥበብ ድሮ ክምሃር
ይጅምር።
ማሕበራዊን ባህርያት ደቂ ሰባት ዘጽንዑ፣ከም ዝብልዎ ነደን ከም’ኡ ነቦን ምኽሮም ክልግሱ ከለዉ፡ ንዝውለድ ቆልዓ፣ድሮ አብ
ማህጸን ኣዲኡ ከሎ፣ተዛረብዎ፣ሉዙብ ዝኾነ ሙዚቃ ደርፊ ኣስምዕዎ፣ፍቕሪ ዝሞልኦ ዘረባ ተዛረብዎ፡ሽሓርዎ ዉን ምኽንያቱስ
ይሰምዕን ይቕበልን እዩ።
ኣብ ዓለም ማህጸን ኣደ ኣብቂዑ፣ናብ ዓለም ሕብረተሰብ ክመጽእ(ክውለድ)ከሎ፣ብዕልልታን ታሕጉጓስን ይቕበልዎ ፡፡ እዚ ህጻን
ክውለድ ከሎ፣ ነቲ ኣብ ማህጸን ኣዲኡ ከሎ ነጻን ጸቕጢ ሕብረተሰብ ዘይነበሮ፣ ካብ ኩሉ ባህልን ልምድን ፣ ንመምበሪኦም ዝኸዉን
ዝጥቀሙሉ ሕጊ ማሕበረሰብ ፡ ነጻ ዝኮነ ሰብ ኮይኑ’ዩ፣ነዛ ናይ ስድራቤት ምንጪ ሕብረተሰብ ዝኾነት ናብራ ዝሕወሳ ፡፡
ካብ ህጻኑ ጀሚሩ ፍቅሪ ኣደ እናቐመሰ፣ ጸባ ኣደ እናተዓንገለ፡ ሕቕፎን ፍትወትን ኣቕርቦን ኣቦ እናረኸበ፡ንምዕባዩ ዘድሊ ኩሉ
ዓይነት ሂወት እናረኸበ፡ካብ ብጉን-ቡሕ-ጉቡሕ፣እግሪ ምትካል፡ቋንቋ ኣደ እናተማህረን፤ናይ ተፈጥሮ ጸገማት እና ሰዓረን፤ካብ
ህጻንነት ናብ ዕሸልነት ካብኡ ናብ ጉብዝነት፣ምስ ሙሉእ ፍቕሪ፤ነታ ምንጪ ሕብረተሰብ ዝኮነት ስድራቤትን፣ ዓዱን እናረኸበ
ይዓቢ፤ናብርኡ ዘካይደሉ ምዕራፍ ስጋብ ዝበጽሕ፡ ተተይ እናበለ ኣካል ሕብረተሰብ ከም ዝኸዉን ዝግበር፡ሞደል ሕብረተሰብና
ምዃኑ፣ ኹላትና እንፈልጦ ጉዳይ እዩ፡፡
እቲ ንሕና ከምዚል’ና ክንሮቕሖ ዝደለና ፡ናጻ ኮይኑ ከም ዝውለድ፡ ነዚ ናቱ ናጽነት ፣ ስጋብ ናይ ካልኦት ናጽነት ዘይረግጽ፡
ኣካል ናይታ ሕብረተሰብ ኮይኑ፤እቲ ዘድሊ ምክልኻልን ምሕብሓብን እና ረኸበ፡ብወገኑ ንሕብረተሰቡ ዘድሊ ነገራት ካብ ምግባር
ከይተቖጠበ ይዓይን ግዲኡ የበርክትን።
እዚ ህጻን በቲ ዝረኸቦ ስድራቤታውን ሕብረተሰባውን ትምህርቲ ተጠቒሙ፣ዝልዓለ ፍልጠት’ዉን እንተ ቐመሰ፤ ኣብ ርእሲ’ቲ
ናይ ገዛእ ርእሱ ዕግበት፤ ናጻ ኮይኑ ንሕብረተሰቡ ዝምዕብለሉ ኣጋባብ ይኽተልን ኣበርክትኡ ይህብን ። እዚ ሓጺርን ሓፈሻዊ
ኣጋላልጻ፡ንቡር ኩሎም ደቂ ሰባት ዝረኽብዎን ዝገብርዎን ክኸዉን ከሎ፡እታ ናጻ ኾንካ እትውለዳላ መሰራዊት ሓረግ ደቂሰባት
ስለ ዝኾነት፡ንናጽነቶምን ናጽነት-ሕብረተሰቦም፣ዓዶም ፣ ሃገሮም ክካላኸሉ ክቃለሱ ባህርያዊ እዩ ዝኸዉን፡፡
ምልስ ኢልና ኤርትራዊ ዜይጋ፡ ምስ እንምልከት፡ንመንነቱን ሕብረተሰቡን ዓዱን ሃገሩን ናጽነት ምሕላውን ምክልኻልን፣
ንኽገዝእዎ ዝመጹ ባዕዳውያን ሃገራት፡እምቢ ኣይግዛእን ብምባል፡ሓርበኛ ህዝብና ዝከፈሎን ዝኸፍሎ ዘሎ መዳርግቲ ዘይብሉ
መስዋእቲ ታሪኽና ዝምስከሮ እዩ፡፡
ካብ ኩሉ ዝኸፍአ ምንጻት ህዝብና ዘጓንፎ ዘሎ፣እዚ ካብ ውሽጢ ሰውራና፣ኣብ ሕቕፊ ሕብረተሰብና ዓብዩ፣ ንዓና ተመሊሱ
ወድሰብ ክገብሮ ዘይኽኣል ግፍዕታት ዝፈጸመን ዝፍጽም ዘሎ፣ማፍያዊ ስርዓተ ኢሳያስ ጉጅሉኡን እዉን እንተኾነ፡ በቲ ዘይሕለል
ኒሕን ሕልናን፣ሃገራዊ እምነት፣መሰረት ብምግባር፡ ሱር በተኽ ለውጢ ንምምጻእ፣ ሱቱርን እርኑብን ኣጋባብ (ስትራተጂ) ተጠቒሙ
ናጽነቱን ሓርነቱን ንምጉንጻፍ፡ሰውራዊ ቃልሲ ከካይድ ባህርያዊ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡በዓል ተሞክሮ’ዉን እዩ።
እቲ ሕቶ ስለምንታይ ድኣ ፡ ን-29/30 ዓመታት ከምዚ’ሉ ኣብ ስቓይ ዘንብር፣ ሕገ ኣልቦነት ዝካየድ፣ ብሓደ ማፍያዊ ስርዓት
ክእዘዝን ክግዛእን፡ጸኒሑን ኣሎን ? ። ሃገርን ህዝብን ከም ናቱ ዋንነት ገይሩ፣ድልየቱ ክገብር ስቕ ኢሉ ዘስቅጥ ? ነታ ብደሙን
ዓጽሙን ከስኪሱ ባዕዳዊ ገዛኢ ሓጒሒጉ ዘውጽአ፡ናጽነት መሬት ዝተጓናጸፈ፡ብረፈረንዱም ህዝቢ ሓርነት ሃገሩ ዘራጋገጸ ከነሱ፡
ዓመት መጸ ዓመት ከደ ከምዚ’ሉ ዝቕጽል ? ። ሃገር ኣብ ሓደጋ ህዝቢ አብ ፋሕ-ጭንግራሕ እናተረኽበ ፤ እዚ ኩሉ ትዕግስቲን
ተጻዋወርነትን ኣብ ምንቲምንታይ ? ። ዝብሉ ሕቶታይ ይቃላቐሉ።
እዚ ማፍያ ደስቡጣ ኢሳያስ፣ናቱ ሕልሚን ተልእኮን ንምትርጓም፡ ባህርን ባህልን ልምድን ሕብረተሰብ ኤርትራ፣ ብደቂቕ
ኣጽኒዑ፣ነቲ ክጥርንፈካን ክፋላልየካን ዝኽእል መስርሕ እከይ ጥበብ እና ተጠቕመ፣ ናይ ምዝራግ ሃገር፣ ምፍንጫል ሃገራዊ
ውድብን፣ ምፍልላይን ነንሕድሕዱ ዘይሳማማዕ ሕብረተሰብ ንምግባር ፡ደቂ-ሃገርን ብሓባር ክነብርሉ ዘይኽእሉ፣ረቒቕ ማክያቨላዊ
ስትራተጂ(ሽጣራ) እና ተጠቕመን ኣዘውተረን ፡ ሁቡብን ከም ፈላጥ ዝርኣየሉ ውጥን(ንድፊ) ብምድላው ፤ ኩሉ ካብ ኣፉ ዝወጽእ
ዝቕበል፣ ሕራይ ዘይበለ ንሓዋሩ ከም ዝጠፍእ ብምግባር፣ ከም ሑሉፍ ሃገራዊ ክርአ ኪኢሉስ፣ተቐባልነት እናረኸበ ንሱ ዝሳኣላን
ብዓቐን ርእሱ ትኸይድ ሃገርን ህዝብን ከም ትኸዉን ክገብር ኪኢሉ፡፡
እዚ ስልቲ ክካየድ ከሎ፣ብእዋኑ ጠጠው ክባሃል ዘይምኽኣሉ፤እቲ ሕምቀት ኣብ ውሽጥና፣ናትና ናይ ኩላትና ደቂ ሃገር ብሓፈሻ፤
እቶም ምስኡ ተወዲቦም ብሓላፍነት መልክዕ ዝሰርሑ ዝነበሩ ብፍላይ፡እንተስ ብፍላጥ እንተስ ብዘይምፍላጥ፣ እንተስ ናይ
ዲሞክራሲ ስፍራ–ኣልቦ(Utopia) ኣጥቂዕዎም ፡ ሰውራና እዚ ዓይነት ርእሰ እከይ ማፍያ፣ሕማም ሞንሽሮ ዝኾነ ኢሳያስ
አስረኪባትና፣ጌና ኩላትና ኡሱር ናቱ ኮይና ንርከብ ፡፡
እቲ ዝኸፍአ ግን ነቲ እሱ ዘሕደረልና ስነኣእምራዊ ጸቕጢ፣ ኣብ ደምና ኣትዩ ኣብ ንሱ ዘይብሉ ቦታ ኾይና፣ክንጠራነፍን
ክንፋናጣሕን ንነብር። ኣብ ነንሕድሕድና ክንዋናጀልን ክንጣራጠርን፣ ርእሰ ተኣማምነተ ዘይብልና፣ ፍትሒ ንብል ንሰውነትና
ፍትሓውያን ዘይኮና፣ ስልጣን ናይ ህዝቢ ንብል፤ተመሊሽና ንስልጣን ዝዋዳደራ ፖለቲካውያን ውድባት እየን እናበልና፤ ቅድሚ
እታ ሃገር አብ ኢድ ደቂ ሃገር ዓሊባ፡ብኹሎም ደቂ ሃገር ዝተቐበለ ቅዋም ምጽዳቕ ፤ በቢዓይነቱ ውድባት ፈጢርና፣ከም ንፋላለ
ንገብር።ሕልሚ ስልጣን ምሓዝን፣ኣዝህንህኖት (syndrome)ናይዚ ማፍያ ኢሳያስ ወይ ጉጂለ ህግደፍ ዝሓዘና ኢና ንመስል።
እዚ ዝለ ዝኾነ ዳርጋ 30 ዓመታት ብጭርሖ፤ፍትሒ፡ልዕልና-ሕጊ፡ብፍላይ ክኣ ልእላዊት ሃገርን፣ሓድነት ህዝብን፣እናበልና ክነስና፤
እዘን ኩለን እነልዕለን መሰረታውያን ሕቶታት፡ ኣብ ሓደጋ እናተርኽባ ክነሰን፡ሓቢርና፣ ሃገርና አሕሊፍና አይንህብን ኣይንብልን፤
ንሓድነት ህዝቢ ዝኸዉን ባይታ ኣይነጣጥሕን፡ካብ ግዜ ናብ ግዜ ሓደስቲ ውድባት፣ህዝባውያን ምንቅስቓሳት፣ክጨጭሓን
ክውለዳን፣ውልዕ ጥፍእ ክብላ ክትዕዘብ ከለኻ፡ ንህዝቢ ተስፋ ምቑራጽ፡ንቓልሲ ምድንጓይ ስጋብ ምዕንቃፍ ምዃኑ ዋላ ዝተረዳኣና
ኣይመስለናን ።
2020 ተወዲኡ 2021 ኣትዩ ፣ ብዘይካ ካብ ዓሚ ንዝመጽእ ዓመት ዝሓሸን ዝበለጸን ክኾነልና ዝብል ትምኒት እንተዘይኮይኑ፡
ብስራት ወሃቢ፣ መደባትን ተሰሪዑ፣ገምጋማት ተገይሩ፣ስትራተጂ ወጺኡ፡ንምስራሕ ምምሕያሽን፡ጎደና ዓወት ምሕባር፡ካብ እዘን
ውድባት ይኹና ህዝባውያን ምንቅስቓሳት ኣይስማዕን ወይ ጎሊሑ ኣይርአን፡፡
ልእላውነት ሃገርን ሓድነት ህዝብን፡ብምንዮት፣ተስፋ ዘይኮነስ፡ ግብራዊ ስርሓት ብምክያድ እዩ ዝትርጎም። ካብ ዋዕዋዕን ዘመተን
ፕሮፓጋንዳን ሪሕቕካ፣ሱቱርን ኣብ እምነትን ምትሕልላይን ምቊጽጻርን ዝተሞርኮሰ፡ሚዛናት ዲሞክራሲያዊ ኣግባብ ዝኽተል፣
ቀዳምነት ሃገር ህላውነታ ምውሓስ፣ህዝባ ሓድነቱ ምጥንካር፣ ፍትሒ ንምንጋስ፣ስልጣን ህዝቢ ባዕሉ ኣብ ኢዱ ዝዕትዕተሉ
ንምግባር፣ ኣብ ውሽጡን ምስኡን ኢድ-ንኢድ ተተሓሒዝካ ሱር-በተኽ ለውጢ ንምምጻእ ዝግበር ሰውራ ኢዩ ተዓዋቲ ኮይኑ
ዝወጽእ ፡ዝብል ነግ ፈረግ ዘይብል እምነት ኣሎና፡፡
ከም እምነትና ኣብ ውሽጢ ሃገርን ዞባኣን፣ነዚ ስራሕ ካብ ነዊሕ ተታሓሒዞሞ ክህልዉ ናይ ግድን ባህርያውን እዩ ንብል። ኣብዚ
ራኢ ተሞርኲስና፣ነዚ ዘይሕለል ቃልሲ ህዝብና፡ሙሉእ ኣድህቦናን፣ሓልዮትናን፣ሓይልናን ክንህቦ ይግባእ ዝብል ሃገራዊ ስሚዒትን
እምነትን’ዩ ዘሎና። ሎሚ ደቂ ህዝቢ፣ ብሃገር ልእላውነታን’ምበር፡ ዘየለ ቀዳምነነታት ምስራዕ ክንቑጠብ፡ስልጣን ካብ ህዝቢ ናብ
ህዝቢ ምዃኑ ኩሉ ግዜ ካብ የእምሮና ክለግስ ዘይብሉ ምዃኑ እዩ ምሕጽንቶና፡፡
ሩሑስ ዓመተ 2021 ፣ ዓመተ ግብራዊ ስርሓት ፡ ዓመተ ሓበራዊ መደባት ክኾነልና እና-ተተስፎና ፡ ንሕሰብ ነስተውዕል ንማራመር
ንባራበር እናበልና ናብ ዝመጽእ የራኽበና፣ሰሰላሙ ንህዝብና፣ዓወቱ ናይ ግድን እዩ ፡፡
ኣዳለውቲ ፍትዊ ክፍለ ምስ ብዙ ቡቱኞሊ
01.01.20
You must be logged in to post a comment.