ለበዳ ሕማም ኮሮና ቫይረስ፡ወራር ኣንበጣ፡ኵናትን ኣብ ኤርትራ ”ብድሕረይ ሳዕሪ ኣይትብቆላ”

ለበዳ ሕማም ኮሮና ቫይረስ፡ወራር ኣንበጣ፡ኵናትን  ኣብ ኤርትራ ”ብድሕረይ ሳዕሪ ኣይትብቆላ”

ለበዳ ሕማም ኮሮና ቫይረስ ካብ ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰባትን ሕብረተ ሰብ ዓለም ዘስዓቦ ጉድኣት ኣዝዩ ብዙሕ’ዩ። ብደረጃ ዝተፈላልዩ መንግስታት ክውሰድ ዝጸንሐ ኣገባብ ምክልኻል ሕማም ከኣ ብመራኸቢ ብዙሓት ክቅላሕ ጸኑሑ ኣሎ። ካብ ወርሒ ለካቲት ክሳብ እዚ እንርከበሉ ዘለና ወርሒ ጥቅምቲ 2020 ኣብ ፈነወ ቲቪ ይኹን ራዲዮ ፍሉይ መደብ ተሓዚእሉ ብቀጻሊ ዝመሓላለፍ ዘሎ ሓበሬታታት ነቲ ለበዳ ንምክልኻሉ ዝዓለም ጥራሕ ዘይኮነስ፡ መንግስታት ሃላፍነተን ወሲደን ጠንቂ ለበዳ ዘስዓቦ ተነጽሎ ማሕበራዊ ሂወት፡ ስራሕ ኣልቦነት፡ ገንዘባዊ ትሕዝቶ፡ ትራንስፖርት ወዘተ ብተከኣል ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ዘይተኣደነ ጻዕሪታት ምህላዉ ኩሉ ዝርእዮን ዝዕዘቦን ዘሎ’ዩ። እዚ ጻዕሪ ከኣ ምስ’ቲ ለበዳ ዝተኣሳሰረ፡ ሕብረተ ሰብ ሓንቲ ሃገር ብኸመይ ኣገባብ መዓልታዊ ስርሓቱን ንቡር ሂወቱን ክመርሕን ዝኽእለሉ፡ ኣብ መጽናዕቲ ዝተሞርኮሰ ዝሓሸ ኩሉንተናዊ ስትራተጂ ንምምዳብ ተጸሚዱ ይርከብ። እዚ ዓይነት ተግባራትን ኣካይዳን ኣብ ሓንቲ ሃገር ተወሲኑ ዝተርፍ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ስግር ዶባተን ዝኸይድ ካብ ምምኽኻርን ሓበሬታ ምልውዋጥን ሓሊፉ፡ ንመድሕን ህዝበን ቁጠባዊ ሃለዋት ሃገርን ዝሓሸ ንዝበልኦ ቅዲ ወይ ሞዴል ኣተሓሕዛ ንምትእትታው ይጽዕራ ምህላወን’ዩ።

መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ለበዳ ሕማም ኮሮና ኣብ ዝተጋሃደሉ፡ ልዕሊ ሓልዮት ህዝቡን ቁጠባዊ ሃለዋት ሃገርን ዝያዳ ዘገደሶ ስልጣኑ ስለ ዝነበረ፡ ምስ’ቲ ብ 2019 ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ኣብ ስደት ዝነበር ዝተላዕለ ሃገራዊ ሕቶ ቅዋማዊ መንግስትን ፍትሕን፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ንኸይልሑኽን ከየንጸባርን ብዝሓደሮ ሻቅሎትን ስግኣታት ንምክልኻል ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ህዝቢ ተላዒሉ ንኸይቃወም ሕነ ንምፍዳይ፡ ብምስምስ ለበዳ ሕማም ኮሮና ቫይረስ ዝኾነ ዜጋ ከይንቀሳቐስ እገዳ በየነሉ። እገዳ ምንቅስቓስ’ኳ ኣይምተጸልአን። እንታይ ደኣ ምስኡ ብምትእስሳር ሕጽረት ቀረብ ዕዳጋ ወሰኸሉ። ህዝብና ብዘይዝኾነ መዓልታዊ መግቢ ኣብ ገዛ ተዓጽዩ ክሓልፎ ክጻወሮ ዘይክእል ልዕሊ ዓቕሙ ዝኾነ ኩነታት፡ ብፍላይ እቶም ካብ ኢዶም ንኣፎም ዝናበሩ፡ ኣብ ሕማቅ ኩነታት ዝወደቑን ዝሽገሩን ስድራ ቤታት ብዝያዳ ዘሰቕዮም ግዳይ ኮሮና ቫይረስ ምዃኖም ዘይኮነስ፡ ልዕሊ ኩሉ ግዳይ ፖለቲካዊ ስልጣን መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ክኾኑ ምርኣዮም’ዩ። እሞ እቶም ኣብ ጎደናታት ሸቒጦም ንድራሮም ዝምእርሩ፡ ስድራ ቤታት ዝናብዩ ንኣሽቱ ነጋዶ ኣብ ገዝኦም ተዓጽዮምስ ብምንታይ ክናበሩ ስለ ዝተደለየ’ዩ ዝብል ሕቶ መልሲ ዘይብሉ ምትራፉ ኣመለኻኽታ ህግድፍ፡ ጠመተ ህግዲፍ እንታይ ምዃኑ ካብ ዘነጽሮ ጨቋኒ መላኺ ስርዓት ምኳኑ’ዩ።

መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ንለበዳ ሕማም ኮሮና ቫይረስ ከም መሐለዊ ስልጣኑ ወታሃደራዊ ኮማንዶ ቆጺርዎስ፡ ብሓንቲ ቃል ህዝቢ ንኸይንቀሳቐስ ብምእጋዱ ኣብ ህዝብና ዝወረደ ግፍዒ መግለጺ የብሉን። እቶም ገገለ ዕደለኛታት ስድራ ቤታት ደቆም ካብ ወጻኢ ንዝስደደሎም ሓገዝ እንተኾነ ከይዶም ንኸየምጽኡን ከይጥቀምሉን ብኣልማማ ዝኣገደ’ዩ። ምሕደራ ህግዲፍ ሓገዝ ከዳሉ ነይርዎ ግን ከኣ ዘየተግበሮ ይጽናሕ’ሞ፡ ነቲ ካብ ቤተ ሰቦም ብወጻኢ ንዝተላእኸ ሓገዝ ረኺቦም ንኽየጥቀሙ ዝተገብረ እከይ ተግባራት ኸ እንታይ ኣምጽኦ ዝብል ሕቶ፡ ቀንዲ መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ንለበዳ ሕማም ኮሮና ቫይረስ ንምንታይ ዕላማ ይጥቀመሉ ምህላዉ ግሉጽ ይገብሮ።

ከም’ቲ ልዕል ክብል ዝተጠቕሰ፡ ብዙሓት መንግስታት ኣብ እዋን ለበዳ ሕማም ኮሮና ቫይረስ፡ ነቶም ጠዋሪ ዘይብሉ ዓበይቲ ኣረጋውያን፡ ግዳም ሓደር፡ ስድራ ቤት ዘይብሎም ህጻናት፡ ሕሙማት፡ መዓልታዊ ይኹን ወርሓዊ እቶት ዘይብሎም ስድራ ቤታት ንእምላይ ንምሕብሓብ ካብ’ቲ ቀዳማይ መደብ ወሲዱ፡ ክሳብ ንህሉው ኩነታት ሚዛንን ገምጋምን ዝወስድ ኩሉ ዜጋ ብዘይቅድመ ኩነት ሓደ ወርሒ ኣብ ገዛ ተሓይቡ ክጸንሕን ሙሉእ ደሞዝ ከኣ መንግስቲ ክኸፍሎ ምዃኑ መብጽዓ ዝኣተወሉ ህዝባውን ሃገራውን ሓልዮት ጥራሕ ዘይኮነ ሰብኣውነት ዝመልኦ ኣገባብ ኣተሓሕዛ ዝተፈጸመሉ ንርእዮን ንነብሮን ዘለና ሕብረተ ሰብ’ዩ። ህዝቢ ኤርትራ ይትረፍ ዘይለመዶ ህግዲፋዊ ሓገዝስ፡ ባዕሉ ክናበር ዕድል ምስኣኑ’ዩ። ንዝተላእከሉ ሓገዝ ኳ ክጥቀመሉ ዕድል ምስኣኑ’ውን’ዩ።

ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝተፈላለያ ንኣሽቱ ከተማታት ዝነብሩ ህዝብና፡ በዚ ስውር እገዳ ምስምስ ኮሮና ቫይረስ ከይንቀሳቐስ ተኸልኪሎም ኣለዉ። ትራስፖርት ጠጠው ኢሉ ሃገር ከም ዝለምስ ተገይሩ። ይኹን’ምበር ህግዲፍ ንዕላማታቱ ንምዕዋትን ስልጣኑ ንምሕያልን ከም’ቲ ባዕሉ ዝነዝሖ ፕሮፕጋንዳ ብዘይዝኾነ ይኹን መከላኸሊ ክንደይ ዝኣክሉ መንእሰያት ኣብ ሳዋ ተኣኪሞ ከም ዝነበሩ ብግልጺ ዝተዓዘብኩም ውሑዳት ኣይትኾኑን’ኹም። ባዕሉ ህግዲፍ ኣብ ዘካይዶ ኣኼባ ዞባዊ ምምሕዳራትን ዝተፈላልዩ ኣሃዱታትን ምስ’ቲ ህዝብና ንኸይራኸብን ከይንቀሳቐስን ተኣጊድሉ ዘሎ ምኽንያት ብምንጽጻር ክህቦ ዝኽእል ፖለቲካዊ ገምጋምን ሚዛንን መለክዒ ምልክነት ጥራሕ’ዩ።

ኣብ ኤርትራ ስድራ ቤቶም ክበጽሑ ይኹኑ፡ ደገፍቲ መላኺ ስርዓት ዝኾኑ ብውልቀ ዋኒኖም ንኤርትራ ዝገሹ ዜጋታት፡ ክሳብ ሕጂ ካብ ዘለዉዎ ቦታ ንኸይንቀሳቐሰ ተኣጊዱም፡ ካብ ስርሖም ቦኺሮም፡ ምስ ስድራ ቤቶም ተፋላልዮም ይሓልፍዎ ኣለዉ። ደጊም ደገፍቲ መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ዝወርዶም ዘሎ ግፍዕታት ክመሃርሉን ንፍትሕን ሰላም ክሓስቡ ይግባእ። እዚ ሕቶ ውልቀ ሰባት ንምልዓል ዘይኮነ መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ስልጣኑ ንምክልኻል ዝኸዶን ዝወስዶ ስጉምትን ማዕረ ክንደይ ሓደገኛ ንፍጥረት ወዲ ኣዳም ዝጻባእ ምዃኑ ዝሕብር። ስርዓት ህግዲፍ ንህዝቢ ኣብ ገዝኡ ሓይሩ ንፍሉይ ዕላማ ንምትግባር መገሻ ኣይተረፈን ከም ቀደሙ ልኡኻቱ ንዘድለዮም መገሻ ኣይተኸልከሉን። እዚ ዘልዕሎ ሕቶ’ውን ተወሳኺ ዕብዳን ስልጣን ክሳብ ክንደይ ክኸይድ ከም ዝኽእል ዘመላኽት’ዩ። ኣብ ቅድሚ ሕቶ ስልጣን እንተ ጸኒሕኻ መን’ኻ እንታይ ጌርካን ሰሪሕካን ብዘየገድስ ዝተባህለ ምፋጽም ጥራሕ ምኳኑ ከኣ ብዝለዓለ ከረድኣና ዝኽእል ኣተሓሕዛ ለበዳ ሕማም ኮሮና ቫይረስን ዘይምዕሩይን ዘይፍታሕውን ዘይሰብኣውን እንታይ ደኣ ንዕብለላ ፖለቲካዊ ስልጣን መላኺ ስርዓት’ዩ።

ህዝብና ኣብ ሕማቕ ኩነታትን ሻቕሎትን ለበዳ ኮሮና ቫይረስ እንዳሀለወ በዚ መጺኡ ዘይተባህለ ብዘይፈልጦ ወራር ኣንበጣ ኣብገዝኡ ተሓይሩ’ንከሎ ነተን ዝርካበን ክረምቲ ሙሉእ ክጽበየን ዝጸንሐ ማእቶት በሊዕወን ከይዱ። ”በዓል በርቒስ ብሓዊ ይድበስ” ድዩ ዝተባህለ ህዝብና ህግዲፍ ዘእተወሎ ሰለሎ ናብራ ከይኣኽሎ ኮሮና ቫይረስ፡ ወራር ኣምበጣ፡ ጸኒሑ ኵናት ተበራርዩ ከሰንፎ ይቕርዳደም ኣሎ።

ህዝብና ሎሚ ዶ ጽባሕ ይሓልፈለይ፡ ካብ’ዚ ለበዳ ሕማም ይድሕን እንዳበለ ኣብ ልዕሊ ድኽነቱ ድኽነት ዘውረደ ወራር ኣንበጣ ምስ ኵናት ጎኖት መኻይዲ ኮይኖም መጽዎ። ህዝብና ብዘይፈልጦ ምኽንያትን ብኣስገዳድን ኣብ ኵናት ዓዲ ሃገር ክጽመድ ገይርዎ። እቲ ድሕሪ ሓምለ 2018 ንዕርቒ ሰላምን ሰናይ ጉርብትና ጓይላ ዝነበሮ ጎላጉል ዶብ ኢትዮ-ኤርትራ ኣብ ዓውደ ኵናት ተቐይሩ። ህዝብና ዳግማይ ክሽቝረርን ክፈርሕን ክሰግእን ገይርዎ ኣሎ።

ህግዲፍ ከም’ቲ ኮነ’ሉ ዝፈጸሞ በደልን እከይ ግብርን፡ ንህዝቢ ኤርትራ ተቢዑን ዓው’ሉ ዘይነገሮ፡ ካብ’ቲ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዝጀመረ ኵናት ምስ ሙሉእ ኣጽዋሮም ዶብ ጥሒሶም ንኤርትራ ዝኣተዉ ኮሌኔላትን ጀነራላትን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሓት ኢትዮጵያ እንዳተበራረዩ ብዝኣክሎም ንዝነበረ ኩንታት ኵናት ገሊጾምን ዳሕዲሖምን እዮም። ኤርትራ ኣብ ኵናት ትሳተፍ ኣይትሳተፍ ብህግዲፍ ዝስራሕን ዝበሃል ካልእ ጉዳይ ኮይኑ እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቒ ኩሉ ዓለም ዝፈለጦ እዩ። ”ዘይወግሕ መሲልዋ ኣብ ቦዃራ…” ከም ዝበሃል ከኣ ንጽብሒቱስ ተጋሊጹ እዩ። ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ዝወረደ ሓፈሻዊ በደላት  

 ሀ/ በደል ኣብ ልዕሊ ነጻነቱ ዘውሓሰ ህዝቢ

ለ/ በደል ኣብ ልዕሊ ኣህጉራዊ ዶባዊ ውዕል

ሐ/ በደል ኣብ ልዕሊ ሃገራዊ ኣገልግሎት መንእሰያት

መ/ በደል ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ኤርትራውያን ኣብ ኢትዮጵያ

ሰ/ በደል ኣብ ሃንቐውታ ሰላም ህዝቢታት

ሸ/ ልዕሊ ኩሉ በደል ኣብ ልዕሊ ሕድሪ ጀጋኑ ስውኣት ኤርትራ ተፈጺሙ ኣሎ።

እዚ በደላ’ዚ ከኣ ብዋነንት ህግዲፍን መሻርኽቱን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝተፈጸመ በደላት’ዩ። ልዕሊ ኩሉ ቅድሚ ኩሉ ከኣ ተባሂሉን ይበሃል ኣሎ፡ እንዳበልካ ዝዝረብ ዘይኮነስ ኣብ ልዕሊ ህዝብናን ሃገርና ዝወርድ ዘሎ በደላት፡ ምንጩ ተንቲንካ ምቅራብ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ብዛዕባ ቀዳማይ ጉዳዩ ኣልዒሉ ዓው’ሉ ደጋጊሙ ክዛረበሉን ክጣብቕን ይግባእ። ካብ ጉዳይ ህዝቢ ኤርትራ ጉዳይ ጓኖት ኣይዓብን’ዩ። ካብ ሃገራዊ ጉዳይ ንላዕሊ ዝዓቢ የልቦን። ካብ ኤርትራዊ ሂወት ዝዓቢ ነገራዊ ትሕዝቶ ስለ ዘይኮነ፡ ነቲ ኣብ ውሽጢ ድዩ ካብ ኤርትራ ወጺኡ ዝጠፍአን ዝጠፍእ ዘሎ ሂወት ደዉ ኢልና ክንዛረበሉ ክንምጉተሉ ይግባእ። ካብ’ዚ ወጻኢ ዝግበር መጎተ ንሃልኪ ፕርፓጋንዳ’ምበር ንጣቋ ሃገር ኣይመስልን።

ህዝቢ ኤርትራ ትማልን ሎምን ምስ መን ይምጉትን፡ ምስ መን ይቃለስ ንጹር ክሳብ ዝኾነ፡ ካልእ ጎናዊ ሕቶታት ነዚ ጉዳይ መዳናጎይን መብኮርን ጥራሕ’ዩ ክኸውን ዝኽእክል። ህዝብና ጉዳይ ንምፍታሕ ቀዳማይ ስትራቲጂካዊ ጠመተ ሓድነቱ ፈሊጡ ተረዲኡ ማዕረ ምስ ጸላእቱ ዘካይዶ ቃልሲ ክሰርዖ ይግባእ። መእሰሪ ዘይብሉ ማእዶ ምስ’ቲ ኣብ ሓዊ ዝቝሎ ሓሪሩ ከም ዝተርፍ፡ ጥርናፈ ዘይብሉ ህዝቢ ከኣ ኣብ’ዚ ተደጋጋሚ ብውሽጥን ብግዳምን ዝረአ ኵናት ንህዝብና ኣብ’ቲ ልዕሊ ደኺምዎ ዘሎ ከየዳኽሞ ስለ ዘፍርሕ፡ ሓይል ዕጡቕ፡ድልዱል፡ ክምህ ዘይብል ሓድነት የድልዮ ኣሎ።

ዘለኣለማዊ ክብርን ዝክእን ንስውኣትና

ዓወት ንተቃላሳይ ህዝቢ ኤርትራ

ዜናን ሓበሬታን ውሓደለ

5 ጥሪ 2021

Leave a Reply

Please log in using one of these methods to post your comment:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.