ምሩጻት ሓሰወቲ 2020 ዓ.ም ፡

ምሩጻት ሓሰወቲ 2020 ዓ.ም
ኣብዚ እንነብረላ ዓለም ክሳብ ሕጂ ብርክት ዝበሉ ሓሰውቲ ኣኣንግዳን ኣፋንያን ምዃና ኣሉ ዘይብሃል ሓቂ እዩ ። ኣብዘን ዝሓለፋ ኣርባዕተ ዓመታት ከኣ ሕልና ወዲ ሰብ ብዘይ ኣምኖን ዘይቅበሎን ብደረጃ ተራ ሰባት ዘይኾነስ ብደረጃ ናይ ዓበይቲ ሃገራት መራሕቲ ክሕሶ ወይ ከኣ ሓቂ ዘይኾነ መጎተ ክንሰሚዕ ተገዲድና ጸኒሕናን ኣሎናን ።
ብመሰረቱ ደቂ ሰብ ክሕሱው ዝጅምሩሉ መድረክ ከም ዝፍለጥ ኣብ ንእሰነትን ኣብ ስድራ ቤትን ምዃኑ ይፍለጥ ። እቶም ናይ ስነ ኣእምሮ ኪኢላታት ከም ዝገልጹዎ ካብ ፍርሒ ናይ ተግሳጽን መቅጻዕትን ዘበገሶ ከም ዝኮነ ይንገር ። እዚ ከኣ ወልድና ብንኣይሽቱና እንከሎና ከይሃርሙና ክንብል እንጅምሮ ሕማቅ ባህሊ እዩ ። እዚ ማለት ግን ዕድሜ ምስ ወሰክኻ ምሕሳው ክትለምድ ኣይከኣልን ማለት ኣይኾነን ። እቲ መሰረቱ ግን ኣብ ስድራ ቤት ዝጅምር ስለ ዝኮነ ሓድሓደ ግዜ ሰባት ክራገሙ እንከለዉ “ ምስ መዔበይኻ ጥፋእ “ ክብሉ እንሰሚዕ ። ከምኡ እውን ናይ ወገንነትን ዓሌትነት ስነ ሓሳብ ኣብ መንጎ ሰባት ጽልኢ ዝፈጥሩን ኣብ ምቅትታል ዘብጽሑን ካብ ወልድና ኣብ ገዛውትና እንመሃሮም ናይ ጥፍኣት ኣምራት እዮም ።
ሓሶት ኣብ ልዕሊ ደቂሰባት ዝፈጥሮ ጉድኣት ብቀሊሉ ዝግመት ኣይኾነን ። መራሕቲ መንግስታት ብፍላይ ብናይ ዜና ትካላቶም ተማእዚኖም ናይ ሕሶት ዜና እናኣቅረቡ ዜጋታት ሓደ ሃገር ኣብ ፍጹም ምቅትታልን ዕንወትን ከብጽሑ ምርኣይ ልሙድ ኾይኑ ይርከብ ። ሓሳዊ መንግስቲ ይኹን ወልቀ ሰብ ጽቡቅ ሕልና ዘሎዎ ኣይኮነን ። ሕሳውን ሳዕርን ጸጽኒሑ ይፈኹስ ከም ዝብሃል ዝኾነ ሓሳዊ ውልቀሰብ ይኩን መንግስቲ ብዝፈጠሮ ህውከት ናይ ዝሞቱ ዜጋታቱ ተሓታቲ ኾይኑ ዝግብኦ ሕጋዊ ፍርዲ ክቅበል ይግባእ ።
ስርዓት ህግድፍ እቲ ዕሉል ኣብ ሕሶትን ሞትን ዝተመስረተ ፍልስፍኑኡ ኣብ መጻብቦ ምስ ደቅደቆ ፣ ክሃድመላ ዝክእል ሓንቲ ቓል ምሂዙ ፣ ንሳ ከኣ ኣብ ክንዲ ምዝራብ “ ሱቅ መሪጽና ኣሎና “ እናበለ ክወራዘ ጅሚሩ ። ብዝኮነ ድሕሪ 2001 ናይቶም ብጉጂለ 15 ዝፈለጡን ጋዜጠኛታት ምእሳር ምሕቓቅን ደፊሩ ዝሓቶ ሰብ እውን ኣይረከበን ። እቶም ዓመት ዓመት ኣብ ፍሉይ ኣጋጣሚታት ተረኪቦም ክሓቱዎ ዝመረጾም ጋዜጠኛታት እቲ ዝህቦም መልሲ ብኣንክሮ ክዕዘብዎ ይርኣዩ ። ምክንያቱ እቲ ዝህቦም ዘሎ መልሲ ምስቲ ኣብ ሓንግሎም ዘሎ ኣታሓሳስባን ትጽብትን ይራጸም ከምዘሎ ይዕዘቡ ስለ ዘለዉ እዪ ። ግን ከኣ ትብዓት ሃሊዮዎም ዓገብ ክብሉ ከኣ ኣይተሰምዑን ፣ ምክንያቱ ናይ ሞትን ምንባርን ሕቶ ስለ ዝኾነ ንክንብሩ ምምራጾም ክውቀሰሉ ዘሎዎም ጉዳይ ኣይኾነን ። ህግደፍ ሰራዊቱ ኣብ ትግራይ ኣትዩ እንክሎ ፣ ኣይኣቶኹን እንተበለ ዓይኒ ሰብን ተክናሎጂን ክደፍን ኣይኮነን ።
ኣብ ጎረቤት ሃገር ኢትዮጵያ ምስ እንዕዘብ ፣ እዚ ብ2018 ስልጣን ዘሓዘ ኮረነል ዓቢይ ኣሕመድ ክውለድ እንክርሎ ክሕሱ ዝተፈጥረ ሰብ እዩ ። ንኣብነት “ኤርትራ ዲሞክራሲያዊትን ብልጽግትን ሃገር ምዃና ዓለምን ጎረባብቲ ሃገራት ይፍልጡ” ክብል እንከሎ ንክትርድኦ እውን ዝሕርበተካ ጉዳይ እዩ ። ብተወሳኪ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ናይ ምጽናት ኹናት ኣዊጂ መቀለ ምስ ብጽሔ “ ኣብ ፓርላማ ኢትዮጵያ ክይዱ “ እቲ ኹናት ብጽቡቅ ከም እተካየደን ፣ዋላ ሓደ ሰላማዊ ሰብ ከምዘይተቀትለን ፣ ከበሰረኩም ይድሊ ክብል መዲሩ ። ኣብኣንጻሩ ግን ሕጂ እንሰምዖ ከምዘሎና ኣብ ከተማ ኣክሱም ቤተ ክርስትያን ማርያም ጽዮን ጥራሕ ክሳብ 750 ዝበጽሑ ተውሃዶ ኣመንቲ ክርስትና ከም እተረሸኑ ከም ናይ ዓይኒ መሰኻክር ይስማዕ ኣሎ ። ወሲኩ ክሕሱ እንከሎ ከኣ ሓደ ፓይሎት ኣብ ከባቢ ዲጋ ተከዘ ዘሎ ታርኬት ክሃርም ምስ ተላእከ “ ሓደ ሰብ/ገባር ስለ ዝረኣየ ነቲ ገባር ከይሃርም ክብል ነታ ቦምብ ኣብቲ ቀላይ ተከዘ ደርቢዩዋ” ተመሊሱ ክብል እንከሎ ክይደይ ሓላይ ህዝቢ ምዃኑ ክሕብር ፈቲኑ ። እንተኮነ ብዓይኒ ወተሃደራውን ቁጠባውን ጉዳይ ክርኤ እንተ ኾይኑ እቲ ፓይሎት ነታ ቦምብ ሕዙዋ ከ ? ዘይተመልሰ ዝብል ሕያዋይ ሓታቲ እንተ ዝረከብ ጽቡቅ ነይሩ ። ዋና ጽሓፊ ውድብ ሕ/ሃ ናይ ኤርትራ ሰራዊት ኣብ ትግራይ ኣሎዉዶ ክብል ምስ ተወከሶ “ ካብቲ ብዉዑል ኣልጀርስ ዝተወሃቦም መሬት ኣይሓለፎን ክብል እንከሎ ንህሉውናን ተሳታፍነትን ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ከምዘይፈልጥ ክሕሱ ተሰሚዑ ። ኮረነል ዓቢይ ኣሕመድ ካብ ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርዊ ብዙሕ ተማሂሩ ኣሎ ። ሰብ እናተጨፍጨፈ ብዛዕባ ልምዓት ጥራሕ ተዛረቡ ዝብል ውሳኔ ኣሕሊፉ ኣሎ። ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝግበር ዘሎ ጪፍጨፋ ንህዝቢ ኢትዮጵያን ይኹን ንህዝቢ ዓለም ድምጸን ከስምዓ ኣይተራእያን ። ብኣንጻሩ ኣብ ትግራይ ብፍላይ ኣብ ኣክሱም ህዝቢ ንዝተጨፍጨፉ ክቀብር ዝወዓለሉ መዓልቲ ብዓል ጥምቀት ብጽብቅ ተባዒሉ ክብላ ተሰሚዔን ።
ኣብዚ ኣነ ዝቅመጦ ሃገር ኣሜሪካ ከኣ ተማሊ ዕለት 1/2021 ዓ.ፈ እቲ ናይ ኩሎም ሓሰውቲ ጎብለል ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ምርጫ ተሳዒሩ ካብ ስልጣን ወሪዱ ከም ተራ ዜጋ ኮይኑ ክነብር ተፋኒዮ ። ናይ ዶናልድ ትራምፕ ሓደገኛ ዝገበሮ ነቲ ሕሶት ብሓይልን ዓመጽን ኣሰኒዩ ነቶም ሰዓብቱ ኣብ ሓንግሎም ተኣኪቡ ዝጸንሔ ክፍኣት/ዓሌትነት መሊሱ ከም ዝድልድል ከም ዝሕይልን ግይሩዎ ጽኒሑ ። ዶናልድ ትራምፕ ስዕረቱ ምቅብል ኣብዩ ኣብ ስልጣን ክጽኒሕ ዘይ ፈንቆሎ እምንን ዘይኾዓቶ ጉድጓድ ኣይነበረን ። እንተኮነ ኩሎም ትካላት መረጻ ካብ ወርዳታት ጀሚርካ ናብ መንግስታት ዝነበረ ናይ መረጻ ትካላዊ ኣሰራርሓ ግቡእ እተከተለን ሕጋውን ከም ዝነበረ እቶም ናይ ዝተፈላላዩ መንግስታት ክገልጹ እንከለዉ ፣ ዶናልድ ትራምፕ ፍጹም ክቅበሎ ኣይመረጸን ። ኣብ ጸለምቲ ዘሎዎ ከባቢታት ተዓሚጸ ኣሎኩ እቲ እተወሃበ ድምጺ ሓቂ ኣይኮነ እናበለ ክሳብ 3 ግዜ ክጻረ ተገይሩ ፣ ዝልውጦ ነገር ግን ኣይነበረን ። ዶናልድ ትራምፕ ብጠበቓታቱ ገይሩ ኣብ እተፈላለያ መንግስታት ክሳብ 60 ግዜ ናብ ቤት ፍርዲ ጥርዓን ኣቅሪቡ ፡ እንተኮነ ጉድለት ዘርእ መርቶዖ ከምዘይብሉ ተነግሮ ። ቀጺሉ ነቶም ናይ መረጻ ሓላፍቲ ናይ 4 መንግስታት ኣብ ቤተ መንግስቲ ጸዊዑ ይኩን ስልኪ ደዊሉ ፣ ድምጺ ክሰርቁሉ ዝከኣሎ ፈቲኑ ፣ ክሰልጦ ኣይከኣለን ። በቲ ሕጊ መረጻ መሰረት ኩለን እተን 50 መንግስታት ጸብጻብ ገይረን ናብ ባይቶ ዝሕልፈሉ ዕለት 11/16 /21 ነይሩ ። እዚ እውን ነቲ ዘነበረ ድምጺ ዝቅይሮ ኣይነበረን ። በዚ መሰረት ከኣ ባይቶ ኣሜሪካ ነቲ በተን መንግስታት ዝቀረበሉ ድምጺ ክጽዲቅ ንዕለት 12/6/21 ኣብ ዝእከበሉ መዐልቲ ዶናልድ ትራምፕ ናይ ደገ ደገፍቱ ሰላማዊ ሰልፊ ክግበሩ ጸዊዑ ፣ ኣብቲ ሰላማዊ ሰልፊ ተረኪቡ ከኣ ናብቲ ድምጺ መረጻ ዝጸድቀሉ ባይቶ ኣሜሪካ ክይዶም ተሰሪቁዎም ዘሎ ስልጣን ብሓይሊ ክምንዝዑ ኣታባቢዑ ኣፋነዎም ። ባይቶ ኣሜሪካ ኣብ ስራሕ እንክሎ ከኣ እዞም ዓመጸኛታ ነቶም ኣብ ሓለዋ ዝነበሩ ፖሊስ ድፊኦም ኣትዮም ። እቶም ኣባላት ባይቶን ምክትል ፕረሲደንት ወረቕቅቶም ከይጠርነፉ ብህድማ ነብሰይ ኣውጽኒ ኣብ ዝሕቡኡሉ ቦታ ክብጽሑን ወዮ ዓመጽቲ ነቲ ቦታ ተቆጻጺሮም ንብረት ክዳውሱ ዊዒሎም ። ተዓዘብቲ ከምዝብሉዎ ዶናልድ ትራምፕ ነዚ ኩሉ ኣዚዙ ቤተ መንግስቱ ኾይኑ ተለቭጂን ክዕዘብ ዊዒሉ ። ብካልእ ኣዛራርባ እቲ ማሕላ ፈጺሙ ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ሓላፍነት ዝወሰደ ኣዛዚ ሓይልታት ኣሜሪካ ዝኮነ ሰብ ፡ ሓገዝ ክሰደሎም እውን ስልኪ ክቅበል ኣይደለየን ። ናይቲ ከባቢ ድሉዋት ዝነበሩ ሓይልታት ስኣን ትእዛዝ ዝህቦም ኣብ ደውታ ነይሮም ። ኣብ መወዳእታ ግን ብናይ ሓይልታት ምድሪ ኣዛዚ ሓገዝ ክረክቡ ኪኢሎም ። እቶም ዓመጽቲ ከኣ ካብቲ Capitol ዝብሃል ቤተ መንግስቲ ተሰጉጎም ።ኣቲ ባይቶ ኣብ ንቡር ተመሊሱ ስሩሑ ቀጺሉ ። ኣብዚ ክፍለጥ ዘሎዎ ካብቶም ወከልቲ ህዝቢ ንዶናልድ ትራምፕ ዝድግፉ እውን ነይሮም ስለዚ 232 ክድግፉ እንከልዉ 179 ከኣ ተቓዊሞም እዮም ። ኣብቲ ሰነይት ከኣ 93 ክድግፉ እንከለዉ 7 ከኣ ተቓዊሞም ። እቲ ውስኔ ብኣዛሓ ድምጺ ሓሊፉ ። እዚ ናይ መወዳእታ ፈተና ዕልዋ ናይ ዶናልድ ትራምፕ ነይሩ ። እዚ ስለ ዘይሰለጦ ነቲ ናይ ዘመናት ካብ ጆርጅ ዋሽንግተን ጀሚሩ ዝጸንሔ ሰላማዊ ኣጋባብ ምርካብ ስልጣን ከይተሰተፈ ተሓሲሙ ሃዲሙ ከይዱ ። እንተኮነ ተኽሲሱ ስለ ዘሎ እንታይ ከም ዝወርዶ ፍሉጥ ኣይኮነን ። ዶናልድ ትራምፕ ንድገፍቱ ከምቲ ናቱ ኣብ ፍልልይ ቆርበት ከምዝኣምኑ ገይሩ ሃኒጹዎም ስለ ዝጽንሔ ተልእኮኡ ንምፍጽም ክማትኡ ኣይተራእዩን ። ንሓሶት ደጋጊምካ ሓቂ ክትገብራ ከምዝከኣል ኣብ ታሪኽ ወድሰብ ተራእዩ ስለዝኮነ ።
ብዝኮነ እዚ እተፈጸመ ናይ ዕልዋ ተልእኮ ብዶናልድ ትራምፕ፣ ህዝቢ ዓለም ብዙሕ ትምህርቲ ወሲዱሉ ክኽውን ይክእል እዩ ።እንተ ህዝቢ ኣሜሪካን ቅዋማዊ ተካላቱን ግን ስምብራት ደኣ ወሪዱዎም እምበር ብቀሊሉ ዝፈርስ ከም ዘይምዃኑ ጉሉጽ ኾይኑ ኣሎ ።ምክንያቱ ቅዋም ኣሜሪካ ንዘሓለፉ ዳርጋ 250 ዓመታት ክሰረሓሉ ዝጸንሔ ናይ ህዝቢ ቅዋም እዩ ።ብዝኾነ እቲ ፍጻሜ ሓደገኛ ወስታ ነይሩዎ እዩ ።ስለዚ ጉዑዞ ዲሞክራሲ ቀጻሊ ሓለዋን ቓልስን ዘድሊዮ፣ ፍጹም ዘይተወድኤ መስሪሒ ምዃኑ እዩ ።
ኣብ ጉዳይ ኢሳያስ ኣፈውርቅን ኮረነል ዓቢይ ኣሕመድ ግን ከም ኣቦን ውድን ንህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዘይ ቅዋምን ብዘይ ተሓታትነትን ክሓርድዎን ክጪፍጪፍዎን እንከለዎ ዓገብ ዝብሉ ሕዝብታት ይኩኑ ሃገራት ስለ ዘየለው፣ ክሳብ መዓልቶም ዝመጽእ ብተግባራቶም ቀጸልቲ እዮም ። ኢስያስ ኣፈውርቅን ዓቢይ ኣሕመድን ዝጠፍኡሉ ርሑቅ ክኽውን ኣይኮነን ።
ኣምላኽ ካብ ሓሰውቲ ይድሕነና
ክብርን ሞጎስን ንስዉኣትና !
ክብሮም ግረነት ፡
You must be logged in to post a comment.