‘’ ዕርቅን ፍትሒን ፡ መዋጽእ ንመጻኢ”

‘’ ዕርቅን ፍትሒን ፡ መዋጽእ ንመጻኢ”
ብዕለት 23/01/2021 ኣብ ስኒትና መርበብ ፡ ሓደ ዓቢ ኣርእስቲ “ ዕርቅን ፍትሒን ፡ መዋጽእ ንመጻኢ!! ዝብል ኣርእስቲ ኣልዒሉ፣
ምስ ተኻፈልቲ ስኒትና መርበብ ፣ ሙሁራት ሰብ-ተሞክሮን ዜጋታትና ፡ኣቶ ጳውሎስ ተስፋጊዮርግስ ኣቕራቢ መደብ፡ዶር. ኣማኑ
ኤል ገብረመድህን ኣማእካሊ፡ ዶር. ኣዳነ ገብረመስቀል፣ ዶር. ሳልሕ ጅምዕ ፡ ኣቶ ዳዊት ገብረመስቀል(Panelist) ተሳተፍቲ ናይ
ዘተ፤ ምኽንያቱ ዝሓለፈ እዋናት ናብዚ ዓቢን፣ከም ሂወት እንጽበዮ እንደልዮን ዕርቅን ፍትሒን ዝዓለመ መደብ ንምቅርራብ በቢ
ወገኖም ብዝተፋላለየ ኣርእስቲ መደባቶም ኣቕሪቦም ከም ዝነበሩ፡ ኣቶ ጳውሎስ ኣብ ዘቕረቦ መደሩ፣ብጽማራዊ መገዲ ኣቕሪብዎ
እዩ። እዚ ስለ ዝኾነ ነቶም ዝቐርቡ ዝነበሩ ዝተፋላለዩ ሕቶታት ኣብ ርእሲ ናይ ኣቶ ጳውሎስ መብርሂ ይህቡ ነይሮም።
ኩቡራት ተኻታተልቲ መርበባት (ወይብ ሳት)፣ ከም ዝተረዳእክዎ፣ ዝበጻሕካዮ ብቕዓተ ትምህርቲ ዑዙዝ ኣድህቦን ተገዳስነት
ዘሕድር ምዃኑ፡ኣብቲ ዝግበር ዝነበረ ዓውደ ዘተ፡ ስለ ዝተረዳእኩ፣ ኣነ እዉን ዶክተርነት ናይ እንጅነር ሲቪል ምዃነይ ሰውነተይ
ከላሊ፤ ኣድህቦ ምእንቲ ክረክብ እምበር መዓርግ ትምህርቲ መምዘኒ ናይ ደቂ ሰባት ዘይኮነስ ኣብ ሕብረተስ እተበርክቶን እትህቦን
ጠቕሚ ምዃኑ ኣዝዩ እዩ ዝርዳኣኒ፡፡ ብዝኾነ ኣነ ዶር. እንጂነር ፍትዊ ክፍለ ይብሃል፡፡

ኩብራት የሕዋትን ኣሓትን ፡ ኣነ ኩሉ ግዜ ሓሳበይ ከቕርብ ከለኹ ብዓይኒ(critc) ሃያሳይ፡ኮይነ ክቐርብ’ዩ ደስ ዝብለኒ። ምኽንያቱ
ጹፉፍን እርሙን ስርሓት ንኽማላእ ተኻታተሊ፣ህየሳዊ(ነቐፌታዊ) ሰባት ኣብ ሞንጎኻ ምስ ዝህልዉ፡ኢለ ንሰውነተይ ስለ
ዘእመንክዋ፤ እዚ መገዲ መሪጸ፡፡
ኩቡራት የሕዋትን ኣሓትን ፡ ኣብቲ ቀንዲ ኣርእስቲ ብ-ዓይኒ ሃያሳይ ክኣቱ፡እቲ ኣጋባብ ባይታ መራኸቢ ቡዙሃን(ZOOM) ክጅምር፡
ብዙሕ ግዜ ይቓራረጽን ይዕጾን ይኽፈትን ብምንባሩ፣ንዓይን ንኸምዚ ከማይ ተኻፋሊ ብጉቡእ ክትስዕቦ ወይ ክትካታተሎ ኣጸጋሚ
ከም ዝነበር ይሕብር፡፡ ስለዚ ዝሓሸን ዘይቛረጽን መራኸቢ ቡዙሃን እንተ ዝጥቀም ምስ ተመርጸ ይብል፡፡
ዶር. ኣማኔል ገብረመድህን ኣላዛቢ(moderator) ምስ ቡዙሓት ተሓባበርቱ ንዘተ መኣዲ ይመርሑ ነይሮም። ኣጋባብ ናይ ኣላዛቢ
ብወገነይ ብጉቡእ መሪሕዎ ኣይብልን፡፡ ምኽንያቱ ነቶም ክሓቱ ተዳልዮም ዝነበሩ፡ቅድሚ ሕትኦም ምቅራቦም፣ ’’እንተ-ደኣ ካብ
ኣረስቲ ወጺእኩምን፣ ካብ ሕቶ ናብ ርእይቶ ኣቲኹሙን ጠጠው ከብለኩም እየ “ ፡ ዝብል መጠንቀቕታ ኣቕሪቡ፡፡
ዝመጸኒ ሓሳብ ንሓታቲ ብኸምዚ ኣጋባብ ቅረብ-ዶ ይብሃል እዩ ? ንዓይ ገሪሙኒ፡ ብዝርዳኣኒን ተሞክረይን ገደብ ናይ ሕቶ ንኣብነት
2.00 3.00 4.00 ደቒቕ ናይ ሕቶ‹ ከምኡ ናይቲ መልሲ ዝህብውን እንተኾነ ገደብ 10/15 ደቒቕ ተባሂሉ ግዚያዊ ምምሕዳር
ኣጋባብ(ሕጊ) ክህሉ ይካኣል። ስልዚ ንሕጊ ትምእዘዝ ኣላዛቢ ክኣ ኣኽባር ሕጊ ኮይኑ የዋሃህድ ዝብል ራኢ ኣሎኒ። ስለዚ ናጽነት
ናይ ሓታታይን ዋሃብ መልስን ይኸብር፡፡ብወገነይ እዚ ዓይነት ዝተከተለ ኣጋባብ ኣይነበረን፡፡
ንዓይ ዝበጽሓኒ ዕጫ፡ሚክሮፎን ከፊተ፣ብጹሑፍ ክሓትት ኣቕሪበ ኣለኹ እሞ አስተብሁሉለይ እንተ በልኩ፡ ተግሳጽ ዝተሓወሶ፣
ካብ ተሓባባሪ ኣላዛቢ ጎይትኦም መብራህቱ ፣ ኣስቁጥ ዛዓይነቱ ኢድካ ሓፍ ኣብል ዘይትኽእሎ እንተ ኮንካ…. ዘስምዕ ሃንደበታዊ
ኣዛራርባ ተደርቡይለይ።እዋእ ንዕርቅን ፍትሒን ዶ ኣይኮነን እዚ ባይታ ዘተ ? እታ ናይ ኣላዛቢ ተጻዋራይን ኣላያይን ኮንካ ሰላም
ምንጋስ ካብዚ ኣኸባ-ዶ ኣይኮነትን ትጅምር …ወዘተ ሓሳባት ይቃላቐሉኻ !! ገሪሙኒ፡ ብዝኮነ ኣብ ዓውዲ ዘተ ክኽፈት ከሎ፡ እቲ
እርሙን ትሑቱን ኣቃራርባ ካብቶም ነቲ መኣዲ ዘተ ዘካይዱ እዩ ክጅመር ዝነበሮ፡፡
ስለምንታይሲ ነቲ ብህርፋን ብድልየት ካብ ተኻፋሊ ናብ ተሳታፊ ክሳገር ዝህቅን፣ኣቐዲምካ እግረ እግሩ ምቕርሳም ኮይኑ ስለ
ተሰማዓኒ፣ነዚ ስኽፍታይ ከይ ሓበርኩ ክሓልፍ ኣይደለኹን። ምስ ሙሉእ ኣኽብሮት ን-ኣዳለውቲ መኣዲ ዘተ፡፡ ብድሕሪኡ ኢደይ
ሓፍ ካብ ምባል ኣየቋረጽኩን ዝጸዋዓኒ ሰብ ግን ኣይነበረን ብ-ግለ እዉን ንገለ ተሓባበርቲ ሓቢረ መልሲ ኣይረኸብኩን፡፡ ደጊመ
ካብ ከምዚ ዓይነት ምሕደራ ክትእረሙ ይላቦ፡፡
እቲ ን-ዓይ ዘገደስኒ ዝነበረን ዘሎን፡ ነቲ ኣርእስቲ ዝተላዕለ መኣዲ ዘተ፡ዕርቅን ፍትሒን፡ መዋጽእ ንመጻኢ !! ኣገዳስነቱ ነቲ ቀንዲ
ሓሳብ፣ድሕሪ ምውዳቕ ማፍያ ደስቡጣ ስርዓተ ኢሳያስን ጉጁሉኡን፡ብኸመይ ምስግጋር ይግበር፣ ፍትሒ ዲሞክራሲ ልእላውነሕጊ ሰላም፣ስኒት፣ሃገራዊ ውህደትን፣ዕርቅን ኣብ ህዝብና ብከመይ ይስስኑ? ዝብሉ ወኸሳታት ክልዓሉ ዘለዎም ሕቶታትን፣መልሲ
ንምርካብ ክጻዓርን ባህርያዊ እዩ ፡፡
ብሰንኪ ጉዕዞ ብረታዊ ቃልስናን ዝፈጦሮ፣ ቅርሕንትን፣ቂሚን፣ ገበነታትን፣ቀንጸላታትን፣ውግእ ሓድሕድን፣ ስጋብ ምስ ወያነ
ብምትሕብባር፡ን-ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፡ካብ ሜዳ ኤርትራ ክወጽእን፣ እዝን ከምዝን ዝበለ ዓበይቲ ገበናት ዝፈጠሮ ቁስልን
ብቐሊል ዘይርሳዕ ይኹን እምበር፤ ዝግምገመሉን ሰብ ገበን ኣብ ቅድሚ ሕጊ ዝቐርብሉን ጉቡእ ፍርዲ ዝውሰደሉን፡ንዕኡ ዝኸዉን
24.01.2021
ባይታ ስጋብ ዝህሉ፣ሕጂ ክግበር ዘለዎ ብናይ ሓባር ቃልሲ፣ነዚ ዘሎ ማፍያ ደስቡጣ ኢሳያስን ጉጅሉኡን ካብሱሩ ክምሓው
ክኸዉን ዝግባእ።
ብሰንኪ እዚ ገባቲ ኣግላሊ ዘማቲ ፈላላይ ስርዓት ኢሳያስ ኣብ ህዝብና ክፈላሊን ነሕድሕዱ ከይቃዶን፣ኣብ ሞንጉኡ ጽልኢ
ክሓድርን፣ብሃይማኖትን ሕብረተሳባዊ ምርሕሓቕን ዘይምትእምማንን ክፍጠር፡ዝጸዓሮን ዝጽዕሮ ዘሎ ፍሉጥ ኮይኑ፡ህዝብና ነዚ
ፈጺሙ ዘይቅቦሎን ዘይትርጉሞን ምዃኑ ታሪኹ ዝምስክረሉ ኮይኑ፣ ጻዕሪ ናይዚ ሰይጣናዊ ስርዓተ ኢሳያስ ግን ኣይከቛርጽን እዩ።
እዚ ብምርዳእ ዜጋታትና ከስተውዕልን ክፈልጥን መኣዲ ዘተታት እና ኸፈትና ናይ ፍትሕን ዕርቅን መገዲ ጸሪግና ክንጸንሕ ዝብል
ብሓቂ ዝንኣድ ተበግሶ እዩ፡፡
እዚ ተበግሶ ስለ ዝገደሰኒ ዋላኳ ኣብተን ቀዳሞት ኣስተምህሮታት ኣይካፈል’ምበር፡ናብዛ ደምዳሚት መኣዲ ዘተ፣ዘብጽሑ
ብምልኣቶም ዝሳተፍዎ፡ ክካፈልን ብሕቶ ይኹን ብርእይቶ ክሳተፍን ኢለ እየ ተበጊሰ፤ኮይኑ ግን ባይታ ዘይምርካበይ ብሓቂ
ኣታሓሳሲቡኒ፤ ይኹን’ምበር ብጽምዋ ክካታተል ፈቲነ እየ፡፡
ከምቲ ኣብ መእተዊ ዝጠቐስክዎ ጸገም ናይ (zoom) ብዙሕ እዩ ነይሩ። ምስ’ቲ ዘጓንፍ ዝነበረ ተክኒካዊ ጸገማት ሙሁራትና በቢ
ተራ ንዝመጽእ ዝነበረ ሕቶ መሊሶም ፡ ንዓይ ኣዕጋቢ ኣይነበረን ዝብል ግምት እዩ ዞሎኒ፡፡
ካብ ኣርእስቲ ክጅምር፡ ዕርቅን ፍትሕን፡ መዋጽእ ንመጻኢ!! ፡ ቀዳማይ ሕቶይ ፍትሒ ዶ ይቕድም ዕርቂ ? እዚ ሕቶ ብተዳጋጋሚ
ይቐርብ ነይሩ ። መልሲ ብቐዳምነት ዕርቂ ምኽንያቱ ሰላም ክህልወካ ዕርቂ ክትገብር ስለ ዘሎካስ፤ ዝብል ብፍላይ ብ-ዶር. ሳልሕ
ጅምዕ ይጽቀጠሉ ነይሩ።
እቶም ካልኦት ሙሁራት’ዉን ክልቲኡ ተማላላኣይ ወይ ተተካክኣይ እዩ ዝዓይነቱ ክኸዉን ከሎ፡ ገሊኦም ንፍትሒ ብቐዳምነት
ይሰርዕዎ፣ገሊኦም ክኣ ማዕረ ማዕረ የቕምጥዋ ከም ዝነበሩ ብዓቕመይ ክርዳእ ኪኢለ።
ዶር. ኣዳነ ገብረመስቀል ዕርቂ ሓደ መስርሕ ንሓቢርካ ክትነብር ዝጠቅም ብምዃኑን ብቐጻሊ ዝምዕብል ምዃኑ ብቡሩህ ኣቕሪብዎ።
ኣብነት ኣብ ጀርመን እቲ ናሲዝም ዝገበሮ ገበናት፣ስጋብ ሕጂ ዘይቀሃመን ዓመት ብ-ዓመት ተዘክሮ ከቢሩ ዝውዕለሉ ናይ ሾዋ
ቅዝፈት ተባሂሉ ብዓለም ዝዝከርን ዝከብርን ማዓልቲ፡ሰፊሕ ሰሚናርት ይካየድ ምዃኑ ኩላትና እንፈልጦ ጉዳይ እዩ፡፡
እዚ ተዘክሮ ዝካየደሉ ምኽንያት፣ከምኡ ዘኣመሰለ ከይድገምን፣ እቶም ተረፍ ናይ ናሲዝም ስነሓሳብ ዝኽተሉ፣ከም ዱጉል ሓዊ ፡
ውልዕ ጥፍእ ዝብል ዘሎ፣ ጌና ዘይጠፍአ ምንቅስቓስ፡ንህዝቦም ክጥንቀቑን ኣብ ዘይወጽእ ደልሃመት ናዚ-ፋሽዝም ከያኣትዉን
ቀጻሊ ናይ ዕርቅን ሰላምን ኣብ መዘክር ታሪኽ ዝተሞርኮስ፡ ዘተን ሰሚናራት ይካየድ ምዃኑ ኩላትና እንፈልጦ እዩ ዝመስል
መግለጺ ብምሃቡ ናተይ ተቐባልነት ረኺቡ። ብወገነይ ዝውስኸሉ እንተ ሃልዩ ናይ ጥልያን ፋሽዝም፣ ናይ ጃፓን ግዝኣተ
ዲክታተርነት ዝምድና ምስ ናዚዝም ፡ ኣብ ሃገር ጥልያን ይኹን ጃፓን ቀጻሊ መስርሕ ዕርቅን ዓበይቲ ሰሚናራትን ኣብ ትምህርቲ
እዉን ናይቲ እዋንቲ ታሪኽ ብጉቡእ እዩ ዝካየድ።
ብዛዕባ ፍትሒ ዝተደርሰ መጻሕፍቲ፣ ዝዝነሩ ታሪኻት፡ዝዝመሩ ቅኔ(Poem)፣ ቁጽሮም ብጣዕሚ ቡዙሓት እዮም። እዞም
ሊቃውንቲ ንፍትሒ ልዕሊ ኩሉ እዮም ዠቐመጥዋ። ኣብ ፍትሒ ዝተሞርኮሰ ቁዋም ፣ ምሕደራ ቁጠባዊ ፣ማሕበራዊ ስርዓታት
ክህሉ ከሎ፣ሰላምን ውህደትን ሲኒትን ክስስን ዝኽእልን ዝቐልልን እዮም ዝብሉ።ስለዚ ዕርቂ፣ሲኒት፣ውህደት፣ሰላም፣ግዝኣተ-ሕጊ፡
ኣብ ዲሞክራስያዊ ስርዓት መበጊሲኦም ካብ ፍትሒ ዝመበቆሎም ምዃኖም እየ ዝርዳእ።
ዓበይቲ ተማራመርቲ ክዛረቡ ከለዉ፣ፍትሒ ምስ ተፈጥራዊ ነገራት የዛምድዎ፡፡ ወዲሰብ ካብ ተፈጥራዊ ተጻብእታት ንክካላኸል
ሂወቱ ውሕስነት ክረክብን ምእንቲ፡ ምስ ከሙኡ ዝኣመሰሉ ፍጥረተ ሰብ ሓቢሩ ክነብር ግድነት ነይርዎ ። ብሓባር ምንባር ኣጋባብ
ክሕዝን፣ መስርዕ ዝሓዘ ማሕበራዊ ናብራ ክህሉ ምእንቲ፡ዝጥርንፎን ዝኣልዮምን፣መስመር ዘትሕዝ መባእታዊ ዝኾነ ግዝኣተ ሕጊ
ክህልዎም ኣገዳሲ እዩ ነይሩ። እዚ ዘቕምዎ መሰረታዊን መባእታዊን ግዝኣተ-ሕጊ፤ካብ ባህርያት ተፈጥሮ ዝተቐድሐ ደኣምበር፣ደቂ
ሰባት ባዕላቶም ዝማሃዝዎ ከምዘየለ በቢ ዓይነቶም ስነ-ፍልጠተኛታት ኣራጋጊጾሞ እዮም። ‘’ ዋላ ሓደ ነገር ክፍጠር ዝካኣል የለን፡
እንታይ ደኣ ክልወጥ(ክስናዕ) ጥራይ እዩ ዝካኣል” ኣንቱዋን ላውረንት ዶ ላቩዋዘር ፈረንሳዊ ዝበሎ ፣ድሕሪ 100 ዓመት ኣልበር
አንስታይን ዝደገሞ ይዝከር ። ምህዞ ቅዳሕ ተፈጥሮ ምዃኑ ብጉቡእ እዮም ዝርድኡ።
ብዛዕባ ፍትሒ ብዙሕ ክጻሓፍን ክትዛረብን ይካኣል ነይሩ፤ ግናኸ ኣብዛ እዋን’ዚ ናዓና ዘገድሰና፣ ከመይ ገርና ፍትሒ ክትነግስን፡
ዕርቅን ሰላምን ክርከብን፣ ዝብል ኣርእስትና ከይረሳዕና ናብኡ ከነድህብ እዩ ዝምረጽ፡፡
ሙሁራትና ካብ ኣቶ ጳውሎስ ተስፋግዮርግስ ኣቕራቢ ምስ’ቶም ቀሪቦም ዝነበሩ ተሓባበርቲ (ተሳተፍቲ) ናይ ዘተ፡ሰፊሕ መብርሂ
ናይ ዓለምን ብፍላይ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃን፣ሩዋንዳን፣ደቡብ ሱዳን፣ ካልኦትን ዘካየደኦ ናይ ዕርቂ መስርሕን ፣ ዘጓኖፎም ጸገማትን
ጌና’ዉን ዘይተፈትሐ ኮይኑ ዝርኣይዎ በቢዓይነቱ ምኽንያታት፣ብፍላይ ብ-ኣቶ ጳውሎስ፡ ምኽንያት መሬት ዘስዓቦ መሰረታዊ
ጸገም፡ እቶም ወነንቲ መረትን ርእሰማልን ዝውንንዎ ቤት-ዕዮታት ኮታ ሙዑርዩን ማሕበራዊ ፍትሒ ስለ ዘይተኸተለ፤መስርሕ
ዕርቂ ከምቲ እተደለዮን፣ እተጸበዮን ክካናወን ኣይተኻእለን፤ ዝብል ስነሞጎት ዘቕረበ ኮይኑ ተረዲኡኒ/ና።
24.01.2021
እቶም ተሓባበርቲ ዘቕርብዎ ዝነበሩ ትዕዝብቲ፡ ናይተን ዝተፋላለያ ሃገረት ብምግንዛብ፡ ውሕጅ ከይመጸ መገዲ ውሕጅ ጽረግ
ዝዓይነቱ፣ እዚ ነዘን ሃገራት ተጓኒፍወን ዘሎ ማሕበራዊን ፖሎቲካዉን ቁጠባዉን ዘይውሕሉል ናብራ፣ ጠንቁ እቲ ዝተኸትልኦ
መስርሕ ዕርቒ ክኸዉን ይኽእል፣ ምኽንያቱ መሰረታዊ ማሕበራዊን ባህላዉን ታሪኻዉን ኣቃዋውማ ሕብረተሰበን ጡሉቕ
መጽናዕትን ኣብኡ ዝተሞርኮሰ ፍታሕ ስለ ዘይተርኽቦ ክኸዉን ይኽእል። ዝብል በቢ ወገኖም ክትንቱን መብርሂ ክህቡን ኪኢሎም።
ነዚ ዓይነት ከቕርቡ ከለዉ ንጉዳይና ዘርኢ ምስቲ ናይዘን ዝጠቕስወን ዝነበሩ ሃገራት ብምዝማድ ፍታሕ፡ ሕጂ ቅድሚ ምውዳቕ’ዚ
ደስቡጣ ስርዓት፣ ዘተ ዕርቂ ኣጋባቡ ሒዙ ኩለን ኣብ ደምበ ፍትሒ ዝዋስኣ ዘለዋ ባይታ ዘተ ዕርቅን፡ ሓቢርካ ትሰርሓሉ መደባት
ክፍጠር ኣለዎ። ዝብል መግለጺ ዝሃቡ ኮይኑ ተረዲኡኒ/ና።
እቲ ኣብ ብረታዊ ገድልና ዘጓነፈ ገበናት ብምዝካር፣ ንሱ ገዲፍዎ ዘሎ በሰላን ስምብራትን ዘይ-ሓወየ ቁስሊን፡ ብተወሳኺ በዚ
ማፍያዊ ደስቡጣ ስርዓተ ኢስያስ ጉጅሉኡን ፈጢርዎ ዘሎ ምርሕሓቕ፣ ዓለታዉን ሃይማኖታዊ ፍልልይን ምጉዝዛይን፡ዝተሞርኮሰ
ስግኣትን ፣ ከስዕቦ ዝኽእል ጉድኣታት ተገንዚብካ ክርከብ ዘለዎ፡ናይ ፍትሕን ዕርቅን ምድህሳስን ጹኑዕ መጽናዕቲን፣ ሰፊሕ ንኹሉ
ዘሳትፍ፡ መኣዲ ዘተ፣ኮንፈረንስ ፡ሰሚናራት፣ ክካየድን ኩሉ መራኸቢ ቡዙሃን ናብዚ ዘድሃበ ሃገራዊ ዘተ ፣ግዲኤን ክበርክታን
ስርሕይ ኢለን ክሕዞኦ ከም ዘለወን መብሪሂታት ይዋሃብ ነይሩ፡፡
ልክዕ ክንዛተየሉን ክንቅረበሉን ከም ዘሎና ንሕና’ውን እንብህጎን እንደልዮን ጥራይ ዘይኮነስ፣እቲ መሰረታዊን ክርሰ ስርሓትና
ክኸዉን ከም ዘለዎ እንኣምነሉ ጉዳይ እዩ፡፡
እቲ ንዓና ዘተሓሳሰበና ግን፣ ኣብነታት ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ሩዋንዳ፣ደቡብ-ሱዳን …ወዘተ ምስ እዚ ናትና ዘሎ ጸገማትን ክኸዉን
ዝኽእል ህሞትን ቂር ከብለናን ከተሓሳስበናን፣ ጥርጠራ ክሓድረና ዝኻኣለ ፡፡
እዘን ኣብ ላዕሊ ተጠቒሰን ዘለዋ ሃገራትን ካልኦት’ዉን ክውሰኻ ይኽእላ፡ ዝበዝሓ ጸገማተን ዓለታዊ ሽግር ዝፈጠሮ ውግእ
ሓድሕድን ህልቀት ህዝበንን ፣ ምስ ናይ ህዝብና ክናጻጸርን ክዛመድን ይኽእል-ዶ ? ዝብል ሕቶ እዩ።
ያታትናን ታሪኽናን ከም ዝምህሮ፡ኣብ ህዝብታትና ይኹን ኣብዛ ሕጂ ሃገረ ኤርትራ ኢላ ትጻዋዕ ዘላ ጥንታዊት ሃገረ ምድረ ባሕሪ፡
ናይ ዓልየት ይኹን እምነታት(ሃይማኖት) ግጭት ከምዘይነበርን ዘዮሎን እዩ ዝትረኽን ዝባሃልን፡፡ ዋላ’ኳ ባዕዳውያን ገዛእቲ ኣብ
ውሽጢ ማሕበረሰብና እናሰለኹ ኣብ ነንሕድሕድ ክፋላለዩና እንተፈተኑ፡ዘውጽእዎ ስትራተጂ ክዕወትሉ ከም ዘይካኣሉ ኢና
እንፈልጦ ፡፡
ሓደ ኢጣልያዊ ( Ruffillo Perini) ሩፊሎ ፐሪኒ፣ካርቶግራፈኛ ዝጻሓፎ መጽሓፍ፡ መረብ ምላሽ ዘርእስቱ፡ ህዝቢ ምድረ ባሕሪ
ብናይ ገዛእ ርእሶም ግዝኣተ-ሕጊን፣ ብዝሕነቶም ብሓድነቶምን፣ተዋሃሂድካ ምንባርን ዘጥረይዎ ሃብታም ማሕበራዊ ሂወት፡
ንመዕራባውያን (ንኦቺደንት) ከቕንእን ስጋብ ክምህርን ዝኽእል፣ዝብል ጥልቕ ዝበለ ስነሞጎት እዩ ዘቕርብ፡፡
ሲዒብና እነመልክቶ፡ ኣብ ትሕቲ ውሕስነት ሃገረ ዓባይ ብርጣንያ ኮሎና ፣ ብወኪላ ኣቢላ ኤርትራ ኣብ ክልተ ክትምቀል፣ ዝብል
እማመ ናብ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ዝቀረበ፡ ቅጽሪ ወይ ሰልፊ ናጽነት( Eritrean Blok for Independence) ብምቛም፡እምቢ
ኣይንምቀልን ከም ዝበሉን፡ ቀዳማይ ስዉእ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ኣቦና ሸኽ ዓብደልቃድር ከቢረ፣ ናብ ሑቡራት ሃገራት
ንምቅዋም እማመ መንግሲቲ እንግሊዝ ክቃረረቡ ከለዉ ብ-ኣንድነታውያን ( ዑሱባት መንግስቲ ኢትዮጵያ) ከም ተቐትሉ ዝዝከር
እዩ፡፡
ብዓቢኡ ፈደረሽን ምስ ኢትዮጵያ ብዘይ ድልየት ህዝብና ምእንቲ ከይማቓቀል ተገዲዱ ከምተቐበሎ ኩሉ ግዜ እንዛረበሉ ጉዳይ
እዩ።
ብቀሊሉ ሓድነቱ ዘይሰብር ህዝብና፣ዋላ ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልስና ዝተኸስተ ምፍልላይ ፡ክልተ ሃገራውያን ውድባት ዘስዓቦ ውግእ
ሓድሕድ፤ ጠጠው ንምባል፡ናይ ጸላኢ ዕርዲ ከይፈርሐ ሰጊሩ፣ ኣብ ገጠራት ኤርትራ ብምኻድ፣ሽማግለ ዕርቂ ኣውጺኡ፡ ብዙሕ
ጻዕሪ ከም ዘካየደ ናይ ቀረባ ታሪኽና ዝምስክሮ እዩ፡፡
እቲ ጸማም እዝኒ ዝሃበን፣ንዕርቂ ቁሩብ ዘይነበራ፣እተን ክልተ ሃገራውያን ውድባት ክኾና ከለዋ፡ብፍላይ ሽርሕን ተንኮልን ናይዚ
ሕጂ ኣብ ስልጣን ተወጢሑ ዘሎ፡ንህዝብና ኣብ ዲቕ ዝበለ ደልሃመትን ጸገማትን፣ስጋብ ልእላውነት ሃገር ምጥሓስ ተበጺሑ ኣብ
ተኣፋፊን ኣስጋእን እዋን ምህላውና፡ኩላትና እንሳማማዓሉ ጉዳይ ምዃኑ ዝስሓት ኣይመስለናን ፡፡
ስለዚ ካብ ናይ ካልኦት ሃገራት ኣብነታት ሃሰስ ምባል ንኣፍልጦ’ኳ ጹቡቕን ኣገዳስን እኳ እንተኾነ፡ እቲ ሙርኩስን ቀንዲ ክንሰርሓሉ
ዞሎና፡ ናይ ኣቦታትና ታሪኽን ብምብጋስ፣ እምነት ኣብቲ ለባምን ሃብታምን ተሞክሮን ተሞርኲስና፣ንስግኣትና ዝዓርፈሉን ፡ እቶም
ዓገብ ክባሃሉ ዘለዎም፡እዞም ብሽም ዲሞክራስያዊ ስርርዕ ተወዲብና ንሃገርና ምድሓንን ሓድነት ህዝብን ዝብሉ ዘለዉ እዩ።
እታ ብቐዳምነት ከቐመጥዋ ዘለዎም፡ ልእላውነት ሃገር፡ሓድነት ህዝቢ፡ ኮይኑ ብሃገራዊ መልክዕ፣ንኹሉ ደቂ ሃገር ዝሓቊፍ ናይ
ሓባር ጽላልን ሓቢርካ እትሰርሓሉ መደባት ክስንዱን ክሰርሑን ፣ህዝቢ ማእከል ዝገብር ዓይነት ፖለቲካ ክካይዱ ከም ዘለዎም፣
ዓገብ ክንብል እዩ ዝግባእ ፡፡
24.01.2021
እቲ ሕማም ናይዞም ንውድብ፡ ካብ መስርሕ ሓሊፉ ከም መንነት ዝርእይዎን፣ ናተይ ናቱን እንበልካ ኣብ ዘይውዳእ መስርሕ ዘተ
ን-30 ዓመታት ዝተኻየደን ዝካየድ ዘሎን፣ መዕረፊ ክግበረሉ፡ ኣብ ታሪኽ’ዉን መን’ዩ ንመገዲ ፍትሕን ዕርቅን ቀይዱ ሒዝዎ
ዝብል ወኸሳ ሓላፍነቱ ክስከሙ ምዃኖም፣ ከነዛኻኽሮም ቁኑዕ ኮይኑ ይርኣየና ፡፡
ብዝኾነ ብወገና ነባሪ ቀጻሊ ብዛዕባ፣ ፍትሒ ኣብኡ ዝተሞርኮሰ ውህደት፣ሲኒት፣ሰላም፣ዕርቂ ዝብሉ ሓረጋታት ዝካየደሉ ዓውደ
ዘተ፣ሰሚናር፣ዋዕላ እና ተቐረበ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ንኹሎም እቶም ናይ ውድባት ጉኑናት (élite) ቀሪቦም ግብራዊ ውሳኔ ክወስዱ
ከም ዘሎዎምን ጸቕጢ ክግበረሎምን፡ ድሕነት ሃገርን ህዝብን ቅድሚ ውድቦም ምዃኑ ብግልጺ ብትሪ ክንገረሎም ዘድሊ
ይመስለና፡፡
ሎሚ ግብራዊ ድኣምበር ተስፋ ወሃቢ ዝና ኣይኮነን ዝድለ ዘሎ።
ከም ውጥን ከነቕርቦ እንደሊ ከምቲ ያታትና ወይ ታሪኽና ዝምህረና ፡ሓንንቲ ቆዋሚት ሽማግለ ዕርቂ፡ብ-ዓበይቲ ደቂ ሃገር፣ሰብ
ተምክሮ ፣ሙሁራት ኣካላትን፣ ሓለፍቲ እምነታትን፣ ኣብ ምድያ ዝዋስኡ፣ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን ዝሓወሰ ክትቐዉም።
ንኹለን ኣብ ደምበ ፍትሒ ዝዋሳኣ፣ውድባትን ህዝባውያንን ሲቪካውያን ምንቅስቓሳት ብምርካብ፡መገዲ ውህደት ክሕዙን፣እቲ
ቀይዱ ሒዙና ዘሎ ጉድኣታት፣ጉዕዞ ብረታዊ ቃልስናን፡ እዚ ማፍያዊ ደስቡጣ ዝገበሮን ዝገብሮ ዘሎ እንግምግመሉ፤ዘድሊ ስጉምቲ
ኣብ ፍትሒ ዝተሞርኮሰ ውሳኔ ዝውሰደሉ ስጋብ እንበጽሕ፣ ኩሉ ኣሎ እንብሎ ጉዳያት ተወንዚፉ፣ሕጂ ነዚ እንኮ ጸላኢ ህዝቢ
ኤርትራ ኢሳያስን ጉጅልኡን ካብ ስሮም ክምሓዉ፣ሓቢርና ክንቃልስ ክግበር እተቃራርብ ሽማግለ ተድሊ ኣላ ዝብል እማመ እዩ
ኢና ንብል፡፡
እዛ ሽማግለ በቶም ናይ ምድያ ኣባላታ ኣቢላ ጸጋሚ፣ዓንቃፊ ንምቅርራብን፣ሓባራዊ መደበ ስርሓት ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ከተጋልጾምን
ህዝቢ ክፈልጦም ምግባር፣ንዘካይድዎ ስርሓት ኣሳላጢ ክኸዉን ይኽእል። ጉሉጽነት ዋና መስርሕ ክኽተሉ እዩ ዝግባእ፡፡
ንሎሚ ኣብዚ ጠጠው ንብል
ኣዳለውቲ ፍትዊ ክፍለ ምስ ብዙ ቡቱኞሊ

Leave a Reply

Please log in using one of these methods to post your comment:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.