ቃል ሓዘን ብመስዋእቲ ተጋዳላይ ኣድሓኖም ገብረማርያም

Date: 21/02/2021

ቃል ሓዘን
ብመስዋእቲ ተጋዳላይ ኣድሓኖም ገብረማርያም
ሓርበኛ ኣምባሳደር ኣድሓኖም ገብረማርያም፡ ኣባል ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ፡ ብሕማም ምኽንያት ካብ’ዛ ዓለም ምፍላዩ፡ ንህዝብናን ንደምበ ተቓዉሞናን፡ ከቢድ ክሳራ እዩ።
ተጋዳላይ ኣድሓኖም ገብረማርያም፡ ሓደ ካብ’ቶም ምሉእ ህይወቱ ንህዝቡን ብትብዓት ዘገልገለን፡ ብተወፋይነት ተቓሊሱን ዘቓለሰን ልሉያት ሓርበኛታት ኤርትራዉያን ኮይኑ፡ ፈታዉ ሃገሩ ምንባሩ ከኣ ታሪኹ ዝምስክሮ ሓቂ እዩ።
ኣብ ጉዳይ ሃገር፡ ዘራኽበናን ዝፈላልየናን ሓሳባት ብዘየገድስ፡ ኣብ ምጥርናፍ ተቓዉሞ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ዝተኻየደ ጻዕርታት ዝነበሮ ልዑል ተራ፡ ከምኡ’ዉን ኣብ ምምስራት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለዉጢ ዘበርከቶ ግደ፡ ካብ ቅኑዕ ሃገራዊ መስመር ዝነቐለ መርገጽ ተረድኦን ምንባሩ ምስክርነት ዘድልዮ ኣይኮነን።
ኣብ ኤርትራ ፡ ሱር ነቀል ለዉጢ ኣረጋግጽካ፡ ብልጽግቲ ዝኾነት ዲሞክራስያዊት ሃገር ንምህናጽ ዝነበሮ ባህግን ሕልምን፡ ካብ ንእስነቱ ኣትሕዙ ክሳብ ዕለተ መስዋእቱ፡ ከይተሓለለ ንድሕነት ህዝቡን ሃገሩን ዝተቓለሰን፡ ፍትሕን ማዕርነትን ዝሰፋና ሃገር ንምህናጽ ጽኑዕ እምነት ዝነበሮ ሓርበኛ እዩ።
ብመስዋእቲ ሓርበኛ ኣድሓኖም ገብረማርያም ዝተሰመዓና ሓዘን መሪር ምዃኑ ብምግላጽ፣ ብስመይን ብስም ኩሎም ኣባላት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራን፡ ተኻፈልቲ ናይ’ዚ ሓዘን’ዚ ምዃና፡ ንክቡራት ስድራቤቱን ንብጾቱ ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራን ንደምበ ተቓዉሞን፣ ከም’ዉን ንኹሎም ኤርትራዉያን ደለይቲ ለዉጥን፡ ጽንዓት ይሃብኩም እናበልኩ፡ ንስዉእ ነፍስሄር መንግስተ ሰማያት የዋርሶ።
ክብርን ዝኽርን ንጀጋኑ ስዉኣትና
ዶር. ዩሱፍ ብርሃኑ
ኣቦ መንበር ፈጻሚ ኣካል ግሃድኤ
You must be logged in to post a comment.