ቃል ሓዘን ሓርበኛ ገዲም ተጋዳላይ ኣምሳድር ኣድሓኖም ገብረማርያም

ቃል ሓዘን

ሓርበኛ ገዲም ተጋዳላይ ኣምሳድር ኣድሓኖም ገብረማርያም

ብመስዋእቲ ሓርበኛ ነባር ተጋዳላይ ኣድሓኖም ገብረማርያም መላእ ኣባላት ውድሓለ ዝተሰመዓና ሓዘን ንገልጽ። ኣምባሳድር ኣድሓኖም ገብረማርያም ከም ኩሎም መሓዙቱ ብዝነበሮ ሙሉእ እምነት ሃገራዊ ነጻነት ኤርትራ፡ ኣብ’ቲ እዋን በጺሕዎ ዝነበረ ዝለዓለ ደረጃ ትምህርቲ (ተመሃራይ ሕጊ ዩኒቨርሲቲ) ገዲፉ ኣብ ጎኒ ኣሕዋቱ፡ ኣብ ብረታዊ ተጋድሎ ንነጻነት ኣብ ህ.ሓ.ሓ.ኤ ተሰሊፍ። እዚ ከኣ እቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ንምእንቲ ሃገሩ ዝኸፍሎ ዝነበረ ቀዳማይ መስዋእቲ ንሃገር ነበረ።

ኣምባሳድር ኣድሓኖም ገብረማርያም ኣብ 1972 ኣብ ህሓሓኤ ተሰሊፉ ከም ተጋዳላይ ንባዕሉ፡ ንህዝቡን ንሃገሩን ኣብ ዘካየዶ ቃልሲ ብጅግንነት ብኵርዓት ሓሊፍዎ፡ ብእኩብ ድምር ቃልስታት ህዝብናን ውድባት ኤርትራ ከኣ ነጻነት ኤርትራ ክረጋገጽ ክሳብ መወዳእታ ዝተጋደለ፡ ዝመርሐ ጅግና ውፉይ ተጋዳላይ ዝነበረ ይንገረሉ።

ፈደረሽን ኣፍሪሱ ብሓይሉ ኣብ ኤርትራ ዝገዝአ መንግስቲ ሃይለስላሴን፡ ከም መቀጸልትኡ መላኺ ወታሃደራዊ ስርዓት ደርግ ካብ ኤርትራ ተጸራሪጉ ምስ ወጸ እንተኾነ ኣምበሳድር ኣድሓኖም ንሓርነታዊ ቃልሲ ኣብ ውሽጢ ህግዲፍ ቀጺሉ። ኣብ ኤርትራ ህዝባውን ደሞክራሲያውን ምሕደራ ንምትትእትታው ተበግሶ ዝወሰዱ ነባራት ተጋደልትን ላዕለዎት ሓለፍቲ ጉጅለ 15፡ካብ’ቶም ክታሞም ዘንበሩ ኣስታት 45 ኣባላት ሓደ ኣምባሳድር ኣድሖኖም ነበረ። ስርዓት ህግዲፍ ብ18 መስከረም 2001 ዝወሰዶ ኣሉታዊ ታሪኻዊ ስጉምቲ ነቲ ምንቅስቓስ ገትኦ። ኣምባሳድር ኣድሃኖም በቲ ዝተወሰደ እከይ ተግባራት መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ከይተደሃለ ክብርን መሰልን ህዝቢ ኣብ ቦትኡ ንምምላስ፡ምስ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ምስ ደላይ ፍትሒ ህዝብና ብምርኻብ፡ ምስ’ቲ ኣብ ስደት ዘጋጥም ኩሉ ዕንቅፋት ሰጊሩ እፎይ ከይበለ ኩሉ ዝከኣሎ ዘበለ ክሳብ ዕለተ ዕረፍቱ ዕቱብ ቃልሲ ኣካይዱ’ዩ ዳግማይ መስዋእቲ ከፊሉ። ኣብ’ዚ ንፍትሕን ደሞክራስን ዘካይዶ ዝነበረ ቃልስታት ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ዘይርሳዕን ንውሉድ ወለዶ ዝመሓላለፍ ጥቅስታቱ ኣብ ዝኽሪ ኩሉና ሕድሪ ገዲፉ ሓሊፉ ኣሎ።

ውድብ ሓድነት ንደሞክራሲ ለውጢ፡ ንሓርበኛ ገዲም ተጋዳላይ ኣምባሳድር ኣድሕኖም ገብረማርያም መንግስተ ሰማይ የዋርስ፡ ንሙሉእ ስድራ ቤቱን፡ ህዝቢ ኤርትራ መቃልስቱን መሓዙቱን ከኣ ጽንዓት ይሃብ ይብል።

ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንስውኣትና

ዜናን ሓበሬታን ውሓደለ

22 ለካቲት 2021

Leave a Reply

Please log in using one of these methods to post your comment:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.