ኣብ ገነቱ ይቀበልካ: ኣድሓኖም ብመስፍን ሓጎስ

ኣብ ገነቱ ይቀበልካ: ኣድሓኖም
ብመስፍን ሓጎስ
27.02.2021
ኣድሓኖምን ኣነን መጀመርታ ብኣካል ዝተራኸብናሉ፡ ናብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ድሕሪ ምጽንባሩ፡ ኣስታት ኣርባዕተ ኣዋርሕ ምስ ገበረ፡ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 1972’ዩ። ዓየት ኣብ ዝተባህለ፡ ኣብ ውሽጢ ዶብ መሬት ሱዳን፣ ምዕራብ ካብ ቓሩራን ሰሜን ካብ ጎቦ ደንቦብየትን። እዋኑ፡ ኲናት ሓድሕድ ኣብ ጽዕጹዕ ደረጅኡ ዝነበረሉን፡ ንህዝባዊ ሓይሊታት ኣዝዩ ፈታኒ ህሞትን። ካብ ከባቢ መወዳእታ 1971 ዓም ክሳብ’ዚ ዝተጠቕሰ ግዜ፡ ብስራሕ ወጻኢ ካብ ኤርትራ ስለ ዝነበርኩ፡ ምስ ኣድሓኖም ብኣካል ኣይተራኸብናን።
ኣድሓኖምን ምስኡ ናብ ቃልሲ ዝተጸንበሩ ናይቲ ግዜቲ መንእሰያትን፡ መብዛሕትኦም ኣብ 20ታት ዕድመ ዝነበሩ፡ ኣብ ወተሃደራዊ ስርሒት ክሳተፉ ብዙሕ ዕድል ከይረኸቡ ኲናት ሓድሕድ ነቲጉ። ሺሕ’ኳ ሓው ንሓው ዝተዳመዩሉ ዘጒሂ መድረኽን ፍጻመን እንተ ነበረ፡ ኣድሓኖምን ብጾቱን ገለ ካብቶም ቀጻልነት ህዝባዊ ሓይሊታት ዘውሓሱ ምሁራት ሃገራውያን ሓርበኛታት’ዮም። ሳላ’ቲ ኣብ ሜዳ ካብ ዝጸንሑዎም ተጋደልቲ ዝተገብረሎም ምትሕግጋዝ፡ ንኲናት ሓድሕድ ክገጥሙዎን ክለማመዱዎን ነዊሕ ግዜ ኣይወሰደሎምን። ኣብ ከምዚ ዝበለ ኲነታትየ መጀመርታ ንኣድሓኖም ፈሊጠዮ። ኣብ ናይ መጀመርታ ኣብ ውግእ ተሳትፎኡ ዝነበሮ ህርኩትናን ትብዓትን ኣቓልቦ ብዙሓት ስሒቡ። ኣብቲ ንኣርባዕተ ሰዓታት ዝኸውን ዝተኻየደ፡ ብ11/5/1972 ዓም፡ ኣብ ዓየት ዘጋጠመ ውግእ፡ ብኣጋጣሚ፡ ምስ ኣድሓኖም ኣብ ሓደ መከላኸሊ ዕርዲ ተራኺብና። በቲ ዘርእዮ ዝነበረ ንጥፈትን ትብዓትን ከኣ፡ ኣብ ናይ መጀመርታ ውግእ ዝሳተፍ ዘሎ ይመስል ኣይነበረን።
ኣድሓኖም ኣብ ዕጥቃዊ ቃልሲን ድሕሪኡን ዝነበሮ ተመክሮን ኣበርክቶን ብዙሕን ልዑልን’ዩ። ኣብ ግዜ ዕጥቃዊ ቃልሲ፡ እተን ናይ መወዳእታ 3 ዓመታት እንተ ዘይኰይነን፡ ንሰን’ውን ብሰንኪ መውጋእቲ፡ እቲ ካልእ 16 ዓመታት ኣብ ተዋጋኢ ሰራዊት ኣሕሊፉዎ። እተን ናይ መወዳእታ ሰለስተ ዓመታት ወጻኢ ካብ ተዋጋኢ ሰራዊት ዘሕለፈን ድማ ኣብ ክፍሊ ንግዲ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዘገልገለለን ኢየን።
ኣብ ግዜ ዕጥቃዊ ቃልሲ፡ ኣብ ሜዳ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ካብ ዘበርከቶ፡ ከም ሓደ ካብ ዝለዓለ ክፋል ኣበርክቶኡ ጌረ ዝዝክሮ፡ ኣፍልጦ ፖለቲካዊ ቃልሲ ተጋደልቲ ህዝባዊ ሓይሊታት ኣብ ምብራኽ ዝነበሮ ልዑል ተራ’ዩ። ንሱ ከኣ፡ ምንዳፍ “ሰነድ ፖለቲካዊ ትምህርቲ ንተጋደልቲ” ነይሩ። ኣድሓኖምን ሓቢረሞ ዝመጹን፡ ከምኡ’ውን ካልኦት ኣብቲ እዋን ኣብ ቃልሲ ዝተሳተፉ ምሁራት ተጋደልቲ፡ ወኒ ቃልሲ ተጋዳላይ ናብ ሓድሽ ደረጃ ብራኸ ክድይብ ዘኽኣለ ሓድሽ ሃዋሁ ኣብ ምፍጣር ዝተጻወቱዎ ተራ ኣይርሳዕን’ዩ። ኣብ 1972፡ ገረግር ሱዳን ኢልና ንሰምዮ ኣብ ዝነበርና ቦታ፡ ህዝባዊ ሓይሊታት ኣደልዲሉ እግሪ ከይተኸለን፡ ህላወኡን ቀጻልነቱን ኣብ ምልክት ሕቶ ኣብ ዝነበረሉን፡ ስለምንታይ ንቃለስ? ብከመይ ኣገባብከ? ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ፡ ነቲ ድሕሪኡ ክሳብ ግዜ ምርግጋጽ ናጽነት፡ በብደረጃ እናማዕበለ ኣብ ግብሪ ዝወዓለ “ፖለቲካዊ ትምህርቲ ንተጋደልቲ”፡ ብለይቲ ዘተታት ብምክያድ ዝንደፈሉ፡ ብቀትሪ ድማ ንተጋደልቲ ኣስተምህሮታት ዝወሃበሉ፡ ዝነበረ ወቕቲ ነይሩ። ብማዕረ’ዚ፡ ኣብ ውሽጢ ተጋደልቲ መሃይምነት ናይ ምጥፋእ ዘመተ ብዘይ ዕረፍቲ ዝተሰርሓሉ ግዜ’ዩ።
ዓቕሚ ፊናንስ ናይ ውድብ ስለ ዘየፍቅድ ዝነበረ፡ ወረቐት ይኹን ርሳስን ፒሮን ብርቂ ኢዮም ነይሮም። ኣብ ክንድኦም፡ ብገለ ኣጋጣሚ ክርከብ ይከኣል ንዝነበረ መጠቕለል ኣቚሑ ባኮታት፡ ንሱ ክሰኣን ከሎ ከኣ ጸፋሕቲ ኣእማን ካብ ከባቢ መውዓሊ ናብ ቦታ መምሃሪ ብምቕራብ፣ ከም ወረቐትን ሰሌዳን፣ ናይ ዕንጨይቲ ፈሓም ድማ ከም ፒሮን ርሳስን፡ ጌርና ንጥቀመሎም ዝነበርና ግዜ ነይሩ። እዚ እኩብ ናይ ሓባር ጻዕሪ፡ ንህዝባዊ ሓይሊታት ካብ ተጻብኦ ኣብ ምክልኻል፣ ሓድሕዳዊ ሓልዮትን ሓድነትን ኣባላቱ ኣብ ምዕቃብን ምሕያልን፣ ካብ ኣብ ጸቢብን ውሑድ ህዝቢ ዝነብረሉን ከባቢ ምጭባጥ፡ ናብ ሰፊሕን ብዙሕ ህዝቢ ዝርከበሉን ከባቢታት ክዝርጋሕ ኣኽኢሉዎ። እዚ ጥራይ ኣይኰነን፡ ድሕሪኡ ኣብ ዝነበረ ግዜ’ውን፡ እዚ ጅማሮ’ዚ፡ ህዝባዊ ሓይሊታት ሓርነት ኤርትራ (ናይ ደሓር ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ)፡ ንህዝቢ ኤርትራ ወዲቡን ኣኽቲቱን ኣብ ቃልሲ ከሳትፍ፣ ንዓቕሚታቱ ብጽፉፍ ውደባን ኣድማዕነትን ክጥቀመሉ፣ ውሑዳት ተወዳደርቲ ዝነበሩዎ ስርዓተ ውደባን ምምሕዳርን ኣብ ሓራ ገጠራት ኤርትራ ክምስርት፣ ብዓቕሚ ሰቡን ኣጽዋሩን ብዓሰርተታት ዕጽፊታት ንዝበልጾ ጸላኢ ክምክትን ክስዕርን፣ ኣኽኢሉዎ። ኩሉ’ዚ፡ ውጽኢት ውህሉል ተሳትፎን ኣበርክቶን ናይ ኣድሓኖምን ካልኦት ሓለፍቲን፡ ኩሎም ኣባላት ናይቲ ውድብን’ዩ።
ድሕሪ ናጽነት፡ ኣመሓዳሪ ኣውራጃ፡ ዋና ኣኽባር ሕጊ፡ ከምኡ’ውን ኣምባሳደር፡ ኮይኑ ንሃገሩን ህዝቡን ኣገልጊሉ። ኣድሓኖም፡ ንመሰል ዜጋታት፣ ንፍትሒ፣ ንምርግጋጽ ግዝኣተ-ሕጊን ምስረታ ቅዋማዊ ስርዓትን ዘካየዶ ዘይሕለል ቃልሲ ኣብ ቃልዕን ንኩሉ ፍሉጥን ስለ ዝዀነ ክሰግሮየ። ነዞም ዕድሜና ምሉእ ዝተቓለስናሎም መትከላትን መሰላትን ክዉን ንምግባር ብትብዓትን ብዘይ ምሕላልን ረዚን ዋጋ ካብ ዝኸፈሉ ኣብነታውያን ሓደ ምዃኑ ጥራይ አስምረሉ።
ከም ኩሉ ፍጡር፡ ሰብ መዋቲ’ዩ። ከም ሓቂን ብምድግጋም ንብሎን ከኣ፡ ታሪኹ’ዩ ነባሪ። መወከሲ መጻኢ ወለዶታት። ስለዚ፡ መስዋእቲ ኣድሓኖምን ካልኦት ቀንዴላት ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራን፡ ሃንደበትን ትጽቢት ዘይተገብረሉን ኣይኰነን። ሓድሽን ሰብ ዘይጽበዮን ግን፡ ኣድሓኖምን ከምኡ ዝኣመሰሉ ኣርማ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝዀኑን፡ ንቡር፡ ኣብ መንጎ ስድራ ቤታታቶም፡ ኣብ ትሕቲ ክንክን ተቓሊሶም ዝመስረቱዎ ሃገርን መንግስትን፡ ከምኡ’ውን ህዝቢ፡ ብሰላም ክዓርፉ ዘይምኽኣሎም’ዩ። ኣብ መወዳእታ ናይ ዕድሚኦም ክኽፈሉዎ ዝግብኦም ጻማ እዚ ነይሩ። ነዚ ዘይምርካቦም ጥራይ ኣይኰነን። ኣድሓኖምን፡ ነ’ድሓኖም ዝኣመሰሉ ጀጋኑ ናይ ሓርነት ቃልሲን፡ ቃልሲ ንፍትሒን፡ ክሳብ መቓብሮምን፡ ስርዓት ኢሳያስ ክሳብ ዘሎን፡ ብሕላገት ጥልመትን ክሕደትን ምግላጾም’ዩ። ኣይኰነንዶ እዞም ኩሉ ዘለዎም ንሓርነት ህዝቢን ንናጽነት ሃገርን ዘወፈዩ፡ ዝዀነ ካልእ ሰብ’ውን ድሕሪ ሞቱ ኣይክሰስን፥ ኣይዋረድን ዝብል ክቡር ባህሊ ኣሎና። እዚ ግን ንስርዓት ህግደፍን ተለኣኣኽቱን ጽውጽዋይ ኰይኑ። ይኹን’ምበር፡ እዚኦምን ከምኦም ዝኣመሰሉ ደወንቲ ሕላገታትን፡ ንምርግጋጽ ግዝኣተ-ሕጊ፡ ፍትሒን ዲሞክራሲን፡ ሓቂን ዕርቂን፡ ኣብ ኤርትራ ንምምጻእ ንዘሎና ቆራጽነት ኣሐይልና ሸቶና ክንወቅዕን፡ ውሳነና ኣከያይዳናን ብቀጻሊ ክንግምግምን ከነሐድስ ክንጥቀመሎምን’ምበር፡ ንመንፈስና ዘዳኽሙ ኣይኰኑን።
ኣድሓኖም ግን፡ ናብቲ ዓቢ ቃፍላይ ስዉኣት ተጸንቢሩ’ዩ። ኩልና ብሂወት ዘሎና፡ ንቐልጥፍ ንደንጒ ብዘየገድስ፡ ንጎዓዘሉን ንጽንበሮን መስመር ጉዕዞ ድማ’ዩ። ኣድሓኖምን ታሪኹን ንቃልሲ መጻኢ ወለዶታት ደረኽቲ’ዮም። ኣድሓኖምን ካልኦት ቀዲሞም ዝሓለፉ ተቓለስቲን፡ ዝተቓለሱሎም ዕላማታት ናብ ሸቶታቶም ናይ ምብጻሕ ሓላፍነትን እጃምን፡ ናትና፡ ናይዞም ድሕሪኦም ጸኒሕና ዘሎና መቃልስቶምን፡ ብዓቢኡ ከኣ፡ ናይ ድሕሬና ዘሎ ወለዶታት’ዩ። ክንከፍሎ ዘሎና ናይ ሕልና ዕዳ ስለ ዝዀነ።
ንኣድሓኖም፡ እግዚኣብሄር ኣብ ገነቱ ይቀበሎ፣ ንስድራ ቤት ኣድሓኖም፡ ብገፊሑ ከኣ ስድራ ቤት እንዳ’ቦይ ባሻይ ገብረማርያም፡ ጽንዓት ይሃቦምን ጠሊ/ራሕሲ ይግደፈሎምን።
መስፍን ሓጎስ
You must be logged in to post a comment.