ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ፍትሓዊ ቃልሲ 8 መጋቢት 2021

ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ፍትሓዊ ቃልሲ
8 መጋቢት 2021
ሎሚ 8 መጋቢት 2021 ኣብ መላእ ዓለም መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ዝኸበረሉ ዘሎ፡ መዓልቲ ክብርን መሰልን ማዕርነት ደቂ ኣንስትዮ’ዩ። ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ከኣ ምስ’ቲ ሕሉፍ ታሪኽ ንክብረንን መሰለንን ኣብ ቃልሲ ዘበርክተኦ እጃም፡ ዝኸፈልኦ መስዋእትን ገና ሎሚ እንተኾነ፡ ንዝተረከብኦ ሕድሪ ካብ ኢደን ሰተት ኢሉ ከይሞልቕ ድግዲጊት ተዓጢቐን፡ ንፍትሕን ሰላምን ኣብ ዘካይዳኦ ዘለዋ ቃልሲ ንዝክረሉ’ዩ።
ተራ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራውያን ኣብ ፍትሓዊ ቃልሲ ትማሊ ኣንጻር ባዕዳውያን ገዛኣቲ፡ ሎሚ ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ደሚቑ ይረአ ኣሎ። ኣብ ዘመን ብረታዊ ተጋድሎ ንነጻነት ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ፡ ካብ ኣሕዋተን ዘይፍለ ከቢድ ሓላፍነት ተሰኪመን፡ ተሰዊኤን፡ ሰንኪለን፡ ከም ኣደታት ኣሓት ከም’ቲ ንኩሉ ዝበጽሖ ዕጫ ዝተሰውኣ ዝተኣስራ ዝተሰደዳን እየን። ብተግባራት ጸላኢ፡ ብምረት ቃልሲ ዝተዳህለት ድሕሪት ዝተረፈት ተጋዳሊት ትኹን ኣደን’ውን ኣይነበራን። ብኣንጻሩ’ዃ ደኣ ነቲ ህዝባዊ ቃልሲ ንነጻነት ድርዕቶ ኮይነን ዝተቃልስኦ ዝኽሪ ትማሊ’ዩ። ኣብ ዝተፈላልየ ኣጋጣሚታት ግደን ተራ እዘን ዋዕሮታት ጽሑፍ ተነቢቡ፡ ዘረባታት መደረ ተሰሚዑ እዩ ሽሕ”ኳ ከም’ቲ ዝድለ ዝግብኦን እንተዘይኮነ። መብዛሕትኡ እዋን ግደን ተራን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ወርሒ መጋቢት መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ እዩ ዝዝከር። ዕላማ 8 መጋቢት ፡ ተጋድሎአን እንተዘከርና ታሪኻዊ ፍረ ቃልሰን’ዩ።
ኣብ’ዚ ዘለናዮ እዋን ሰላምን ደሞክራስን፡ ሕግን ፍትሕን፡ ፖለቲካዊ ርግኣትን ራህዋን ንምንጋስ፡ ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ኣብ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራውያን ማዕረ ክንደይ ንቅድሚ ክስጉም ሓጊዝዎ ምህላዉ ንኩሉ ብሩህ’ዩ።
ብዙሓት ኣብ ሰልፍታት፡ ውድባት፡ ማሕበራት ተሰሊፈን ግቡኤን ይፍጽማ ኣለዋ። ሎሚ ህዝብና መሪርዎ፡ ጩራ ሰላምን ራህዋን ፍትሕን ዘየማዕድወሉ ግዜ፡ ኣደታት ተስፋ ከይቆረጻ፡ ድኻመን ከይጸብጸባ እጅግአን ሰብሲበን ምስ’ቲ ኩሉ ስድራ ቤታዊ ሓላፍነትን ጾርን፡ ንእሽቱ ደቕን ከይተረፋ ሒዘን ምስ ኣሕዋተን ንፍትሓዊ ቃልሲ ንምዕዋት ይጓየያ ኣለዋ። ከም’ቲ ቅድም ክብል ዝገለጽክዎ ብዘይካ እንተን ኣብ ሰልፍታት ተወዲበን ዝቃለሳ፡ ብዙሓት ኣደታትን መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮ ምልካዊ ምሕደራን የብቕዕ ኢለን ዝተበገሳ ክተባብዕ ይግባእ።
ንሃገራውያን ብፍላይ ከኣ መንእሰያት ንኽተኣኻከቡ ክነቕሑ ብዝተፈላለየ ኣገባብ ዘዳልውኦ መደባት፡ ብፍላይ ኣብ ማሕበራዊ መራከቢ ብዙሓት ዘካይድኦ ዘለዋ ቃልሲ ዓብይ ምልክት ቆራጽ ድልውነተን ወሳኒ መድረኽ ክብረንን መሰለን፡ ክብሪ ህዝበን ሃገርን እዩ።
ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ብሕሉፍ ጅግንነታዊ ታሪኽ ከይተዛነያ፡ ከም መቐጸልታ ሓድሽ ምዕራፍ ቃልሲ ጅግንነታዊ ታርኽ ዝፍጽማሉ ዘለዋ መድረኽ ብኣጋጣሚ 8 መጋቢት ክዝከር ይግባእ። ኣብ’ዚ ሓድሽ መድረኽ ቃልሲ ብፍላይ ድሕሪ 2001 ዝተራእየ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮን ምንቅስቓሳትን ንኣመዓባብላ ደምበ ደላይ ፍትሒ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ብማዕሪኡ ንዕንደራታት ህግዲፍ ገደብ ዝገበረሉን ቀስ ብቀስ ኣልሚስዎን’ዩ። ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ከኣ ተሳትፎ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮን ኣብርከትኡን ኣብ ቃልሲ ህዝባዊ መድረኽ ተቐባልነቱ እንዳዓበየን እንዳሰፍሐን ክመጽእ ጸኒሑን ኣሎ። ግደ ደቂ ኣንስትዮ በዚ ዝኸዶ ናህሪ እንተቀጺሉ ዕምሪ መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ሓጺር’ዩ።
ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንስውኣትና
ክንዕወት’ና
ዜናን ሓበሬታን
ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን
8 መጋቢት 2021
You must be logged in to post a comment.