መስዋእቲ ኣምባሳደር ኣድሓኖም ገ/ማርያም ክብሮም ግረነት

መስዋእቲ ኣንባሳደር ኣድሓኖም ገ/ማርያም

ክብሮም ግረነት

                      ኣነ ሌላይ ምስ ስውእ ኣምባሳደር ኣድሓኖም ገብረማርያም ኣብ ስደት ኣብ ከተማ ኒውዮክ እዩ ። እዚ ከኣ ድሕሪ ማእሰርቲ  ጉጀለ 15 ኣብ መጀመርያ ወርሒ 2002 ኣቢሉ ምስ ኣምባሳደር ሕብረት በርሄ ኾይኖም ኣብ ኒውዮክ ኣብ ዝመጹሉ እዋን ነይሩ ። ሽዑ እቶም ኣቅድም ኣቢልና በቲ ህግደፍ ዝፈጸሞ ዓመጽ ማእሰርቲ ኣብ ልዕሊ ሓለፍቲ መንግስትን ጋዜጠኛታትን ተቓውሞና ክነወሃህድ ዝጸንሓና ዜጋታት ናይ ከተማ ኒውዮክን ከበቢኣን ተኣኻክብና ኣደራሽ ተኻሪና ኣኼባ ዝገበሩልና ግዜ እዩ ነይሩ ። ኣምባሳደር ኣድሓኖም  ኣብቲ ክባቢ ኣብ ዝመላለሰሉ ዝነበረ ብሓጺሩ ናብራ ተጋዳላይ እዩ ዝሕልፍ ነይሩ ። ኣብቲ መጀመርያ ሓሚሙ እውን ብቀሊሉ ናይ ምሕኻም ተክእሎ ዘይረኽበሉ ኹነታት ነይሩ ። ምክንያቱ ናይ ዑቅባ ወረቕቅቱ ከየሳለጠ ከምዚ ብዙሓት ዝጠቀስዎ Green Card ከይተቀበለ እንደገና ናብ ኢትዮጵያ ክቓለስ ተመሊሱ ስለ ዝነበረ ። ኣምብሳደር ኣድሓኖም ሓሊዮት ህዝቡን ሃገሩን ስለ ዘቀደመ እምበር ከምቶም ካሊኦት መጋድልቱ  ኣመት ናብራኡን ሓዳሩን ክገበር ኡኹልን ዝተርፍን ዓቅሚ ክእለት ነይሩዎ እዩ ። ኣምብሳደር ኣድሓኖም ሓደ ካብቶም ንነጻነት ኤርትራ ጉሁድ ዝገበሩ ጅጋኑና ሓደ ስለ  ዝኾነ ታሪኹ ንወዶታት ክነክብሮን ክንዝክሮን ዝግብኣና እዩ ።

ኣብ ከተማ ኒውዮርኽ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝገልጽኩዎ ገለ ጉድሳት ምስ ኣምባሳደር ኣድሓኖም  ኣብ ዝተፈላለየ ግዝያት  ተራኽብና ብዛዕባ ጉዳይ ገድልን ሃገርና ክንሓቶ ክንምሃርን ዕድል ረኽብና ኢና ። ኣብ ሓደ ኣኬባ ዝነበረና ዕላል መሬት ስለ ምንታይ ናይ መንግስቲ ክኽውን ወሲንኩም ክንብል ሓቲትናዮ ነርና’። ኣምባሳደር ኣድሓኖም ከምልስ እንከሎ “ መሬት ናይ ህዝቢ እዩ ክንብል እንከሎና ብኣታሓሳስባና ንህዝብና ክንጠቅም ዝብል እምነት እንተ ዘይኾይኑ ካልእ ዕላማ ነይሩና ኣይኾነን “ እምበር ከምዚ ሕጂ ህግደፍ እናሽንሸነ ሸይጡ ዝጥቀመሉ ኣጋባብ ከምዘይነበረ ገሊጹልና ነይሩ” ። ብዛዕባ ስርዓት ህግደፍ ተሓቲቱ እውን ክገልጽ እንከሎ  “ እቲ ሰርዓት ዱልዱል ስለያውን ወተሃደራዊ ሓይሊ ስለ ዝውነን ኣብዚ ቀረባ ግዜ ዝወድቅ ከምዘይኾነ “ ገሊጹልና ነይሩ ።  

                      ኣምባሳደር ኣድሓኖም ሓደ ካብቶም ትኽ ኢሎም ዝዛረቦ ተቓለስቲ እዩ  ነይሩ ። ሓደ ግዜ እውን ምስ ገለ ብጾት ጉዳይ ስለ ዝነበረና ካብ ከተማ ኒው ዮርክ ተበጊስና ድሕሪ ናይ ገለ ሰዓታት ኣብ ዝደለናዮ ከተማ በጽሓና ። ከምቲ ልሙድ ድሕሪ መግቢ ኣብ ዕላል ፖሊቲካ ከኣ ኣቲና ። ሕጂ እውን ንኣምሳደር ኣድሓኖም ብሓደ ብጻይ ዝተሓተ ሕቶ “ ህግ እኹም ኣብ ባህልናን ታሪኽና እዚ ኩሉ ሽግር ፈጢርኩሙልና፡ሓንቲ ዘይብሉ ዜጋ ብርጅዋ እናበልኹም ንሰብ ኩሉ ድኻን ሃብታምን ሓደ ገርኹሞ ፣ ንልምዓት ዘየተባብዕ ፖሊሲ ሓንጺጽኹም ፡መንእሰይ ስራሕ ሲኢኑ ኣብ ስደት ይጠፍእ ኣሎ “ ክብል ሓቲቱዎ ፣ መልሲ ኣምባሳደር ኣድሓኖም ከኣ “ እወ ፣ ንሕና ኣብ ዝዓበናሉ መድረኽ ኣብ ዓለምና ገኒኑ ዝነበረ ፍልስፍና ዴስነት እዪ ነይሩ ፣ እቲ ኣብ ዓለምና ዝኻየድ ዝነበረ ሓርነታዊ ቓልስታት ደገፍቱ ዴሳውያን ሃገራት እዮም ነይሮም ። ስልዚ ንሕና ኣውን ካብዚ ዓለምለኻዊ ተርእዮ ተነጺልና ክንኽይድ ኣይከኣልና ፡ ካብዚ ተበጊስና ከኣ ኣብ ቓልሲ ዓርክና ነዳይ ሓንቲ ዘይብሉ ዓዃይ ኢልና ወሲንና ድሕሪ ምባል ፣ ሕጂ ከኣ ጊጋ ምዃኑ ስለ ዝተገንዘብና ክንዕርዮ ኣብዚ ሰደት ንቓለስ ኣሎና ክብል “ መሊሱ ነይሩ ። ፍሉይነት ናይዚ መልሲ እዚ ከኣ ካብ ህግ ተጋጊና ዝብሉ ክንዲቲ የለውን ።

                      ኣብ 2016 ኣቢሉ እውን ኣብ ሓደ ጉዳይ ክንበጽሕ ካብ ከተማ ኒውዮርክ ተማሊኤዮ ጉዑዞና ጋቦ-ጋቦ ዳርጋ 8 ሰዓት ዝወስድ ነይሩ ። ብዙሕ ነገራት ክፈልጦ ዝደሊ ዝነበርኩ ክሓቶ ከኣ ዕድል ርኽበ ነይረ ። ኣብ ኣዲስ ኣባባ መማህርቱ ዝነበሩ ይኾኑ ኣብ ሜዳ ዝፈልጦም ኣዝማደይ እውን ከምዝፈልጦም ኣጻዊቱኒ ። ኣቲ መንገዲ ነዊሕ ስለ ዝነበረ ናይ ግድን ዕላል እውን ስለ ዝሕግዝ ፣ ኣነ እውን ኣይሕመቅኹን ብትግራይት ግጥምታትን ታርኽን ብሔረ መንሳዕ ከጻውቶ ይዝከረኒ ፣ ብድሕሪ እዚ ክንራከብ እንከሎና ብትግራይት ሰላምታ ንለዋወጥ  ነርና ። ኣብ መወዳእታ ሕቶይ ዝነበረ ፡ ኣብ ሰምበል ንመንግስቲ ኢትዮጳያ ትሕጉዙ ነርኩም ተባሂሎም ካብ ግዜ ነጻናት ክሳብ ሕጂ ተኣሲሮም ዘለዉ ዜጋታት ኣጋባብ ፍርዶም ብከመይ ከም እተወሰነ ተወኪሰዮ ነይረ ። ኣምባሳደር ኣድሓኖም ክምልስ እንከሎ “ እቲ ውሳኔ ሓጺርን ቁልጡፍን ከምዝነበረን ብቀንዱ ከኣ ብናይ ውሽጣዊ ጉዳያት ሓላፊ ዝነበረ ናይዝጊ ክፍሉ ተታሒዙ ከምዝነበረን ሓቢሩኒ ፡ ኣስዒቡ ክምልስ እንክሎ “እቶም ገበናት ፈጺሞሞ ዝብሃሉ ኡሱራት በብሓደ ሓቲትካ ዘይኮነስ እታ ወጺኣ ዝነበረት ሽማግለ ብገምጋም ናይቶም ኣቅቲሎሞሞ ዝብሃሉ ዜጋታት ግምት ተወሲዱ ከም እተፈርዱ” ገሊጹለይ ። እቶም ተኣሲሮም ዘሎዉ ናይ ነዊሕ ዓመታት ኣብ መድረኽ ቓልሲ ዝፍጽምዎ ዝነበሩ ገበናት ተመዝጊቡ ዝጸንሔ ክተጻርዮ እውን ዕድል ዘይህብ ጉዳይ ስለ ዝነበረ ፡ ንኣብነት ሓደ እሱር ንሓደ ሰብ ቀቲሉ እንተ ተባሂሉ 10 ዓመት እንተ ተፈሪዱ ፣ 2 ሰብ ዝቀተለ 20 ዓመት ፣  3 ሰባት ቀቲሉ ዝብሃል ከኣ 30 ዓመት ክእሰር ፡ ብከምዚ ኣጋባብ ክሳብ ሕልፈት እተፈርዱ ከምዝነበሩ ገሊጹለይ ።

                      ኣምላኽ ዝደለዮ ሰብ ይጽዊዕ ፡ እምበር ምስ ኣምባሳደር ኣድሓኖም ኣብ መወዳእታ ናይ 2019 ቅድሚ ኮቭድ-19 ምምጽኡ ኣብ ኒው ዮርክ ተራክብና ፡ ኩልንትንኡ ብጣዕሚ ጽቡቅ ነይሩ ። ግን ብሃንድበት ኣሎ እንበልና ካብዛ ዓላም ምፍላዩ ንብዙሓት ኣሰንቢዱና እዩ ። ክብሎ ዝደሊ ጽንዓት ንበዓልቲ ቤቱን ደቁን ከምኡውን ንኹሎም ቤተ ሰብን ፈተውቱን ኣዕሩኽቱን ። ኣምባሳደር ኣድሓኖም ገብረማርያም  ንህዝቢ ኤርትራ ካብኡ ዝደለ ኩሉ ኣወፊዩ ሓሊፉ ኣሎ ። እምበኣር ነቲ ኣምባሳደር ኣድሓኖም ገብረማርያም  ክሳብ ዕለተ ዕርፍቱ ዝደኸመሉ እተቓለሰሉን ዕላማ ዲምክራሲያዊት ኤርትራ ናይ ምህናጽ ፣ኣብ ፍጻሜ ናይ ምብጽሑ፣ ሓደረ ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ እዩ ።

                      ዝኽበርኻ ኣምባሳደር ኣድሓኖም ገብረማርያም ኣምላኽ ኣብ መንግስቱ ይቀበልኻ !

                      ኣምላኽ ኤርትራ ሃገርና ይባርኽ

ክብሮም ግረነት

3/9/2021

Leave a Reply

Please log in using one of these methods to post your comment:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.