ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን (ውሓኤ)

ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ
ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን (ውሓኤ)
ሰለስተ (3) ውድባት ነበር ማለት ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ (ውሓኤፍ)፡ ውድብ ሓድነት ንዲሞክራስያዊ
ለውጢ (ሓዲለ)፡ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪ (ግሃድኤ-ሕድሪ) ኣብ ዕለት 28 ለካቲት 2021 ሓድነት ገይረን
ውድብ ሓድነት ኤትራውያን ብዝብል ስም ሓደ ውድብ ከም ዘቖማ ብናይ ሓባር መግለጺ ንኹሉ ተነጊሩ ከም
ዝነበረ ዝዝከር እዩ። ማእከላይ ባይቶ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን (ውሓኤ) ክሳብ ጉባኤ ዘብጽሑ ግዝያውያን
ትካላት፡-

  1. ሰክረታርያ ማእከላይ ባይቶ (ኣፈባይቶ)
  2. ኣቶ ሓምድ ድራር-ኣፈ ባይቶ
  3. ኣቶ ማሕሙድ መሓመድ ዓሊ (ዕላጅ) -ምክትል ኣፈ-ባይቶ
  4. ኣቶ ታደሰ ተኽለብርሃን- ጻሓፊ ኣፈ ባይቶ
  5. ግዝያዊ መሰጋገሪ ፈጻሚ ሽማግለ (ውሓኤ)
  6. ኣቶ ተስፋሚካኤል ዮሃንስ – ኣቦ-መንበር
  7. ዶር ተሸመ ብርሃነመስቀል- ምክትል/ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ዋና ጻሓፊ
  8. ዑቕባዝጊ ድቡስ- ሓላፊ በ/ጽ ወጻኢ ዝምድናታት
  9. ኣቶ ያሲን ኣብራሂም- ቤ/ጽ ሓላፊ ውድባዊ ጉዳያት
  10. ኣቶ ኣፈወርቂ ኪዳን- ሓላፊ ቤ/ጽ ጸጥታዊ ጉዳያት
  11. ኣቶ ኣቤል ሃይለ-ሓላፊ ቤ/ጽ ቁጠባዊ ጉዳያት
  12. ኣቶ ገብረኺዳን ገብረዝጊ-ዜናን ጎስጋስን
  13. ወ/ሮ ሳባ ፍስሃየ-ሓላፊት ቤ/ጽ ማሕበራዊ ጉዳያት
  14. ኣቶ ኣብርሃም እያሲ-ሓላፊ ቤ/ጽ ምርምርን ሰነድን
    ካላኦት ከም ቊጽጽርን ዕርቅን ትካላት ድሕሪ ምቛሞም ብምሉእ ምርድዳእ ከም ዘጽደቐ ድማ ይፍለጥ።
    ድሕሪ ናይ ሓድነት መግለጺ ምውጻእ፣ ፈጻሚ ኣካል ውሓኤ ብናይ ዘመናዊ መራኸቢ ብዙሃን ተሓጊዙ ተኸታታሊ
    ኣኼባታቱ ኣካይዱ። ሓደ ካብ’ቶም ፈጻሚ ሽማግለ ክዛተየሎም ዝቐነየ ጉዳያት ብርክት ዝበሉ ውሽታዊ ውድባዊ
    ምምሕዳራዊ ስርሓት ብግቡእ ክሰርሕሉ ዝኽእሉ ባይታታት ኣብ ምዝርጋሕ ምጥጣሕን ዘተኰሩ ነይሩ። ከም ኣብነት
    ንምጥቃስ ዝኣክል ናይ ፈጻሚ ኣካል ቤት ጽሕፈታት ዘንቀሳቕሱ ብጾት ምምዳብን ምስራዕን፣ ነፍስ-ወከፍ ፈጻሚ
    ቤት ጽሕፈት ሓላፊ መደብ ስራሕ ምድላውን፣ ናይ ስራሓት ቀዳምነታት ምስራዕን፣ ነቲ እዉጅ ሓድነት ስርርዓት
    ምህናጽን ከምኡ’ውን ካልኦት ውድባዊ ምምሕዳራዊ ስራሓትን ዝምልከቱ ከም ዝነበሩ ክጥቀሱ ይኽእሉ።
    ብሓፈሽኡ ፈጻሚ ሽማግለ ነቲ ሓዲሽ ዝሰመረ ውድብ ከንቀሳቕስዎ ዝኽእሉ ቅድመ-ተደላይነታት ኣብ ምጥጣሕ
    ዝጠመተ ዘተ ነይሩ።

    ቀጺሉ ፈጻሚ ሽማግለ ብዕቱብ ዝረኣዮን ክዛተየሉ ዝቐነየን ጉዳይ ነቲ ተጀሚሩ ዘሎ ናይ ኩለን ፖለቲካዊ ሓይልታት
    ኤርትራ ሓደ ኣገባብ ፈጢርካ ብሓደ ምስራሕ ዝምልከት እዩ። ነዚ ኣመልኪቱ ኣኼባ ፈጻሚ ኣካል ውሓኤ ከበርክቶም
    ዝኽእል ነገራት ኩሎም ካብ ምሃብ ከም ዘይቁጠብን ከም ዘይ ግበዝን ኣስሚርሉ ሓሊፉ ኣሎ። ፈጻሚ ሽማግለ ኩሉ
    ዝከኣል ናይ ምውህሃድ ስራሓት ቅልጣፈ ብዘለዎ ኣገባብ ከካይድ ድልውነቱ ደጊሙ የረጋግጽ።

    ውሓኤ ኣጒሊሑ ዝርእዮን ከም ቀዳማይ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ዝቘጽሮን ጉጅለ ህግደፍ’ዩ። መሪሕነት ህግደፍ
    ንህዝብና መሰረታዊ መሰላቱን ረብሓታቱን ብዓመጽ ዓፊኑ የሳቕዮ ከም ዘሎ ዓለም ዝርእዮ ዘሎ ሓቂ’ዩ። ካብኡ
    ሓሊፉ “ዘይ ስንኻ ሑጻ ቈርጥመሉ” ከም ዝበሃል ንህዝብና ብሓፈሻ ንመንእሰያትና ድማ ብፍላይ ከም መህረሚ
    በትሪ ተጠቒሙ ኣብ ዘይደልዮን ዘይፈልጦን ዘይምልከቶን ውግእ ኣጥሒሉ ኣደዳ ውግን ሞትን ስንክልናን ከም
    ዝኸውን ገይሩ ከብቅዕ፣ ህግደፍ ምስ ጐረባብትና ብሰላም ክነብር ዝግብኣና ሰላም ብምዝራግ ጥራሕ ከይኣክል
    ዘይሃስስ ደም ከላብሰና ይርአ’ሎ። ካብ ስርዓት ህግደፍ ሃዲሙ ዑቚባ ንዝሓተት ስደተኛ መንእሰይ ኤርትራ ስዒቡን
    ኣርኪቡን ከጥፍኦ ከሎ ዓለም ይዕዘቦ ኣሎ። ህግደፍ ፈልዩ ንጐረበት ኢትዮጵያዊ ዝዀነ ህዝቢ ትግራይ ዝዀነ ይኹን
    ገበን ዘይገበረ፣ ገበኑ መዓልታዊ መነባብርኡ ከሸንፍ ኢሉ ምስርሑ ጥራሕ ዝዀነ ህዝቢ ብዘይንሕስያ መጠነ ሰፊሕ
    ዝዀነ ገበናት ኣብ ልዕሊ ንጹህ ስደተኛ ኤርትራውን ህዝቢ ትግራይ በደል ክፍጽም ንርእዮ ኣለና። ኣኼባ ፈጻሚ ኣካል
    ድማ ነዚ ብትሪ ይኹንኖ።

    ነዚ ቀንዲ ጠንቂ ሽግር ህዝቢ ኤርትራ ህግደፍ ከም ቀዳማይ ጸላኢ ብምቕማጥ፣ ንምግጣሙ ውድብና ካብኡ
    ዝጥለብ ስራሓት እንዳፈጸመ ምስ ካልኦት መሓዙት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ድማ እንዳሰርሐ ነዚ ቀንዲን
    ምንጭን ኩሉ ጸገም ህዝብና ዝዀነ ህግደፍ ንምእላይ ኩሉ ኣሎ ዝበሃል ዓቕሚ ኤርትራውያን ጸረ-እዚ ናይ ጥፍኣት
    ጉዕዞ ሒዙ ንሃገርና ዘጥፍእ ዘሎ ጉጅለ ምትኳር ኢዱ ዘርጊሑ ብሓባር ንምስራሕ ፈጻሚ ሽማግለ ውሓኤ ይጽውዕ
    ኣሎ። ትጽቢታትን ጠለብን ህዝብና ምቕያር ህግደፍ ምዃኑ እቲ ኣኼባ ብድሙቕ ኣስሚርሉ ኣሎ። ነዚ ንምርግጋጽ
    ከኣ ውሓኤ ንኹሉ ኤርትራዊ ናይ ሃገርን ህዝብን ኣድሕን ጸዋዒት ከቕርብ ይፈቱ።

    ፈጻሚ ሽማግለ ዝርኣዮ ካልእ ጉዳይ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ብፍላይ ከኣ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ኣዝዩ ሓደገኛ ዝዀነ ቅልውላው
    ኣትዩስ ኣህጉራዊ ኣቓልቦ ከይተረፈ ስሒቡ ይርከብ። ሃገርና ኣብ ማእከል’ዚ ቅልውላው’ዚ ኣላ ጥራሕ ዘይኰነስ መራሕ
    ጉጅለ ህግደፍ ሃንዳሲ ናይ’ዚ ቅልውላው’ዚ ምዃኑ “ይወሓስ ኣግብእ” ኢልካ ምጭባጥ ዘየድልዮ ሓቂ’ዩ። ስለ’ዚ
    ፈጻሚ ኣካል ውሓኤ ነዚ ሓቂ’ዚ ብምርኣይ፣ ንኲነታት ናብ ረብሓ ህዝቢ ኤርትራ ንምቕያር ኤርትራውያን ካብ ማንም
    ግዜ ንላዕሊ ሎሚ ብዝተወደበ መልክዑ ብሓባር ክሰርሑ ከም ዝግባእን እቲ እንኮ ጸላኢ ክትኰረሉ ዝግባኣ ህግደፍ
    ምዃኑ ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግል ኣረጋጊጹ።

    ኣብ መወዳእታ ብመሓዙት ፖለቲካዊ ሓልታት ኤርትራ ዝተዋህበና ሞራልን ምትብባዕን ከምኡ’ውን ካብ ህዝብና
    ዝረኸብናዮ ናይ ሞራል ደግፍ እዚ ኣጋጣሚ’ዚ ብምጥቃም ኣኼባ ፈጻሚ ኣካል ምስጋንኡ ይገልጽ። ብተወሳኺ
    ክቡራት ኣባላትና ርእሶም ሓፍ ብምባል፡ መዓንጥኦም ሸጥ ኣቢሎም ንዘርኣይዎ ጽንዓትን ድልየት ቃልስን ክብሪ ከም
    ዝግብኦም እቲ ኣኼባ ኩርዓት ከም ዝስምዖ ኣረጋጊጹ።

    ዓወት ንዲሞክራስያዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ
    ክብርና ክምለስ ሓቢርና ንቃለስ!!!

    ቤት ጽሕፈት ዜናን ጐስጓስን
    ውሓኤ
    ዕለት 11 መጋቢት 2021

Leave a Reply

Please log in using one of these methods to post your comment:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.