Monthly Archives: Apr 2021

ልፍንቲ ፡ ብ ክብሮም ግረነት  

ልፍንቲ ፡ ክብሮም ግረነት                       ልፍንቲ ማለት በቲ ልሙድ ትግርኛ ፣ ከም ኣብነት ክልተ ሓረስቶት ሓድ ሓደ ኣብዑር ዝውንኑ፣ ልፍንቲ ገይሮም ሓደ መዓልቲ ሓደ ክሓርሶም ይውዕል ድሕሪኡ ከኣ እቲ ክልኣይ ሓረስታ ክሓርሶም ይውዕል ። ብእብረ ማለት እዩ። ምክንያቱ  ኣብ ገለ ክፋል ሕብረተሰብና ብሓደ ብዕራይ ምሕራስ ልሙድ ስለ ዘይኾነ ። ስለዚ እቶም ክልተ ሓረስቶታ  ውዑሎም ናይ መሬት ዋንነት ኣይኾነን እንታይ ደኣ

Read more

ጽውጽዋይ ምስሓብ ኤርትራ ካብ ትግራይ፣ ግን ከኣ፡ እቲ ዶብ ኣበይ ኢዩ? ብ መስፍን ሓጎስ

ጽውጽዋይ ምስሓብ ኤርትራ ካብ ትግራይ፣ ግን ከኣ፡ እቲ ዶብ ኣበይ ኢዩ? ብ መስፍን ሓጎስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ኣቢዪ ኣሕመድ፡ ብ23 መጋቢት 2021 ኣብ ኣኼባ ወከልቲ ህዝቢ ንዝቐረበሉ ሕቶታት ካብ ዝሃቦ መልሲታት፡ ንተሳትፎ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ብወግዒ ኣሚኑ። ይኹን’ምበር፡ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወጽእ ግዜ ክወስድ ምዃኑ’ውን ተኣሚቱ። ሰለስተ መዓልታት ድሕሪኡ፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ መንግስቲ ኤርትራ

Read more

ቃል መሪር ሓዘን ብዕርፍቲ ወጋሕታ ዶር. በየነ ኪዳን !!

ቃል መሪር ሓዘን ብዕርፍቲ ወጋሕታ ዶር. በየነ ኪዳን !! ጓልና ወጋሕታ ጓሉ ንብጻይናን መራሒናን ስዉእ ዶር. በየነ ኪዳነ፣ ብቀዳም ዕለት 10 ሚያዝያ 2021፣ ኣብ ከተማ ከለን ሃገረ ጀርመን፣ ካብ’ዛ ዓለም ብሃንደበት ብሞት ብምፍላያ ዓሚቊ ሓዘን ተሰሚዑና። ወጋሕታ ካብ ኣቦኣ ዶር. በየነ ኪዳነን፣ ኣዲኣ ወ/ሮ ኣለም መድሃነን ብዕለት 14/06/1977 ኣብ ከተማ ኣስመራ ተወሊዳ። ብስም ኩሎም ኣባላት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ፣ ብሞት

Read more

ድሕሪ መጋረጃ ተሓቢእኻ ፡ ተልእኾ ምፍጻም    ብ ክብሮም ግረኔት

ድሕሪ መጋረጃ ተሓቢእኻ ፡ ተልእኾ ምፍጻም    ኣብዛ እንነብረላ ዘሎና ዓለም ብኣሸሓት ዝቁጸሩ ጋዜጠኛታት ተዋፊሮም ይርከቡ ። ስርሖም ከኣ ብቁርጡው ኣጋባብ ሓቀኛ ዜና ናብ ህዝቢ ዓለም ምዝርጋሕ እዪ ። ኣብዚ ዘሎናዮ መድርኽ ይኹን ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ብዙሓት ጋዜጠኛታት ህዝቢ ምስ ህዝቢ ዘናቁት ሓቅነት ዘይብሉ ወሬ ወዲ ወሬ እናዘርግሑ ወዲ ሰብ ከምዝሃልቅ ዝገበሩን ይገብሩ እውን ኣሎው። ኣብ ሞያ ጋዜጠኝነት ዝወፍሩ እሞ

Read more

ደወል

ደወል ብ ፍትዊ ክፍለ ምስ ብዙ ቡቱኞደወል (ቃጭል) ማለት፣ ተወቒዑ ብድምጺ ናይ ስራሕ ወይ ናይ ዕረፍቲ ግዜና ከም-ዝኣኸለ እንዝከረሉ ሓጺን እዩ፡ኢሎም ይገልጽዎጸሓፍቲ መዝገበ ቃላት ፡፡ሕሰብ ኣስተውዕል ተማራመር ተባራበርነዚ ኣርእስቲ ክንመርጽ ከሎና ፡ደወል ንኽንባራበርን ፍትሓዊ ቃልሲ መስርዑ ከነትሕዞ፣ መሰል ወዲሰብ ክሕሎ፣ስርዓተ-ሕጊ ክትከል ኣብ ክንዲ ምቅላስ፣በቢ እዋኑ ዝተፋላለዩ ሓቤረታትን ትንባሄታትን ተፈጽሞታት ኣብውሽጢ ሃገርን ኣብ ጎረቤታትናን በዚ ማፍያ ደስቡጣ ስርዓት ኢሳያስን ጉጅሉኡን ብዝፈጸምዎ፣

Read more

ኢሳያስ ኣፈውርቂ ኣብ ጽንተት ህዝቢ ኤርትራን ትግራይን ብ ክብሮም ግረነት

ኢሳያስ ኣፈውርቂ ኣብ ጽንተት ህዝቢ ኤርትራን ትግራይን                         እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ወርሒ ሓሙሽተ ዝግበር ሃገራዊ ምርጫ ብምድንጋርን ምጭብርባርን ብዓወት ናይ ቀ.ሚ.ዓቢይ ኣሕመድ ሰልፊ ብልጽግና ክድምደም ምዃኑ ርጉጽ ገርና ንውሰዶ  ፣ ከምኣ እንተኾይኑ ከኣ ኮረነል ዓቢይ ኣሕመድ ምሉእ ህዝባዊ ስልጣን ን5 ዓመት ክዓትር ስለ ዝኾነ ነቲ ውዑል ተግባራዊ ንምግባር ተክእሎታት ክኸፍተሉ እዩ ። በቲ ካልእ ወገን ኢሳያስ ኣፈውርቂ ከም

Read more

ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ልዑላውነትን ነጻነትን ኤርትራ ኣመልኪቱ ዝሃቦ-ንህዝቢ ኤርትራ ጸርፊ ዝኾነ ቃል ኣጥቢቕና ንኹንን!

ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ልዑላውነትን ነጻነትን ኤርትራ ኣመልኪቱ ዝሃቦ-ንህዝቢ ኤርትራ ጸርፊ ዝኾነ ቃል ኣጥቢቕና ንኹንን! ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፣ ወሃብ ቃል ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኢትዮጵያ ዝኾነ ኣምባሳዶር ዲና ሙፍቲ ብ29 መጋቢት 2021 ንጋዜጠኛታት ዝሃቦ ሓደገኛ መግለጺ፣ ኣትሪሩ ይኹንን። ኣምባሳዶር ሙፍቲ ኣብ መግለጺኡ:- “ጽባሕ ኤርትራውያን ነፍሲወከፎም ብዛዕባ ካብ ኢትዮጵያ ዝተፈልዩሉ መዓልቲ እንተዝሕተቱ፣ ከም ዘየኽብርዎነ ዘይፈትዉዎን ምተዛረቡ። ንሕና እውን ከምኡ፤”ኤርትራውያን እያንዳንዳቸው

Read more

መግለጺ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን ኣብ ዝኽሰቱ ዘለዉ ወስታታት ምጥሓስ ልዑላውነት ሃገረ-ኤርትራ

ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን (ውሓኤ)    Organization of Eritrean Unity መግለጺ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን ኣብ ዝኽሰቱ ዘለዉ ወስታታት ምጥሓስ ልዑላውነት ሃገረ-ኤርትራ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን (ውሓኤ) ነዚ ዝኸይድ ዘሎ ኩነታት ኣመልኪቱ እዚ ዝስዕብ መግለጺ የውጽእ:: ህዝቢ ኤርትራ ነዊሕን መሪርን ቃልሲ ኣካይዱ፣ ክቡራት ደቁ ከፊሉ ሃገር ኣውሒሱ እዩ። ብመገዲ ህዝባዊ ወኸሳ ጌሩ ርእሰ ውሳነ ብምክያድ፣ ንኤርትራ ማዕረ ኩለን  ሃገራት ኰይና ኣባል ኣህጉራዊ ማሕበረ-ሰብ ከም

Read more