መግለጺ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን ኣብ ዝኽሰቱ ዘለዉ ወስታታት ምጥሓስ ልዑላውነት ሃገረ-ኤርትራ


ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን (ውሓኤ) Organization of Eritrean Unity
መግለጺ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን ኣብ ዝኽሰቱ ዘለዉ ወስታታት ምጥሓስ ልዑላውነት ሃገረ-ኤርትራ
ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን (ውሓኤ) ነዚ ዝኸይድ ዘሎ ኩነታት ኣመልኪቱ እዚ ዝስዕብ መግለጺ የውጽእ:: ህዝቢ ኤርትራ ነዊሕን መሪርን ቃልሲ ኣካይዱ፣ ክቡራት ደቁ ከፊሉ ሃገር ኣውሒሱ እዩ። ብመገዲ ህዝባዊ ወኸሳ ጌሩ ርእሰ ውሳነ ብምክያድ፣ ንኤርትራ ማዕረ ኩለን ሃገራት ኰይና ኣባል ኣህጉራዊ ማሕበረ-ሰብ ከም ትኸውን ገይሩዋ እዩ። ግዝኣታዊ ዶባቱ ኣጠንቂቑ ፈሊጡ ዝሕልወሉን ውሽጣዊ ጸጥታኡ ኣረጋጊጹ ሕጊ ዘውጽኣሉ ስርዓተ-መንግስቲ ክተክል ግን ኣይተዓደለን። እንታይ ደኣ ብህዝቢ ከም ዝተመረጸ መንግስቲ ዝብል ስም ሒዙ ቅሉዕ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዘካይድ ጉጅለ (ህግደፍ) ተደኩኑ ይርከብ። እዚ ካብ ደርጊ (ናይ ኢትዮጵያ ስርዓት) ዝገደድ ወተሃደራዊ ጉጅለ’ዚ ንኤርትራ ብግበር ኣይትግበር ዝብል መርሆ ወሃደራዊ ትእዛዝ ህዝቢ ዘጽንት ዘሎ ምዃኑ ጸሓይ ዝሃረሞ ሓቂ እዩ። ኣብ ኤርትራ ኩሎም ንደቂ-ሰባት ኣድለይቲ ዝዀኑ መሰረታዊ ኣድማሳዊ ሰብኣዊ፡ ቊጠባውን ማሕበራውን፡ ሲቪላውን ፖለቲካውን መሰላት ተሓሪሞም ይርከቡ። ብርግጽ ብተስፋ ናብ ህንጸትን ልምዓትን ክጥምት ዘይተዓደለ ህዝቢ ምዃኑ ህዝብና ዝሓልፎ ዘሎ ዘስካሕክሕ ኲነት ምስክር እዩ። እዚ ከይኣክል ኣብ ጸጽባሕ ውግኣት እንዳጻሕተረ ህዝብና ኣደዳ መስዋእቲ: ስንክልና፡ ስደት ወዘተ ገይርዎ ይገብሮ ከኣ ኣሎ።
እዚ ከም’ዚ ኢሉ ከሎ፣ ድሕሪ’ቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ስማዊ ናይ ሰላም መዝሙር ምጅማሩ ብዙሓት ዝተፈላለዩ ዝመስሉ ግን ከኣ ምትእስሳር ዘለዎም ኣገረምቲ ሓሳባት ካብ ክልቲኡ ሸነኻት ክዝርክሑ ይስትውዓሉ ነይሮምን ኣለዉን:: ንኹላቶም ኣዛሚድካ ክርአዩ ከለዉ ወላኳ ዝተፈኣለዩ ይምሰሉ እምበር ናብ ሓደ መኣዝን ዘመልክትዎ ነገር ነይሩ እዩ።
ብመጀመርያ፡ ምግባትን ዓመጽን ዝሕላገቱ መራሕ ጉጅለ ህግዲፍ -ኣቶ ኢሳያይስ ኣፈወርቂ- ነቲ ናይ ሰላም ጸዋዒት ዝበሃል መልሲ ክህብ ከሎ ኣቐዲሙ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኢዱ ብምእታው ጀመሮ። ንሓደ ኣካል ኢትዮጵያ ዝዀነ ሸነኽ ተሳዒርካ ኢኻ እቲ ጸወታ ከኣ ተወዲኡ እዩ ብምባል ነቲ ጸዋዒት ሰላም ተቐቢለዮ በለ። እነሆ እዚ ኣተሓሳስባ’ዚ ዝመርሖ ኣብ ዘይምልከቶ ውግእ ሕድሕድ ኢትዮጵያ ኣትዩ ሂወት ደቂ-ሰባት ክሃልቅ ንርእዮ ኣለና።
ድሒሩ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶር ኣቢዪ ኣሕመድ ናብ ኤርትራ ምስ ከደ እሳያይስ ኣፈወርቂ ድሕሪ’ዚ ኩሉ ብሰበብ ናይ ዶብ ሕቶ ውግእ ደም መንእሰያት ምፍሳስ “ኣይከሰርናን” ብማለት ጥጁእ ዕላማኡ ሰሚሩሉ ናይ ሓጎሱ ስምዒት ከም ዝገለጸ ይፍለጥ። ነቲ ባዕሉ ዝጀመሮ ውግእ ዝተኸፈለ መስዋእትን ስንክልናን ብዘየጋጊ መልክዑ ከም ዘይተፈጸመ ርእይዎ ማለት’ዩ። ብተወሳኺ ኣብ ማእከል ርእሰ-ከተማ ኢትዮጵያ ኰይኑ ኣፍ-ልቡ እንዳሃረመ ሓጎሱ ክገልጽ ተራእዩ። ምስ እዚ ኣተሓሒዙ ንሕቶ ግዝኣታዊ ዶብ ሃገር ኣመልኪቱ እሳያስ ዝሃቦ ሓሳብ ሎሚ ብዛዕባ ዶብ ዝዛረብ ሰብ ሰላም ክዘርግ ዝደሊ ጥራሕ እዩ: ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልተ ህዝቢ ኢዩ ዝብል ነቲ ሓቂ ዘይፈልጥ ጥራይ እዩ ኢሉ። ቀጺሉ ኣብ’ታ ንበይኑ ብኣቐዲሙ ዝተዳለወ ሕቶታት መደረ ዘስምዓላ ቲቪ ኤረ: ኣብዛ ሃገር ዝነበሩ ናይ ቊጠባ መሳርሕታት ኣበይ ኣለዉ? እዚ ኩሉ ዝውረየሉ ባጽዕ ከመይ ኣሎ? እቲ ዝበሃል ዝነበረ ሉል ኣበይ ኣሎ? ወዘተ ዝብሉ ሕቶታት ሓቲቱ። መራሕ ጉጅለ ህግደፍ ብግልጺ ቃላት እዩ ዘይብሎ ዘሎ እምበር ኤርትራ ርእሳ ዝኸኣለት ሃገር ኣይኰነትን ዝብል መልእኽቲ እዩ ከሕልፍ ጸኒሑ።
ናይ ኢትዮጵያ ቀዳማት ሚስተር ንልዑላውነት ሃገርና ዝምልከት መግለጺታት ከም ንኣብነት “ምቅሊትና ዓሰብ ወሲድና” ከምኡ’ውን ኤርትራ ትብሃል ሃገር ንምርካብ ዝተገበረ ድኻምን ዝፈሰሰ ደምን ትርጉም ዘለዎ ከም ዘይኰነ ብንዕቀት ክገልጾ ከሎ፣ ብሸነኽ ህግደፍ ፈጺሙ መልሲ ኣይሃበሉን። ነዚ ከምዚ ሃገር ጠቀስ መግለጺ መልሲ ክወሃቦ ይግባእ። መልሲ እንተዘይተዋሂብዎ ነቲ መግለጺ ረዲኻ ተቐቢልካዮ ኣለኻ ማለት እዩ ዘስምዕ።
ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝወርድ ዘሎ ቅዝፈት ኣመልኪቱ ዓለም ጠመተ ገይርሉ ኣሎ። ካብ ሓላፍነት ንምህዳም ዝግበር ሽጣራታት ክካየድ ይስትውዓል ኣሎ። ኣብ’ዚ ኲነታት’ዚ ኣምበሳዶር ዲና ሙፍቲ (ኢትዮጵያዊ) ዝበሎ ናይ ዝኸይድ ዝነበረን ዘሎን ውዲት መቐጸልታን ንናይ መወዳእታ ንፈተነ ምልክት ክህብ ተነጊርዎ ዝበሎ ዘሎ እዩ ዝመስል። “ወደን ገዲፈን ሰይቲ-ወደን” ከይኰነና ቀንዲ ዋና ናይ’ዚ ሓሳብ’ዚ መራሕ ህግደፍ ባዕሉ ምዃኑ ውሓኤ ከስምረሉ ይደሊ። ነዚ ኣመልኪቱ ውሓኤ እምበኣር ንናይ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ሚኒስተር ዶር ኣቢዪ ኣሕመድን ሰበ-ስልጣኑን ብዛዕባ ውሽጣዊ ጉዳይ ሃገርና ስለ ዘይምልከተኩም ኣፍኩምን ኢድኩምን ኣክቡ ይብል።
እዚ ብቓልዕ ካልኣይ መጸዋዕታ ንህዝቢ ኤርትራ እዩ። መራሕ ጉጅለ ህግዲፍ ዝምስገነሉ ነገር እንተሎ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ክገብሮ ዝደሊ እንዳነገረ እዩ ክመጽእ ጸኒሑን፥ ሕጂ’ውን ዘሎን። ብምዃኑ ህዝቢ ኤርትራ ጉዳይካ ኣብ ኢድካ ሓዞ። እሳያይስን ጉጅልኡን ንፍረ መስዋእትኻ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ኣእቲየሞ ይርከቡ። ካብ ሕጂ ንደሓር ካልእ ምልክት ከም ዘይመጽኣካ ፍለጥ። ክኸድዎ ዝኽእሉ ኩሉ ገይሮሞ እዮም። እሳያይስን ጉጅልኡን ብዛዕባ ሃገርና ኤርትራ ኣመልኪቶም ዝዀነ ስምምዕ ክኣትዉ ወይ ክፍርሙ ሕጋውን ሞራላውን መሰል ከም ዘይብሎም ውሓኤ ይገልጽ። ነዚ ካብ ህዝቢ ስዉር ኰይኑ ኣብ መንጎ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያን መራሕ ጉጅለ ህግዲፍን ዝኸይድ ዘሎ ኩሉ መልክዓት ዝምድና ድማ ብትሪ ንኹንኖ።
ክብርና ክምለስ ሓቢርና ንቃለስ!!!
ግዝያዊ ፈጻሚ ኣካል- ውሓኤ
01 ሚያዝያ 2021
You must be logged in to post a comment.