ኢሳያስ ኣፈውርቂ ኣብ ጽንተት ህዝቢ ኤርትራን ትግራይን ብ ክብሮም ግረነት

ኢሳያስ ኣፈውርቂ ኣብ ጽንተት ህዝቢ ኤርትራን ትግራይን
እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ወርሒ ሓሙሽተ ዝግበር ሃገራዊ ምርጫ ብምድንጋርን ምጭብርባርን ብዓወት ናይ ቀ.ሚ.ዓቢይ ኣሕመድ ሰልፊ ብልጽግና ክድምደም ምዃኑ ርጉጽ ገርና ንውሰዶ ፣ ከምኣ እንተኾይኑ ከኣ ኮረነል ዓቢይ ኣሕመድ ምሉእ ህዝባዊ ስልጣን ን5 ዓመት ክዓትር ስለ ዝኾነ ነቲ ውዑል ተግባራዊ ንምግባር ተክእሎታት ክኸፍተሉ እዩ ። በቲ ካልእ ወገን ኢሳያስ ኣፈውርቂ ከም ሕልሙን ድልየቱ ንኤርትራ ብፈድረሽን ይኩን ብኮንፈደረሽን ምስ ኢትዮጳያ ክትቁረን ከምኡ ከኣ ወድብ ዓሰብ ኢትዮጵያ ብነጻ ክጥቀመሉ ክህባ ዝእምቱ ኣንፈታት እዮም ዝነፍሱ ጸኒሖም ። ኢሳያሳ ኣፈውርቂ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወጽእ ብሃገራት ኤውሮጳዊ ሕብረትን ኣሜሪካን ኣብ ዝሕተተሉ ዘሎ ግዜ ፣ ብኣንጻር ናይዚ ጠለብ እዚ ፣ ኢሳያስ ኣፈውርቂ ክተት ክእውጅን ተወሰኽቲ ሰራዊት ኤርትራ ናብ ትግራይ ይሰድድ ከምዘሎ ይስማዕ ኣሎ ። ምናልባሽ ወልቀ መለኽቲ ዘይገብሩዎን ዘይብሉዎን ስለ ዘየለ ፣ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓንቲ ሃገር ኾይነን እየን ፣ ስለዚ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ መሬቶም እዮም ዘለዉ ክብለናዶ ይክእል ? ብካልእ ኣዛራርባ ኢሳያሳ ኣፈወርቂ እዚ ኣብ ትግራይ ዝፍጽሞ ዘሎ ወራር ኣካል ኢትዮጵያ ምዃኑ ስለ ዝኣመነን እተቀበለን ዶ ኽከውን ይክእል ? ብተወሳኺ ወገን ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ህሉውና ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ እናኸሓዱ እዮም ጸኒሖም ። ሕጂ እውን ዝኾነ ምኽንያታት እናፈጠሩ ፣ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ከጽእ ኣይኾነን ክብሉ ይስምዑ ኣሎዉ ። ምኽንያቱ ምውጻእ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ መወዳእታ ናይዚ ሽፍታ ኢሳያስ ኣፈውርቅን ዓቢይ ኣሕመድ እዩ ክኽውን።
እምበእር ኣብ ዝሓለፈ ዘመነ ገድሊ ፣ ተዋጋኣይ ሰራዊት ህግሓኤ ንጎኒ ገዲፍና ፣ ኢሳያስን ሰዓብቱን ክፍሕሱዎ ዝነበሩ ጥፍእ ቅልቅል ዝብል ዝነበረ ንክሕደት ሃገር ዝእምት ተግባራት ነይሩ ፣ ድሕሩ ከኣ ድሕሪ ነጻነት ከም ቀንዲ ስነ ሓሳብ ህግደፍ ተወሲዱ ብምሉእ ዓቅምን ትሕዝቶን ሃብቲ ሃገር ክስርሓሉ ዝጸንሔ ዕንወት ኣብ ኩሉ ትካላት መንግስቲ ክፍጸም ተገይሩ ።በቲ ኻሊእ ሸንኽ፡ እንተ ሪኢና ንህዝብና ከታልልዎ ዝተኸተሎዎ ሜላ ፣ ከም ደላይ ሓድነትን ሎዑላውነት ህዝቢ ኤርትራ ዝግድሶ መሲሉ ብምሉእ ሓይሉ ፣ ስሚዒት ኤርትራውያን ዝትንክፍ ደርፍታትን ድራማን ብናይ ባህሊ ጉጂለታቱን ናይ ዜና ማዕከናቱን ፣ ሰሚናራት እናገበረ ናይ ስዉኣትና ሓላዮ ተመሲሉ ገንዘብ እናደለበ ፡ ሓንጎል ደገፍቱ መዝሚዙ እሙናት ሰዓብቲ ክገብሮም በቂዑ እዩ ። ህግሓኤ ልዕሊ ዝኾነ ውድብ ንኤርትራዊ ሃገራውነት ብዘይ ምውልዋል ሃኒጽዎ እዩ ። ሕጂ ከኣ ህግደፍ ኣብ ምፍራሱ ተዓጢቁ ይርከብ ኣሎ ። እቶም ኣብ ዝተፈላላዩ ከባቢታት ብህግሓኤ ዝፈጸሙ ዝነበሩ ተወዳዳሪ ዘይብሎም ኣንጸባረቅቲ ወተሃደራዊ ዓወታት ኣንጻር ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝተዓዘበ ኣብዝሓ ክፋል ህዝብና ነዚ ጉጂለ ከም ድላይ ነጻነትን ፍትሕን ኣመና ኣሚኑዎ ፣ ንኩሉ ዝክፈል ዝነበረ ስንክልናን መስዋእትነትን ኣሜን ክብል ተቀቢሉዎ እዩ ። እቲ ጸገም እዞም ክፋል ሕብረተሰብና ኣምልኾኦም ነዚ ጉጂለ እንተ ዘይኾይኑ ዝኾነ ናይ ፖለቲካ ኣምር የብሎምን ። ስለዚ ከኣ እዮም “ንሱ ንሕና ንሕና ከኣ ንሱ” ሓደ ህዝቢ ሓደ ልቢ “ ዝብሉ። እዞም ክፋል ሕብረተሰብ እዚኦም ጉጂለ ህግደፍ ብናይ ደገ ዘንጸባርቆም ተግባራትን ጭርሖታትን ንእለቱ እውን ትኹን ንነጻናት ኤርትራ ኣሕሊፉ ከምዘይህብ እምነት ሓዲሩዎም ዝጸንሑ እዮም ።እቲ ሓቂ ግን ብኣንጻሩ ምንባሩ ሕጂ እናተጋህደሎም መጺኡ ።
በቲ ካልእ ወገን ኢሳያስ ኣፈውርቂ ዘማእክሎም ላዕለዎት ሓለፍቲ ህግደፍ ንዝሓለፋ 30 ዓመታት እቲ ፕሮጀክቲ ከመይ ገርካ ንቁጠባ ኤርትራ ኣብ ኩሉ መዳያቱን ትካላቱን ኣዳኪምኻ ፡ ኮታ ዓቅሚ ሰባ ዘይትውንን ድክምቲ ኤርትራ ብቀሊሉ ከምቲ መደባቱ ኣብ መወዳእታ ሰለል እናበለት ናብ ሑቅፊ ኢትዮጵያ ክትሕወስ ጎስጓስ ዘካይድ ድሕሪ መጋረጃ ኾይኑ ዝገልግል ናይ ክሓድቲ ጉጂለ ከኣ ኣሎ እዚ ጉጂለ እዚ ኣንጻር ድልየትን እምነትን ናይቲ ኣብ ላዕሊ ጠቂሰዮ ዘሎኹ ኣታሓሳስባ ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ ከኣ እዩ ። እዚ ጉጂለ እዚ ነዚ መደባ እዚ ከተግብር ፣ እቲ ቀንዲ ጸገም ኾይኑዎ ዝጽንሔ ህወሓት ስለ ዝኾነ ፡ ኣብዚ ናይ 2018 ናይ ሰላም ውዑል ዝብሃል ሕመረት ናይቲ ጉዳይ ብክልቲኦም ወገን ህወሓት ካብ ገጽ መሬት ምጥፍእ ነበረ ። ስለዚ እቲ ኹናት ብ11/4/2020 ምስ ተጀመረ ህግደፍ ብምሉእ ሓይሊ ወሪሩ ንህዝቢ ትግራይ ዳግማይ ከምዘይትስእ ከጽንቶ ሚሒሉ ዝተበገሰ ። ኢሳይስ ኣፈወርቂ ንህዝቢ ትግራይ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኾይኑ ክወግኦም ዝተጸበየ ኤርትራዊ የለን ። ግን ከኣ ንተሓኤ ክጥፍእ ምስ ህወሓት ከም እተላፈነ ምዝካር የድሊ ። ህግደፍ ንህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ መስዋትነት ናይ ሚእቲ ሽሕ ዝኣኽሉ ደቁ ኣሰዊኡ ዘባረሮ መግዛእቲ ኢትዮጵያ እንድገና ኣብ መግዛእቲ ክመልሶ ይደናደን ኣሎ ! ኢሳያስ ኣፍወርቂ መደባቱ ዝቅይር ሰብ ኣይኾነን ፡ እንተ ኾነ ግን ግዜን ኹነታትን እናተጸበየ ትልምታቱ ከተግብር ዝጽዒት ሰብ እዩ ። እቲ ፍታሕ ምውጋዱ !
ኣብ መወዳእታ ፡
ብንጹር ክቅመጥ ዘሎዎ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ህዝብታት ኤርትራን ትግራይን ክህሉ ዝክእል ዝምድናታትን ርብሓታትን ተወዲኑ ክትሓዝ ኣሎዎ ። መደባት ኢሳያስ ኣፈውርቂ ንከይሰልጥ ዝደሊ ኤርትራዊ ምስ ሕዝቢ ትግራይ ከምቲ ናይ ዘመነ ተጋድሎ ምትሕግጋዝ ምፍጣር ክቅበል እምበር ኻልእ ምርጫ የለን ። ንግደ ሓቂ እዚ ኩሉ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፈጸም ዘሎ ግፍዕታት ብወገን ክልቲኦም ዓመጽቲ ወልቀ መለኽቲ ህዝቢ ትግራይ ንናይ ህዝቢ ኤርትራ ረፈረንዱም ክሳለጥን ውጺኢቱ ስለ እተቀበለን ምዃኑ ክፍለጥ ኣሎዎ ።ኣብ ዋዓላ ሎንዶን 1991 ኢሳያስ ኣፈውርቂ ዘቅረቦ እማሜ ኤርትራን ኢትዮጵያ ን5 ዓመታት ብኮንፈደረሽን ክጽንሓ ፡ ናይዚ ኮንፈደረሽን መራሒ ከኣ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ክኽውን ዘቅረቦ ሓሳብ ብመለስ ተነጺጉ እዩ ዝብሃል ። መንእሰያት ትግራይ ኣብ ጎቦታት ሳሕል ህግሓኤ ክይጠፊእ ብኣሸሓት ህወቶም ከም ዝከፈሉ ኣብ ታሪኽ ምዝጉብ እዩ ። እንተኾነ ክሳብ ሕጂ ክልቲኡ ህዝብታት ካብ ዝሓለፈ ቓልሲታቱ ኣይረብሔን ፡ተጎዲኡ ደኣ እምበር።
ኣምላኽ ህዝቢ ኤርትራ ይባርኽ
ዘለዓለማዊ ዝክሪ ንስውኣትና
ክብሮም ግረነት
4/7/20121
You must be logged in to post a comment.