ደወል

ደወል ብ ፍትዊ ክፍለ ምስ ብዙ ቡቱኞ
ደወል (ቃጭል) ማለት፣ ተወቒዑ ብድምጺ ናይ ስራሕ ወይ ናይ ዕረፍቲ ግዜና ከም-ዝኣኸለ እንዝከረሉ ሓጺን እዩ፡ኢሎም ይገልጽዎ
ጸሓፍቲ መዝገበ ቃላት ፡፡

ሕሰብ ኣስተውዕል ተማራመር ተባራበር
ነዚ ኣርእስቲ ክንመርጽ ከሎና ፡ደወል ንኽንባራበርን ፍትሓዊ ቃልሲ መስርዑ ከነትሕዞ፣ መሰል ወዲሰብ ክሕሎ፣
ስርዓተ-ሕጊ ክትከል ኣብ ክንዲ ምቅላስ፣በቢ እዋኑ ዝተፋላለዩ ሓቤረታትን ትንባሄታትን ተፈጽሞታት ኣብ
ውሽጢ ሃገርን ኣብ ጎረቤታትናን በዚ ማፍያ ደስቡጣ ስርዓት ኢሳያስን ጉጅሉኡን ብዝፈጸምዎ፣ ንዕኡ ንምትንታን
ምርቃቓ/ምፍልሳፍ ወይ ምምርማር ግዜና ነሕልፎ። ከይተረዳኣና ክኣ መስርሕ ናይቲ ገባቲ ኣጽናቲ ስርዓት
ብምዃን በቲ ንሱ ዝሰርዖ አጀንዳ ንጓዓዝ ፡፡ ሓጂስ ይኣክል ካብ ዝብሃል ዳርጋ ሰለስተ ዓመት ሓሊፉ እታ
መፍትሕ ናይ ፍትሓዊን ሓበራዊን መስርሕ ግን ኣይተረኽበትን።
ደወል፡ ካብ’ታ ብሓይሊ ብረትን ብረፈረንዱም ህዝብን ዘራጋገጽናላ ንጽነትና ጀሚሩ፣ብዙሕ ግዜ ናብ ፍትሓዊ
ቃልሲ ዝዕድም ተደዊሉ። ቅድም ኣድማ ተጋደልቲ ሲዒቡ ኣድማ ኣካለ ጹጉማን ወሲኹ ኣድማ ተማሃሮ
ዩንቨርሲቲ ብዝዓበየ ሕቶ ጂ/15 ከምኡ መገለጺታት ናጻ ጋዜጣታት ዝስዓቦም ምሕያር/ምእሳር፡ ምምካን ማርሻ
ሓርነት ወዲ ዓሊ፣ ሓለፍቲ እምነታትና ምቕያድ፣ ንኹሉ ክቃወም ዝፈተነ ምዕሻግን ምጭፍላቕን ቃጭላት
እናትሃርመ ከሎ፡ ሰኣን ሓቢርካ ምቅላስን ብሓደ ድምጺ ምዝራብን፣ ደሃይ ሓርነት ሰማዒ ዘይረኸበ ወይ ዘይብሉ
ተሪፉ ክባሃል ይካኣል ጥራይ ዘይኮነስ እዚ ማፍያዊ ደስቡጣ ስርዓተ ኢሳይስ ክቕጽል ዕድል ሂብናዮን ነቲ
መበገሲኡን ትምኒቱ ወይ ሕልሙ ንምትግባር ዘኽእሎ ዕድል ከካናውን ግዜ እዉን ሂብናዮ። እዚ ምስ ሕልናዊ
ወቐሳ ካብኡ ሓሊፉ ስጋብ ገበን ክቑጸር-ዶ ኣይክእልን ይመስለኩም።
ከም እንካታተሎን እንርእዮን ዘሎና ኢሳያስን ጉጅሉኡን እንሆ ስጋብ ሕጂ ንህዝብና፡ ከም ኡሱራቱን ዑሱባቱን
ገይሩ ብዘይ ድልየትና ብሓይሊ ኣብ ዘይምልከተና ደማዊን ውግእን ምጽናት ህዝቢ ሸኺሉና ይርከብ፡፡ ንሃገርና
ክኣ ኣብቲ ንሳላሳ ዓመት ብረታዊ ቃልሲ ኣካይዱ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ልእላዊት ሃገር ክትከዉን ዘብቅዐ፣
ጥምሕቶን ሕልሚን እዚ ከዳዕ ማፍያ ደስቡጣ ኢሳያስ ንምዕጋብ፤ ነዛ ብተፈጥራዊ ተውህቦኣ ንነብሳ ኺኢላ
ንኻልእ ክትዕንግል እትኽእል ሃገር፡ ብማሕበራዊን ቁጠባዉ ፖለቲካዊን ኣምበርኺኹ ናብቲ ህዝብና ከይደለዮ
ፈደረሽን ወይ ኣምሰላዊ ኮንፈደረሽን ብዝብል ንድሕሪት ክመልሰና ይጓየይ ኣሎ።
ብወገን ደምበ ፍትሒ ኣብ ክንዲ ጠጠርኒፍካ ብሓደ ድምጺ እምቢ ናጽነትና ኣሕሊፍና ኣይንህብን ምባል፡
ኣብቲ ናቱ ኣጀንዳ ብምምርኳስ ብዛዕባ ፈደረሽን ወይ ኮንፈደረሽን ክንትንትን ክንፋላሰፍ ንውዕል። ዘገርም
መዓስ ኢና ደኣ ንሕና ብናትና ኣጀንዳ ክንዛረብን ክንሰርዕን። ናትና ዛዕባ ኣብዛ እዋን እዚኣ ሓደ ብሽም ኩላትና
ክዛረብ ዝኽእል ኣካል ብኸመይ ነቑሞ ጥራይ እዩ ክኸዉን ዝግብኦ፡፡
እዚ ደወል’ዚ ካብ ተጠንቀቅ ንላዕሊ ዝጽውዕ ምዃኑ ምስትውዓልን ምብርባርን ጥራይ ዘይኮነስ፤ ከይ ደቀስና
ጻዕርታትና እነበርትዓሉ፣ ሓበራዊ ስርሓትና እነካይደሉ፣ ብሓደ-ድምጺ እንዛረበሉ፣ ካብ እምቢ ንላዕሊ
ስጉምትታት ዝውሰደሉ ኮይኑ ይርኣየና፡፡09/04/2021
ኣብ እንታይ ንግበርን ከመይ ዝበለ ኣጋባብ ቃልሲ ነካይድ ዝብል ፍልስፍና ተዋሒጥና ወይ ከም ሕክመናዊ
መጥባሕቲ ክትገብር ከለኻ ዝወሃበካ መደቀሲ ፈውሲ፡ ኣብ ነንሕድሕድና ዝነበረን ዘሎን ሕማም ምርሕሓቕን
ምጥርጣርን ጢሕልናሉ ዞሎና ዓሚቕ ዒላ ንሰውነትና ካብ ናይ ቅርሕንቲ መግዛእቲ ነጻ ዘየውጻእናያ፣ ንነብስና
ጎዲኢና ጸገም ፍትሓዊን ህዝባዊን ቃልሲ’ዉን ንኸዉን ኣሎና፡፡
ኣብ ዝሓለፈ ኣርእስቲ ጹሑፍና ተናገር ከም ሓሳብ/ውጥን ወይ እማመ ዘቕረብናዮ ብምድጋም፡ ሓንቲ ነባሪት
ሽማግለ፣ ንሱ ጥራይ እትሰርሕ ካብ ኩሉ ሕብረተሰብና ዝወጸት፡ ስፍሕ ዝበለ ቁጽሪ ዝሓቖፈት፣ ኣለዉ ዝባሃሉ
ሰብ-ቶሞክሮ፣ ሙሁራት ኣካላት፣ሰብ-ሞያ፣ ሓለፍቲ ሃይማኖት፣ ደቂ ኣንስትዮ፣ መንእሰያት ዘለውዋ ፡
ኣዋሃሃዲት-ሽማግለ ወጺኣ፣ ዝተፋላለየ መደበ ስርሓት ሰሪዓ ንድልየትን ጠለባትን ህዝቢ እተተግብር፣
ብፍላይ ክኣ ሙሉእ ሓላፍነት ሃልይዋ፣ ናብ ኩሉ መድርኻት ዓለም ባይቶ ሃገራት ዓለም ሑቡራት ሃገራት
ኤውሮጳን ኣፍሪቃን ሊግ ዓረብን ኣስያን ኮታ ናብ ኩሎም መንግስታት ዓለም ጥርዓንን ድልየት ህዝብናን
እተስምዕ ግዝያዊ ውክልና ከም ዝህልዋን ሕጋዊትን ውድዓዊትን ምዃና እነራጋግጸሉ ክኸዉን ዝብል ነይሩ፡፡
ሕጂ’ዉን ንደግሞ ኣሎና፡፡
እዛ ሽማግለ ኣብ ርእሲ ብስም ኩላትና ምዝራብን ምውካልን፡ነቲ ኩሉ ህዝቢ ዝጠልቦ፣ ናይ ለውጢ ባይታ
ንሙሉእ ህዝቢ ዘሳትፍ መደባት እትሰርዕን እተጣጥሕን ኮይና ኩሉ ሰብ ዓቕሚ ብምትሕብባር ተግባርነቱ
ኣወንታዉን ተግብርነታዉን ንምዃን ሁጹጽን ጽባሕ ዘይባሃሎ እዋን ምዃኑ ደጊምና ንጽውዕ።
እዛ ንኹሉ ወኪላ እትሰርሕ ናይ ሓባር ሽማግለ ኩሉ ንፍትሒ ዝቃለስ ይቕበሎን ይደልዮን እዃ እንተኾነ፡
ብኸመይን ከመይ-ጌርካ ትቐዉም፣ እንታይ ዓይነት ስም ንሃባ፡ ኣብ ዝብል መወዳእታ ዘይብሉ ክትዕ ክጽመድዶ ይግባእ ይምስለኩም ? ።
እቲ ድልየት ባህጊ ትምኒት ሓደ ካብ ኮነ፡ ንምትግባሩ ዝኣክል ጉዱሳትን ኑጡፋትን ዜጋታት ተበግሶ ብምውሳድ
ሓደ (Platform) መድረኽ/መደብ ብወለንተኛታት ክጅመር ይካኣል ዝብል ራኢ ኣሎና። ነዚ ብሁጹጽ ክውሰድ
ዘለዎ ተበግሶ ብዙሕ ደገፍ ከም ዝረክብ ተሞክሮ ናይ ይኣክል ከም መዘክር ክንጥቀም ንኽእል ኢና። እቲ
ክንምከረሉ ዘሎና ፍኑውን ኣጋባብ ዘይሓዘን መዓላኡ ዘይኣመተ ከይከውን ምእንቲ፡ብመጽናዕትን ኪኢላትን
ምኩራትን ዝተሰነየ ኑጡፍ ግደ ክዋሱኡ ምስ ዝካኣል፡ ውጺኢታዊ ይኸዉን ዝብል ግምት ኣሎና፡፡
እቲ ዘድሊ ተበግሶ ምውሳድ ቆራጽነት ዘለዎም ዜጋታት ብምርኻብ ግዚያዊትን ምስ ግዜ adhesion ሰዓብትን
ደገፍትን ስለ እትረክብ ንኹሉ በበቲ ዝኽእሎ ሞያኡ መደባቱ ሰሪዑ ክሰርሕ ምግባር ይካኣል፡፡ ሙዑቡል
መራኸቢ ብዙሃን ብምጥቃም ቀልጢፉ ዝዝርጋሓሉን ዝዓብየሉን ኣጋባብ ክኽተል ይኽእል፡፡
ህዝብና ብሰንኪ ንሕና ንሰውነትና ብጉቡእ ክንውድባን እቲ ግዜ ዝሓቶ ቃልሲ ከነካይድ ዘይምኽኣልና ካብቲ
ተጨኲንዎ ዘሎ ከነጋላግሎ ግደና ዘይምግባርና፣ ካልእስ ይትረፍ ሕልናዊ/ሞራላዊ ከኽስሰና ከም ዝኽእል ጌና
መልሲ ዘይረኸበ ሕቶ እዩ፡፡
ከምቲ ዓበይቲ ፈላጣት ዝብልዎ፣ መሰረት ናይ ሓደ ሲቪላዊ /በርገሳዊ ሕብረተሰብ ብምትእኽኻብ ውልቀ ዜጋ
እዩ ዝቐዉም፡ ወይ ክኣ እቲ ሕብረተሰብ እዩ ቅርጺ፣ መሳርዕ ብምሃብ ባህላዊ ክብሪ ሞራላዊ/ሪም ዘትሕዞ ?
ቅድም ናይ ህዝቢ ድልየትን ረብሓን ሕብረተሰብ-ዶ ይዋሃቦ? ወይስ ድልየትን ረብሓን ውልቀሰብ ?እዮም ዝብሉ
ሕቶታት ይስዕቡ። ኣበይን መዓስን’ዮም ዝዋሃሃዱ፣ መሰል ውልቀ ዜጋን ሓበራዊ ረብሓን፣ ህዝባዊ ፍትሒን
ማዕርነትን፣ ብቕዓታዊ-መረጻ፣ ጥምረት ወይ ሓድነት/ምሕዝነት ዝብል ወኸሳ ንምምላስ ጺዒሮም ጌና’ዉን
ይጽዕሩ ኣለዉ፡፡
ብናትና ወገን’ዉን ብፍላይ ደምበ ፍትሒ መልሲ ዘይረኸበ ሕቶ እዩ። ሙዑቡል ስነ-ሓሳብ ናይ ሓደ ሕብረተሰብ
ኣብ ውህደትን ሲኒትን ሓደ ማሕበረ-ሰብ ዝካናወን፣ ረብሓ ውልቀ ዜጋ ዝሕለወሉ ባይታ ክህሉ ከሎ እዩ።
ይኹን-እምበር ረብሓታት ማሕበረሰብን ውልቀ ዜጋን ኣብ መብዛሕቱኡ እዋን ብቐሊል ኣብ ግርጭት ዘእቱ
እዉን እዮም። እቲ ኣብ ሞንጎ ማሕበረ-ሰብን ውልቀ ዜጋን ዝፍጠር ናይ ረብሓ ግርጭታት ዘርግእ ጉቡእ
መልሲን ኣጋባብን ምስ ዝርከቦ ሱሩዕን ሱጡምን ስኒትን ዘለዎ ማሕበረ-ሂወት ዝብሃል፡፡09/04/2021
ብኸመይ መልክዕ ክተዋሃህዶ ? ንመን ጎዲኡ ንመን የርብሕ ? ብቐዳምነት ናይ ሕብረተሰብ-ዶ ወይስ ውልቀ
ዜጋ ረብሓ ? ኣብ (XVII) ዓሰርተው ሸውዓተ ክፍለ ዘመን፣ ብስነ-ሓሳብ ሕገ ስነ-ተፈጥራዊ ሰረተ-እምነትን፤
ውዑላዊ ስነ ኣምር ክዝተየሉን ክስነዱሉን ምስ ተጀመረ እዩ፤ ሓደ ሕብረተ-ሰብ ህላውነቱ ዘራጋገጽ ብድልየት
ናይ ውልቀ ዜጋ ገለ-ክፋል ካብ ናይ ገዛእ-ርእሱ ረብሓ ብምግዳፍ ንረብሓ ማሕበረ-ሰብ ምስ ዘውዕሎ ሰላም
ስኒት ዝዓዘዞ ብሓባር ምንባርን ረብሓ ሓደ ሕብረተ-ሰብ ዝራጋገጽ ይብሉ።
ብኣንጻሩ መሰረት መሰል ውልቀ ዜጋ ዘቕድሙ ፍላስፋታት’ዉን ነይሮምን ኣለዉን። ከም ኣብነት ሰውራ ኣመሪካ
ብቐዳምነት ናጽነት ውልቀ-ሰብ ከቐምጡ ከለዉ ፣ ናይ ፍረንሳ ሰውራውያን (ናጽነት፣ማዕርነት፣ ሕውነት) ዝብል
መሰርተ ቃልሲ ከም ዝነበረ ክንዝክር ንኽእል፡፡
እዚ ፍልስፍና ብጥልቂ ክንዛተየሉ ዘይኮነስ እቲ ተበግሶ ውልቀ ሰብ ኣብ ጠቕሚ ሕብረተሰብ ስጋብ ክንደይ
ኣገደሳነት ስለ ዘለዋ ኣብዚ እዋን’ዚ ክኣ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ብቐዳምነት ልእላውነት ሃገርን ሓድነትን ህዝብን
ንምሕላው፣ ኣብ ክንዲ ናይ ግለኻን እትዋሳኣሉ ውድብ ምንቅስቓስ ጠቕሚ፡ ቀዳምነት ምሃብ፣ ኩሉ ሓይልን
ጽዓትን ምእንቲ ሃገር ክትልዓልን ክትብገስን ምእንቲ ኢልና፡ ነዚ በቢ ዓይነቱ ክትዓት ዘተታት ተበግሶታት
እንርእዮን እንሰምዖን ዘሎና ኣብ ጎድኒ ገዲፍና እታ ቀንድን ኣድላይትን ንዓና እትኸዉን ዓለምለኽ
ኮሚሽን(Commissary) ወኪል ህዝቢ ወይ ልኡኽ-ህዝቢ ዝኾነ ክንገብር ክንበቀዕ የድሊ ካብ ምባል ዝነቐለና
ሓሳብ ተሞርኲስና ኢና፡፡
ከም ካርል ፖፐር(Karl Popper)ዝበሎ፣ ክውንነት ኣወንታ ሓደ ዓይነት ውዱእ/ዉሁብ ዘይኮነስ ብኣንጻሩ ንሱ
ምስ ግዜ ዝልወጥ ፣ ወድሰብ ክኣ ባዓቕሙ ቆላሕትኡ ወይ ነቲ ምስጢሩ ክፈልጦ ምእንቲ ክኽእል፡ ከምቲ
ሶክራተ፣ ኣነ ዓቕሚ ፍልጠተይ ንኡስ ዝበሎ፡ ኩሉ ግዜ ብስራሕ ወይ ብግብሪ እናፈተነ ጌጋታቱ ብምእራም ነቲ
ንሱ ዝደልዮ ራኢ ክበጽሖ ዘየኽእሎ ነገር ኣይህሉን፡ ክብል ከሎ ዘዘክረና !!፤ ንሕና እዉን ክፈላለየና ዘይኽእልን
ንኹላትና ዘታሓባብርን ሓድነትና ዘጠንክር ብፍላይ ክኣ ምስቲ ኣብ ውሽጢ ሃገርና ዘሎ ምትእስሳር ኣዳዊሕምብርቲ(Navel) ህዝብና ዘይበትኽ ተበግሶ እንተወሲድና ባህግናን ድልየትና ክንበጽሖ ከም እንኽእል
ዝጣራጥር የለን፡ ተምክሮ ኣቦታትና መምህር ክኾነና ይኽእል እዩ። ብጹቡቕ መንፈስ ጥራይ ክንብገስ ንላቦ፡፡
ሕጂ’ዉን ንሕሰብ ነስተውዕል ንማራመር ንባራበር
ኣዳለውቲ ፍትዊ ክፍለ ምስ ብዙ ቡቱኞ

Leave a Reply

Please log in using one of these methods to post your comment:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.