ድሕሪ መጋረጃ ተሓቢእኻ ፡ ተልእኾ ምፍጻም ብ ክብሮም ግረኔት

ድሕሪ መጋረጃ ተሓቢእኻ ፡ ተልእኾ ምፍጻም
ኣብዛ እንነብረላ ዘሎና ዓለም ብኣሸሓት ዝቁጸሩ ጋዜጠኛታት ተዋፊሮም ይርከቡ ። ስርሖም ከኣ ብቁርጡው ኣጋባብ ሓቀኛ ዜና ናብ ህዝቢ ዓለም ምዝርጋሕ እዪ ። ኣብዚ ዘሎናዮ መድርኽ ይኹን ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ብዙሓት ጋዜጠኛታት ህዝቢ ምስ ህዝቢ ዘናቁት ሓቅነት ዘይብሉ ወሬ ወዲ ወሬ እናዘርግሑ ወዲ ሰብ ከምዝሃልቅ ዝገበሩን ይገብሩ እውን ኣሎው። ኣብ ሞያ ጋዜጠኝነት ዝወፍሩ እሞ ብስነ ምግባር እተሃንጹ ኣብ መንጎ መንግስቲ ህዝብን ዘሎ ርክብ ኣብ ምድልዳሉ ዓቢይ ተራ ኣሎዎም ። ኣብ ኣሜሪካ ዝበዝሑ ኣብ ምሕደራን ፊናንስ ዝፍጸሙ ገበናት ናብ ቓሊዕ ዘውጽኡ ህዝባዊ መድያታት እዮም ። ስለዚ ከኣ እዮም ከም 4ይ ትካል መንግስቲ ዝርኣዩ።
እምበኣርከስ ሎሚ ርእይቶ ክህብ ዝደረኸኒ ፣ ሓንቲ ኣርእስቲ ብሓደ ማቴዎስ ዘልኣለም ዝብሃል እተደርሰት ኾይና ኣብ ዘዋሪ ትሕቲ መስመር ተዘርጊሓ ትርከብ ። ኣርእስታ “ ፈሲ ናይ እተምልኾ ሰብ ኣይሽትተካን እዩ “ ትብል ።እቲ ኣርእስትን እቲ ከርሲ ናይቲ ጽሑፍ ከዛምዶ ፈቲነ ግን ከኣ ክጥዓዓመለይ ኣይክኣለን ። ማቴዎስ ዘልኣለም ዝብሃል መግለጺታቱ ዝፍንወሉ AAN MEDIA ምዃኑ ይፍለጥ ። ማቴዎስ ዘልኣለም ናይ ብርዒ ሽም እዩ ዝብሉ ሰባት እውን ኣሎው ። ስለዚ AAN MEDIA ማቴዎስ ዘልኣለም ዝብሃል ደራሲ ወይ ጋዜጠኛ እንተ ኣሎኹም ብወግዒ ምስ ህዝቢ ኣፈልጥዎ ። ብርዒ ሽም ዝጥቀሙ ሰባት ኣብ ከርሲ ጸላኢ ዝነብሩ ኣብ ህወቶም ሓደጋ ናይ ሞት ዘንጸላልዎም እዮም ። ምክንያቱ ዝኾነ ጋዜጠኛ ዝግዝኣሉ ሕጊ ኣሎዎ ። ዝኾነ ዝዝርግሖ ሓበሬታ ካብ ክልተ ንላዕሊ ብዝኾኑ ሰባት ከረጋግጾ ኣሎዎ ። እዚ ከኣ ነቲ ሞያ ብዓብኡ ከኣ ነቲ ጋዜጠኛ ክብሪ ይህቦ ። ከምኡ እንተ ዘይገይሩ ግን ግዜ ይንዋሕ ይሕጸር እቶም ኣብ ልዕሊኦም ጸለመ እተፈጸመ ዜጋታት ፍትሒ ክጠልቡ ናይ ግድን ይኸውን ።
ማቴዎስ ዘልኣለም ኣብ ጉዳይ ብልሽውና ንዘቅረቦ ትንተና ኣይኾንኩን ዝነቅፍ ዘሎኹ።እንታይ ደኣ ኣብቲ ኣቓራርባኡ ንተጋ.መስፍን ሓጎስ ገንሸል ንምግባር ምድፋሩ እዩ ። ማቴዎስ ዘልኣለም ተጋ መስፍን ሓጎስ ኣብ ስደት ኣብ ዝነብረሉ ከባቢ ኢሉዎ ዝብሎ “ ኢሳያስ ናይ ስልጣን ምግባት ህርፋን እምበር ካብ ብልሽውና ነጻ” እዩ ከም ዝበለ ይጠቅስ። እንተኮነ መብሪሂ ናይ ዝተባህለሉ መዓልቱን ዕለቱን ብታኡን ምስ መን እቲ ናይ ሕቶን መልስን ከም እትገብረ ኣይገልጽን ። ከምኡ እውን ድምጺ ናይቲ እተባህለ ሕቶን መልስን ንህዝቢ ከይኣቅረበን ፡ ብድፉኑ ግን እመኑኒ መስፍን ሓጎስ ንህዝቢ ኤርትራ ጉጉይን ኣዳናጋርን ሓበሬታ ኣማሓላፉ ክብል ይኽስስ ።ብተወሳኪ እውን መስፍን ሓጎስ ብዛዕባ ብልሽውና ዓሚቕ ፍልጠት ኣይነበሮን እናበለ ይገልጽ ።
ካብቲ ኣርእስቲ እንተ ተበገስና እውን ተጋ መስፍን ሓጎስ ንእሳያስ ኣፈወርቂ ስለ ዘምልኾ ኢሳያስ ብልሽው እንክሎ ተጋ መስፍን ሓጎስ ክሽትቶ ወይ ክፈልጦ ኣይከኣለን ዝብል መረዳእታ ወይ መደምደምታ ኢካ ተበጺሕ ። ተጋ መስፍን ሓጎስ ኣሉታውን ኣውንታውን ተግባራት ኢሳያስ ኣፈውርቂ ኣብ ድምጺ ሓርነት ገሊጹዎ እዩ ። ሓደ ፍትሓዊ ዝኾነ ሰብ ኣሉታዊ ተግባራት ጥራሕ ተንቲኑ ደው ኣይብልን ፣ እንተላይ እቲ ኣውንታዊ እውን ክግለጽ ኣሎዎ ። ኢሳያስ ኣፈውርቂ ዝገብሮ ኩሉ ኣብ ህዝባዊ ግምባር ዘሎ መርሕነት ይፈልጦ እዩ ዝብሉ ሕደት ኣይኾኑን ። ማቴዎስ ዘልኣለም ቅድሚ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ወፍሪ ትወፍር ፡ ቁጽሪ ስልኪ መስፍን ሓጎስ ኣጣይቅካ ንጉድይካ ሽፋን ክትገብረሉ ሓደ ካብ ሞያኻ እዩ ነይሩ።
ተጋ መስፍን ሓጎስ ጆርናሊዝም ከጽኒዕ ኣይኾነን ብ1967 ናብ በረኻታት ኤርትራ ኣብ ሰዊት ዕድሚኡ ዝወፊረ ፣ ነቲ ዝወፈረሉ ዕላማ ከኣ ኹናት ኣፍዓበት 1988 ብዘደንቅ ትልሚ 22,000 ሽሕ ሰራዊትን 80 ታንክታት ናዶው ክድምሰስ እንክሎ ፡ እንደገና ምስ ብጾቱ ብ1991 ግምባር ደቀምረ መሪሑ ጸላኢ ደርዒሞም ኤርትራ ነጻ ካብ ዘውጽኡ ጀጋኑ ሓደ እዩ ። ሎሚ ኮር ተገምጠል ኾይኑ ፡ ዝኮነ ኣፍ ዘውጽኤ ክዳፈር ምርኣይ ብጣዕሚ ዝሕዝን እዪ ። ኤርትራውያን ከም ህዝብን ሃገርን ኣብ ታሪኽና እንዝክሮም ጅጋኑ ተጋደልቲ ክህሉውና እዮም ። ነዚ ዝክሕዱ ታሪክ ዘይብሎም በተኻት እዮም ምጥቓሶም እውን ኣየድልን ።
ኣበው እንታይ ይብሉ” ኣናፋፍራ ቆቓሕ ዘይፈልጥ ኣይሃዳናይን “እዚ ድርሰት እዚ ኾነ ተባሂሉ መድረኽ ሓሊዩ እተገብረ ጉዳይ እዩ ። ስለ ምንታይ እዩ እዚ መላግቦ ናይ ኢሳያስን መስፍን ብስእሎም ተሰኒዩ ከም ኣብነት ክመጽእ ተደልዩ ? ሎሚ ክንዛረበሉ ኣይንክእልን ንኸውን ግን ምቅናይ ጽቡቕ እዩ ። መስፍን ሓጎስ ኣባል ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን እዩ ። ስለዚ ኣባል ውድብና ከምኡ እውን ዝኾነ ኤርትራዊ መርትዖ ብዘይብሉ ጸለመ ኣብ ልዕሊኡ ክፍጸም ሱቕ ምባል ከም ምርጫ ክውሰድ ኣይከኣልን እዩ ።
ኣብ መወዳእታ
ኣዚ ሎሚ ዘሎናዮ መድረኽ ሃገርና ካብ ኣትያቶ ዘላ ሓደጋ ንምድሓን ፖለቲካውያን ውድባት ኣብ መስሪሕ ናይ ሓድነትን ናይ ሓባር ጽላልን ኣብ ምምስራት እናሰርሓ ፣ ከምኡ እውን መንግቲ ኣብ ስደት ንምምስራት ዝቀረበ ሓሳብ ኣብ ክትዕ ወሪዱሉ ኣብ ዘለወሉ እዋን ከምዚ ዝኣመሰለ ወፍሪ ጸለመ ንረብሖ መን እዩ ክኸውን ? እዚ ሓቂ ዘይብሉ ዘይሓለፍነታዊ ትግባር እዩ ። መስፍን ሓጎስን ብልሽውናን ዝፍለጥ ሰብ ኣይኾነን ። ብልሽውና ንምግላጽ መስፍን ሓጎስ ክትጥቀም ባይታ የብልካን ። ይቅሬታ ምሕታት የዋጸኣኻ ይኽውን ።
ብ ክብሮም ግረኔት
12 ሚያዝያ 2021
You must be logged in to post a comment.