ልፍንቲ ፡ ብ ክብሮም ግረነት  

ልፍንቲ ፡

ክብሮም ግረነት

                      ልፍንቲ ማለት በቲ ልሙድ ትግርኛ ፣ ከም ኣብነት ክልተ ሓረስቶት ሓድ ሓደ ኣብዑር ዝውንኑ፣ ልፍንቲ ገይሮም ሓደ መዓልቲ ሓደ ክሓርሶም ይውዕል ድሕሪኡ ከኣ እቲ ክልኣይ ሓረስታ ክሓርሶም ይውዕል ። ብእብረ ማለት እዩ። ምክንያቱ  ኣብ ገለ ክፋል ሕብረተሰብና ብሓደ ብዕራይ ምሕራስ ልሙድ ስለ ዘይኾነ ። ስለዚ እቶም ክልተ ሓረስቶታ  ውዑሎም ናይ መሬት ዋንነት ኣይኾነን እንታይ ደኣ ክልቲኦም ናይ ሓባር ጥቅሚን ረብሓን ስለ ዘለዎም እዮም ። ብከምዚ ኣጋባብ ተሓባቢሮም እንተ ዘይሰሪሖም ጥሜት ኣብ ስድርኦም ኣትዩ ክሳቅዮም ስለ ዝኾነ እዩ ።ኣብ ካሊእ ስርሓት እውን ምልፋን ከምዘሎ ምግንዛብ ከድልየና እዩ ። ስለዚ ቅቡል መርገጽን ዝድገፍ ሓሳብን እዩ ።ስለዚ ልፍንቲ ማለት ፣መሬት ኤርትራ ንኤርትራውያን ፣ መሬት ትግራይ ከኣ ንተጋሩ እዩ ።

                      ኣብ መወዳእታ 80ታት ህ.ግ ልፍንቲ ክትብል እንከላ ፣ ተሓኤ ከኣ ሓድነት ትብል ነይራ ። ስለዚ ሓደ ግዜ ኣብ ካርቱም ሱዳን ምስ ስሩዓት ህግ ኣብ ክትዕ ምስ ኣቶና ነታ ልፍንቲ እትብል ቓል ብከምዚ ኣብ ላዕሊ ዘላ ገርና ገሊጽናሎም ፣ ስለዚ ልፍንቲ ማለት ህግ ናታ መሬት ተሓኤ ከኣ ናታ መሬት ኣሎዋ ማለት እንድዩ ከሰሚዕ ፣ ኣብ ክንዲ ሓንቲ ኤርትራ ምስ በልናዮም ክላ “ ንስካትኩም ኣይፈለጥኩምን ፡ ልፍንቲ ትርጉማ ቀይራ እንዲያ “ ኢሎምና ነይሮም ።   

  ኣብዚ ዘሎናዮ መድረኽ ኤርትራውያን ኣብ ፖለቲካዊ ኣራኣእያ ኣብ ክልተ ተፈላሊና ኣሎና ። ሓደ ወገን ካብ መሬት ትግራይ መንጠሪ ገርና ክንሰርሕ ኣሎና ፡ ከምኡ እውን ምስ ህወሓት ናይ ስራሕ ልፍንቲ ምግባር ከዋጽኣና ይክእል እዩ ፡ ክብሉ እንከለዉ ። መበግሲኦም ኣብ መንጎ ህ.ግ.ሓ.ኤን ህ.ወ.ሓ.ት ኣቀዲሙ እተፈተነን ኣብ ተገባር ዝተራእያ ዕውት ልፍንቲ ምንባሩ ይገልጹ ። ሕጂ እውን እንተኮነ ኣብ ከምኡ ዝኣመሰለ ስምምዕ ምብጻሕ ወሳኒ እዩ ፡ ህግደፍ ናይ ሓባር ጸላኢና ስለ ዝኾነ  ክንስዕሮ ግድን ኣብ ልፍንቲ  ክንኣቱ ኣገዳሲ ምዃኑ ይኣምኑ ።

በቲ ካልእ ወገን ምስ ህወሓት ብፍጹም ዝኾነ ይኹን ዝምድና ክህሉወና የብሉን ብሃልቲ ኣሎው ። ተኽተልቲ ርእይቶ ናይዚ ወገን እዚ  ፣  ሕሉፍ ጽልእን ካብ መጠን ንላዕሊ ዘየለ ፍርሒ ዝሓደርሮም እዮም  ። ርእይቶ ክቅበሉ እውን ፍቃደኛታት ኣይኾኑን ። እቲ ንሶም ዝብሉዎ ጥራሕ ክስማዕ ይደልዩ ። ብተወሳኪ ነዚ ናይ ኢሳያስ ኣፈውርቂ ጉሁድ ጥልመት ፣ንኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ንምሕዋስ ዝግበር ዘሎ መደባት ብኸመይ ክገጥሙዎን ደው ከብሉዎን ራኢ የብሎምን ። ጉዳዮም ይቀልጥፍ ይዶንጉ ኢሳይስ ኣፈውርቂ ክወድቅ እዩ ስለዚ ሱቅ እልና ንጸበ በሃልቲ እዮም። ካብ ምስ ህወሓት ምስራሕ ፣ህግድፍ ህገር ጠቅሊሉ ናብ ኢትዮጵያ ምሕዋስ ይበልጾም ። እንተኾን ድሕሪ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝመጽእ መልኣኽ ዲዩ ክኽውን ወይስ ሰይጣን ዝፈልጦ ሰብ የለን  ።

                      እቶም ኤርትራ ነጻን ልዑላዊት ኾይና ክትነብር ዝድልዩ ምልፋን ምስ ህወሓት ከም ኣማራጺ ይወስድዎ ። ኣብዚ ክበርሃልና ዘሎዎ ኣብ ዝሓለፈ መድረኻት ኣብ መንጎ ህ.ግ ወ.ህ.ሓ.ት ብዙ ደስ ዘየብሉ ነገራት ተፈጺምም እዮም ፡ ሕጂ እቲ እዋናዊ ፖለቲካዊ ሽርሒ ናይ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ክንዲ ምግፋጥ ፡ ኣብ ዝሓለፈ ቁስሊኻ እናጎዳእኻ ክትነብር ምድላይ ነቲ ክትበጽሖ እተደሊ ዕላማ ዓንቓፊ እዩ  ናይ ዝሓለፈ ጽቡቅ ይኹን ሕማቅ ኣመዝጊብናዮ ንሓልፍ ፣ ከምድላይነቱ ከኣ ንመሃረሉ ። ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ሰልፍታታ ዋላ ሓደ ብልዑላውነት ኤርትራ ዝኣምን የብሎም ብዘይካ ህ.ወ.ሓ.ት ፡ ሕጂ እውን እቶም ተወዳደርቲ እንተ መሪጽኩሙና  ዓሰብ ኣብ ኢትዮጳያ ክንመልሳ ኢና ዝብሉ ጭርሖታትን መብጸዓታትን ሕዞም ይወጹ ኣሎው ።  

                      እምበኣር እዞም ወከልቲ ናይዘን ክልተ ራኢታት ጎዲሉዎም ዘሎ እምነት ናብ ሕድሕዶም እዩ ። እምነት እንተ ዘይብልካ ከኣ እትኸዶ ጉዑዞ ኩሉ ጸልማት እዩ ። እዚ ተርእዮ እዚ ሓዲሽ ኣይኾነን ዘሎን ዝጸሔን እዩ ። እቲ ጉዳይ ካብ ላህመታዊ ናይ ሕድ ሕድ ኣፍልጦ ዝምንጩው ተርእዮ እዩ ። እቲ መፍትሒ ኣብ መንጎ እቶም ክልተ ናይ የማን ይኹን ናይ ጸጋም ሕሉፋት ፣ ናይ ማእከል ልቦና ዘለዎ ሓይሊ ክፍጠር ኣይተኽኣለን ። ክፍጠር ግን ኣሎዎ ። መጻኢት ኤርትራ ነዚ ዝነቀዘ ኣታሓሳባ ክተጻወሮ ኣይትክእልን እያ ። እቲ ናይ ኤርትራውያን ራኢ ሓንቲ ቅዋማዊትን ሰላማዊትን ብልጽግትን ኤርትራ ምዃና ኢና ንኣምን ። እዚ ከም ራእይ ጸገም የብሉን ። ግን ከ በዚ ሕጂ እንከዶ ዘሎና ክንበጽሖ ዶ ንክእል ?  ሓፈሻዊ ታሪኽ ሃገሩን ህዝቡን ብግቡእ ዘይፈልጥ ሰብ ክመርሕ እውን ኣይክእልን እዩ 

                      ስርዓት ህግደፍ ተሳዒሩ እዩ ዘሎ ። እቲ ዝነበሮ ብልጫ ኣብ ሓደ ከባቢ ተጸፍዩ ስለ ዝነበረ እዩ ። ምክንያቱ ንክሳራታቱ ዝኾኖ መተኻእታ ኤርትራዊ ሓይሊ ሰብ የብሉን ። ስለዚ ከኣ እዩ ምስ ኢትዮጵያ ወተሀደራዊ ሓድነት ክፍጥር ዝጎዩ ዘሎ ። ስለዚ ከይቀደመና ክንቅድሞ ነቶም ኣብ ትግራይ ዘለውን ካብ ሰራዊት ኤርትራ ዝሃድሙን ዝተማረኹን ወዲብና ሃገርና ካብ ክሻን ማንኪን ነጻ ነውጸኣያ ምባል እንታይ ሕማቅ ሳዕቤን ኣሎዋ ?

                      እቲ ዝገርም ገለገለ ሰባት ምስዚ ኣይተዛተዩ ምስዚ ኣይተወድቡ ምባሎም ገደደ ። ህወሓት ነጻናት ኤርትራ ተቀቢሉ ረፈረንዱም ኣተግቢሩ ፡ እንቛዕ ሓጎሰኹም ዝበለና እንኾ ህዝባዊ ውድብ  እዩ ።  ሕጂ ክህሉወና  ዘሎዎ ምርጫ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ክትሕወስዶ ተደሊ ወይ ምስ ህወሓት ተላፊንካ ነጻነት ኤርትራ ትዕቁብ ዝብል እዩ መልሲ ዘድሊዮ ዘሎ ። መልሰይ ምስ ህወሕት ኾይንካ ነጻነት ኤርትራ ምዕቛብ እዩ  !

                      ኣብ መወዳእታ

 ምስ ህወሓት ልፍንቲ ገርና ከይንሰርሕ ብገለ ናይ ኤርትራውያን ኢና ብሃልቲ ናይ ዜና ማዕከናት ዝግበር ዘሎ ፕሮፖጋንዳ ንረብሓ ህግደፍ ምዃኑ ክፍለጥ ኣሎዎ ። ቓልሲ ህዝቢ ትግራይ ፍትሓዊ ስለ ዝኮነ ክዕወት እዩ ። ዓወት ህዝቢ ትግራይ ከኣ ዓወት ህዝቢ ኤርትራ እዩ ፡ እዚ ማለት ህዝቢ ትግራይ ኣብ መርገጹ ጸኒዑ ንሓድነትን ልዑላውነትን  ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ዝኽበረ !  

                      ኣምላኽ ኤርትራ ሃገርናን ህዝባን ይባርኽ !

                      ዘለዓለማዊ ዝኽሪ ንስውኣትና !  

                      ክብሮም ግረነት

                      4/28/21

ውልቓዊ ርእይቶ    

Leave a Reply

Please log in using one of these methods to post your comment:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.