መልእኽቲ ኣቦ/መ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን ብምኽንያት በዓል ፋሲካ ትንሳኤ ክርስቶስ 2021፡

መልእኽቲ ኣቦ/መ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን ብምኽንያት በዓል ፋሲካ ትንሳኤ ክርስቶስ 2021፡
ሃገራዊ ሰላምታይ ብምቅዳም ኣብ ቀረባን ርሑቕን፡ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ንእትርከቡ ኣመንቲ ክርስትና ኤርትራውያን ብስም ኩሎም ኣባላት ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን እንቛዕ ጾመ ልጓም ፈትሓልኩም፡ ንበዓል ፋሲካ ትንሳኤ ክርስቶስ ከኣ ኣብጽሓኩም፡ ኣብጽሓና እብል። ኣብ’ዚ ሎሚ ዓመት በዓል ፋሲካ ነኽብረሉ ዘለና እዋን ምስ’ቲ ኣብ ሃገርናን ከባቢናን ዘሎ ኩነታት ተደማሚሩ፡ ምስ’ቲ ኣብ ህዝብናን ሃገርናን ዘሎ ኩሉ መዳያት ሳቕሎት፡ ከም’ቲ ልሙድ ጸኒሕ ባህላዊ ክብሪ በዓላት ማሕዲጉ ጸኒሑን ኣሎን። በዓል ፋሲካ ትንሳኤ 2021 ከኣ ትንሳኤ ሰላምን ራህዋን፡ ሓድነትና፡ ትንሳኤ ክብርናን መሰልናን፡ ክኾነልና እንዳተመነኹ፡ ደጊመ ርሑስ በዓል ፋሲካ እብል።
ኣቶ ተስፋሚኪኤል ዮሃንስ
ኣቦ መንበር ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን
1 ግንቦት 2021
You must be logged in to post a comment.