ጻዉዒት ንሙሁራት ዜጋታትና አብ ዲያስፖራ

ጻዉዒት ንሙሁራት ዜጋታትና አብ ዲያስፖራ


ርእሰ ነገር ፣ ህልቂት ኤርትራዊ መንእሰይ አብ ዘይምልከቶ ኲናት
አብ ዓለምና ሐንቲ ሃገር ከም ሃገር ንክትህሉ ብቐዳምነት፣ ሰሪዓ እትሰርሐሉ ብቁጠባአ ዕብየት አርእያ ናይ ዜጋታታን ሃገርን ሰላምን ምስፋን እዩ።ነዚ ንምትግባር ከአ ብቐዳምነት ዓቕሚ ሰብካ ብትምህርትን ፍልጠትን አብ ዝለዓለ ደረጃ ንክበጽሕ ምጽዓር እዩ። እዚ ዝተጠቕሰ፣ አብ ሃገርና ዓቕሚ መናእሰይና አብ ከመይ ኩነታት ይርከብ አሎ ንዝብል ልዕሊ ጳጳስ ኮተሊክ ስለ ዘየለ ልዕሌኹም ኮይንና አብዚ ክንዝርዝሮ አየምሕረልናን እዩ ኢልና ንአምን። ነጻነት ኤርትራ ካብ ዝተረጋገጸሉ ክሳብ ሕጂ ንፖለቲካዊ ስልጣን ዝገበተ ምልካዊ ስርዓት ፣ ፍሹል መደብን፣ ውዱቕ ፖሊስን፣ ሒዙ ክቕጽል ጸኒሑ ኢዩ። ንሱ ስለዝኾነ ከኣ እታ ሃገር ኣብዚ ሎሚ በጺሓቶ ዘላ ደረጃ ውድቀት በጺሓ ኣላ። ምሁር አካል ወትሩ ንሕብረተሰብ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ምዕብልና ንኽሰጋገር ንመንእሰይ ወለዶ ሃገር ሃኒጹ ዘስተምህር ኢዩ። ምሁር አካል እቲ ዝለዓለ ናይ ዝተፈላለየ አካዳሚካዊ ስነአእምሮን ፍልስፍናን ሕግን … ወዘተ ዝለዓለ አፍልጦ ዝወነነ ኮይኑ አብ ምቕያር ሕብረተ-ሰብ ዝለዓለን ወሳኒን ተራ ዘለዎ አካል ምዃኑ ንኣምን። ዝተወደበን ነብሱ ዝሰርዔን ምሁር ሐይሊአብ ሸነኽ ዓውደ ፍልጠት ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ንቅድሚ ለውጢን፣ ድሕሪ ለውጢ፣ ዝኸውን ፖሊሲታት አብ ምሕንጻጽን ምድላውን እውን እንተኾነ ዓቢ እጃምን ተራን ስለዘለዎ፣ ሃገሩን ህዝቡን ከም ዝጽበዩዎ ከስተውዕል ይግባእ። እቲ ናይ ሎሚ መሰረታዊ ጻዊዕትና እዚ አጽናቲ ጉጅለ ህግደፍ ፣ነዛ ሃገር በቲ ትምህርታዊ ደረጃ ሃገርና ባይታ ከም ትዘብጥ ጌሩዋ ከየብቅዕ፣ እቲ ዝተረፈ ዓቕሚ ሰብና ናብ ዘይተደለየ ኲናት የእትዩ፣ መንእሰይ ዘይብላ ሃገር ንክገብራ ከይደቀሰ ለይትን መዓልትን ክሰርሕ ንከታተሎ አለና። አብ ኩሉ አዉራጃታት ሃገርና ብዘይ አፈላላይ መዓልታዊ መናእሰይና ገፈፉ ሐጺር ወተሃደራዊ ታዓሊም እናሃበ አብ ሐዊ ክጠብሶም እና
ሬኤና ከም ጓኖት ንሕና ዜጋታቶም ተዓዘብቲ ጥራሕ ኮይንና ምትራፍና ከየተሐሳስበና አይተረፈን። ነዚ ዘተሐሳሰበና ግዝያዊት መሪሕነት ዞባ ኤዉሮጳ ዉድብ ሐድነት ኤርትራዉያን፣ እቲ ህልቂት እናቐጸለ እቲ ስቅታ’ኸ ከምኡ ድዩ ክቅጽል ? አይፋል ብምባል ነቲ ነዚ ጉዳይ ምስ ዝምልከቶም ትካላት ዓለም በቢ ሞያኹም ተራኺብኩም ኲናት ጠጠዉ ከም ዝብል ክትገብሩ ሐላፍነትኩም ምዃኑ ከነዘኻኽረኩም ግዴታና ስለ ዝኾነ ከነዘኻኽረኩም ንፈቱ። ስለዚ ሕጂ’ውን እንተኾነ ንምሁራት ኤርትራውያን እዚ ዝስዕብ መጸዋዕታና ነቕርብ።

1. ድሕነት ሃገር ክህሉ መጀመርታ መንእሰይ ሃገርና ክህሉ ስለ ዘለዎ

  1. መንእሰይ ዘይብላ ሃገር መንግስቲ ከቁዉም ምባል ሃየንታ ስለ ዝኾነ
  2. ቅድሚ ፈረስ ሰሬገላ ስለ ዘይሰሐብ፣ ቅድሚ ስልጣን ምሐዝ ነቲ ስልጣን ዘትሕዘካ መንእሰይ ዉሕስነቱን ህላዉነኡን ዉሑስ ምግባር ስለ ዝግባእ
  3. ኲናት ጠጠዉ ክብል አለዎ ምባል ብቀዳምነት ሰሪዕካ ምስራሕ
  4. ኲናት ጠጠዉ ይበል ብጹሑፍ ወይ ብጭረሖ ዘይኮነ ክትግበር ነቶም ዝምልከቶም ትካላት ዓለምና ረኺብካ ፊት ንፊት ደጋጊምካ ምዝርራብ
  5. ህልቂት ጽንጠት መንእሰያትና ካብ መዓልቲ ንመዓልቲ እናወሰኸ ይኸይድ ስለ ዘሎ፣ ማዕረ ማዕሪኡ ክትጓየዩ ስለ ዝግባእ ሙሉእ ግዜኹም ነዚ ህዝብኹም ምሃብ
    ግዚኡ ሕጂ ምዃኑ ምርዳእ
  6. ልዕሊ ኩሉ፣ ኩሉ ዜጋ ክርደኦ ዝግባእ እዚ አጽናቲ ጉጅለ ህግደፍ ንክነብር ክሳብ እታ ናይ መወዳእታ ሂወቱ ንክነብር አሎ ዝበሃል መንእሰይና ከጥፍኦ ድሕር ከም
    ዘይብል ተረዲእና ኩልና ኩሉ ዓቕምና አይፋልካን ደጊም ይአክል እንብለሉ ህሞት ሕጂ ስለ ዝኾነት፣ሐቢርና ኩሉ በዓል ሞያ አብዚ ዝተባህለ ትካላት ናይ ዓለም
    ብዝተወደበ መልኩዑ ክንሰርሓሉ ግዴታና ምኻኑ አሚንና ምጉያይ።

    በዚ አጋጣሚ እዚ ክንብሎ እንደሊ ሙሁራትና ሐላፍነቶም ክገብሩ ከለዎ ፣ አባል ናይ ዝተፈላለያ ዉድባትን፣ ምንቅስቃሳትን ሐላፍነትና እንታይ ክኸዉን ከም ዘለዎ ክንፈልጥ ይግበአና ንብል፣ሃገርናን መንእሰያትናን አብ ከምዚ ህሞት አብ ዘለወለትሉ ድሕነት ሃገር ከነዉሕስ እንታይ ክንገብር ይግበአና ኢልና ነብስና ክንሐትት እዋኑ ስለ ዝኾነ ብወገንና ከነቅርቦ እንደሊ መጸዋዕታ በበይንኻ ኬንካ ከተምጽኦ ትኽእል ለዉጢ ይኹን ምምሕይያሽ ስለ ዘየለ፣ ብሐደ ኮይንና ብሐደ ፖሎቲካዊ መስመርን ብሐደ መሪሕነትን ኮይንና ሐንቲ ዉድብ ጥራሕ ኮይንና ምስ እንቃለስ ስለ ዝኾነ እቲ ናይዚ እዋን ጻዉዒት ኩልና አብ ንንቀሳቀሰሉ ፖሎቲካዊ ዉድብ፣ ፖሎቲካዊ ምንቅስቃስ ነዚ ሐሳብ ንክሰምር ብዘይ ወዓል ሕደር ከነተግብሮ ንጽዉዕ።
    ዝኸበርካ ክቡር ሕዝቢ ኤርትራ አብ ዉሽጢ ሃገር ትርከብ ልዕሊ ኩሉ ናይዚ ዘጽንተካ ዘሎ ጉጅለ ቀንዲ ግዳይ ንስኻ ከም ምዃንካ መጠን፣ ይአኽለኒ ደጊም ዉሉድና አብ ዘይተደልየ ኪናት ክአትዉ አይነፍቅድን ኢልካ ብዓዉታ አይፋል እትብለሉ ግዚኡ ሕጂ እዩ። ከምኡ እዉን መንእሰይ ኩልኻ አብቲ ዘይተደልየ ኲናት ዘለኻ እምቢ ንኲናት ኢልካ አንጻር እዚ ዘጽንተካ ዘሎ ጉጅለ ክትብገስ ሰዓቱ ምዃኑ ክትርዳእ ይግበአካ። ኩልና ብደገን ብዉሽጢ ሃገርን ዘለና ደቂ ሃገር ኢድ ንኢድ ተተሐሒዝና ኩሉ ዓቅምታትና አወሃሂድና ድሕነትናን ድሕነት ሃገርን ከነዉሕስ ንጽባሕ ዝበሃሎ አይኮነን።

  7. ክብርና ክምለስ አብ ሐንቲ ዉድብ ኮይንና ንቃለስ !!!
    ግዝያዊት መሪሕነት ዞባ ኤዉሮጳ ዉድብ ሐድነት ኤርትራዉያ

Leave a Reply

Please log in using one of these methods to post your comment:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.