ሽፍታ ፡ ብ ክብሮም ግረኔት

ሽፍታ ፡
ሽፍታ ክብሃል እንከሎ ብሕጊ ዘይግዛእ ፡ ከምድላዩ ዝቀትልን ዝምሕርን ፣ ዘይናቱ ዝዘምትን ዝዕኑን ፣ መሰልን ክብሪን ወዲ ሰብ ክሕሉ ዘይትጽበዮ ኣረመን ፍጡር እዩ ። ገለ ደረስቲ ንሽፍትነት ኣብ ክልተ ይመቅሎዎ እዮም ።እዚ ማለት ናይ ውሽጥን ናይ ወጻእን ( Domestic and Foreign Bandits ) ከኣ ይብሃሉ ።
እቲ ናይ ውሽጢ ዓዲ ሽፍታ ፡ ኣብታ ሃገር ክነብር ብሃላይ እዩ ። ስለ ዝኾነ ነቲ ተቀማጣይ ህዝቢ ክሕጉስ ዝገብሮም ዓበይትን ንኣይሽቱን ተኻላት ክሃንጽ እንከሎ ። በቲ ኻሊእ ወገን ንገዛእ ርእሱ ብዙሕ ገንዝብን ንብረትን ኣብ ምውናን ተዋፊሩ ይርኤ ፡ንኣብነት ኣብዚ መበል 21 ክፍለ ዘመን ኣብ ኣፍሪቓ ዘለው መራሕቲ ሃገራት ፡ ይዕበ ይንኣስ ንህዝቦም ዘብርክትዎ ኣብ እተፈላላዩ ናይ ማሕበረዊ ህወት ጽላታት ንዕዘብ ኢና ። ብዝያዳ ግን ንገዛእ ርእሶም ፣ ዓበይቲ ናይ ቁጠባ ትካላትን ይውንኑ ፡ ነቲ ዝቅመጥዎ ቤተ መንግስትታት ከማዕርኩ ሚልዮናት ወጻኢታት ክግብሩ ይርኣዩ ፡ ምክንያቱ ዓድና እዩ ፡ ክንነብረሉ ኢና ብሃልቲ እዮም ። ብዝኾነ ምክንያት ንብረት ናይ ሓደ ዜጋ ከፍርሱ ኣይትርእዮምን ።
እቲ ናይ ወጻኢ ወይ ናይ ደገ ሽፍታ ወይ ባዕዳዊ ዝብሃል ፣ ብሱሩ ኣብታ ሃገር ናይ ምንባር ሕልሚ የብሉን ፡ ዝዝመት ዝሚቱ ፣ ዝቅተል ቀቲሉ ፡ ዝዓኒ ኣዕኒዩ ፡ ናብ መበቆል ዓዱ ይብቆጽ ። እዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጉጂለ ብህግደፍ ዝጽዋዕ ሓደ ኣብነት እዩ ። እዚ ምስክርነት ዘድሊዮ ኣይኾነን ፣ ባዕሉ እታ ሽፍታ ገለና ፕረሲደንት እንብሎ ኣብ መስኮት ወጺኡ ቁጠባ ኤርትራ እንታይ ከም ዝመስል ግሊጹዎ እዩ ።
ናይ ሎሚ ኣርእስትና እዛ ኣብ ታሕቲ እትርእዩዋ ዘሎኹም ስእሊ ናይ ሉዊጂ መሎቲ ቪላ ኣብታ ብሉል ቀይሕ ባሕሪ እተፍለጥ ባጽዕ ዝነበረት ከይፈረሰትን ምስ ፈረሰትን እያ ። እዛ ታሪኻዊት ህንጻ ብ1966 ብሉዊጂ ቬኤቲ(Luigi Vietti) ዝተባህለ ኢጣልያዊ ብሉጽ ናይ ስነ ህንጻ ኪኢላ እተሃንጸት ኾይና ፡ ኩሉ እቲ ናይ ህንጻ መሳሪሒታት ካብ ጣልያን ዝመጸ ነይሩ ።ኣብቲ ግዜ እቲ ሓንቲ ከብትን ኣብ ከበቢ ቀይሕ ብሕሪ ይኹን ኣፍሪቓ መወዳደርቲ ኣይነበራን ይብሃል ። እቲ ተደኹናትሉ ዝነበረት ቦታ መሳጢ ኾይኑ ፣ኣብ ጫፍ ጥዋለት ንሕርጊጎ ዝርኢ ወሽመት ባሕሪ እዩ ።

ደርጊ ኣብ ስልጣን ምስ መጸ ገዛውቲ ይወርስ ስለ ዝነበረ ፣ ንEmma Melotti ካብቲ ኣብ ኣስመረ ዝነበረ ገዛውትን እታ ናይ ባጽዕ ቪላን ክትመርጽ ምስ ተሓተት ፡ ነታ ናይ ባጽዕ ከም ዝመረጽት ይፍለጥ ። ድሕሪ ነጻነት 2006 ወዲ መሎቲ ገዛ ክሽይጥ ምስ ወሰነ ቀንዲ ሽፍታ ህግደፍ ዋጋ ኣትሒቱ ብ600 ሚእቲ ሽሕ ዶላር ነታ ገዛ ክትሽየጠሉ ሓተት ። ከም ኣጋላልጻ ኮሬረ ደላ ሰራ (Corriere Della Sera ) ዋጋ ናይታ ቪላ 4 ሚልዮን ዩሮ ይግመት ስለ ዝነበረ ፡ ወዲ መሎቲ ነታ ገዛ ብሕሱር ክሸጣ ኣይደለየን ። በዚ ኹነታት እዚ ዘይተሓጎስ ሽፍታ መራሕ ህግደፍ ነዛ ቪላ ብዲይናማይትን ግረድሪን ከምዛ እትርእዩዋ ናብ ሓሙኽስቲ ቀይሩዋ ይርከብ ። እዚ መርኣያ ናይዚ ጉጂለ እዚ ታሪክን ቅርጽን ሃብቲ ህገር ኤርትራ ኣብሪሱ ናብ ጎንደር ክሰግር ዘማዕዱ ዘሎ እዩ።
መንግስቲ ዝብሃል ንሓደ ዜጋ ንብረትካ ብሕሱር እንተ ዘይሸጥካላይ ኢሉ ንብረት ህዝቢ ዝዕኑ የለን ። ህግደፋውያን ክሳብ ዘሎዉ ህዝቢ ኤርትራ ሰላምን ቅሳነትን ምዕብልና ክረክብ ኣይኾነን ። ቀዳምነታትና ሰርዒና ንቓለስ !
ብ ክብሮም ግረኔት
11 ግንቦት 2021
You must be logged in to post a comment.