ርእሰ ዓንቐጽ ዝምድናን ምሕዝነትን ንደሞክራሲያዊ ለውጢ

ዝምድናን ምሕዝነትን ንደሞክራሲያዊ ለውጢ

ርእሰ ዓንቐጽ
ውሓኤ
ድሕሪ ምፍራስ መንደቕ በርሊን 1989 ዝሑል ኵናት ተወዲኡ፡መዋእል ነጻነትን ሰላም ዲሞክራስን ኣህጉራዊ ሕብረተ ሰብ ክሰፍሕ ተስፋ ዝተነበረሉ ዓመት’ዩ ዝነበረ። ብልክዕ ንልዕሊ 50 ዓመታት ብዘይንጡፍ ተሳትፎን ድሌትን ህዝቢ ዝተሃነጸ ስርዓታት ክፈርስ ተራእዩ። ብፍላይ ኣብ ምብራቕ ኤውሮጳ ዝርከባ ሃገራት ነጻ መንግስታት ኣዊጀን። ኣብ’ዚ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ዝተኻየደ መስርሕ ዝፈጠሮ ፍልልያት ንኵናት ብርሰትን፡ ስደት ድኽነትን ኣስዒቡ’ዩ። እዚ ዘመልክቶ ኣብ መንጎ’ቲ ነባርን ማለት ንነጻ ደሞክራሲ ዝውክልን፡ ንምልካዊ ሓዳኣዊ ሰልፊ ማሕበርነት ዝኣምን ምስ’ቲ ሓድሽ ኣተሓሳስባ ደሞክራሲያዊ ለውጢ ንምዕዋት ዝተኸየደ መስርሕ ዝምድናታትን ምሕዝነትን ዝፈጠሮ ጸገማት ከይከውን ኣይተርፍን።
ይኹን’ምበር ነጻ መድረኽ ፖለቲካውያን ሓይልታት፡ ቅዋማዊ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ንምምስራት ሰልፋዊ ወይ ውድባዊ ጭርሖታት ንበይኑ ኣኻሊ ኣይነበረን። እቲ ወሳኒ ተራ ዝነበሮስ ውሽጣውን ግዳማውን ዝምድናታት’ዩ። ብሓቂ ከኣ ነቲ ተበጊሱ ዝነበረ ናህሪ ዲሞክራሲያዊ ለውጢ ንምዕዋት ብመሰረቱ ምስ ህዝቢ፡ ሃገራውያን ፖለቲካዊ ሓይልታትን ኣህጉራዊ ዝምድናታትን ንምዕኳኽ ቃልሲ ተኻይዱ።
ምእንትዚ፡ ምስ’ዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠቕስ ኣብነት ምርኵስ ብምግባር ብወገና ኣብ መንጎ ፖለቲካውያን ሓይልታት ዝግበር ዝምድናታትን ምሕዝነታትን ንመድረኽ ደሞክራሲያዊ ለውጢ ኣብ ኤርትራ ብኸመይ ክፍትሑ ከም ዘለዎም ገገለ ሓሳባት መምሃርን ተሞክሮን ክኸውን ይእኽእል።፡ ብፍላይ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ 30 ዓመት ዝተኻየደ ተሞክሮታት ቃልሲ ኣቕሲሙና ክኸውን ስለ ዝኽእል። ደሞክራሲያዊ ለውጢ ንምዕዋት ኣብ ዝካየድ ለውጢ ስጡም ውድባዊ ውሽጣዊ ኣተሃላልዋ ንግዳማዊ ዝምድናታት ምሕዝነትን ደራኺ ምኳኑ ብዓብይ ኣቓልቦ ክረአ ዘለዎ’ዩ ።
ኣብ ውሽጢ ሓደ ምንቅስቓስ ውድብ፡ሰልፊ፡ ይኹን ማሕበር ኣብ’ቲ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ዘካይዶ ቃልሲ ዕዉት ኮይኑ ክወጽእ ኣብ ውሽጢ’ቲ ንባዕሉ ዲሞክራሲ ሓይሊ’የ ዝብል ብዕቱብ መጽናዕቲ ካብ ውሽጣዊ ኣተሃላልውኡ ንግዳማዊ ዝምድናታትን ምሕዝነትን ዝሓቝፍ ኮይኑ ክህነጽ ይግባእ። ነዚ ንምትግባር ከኣ ሓድሽ ፖለቲካዊ ቅዲ ፖሊሲታት ምትዕርራይን ምትዕጽጻፍን የድሊ። መስርዕ ሓይልታት ተቃውሞ ንምትብባዕን ንምስፋሕን ካብ ውሽጢ ነፍሲ ወከፍ ደላይ ፍትሒ ዝመንጨው ስምምዓትን ቅኑዕ ኣተሓሳስባ ዝብገስ ንሓይሊ ዝምድናታት ምሕዝነትን ከጎልብቶን ከዕጥቆን ዝዓለመ መደባት ሓንጺጹ ክወፍር እንተኽኢሉ፡ ነቲ ውህሉል ዓቕምን ፍልጠንትን ተሞክሮን ንባዕሉ’ውን ኣብ ረብሕኡ ኣብ’ቲ ዘበግሶ ቃልሲ ንምዕዋቱ ሓጋዚ ክኸውን ይኽእል።
ቅድሚ ኩሉ ከኣ ብደረጃ ሃገራዊ ዲሞክራሲያዊ ለውጢ ክዕወት ዝካየድ ቃልሲ፡ ውሽጣዊ ሓድሕድ ዝምድናን ምሕዝነትን ምስ ዝድልድል ጥራሕ’ዩ። ፖለቲካውያን ሓይልታት ኤርትራ ብውሽጦም ዘካይድዎ ዘይሕለል ኣውንታዊ ቃልሲ ንግዳም ክግንፍል እንተጀሚሩ ከኣ ኣብ’ቲ ድሌትን ሕልምን ህዝብና ንብምጻሕ ዘጋጥም ሽግራትን ሓደጋን ክውሕድ’ዩ።
ንወሳኒ ካብ ውድባዊ ወይ ሰልፋዊ ኣተሓሳስባ ንግዳማዊ ዝምድናታትን ምሕዝነትን፡ ተበግሶን ምንጭን ውሽጣዊ ኣተሃናንጻን መስርዕን ሓይልታት’ዩ። ነፍሲ ወከፍ መደብ ሓይልታት ለውጢ ከኣ ምስ’ቲ ግዳማዊ ማለት ምስ ካልኦት መሓዙት ሃገራውያን ውድባት ይኹን ምስ ጎረባብትን፡ ኣህጉራዊ ሕብረተ ሰብ ዓለም ዝተእሳሰረ ምስ ዝኸውን ተወሃሂዱ ኣብ ስምምዕ ክብጻሕ ዘለዎ መሰረታዊ ጉዳይ’ዩ።
ፖለቲካዊ፡ ማሕበራዊ ዝምድናታትን ካልኦት ምትእስሳራትን፡ ጉዳይ ትሕዝቶ ቁጠባ ንምልዋጥ ኣገዳሲ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ንደራኺ ሓድሽ መድረኽ ምፍጣር ውሽታዊ ዝምድናታት ሓያል ሓድነት፡ ቅጥዕን ስርዒትን፡ ኣገዳስነት ኣለዎ። ኣብ ውሽጢ ሓደ ውድብ ወይ ሰልፊ ዝጥረ ቅኑዕ ንጹር ግሉጽ መሰረት ዘለዎ ዝምድናታት ንግዳማዊ ክሳብ ኣህጉራዊ ደረጃ ከሰጉሞ ዝኽእል ሰንሰለ ዘይብተኽ ነባሪ’ኳ እንተዘየተባህለ ምስ ኩነታቱ ካብ ሓደ መድረኽ ንካልእ መጻኢ መድረኽ ከሰጋግር ዝኽእል’ዩ።
ርእሰ ዓንቐጽ
ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን
20 ግንቦት 2021
You must be logged in to post a comment.