መልእኽቲ ኣቦ/መ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን ብምኽንያት መበል 30 ዓመት ነጻነት ኤርትራ

ዝኸበርካ ህዝቢ ኤርትራ

ኣቐዲመ፡ ብስም መርሕነትን፡መላእ ኣባል ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን እንቋዕ ኣብ መበል 30 ዓመት ናጽነት ኤርትራ ኣብጽሓና፡ እብል፡

ከም ኤርትራውያን፡ ብደረጃ ሃገር ዝኽበሩ ብዙሓት ኣጋጣሚታት ኣለዉና። ሓንቲ ካብኦም እዛ ዕለት 24 ግንቦት’ያ። ኩሎም ኣብ ዓዓመቱ ነኽብሮም በዓላት ነናቶም ምኽንያትን መግለጺን ኣለዎም። 24 ግንቦት ካብ ንዝክረሉን ነኽብረሉን ምኽንያታት ከኣ፡ ህዝቢ ኤርትራ ንዘመናት ተሓሪሙዎ ዝነበረ ሃገራዊ መንነትን ናጽነትን ክዉን ዝገበረት ዕለት ብምዃና’ያ። ህዝቢ ኤርትራ፡ 30 ዓመታት ዝወሰደ ዕጥቃዊ ቃልሲ ብምክያድ፣ ካብ ርሑቕ ይኹን ካብ ቀረባ፡ ዳርጋ ዝዀነ ናይ ወጻኢ ሓገዝ ከይረኸበ፣ ብዓቕሚ ሰብ ይኹን ቊጠባ 10ታት ግዜ ዝተዓጻጸፎን፡ ካብ ናይ ዓለምና ሓያላን፡ ብተባራራይነትን ኩሉ መዳያዊን፡ ዝተማልአ ሓገዝ ዝነበሮን፡ ኢትዮጵያዊ መግዛእታዊ ሓይሊ ብምስዓር ዝተረጋገጸ ክዉንነት ምዃኑ ሓደ ገጹ’ዩ። እቲ ካልእ ገጽ ፍሉይነት ናይዛ ዕለትዚኣ፡ ህዝቢ ኤርትራ ናብኣ ንምብጻሕ ዝደየቦ ዓቐብን ዝወረዶ ቊልቊልንዩ። ካብ መንእሰያት ደቁ ክረኽቦ ዝግባእ ምትሕግጋዝ ንርእሱ ሓሪሙ፡ ጽኑዕ ርገጹ ኢሉ መሪቑ ናብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ኣፋንዩ። ምስ ብዝሑ ዘይመጣጠን መስዋእትን መውጋእትን ከፊሉ። ዓዲታቱ ነዲዱ፡ ንብረቱ በሪሱ። ኣብ ውሽጢ  ሃገር ካብ ዓዲታቱ ተዘናቢሉ፡ ብዙሕ ካብኡ ከኣ ናብ ወጻኢ ተሰዲዱ። ቊጠብኡ ዓንዩ ማሕበራዊ ናብርኡ ተዘሪጉ።

ህዝቢ ኤርትራ ኩሉ ዝኸፈሎ ክቡር ዋጋ ተስፋ ከየቚረጾን ሕልንኡ ከየዳኸሞን፡ ስኑ ነኺሱ ኣብ ቃልሱ ኪቕጽል ዘኽኣሎ፡ ዝነበሮ ባህጊ ሃገራዊ ናጽነት፡ መንነትን፡ ክብሪን ነይሩ። ምርግጋጽ ናይዞም ክብሪታት’ዚኦም ከኣ፡ ሰላምን ቅሳነትን፡ ፍቕሪን ብልጽግናን ክኸትልዩ ዝብል ዘይተሓለለ እምነትን ትጽቢትን’ዩ። ጽንዓትን ተስፋን ህዝቢ ኤርትራ፡ ንብዙሓት ወጻእተኛታት፡ መስተንክር ኰይኑ ዝርኣዮምን ዝስምዖምን ታሪኽ ሰሪሑ። በዚ ኣወንታዊ ውጽኢት ከኣ ቀዳማይ ምዕራፍ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብምርግጋጽ ሃገራዊ ናጽነት ተዛዚሙ።

መስርሕ ኩሉ-መዳያዊ ህንጸት ሃገር ዝጅመረሉ ክኸውን ዝግብኦ ዝነበረ፡ ኤርትራ ብግብሪ ናጻ ካብ ዝዀነትሉ፡ ግንቦት 1991 ኢዩ። በንጻሩ ግን፡ ድሕሪኡ ኣብ ኤርትራ ዝተቐልቀለ ምዕባለታት ካብ ናይ ማንም ትጽቢትን ትንቢትን ወጻኢ ነይሩ። ካብ 1991 ክሳብ 2018 ኣብ ዝነበረ ዓመታት፡ ባህጊ ህዝቢ ኤርትራ ንምዂላፍ ፡ብጉጅለ ህግደፍ ዘይተማህዘ ምኽንያታትን ዘይተቐመጠ ዕንቅፋታትን ኣይነበረን። ካብ ናይ ህዝቢ ትጽቢትን ባህጊን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ዋላ ካብ ናይ ህዝባዊ ግንባር መብጽዓታት’ውን ዝተተግበረ ኣይነበረን። ከም ሃገርን መንግስትን መለለዪ ዝኾኖ ፖለቲካዊን ቁጠባዊን ቅድመ ምቅርራባትን መደባትን ይትረፍ፡ ነቲ ይሕመቕ ይጸብቕ፡ ካብ ዝሓለፉ መግዛእቲታት ዝተወርሰ ንምዕቃብ ዘኽእል ጅማረ’ውን ኣይተበገሰን። ኣብ ክንዲ ዝዓነወት ሃገር ምህናጽ፥ ዝተዳኻመ  ሃገራዊ ሓድነት ንምዕራዩ ምስራሕ፥ ዝተጎድኡ ወገናት ምሕጋዝን፡ ስድራ ስዋኣት ምእላይን ሃገራዊ ቅዋም ኣብ ዝሓጸረ እዋን ምንዳፍን፥ ምጽዳቕን .. ወዘተ፡ ኣብ ካልኦት ዘይመሰረታውያን ጉዳይት/ኣርእስታት ኣንቒሉ ንህዝቢ ኣብ ሸንኰለል ኣእቲዩዎ  ። ሎሚ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ተርዲእዎ ዘሎ፡ ዶባዊ ኲናት ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ዘይኰነ፡ ዋላውን ንላዕለዎት መንግስታዊ ትካላትን ሓለፍቱን ከይተረፈ ሃንደበት ነይሩ። ውጽኢቱ ከኣ ቅድሚኡ ብኢሳያስ ይቐርብ ንዝነበረ መመኽኔታታት መራጎዲ ኮይኑን፡ ተጻብኦ ወያነን ኣሜሪካን፡ ካልኦት ምዕራባውያን ሃገራትን ኢዩ ናብ ዝብል ማዕቢሉ። ክሳብ ሕጂ ከኣ ጠንቂ ናይ ኩሉ ኣብ ልዕሊ ህዝቢን ሃገርን ኤርትራ ዝወረደ ክሳራን ውርደትን ኰይኑ ብስርዓት ህግደፍ ይግለጽ ኣሎ።

ኣብ 2018 ዓም፡ ብናይ ሽዑ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዝቐረበ፡ ኣብ  ብዘይ ቅድመ ኲነት ትግባረ ውሳነ ኣህጉራዊ ኮምሽን ዶብ ዝተሰረተ ዝምድና ኢትዮጵያን ኤርትራን ናብ ንቡር ምምላስ ዝበሎ ሓድሽ ዝመስል መርገጺ፡ ንስርዓት ኢሳያስ ዕድሚኡ ንምንዋሕ ክጥቀመሉ ዘኽኣሎ ሓድሽ መመኽኔታታት ኣብ ምምሃዝ ተጠቒሙሉ። ነዚ ዕድል ኣንጻር ህወሓት ክጥቀመሉ ዘኽእሎ፡ “ጸወታ ኣብቂዑ ወይ game over” ኢሉዎም። ድሕሪ ንክልተ ዓመታትን ፈረቓን ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብሓባር ዝተገብረ ምምኽኻርን ምቅርራብን፡ ኢሳያስን ኣቢዪን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ኲናት ኣውጆም። ዋላኳ፡ ኢሳያስ፡ ኲናት ትግራይ ብጥፍኣት ህወሓት ተዛዚሙ ድርብ ዓወት ዘመዝግበሉ ኣጋጣሚ ክዀነሉ ከም ርጉጽ ወሲዱዎ እንተ ነበረ፡ ሕልሙ ግን ኣይተጋህደሉን። ድርብ ዓወት፡ ብሓደ መዳይ ህወሓት ካብ ገጽ መሬት ጠፊኣ ቀሲኑ ክነብርን ዕድመ ስልጣኑ ናይ ምንዋሕን ምሕያልን ተወሳኺ ረቛሒ ክዀነሉን፣ ብካልእ፡ ሰዊዱ፡ ጎብለል ኰይኑ፡ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ኲኖኡን ንምብጽባጽ ዘኽእሎ ባይታ ከንጽፈሉ ስለ ተጸበዮ። ህዝቢ ትግራይን ህወሓትን ኣይጠፍኡን። ካብ ከተማታት ይውጽኡ’ምበር፡ ኣብቲ ኲናትሲ፡ ካብ ምክልኻል ናብ ጸረ-መጥቃዕቲ ኣብ ምስግጋር ምህላዎም ዝሕብሩ ብዙሓት ምልክታት ኣለዉ።

ዝኸበርካ ህዝቢ ኤርትር፥

ንዓና ንኤርትራውያን፡ ልዕሊ ኩሉ ዘገድሰና፡ ድሕነት ህዝብናን ሃገርናን’ዩ። ኢሳያስ ኣብ ኲናት ትግራይ ኣይተዓወት’ምበር፡ ንሱ ዘይሓመሉ ዝተኸፍለ ዋጋ ግን ኣዝዩ ክቡርዩ። ኤርትራዊ መንእሰይ ብጥሙይ ከብዱ፡ ድሕሪኡ ስድራ ቤቱ እንታይ ክዀኑዮም ዝፈልጠሉን ፍታሕ ንምርካብ ዝኽእለሉን፡ ዕድል ከይሃለዎ፡ ተገፊፉ ናብ ኲናት ትግራይ ተጠቢሱ። ባድመ ከነምልስ ኢና ተባሂሉ፡ መንእሰይ ኤርትራ ኣብ ዶባት ክልላት ትግራይን ወሎን፡ ትግራይን ጎንደርን፡ ኣንጻር ወያነ ክዋጋእ ተኣዚዙ። ብዕድመ ዘይበሰሉ መንእሰያት ተመሃሮን ሓረስቶትን ካብ ኣብያተ ትምህርቶምን ሕርሻታቶምን ተገፊፎም፡ ብዘይ እኹል መባእታዊ/መሰረታዊ ወተሃደራዊ ስልጠና ኣብ መጋርያ ኲናት ክኣትዉ ተገዲዶም። ኣብኡ ጠፊኡ ዘሎ ኤርትራዊ መንእሰይ ክንደይ ክኸውን ከም ዝኽእልን ብከመይክ ኣገባብከ ንዝብሉ ሕቶታት ንግዜኡ ጽፉፍ መልሲታት ዝርከበሎም ኣይኹን’ምበር፡ ካብ ዝተፈላለዩ ናይ ዜና ማዕከናት ንሰምዖ ዘሎና’ዩ። “ዘይወግሕ መሲሉዋ ኣብ ቦኽራ . . .” ከም ዝብሃል፡ ተሳትፎ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ዘይምልከቶ ኲናት ትግራይ ካብ ህዝቢ ሓቢኡዎ። ነዚ መረጋገጺ ዝዀኖ መሲሉዎ፡ ኣብቲ ኲናት ዝተወግኡ ኤርትራውያን ናብ ሆስፒታላት ኢትዮጵያ፡ ኢትዮጵያውያን ድማ ናብ ሆስፒታላት ኤርትራ ተላኢኾም። ካብኡ ዝኸፍአ፡ ኣብቲ ኲናት ብዝተሳተፉ  ኣባላት ሰራዊት ኤርትራ፡ ሓለፍቲ ኣብ ዝወደቡዎን ዝመርሑዎን ኣኼባታት ከይተረፈ፡ ኣብ ኲናት ዝተወግኡ ኣባላት ሰራዊት ክንዲ ናብ ክሕከሙሉ ዝኽእሉ ማእከላት/ሆስፒታላት ምስዳድ ኣብ ዝወደቑሉ ቦታ ብጥይት ይድገሙን፡ ተሳትፎ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ኲናት ትግራይ ስለምንታይ ዝብል ሕቶ ንዘቕረቡ ኣባላት ሰራዊት ምርሻንን’ዩ። እዚ’ውን፡ ናይ ኲናት ገበናት’ዩ። ከም ተወሳኺ ክሳራ ክግለጽ ዝከኣል ከኣ፡ ኣብ ዝምድናታት ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ክልል ትግራይን ተፈጢሩ ዘሎ በሰላ’ዩ። ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብሰራዊት ኤርትራን ኣቢዪ ኣሕመድን ተፈጺሙ ዝብሃል ዘሎ ጨካንን ዘስካሕክሕን ግፍዒታት፡ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ህዝቢታት ንዝጸንሐ ኣወንታዊ ጒርብትናዊ ዝምድናታት ኣብ ምልክት ሕቶ ዘእቱዩ።

ኣብ መደምደምታ፡ ነዛ ዕለት’ዚኣ ብዝተሓዋወሰ ተዘክሮታትን ስምዒታትን ኢና ንዝክራ ዘሎና። ካብ ሕማቕናን ሽግርናን ናይ ምልቓቕ ሓላፍነት፡ ብመጀመርታ፡ ናትና ምዃኑ ካብ ካልኦት ሓበሬታ ንጽበየሉ ስለ ዘይኰነን ይጽናሓለይ ዘይብሃልን ኢዩ’ሞ፡ ካብ ኣጋጠመ፡ ተወጊንካ ዝሕለፍ ኣይኰነን። ቀጻልነትና ከም ህዝቢን ሃገርን ውሑስ ኰይኑ፡ ናብቲ ንምነዮ ደረጃታት ሰላም፡ ቅሳነትን፡ ምዕባለን ክንበጽሕ፡ ሕጂ’ውን፡ ምርጫና ኣንጻር’ዚ እኩይ ስርዓት ነካይዶ ቃልሲ፡ ብዝተረረ ሓድነት፡ ዝጸፈፈ ውዳበን፡ ዝለዓለ ሃገራዊ ወንን፡ ኣሰኒናን ኣሐይልናን፡ ምቕጻሉ እንተ ዘይኰይኑ ካልእ መተካእታ ኣማራጺ የብልናን።

ጽንዓትን ዓወትን ንህዝቢ ኤርትራ፡

ዕድመ ንሉኣላዊት ኤርትራ፡

የቐንየለይ

ተስፋሚካኤል ዮሃንስ

ግዝያዊ ኣቦ-መንበር ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን ( ውሓኤ)

Leave a Reply

Please log in using one of these methods to post your comment:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.