መን እዩ ብልቡ ንሃገር ዘፍቅር ?

መን እዩ ብልቡ ንሃገር ዘፍቅር ?
ሕሰብ ኣስተውዕል ተማራመር ተባራበር
ኩቡራት ተኻታተልቲ ወይብ ሳይታት ሎሚ ‘’ መን እዩ ብልቡ ንሃገር ዘፍቅር ‘’ ዝብል ኣርእስቲ ከነልዕል ዝደረኸና፤ ኣብዚ ህሞት’ዚ በቢ ዓይነቱ ዘረባን ሓሳብን፣ ብስም ሃገርን ህዝብን ኤርትራ፡ ክማልኦ ዘለዎ ቃልስን ዝምድናታትን ዝስማዓሉ፣ ኣብ ምውሳእ ዝርኣየሉ እዋን ፣ ብኑጹርን ጉቡኡን ብዛዕባ ሃገርን ሃገራዉነትን ፣ ኣብ ፍትሒ ዝተሞርኮሰ ስርዓተ ሕጊ በቒዕናዮ-ዶ ? ካብ ዝብል ስግኣት፡ ብወገና ሃገርን ህዝብን ትሕዝቱኡን፣ በቲ ጉቡኡን ሩጉጽን ስነፍልጠት ዝተሞርኮሰ ኣጋባብ ክንርድኦ ዘይምኽኣልና ብዝብል ጠርጠራ ተበጊስና፡ነዚ 30+30 ዝወሰደ ቃልሲ ህዝቢ፡ ብክብረቱን ልእላውነቱን ንምዕቃብ፣ ብዘየዋልውል መደበ ቃልሲ ክካናወን እዩ ዘለዎ፣ ዝብል ድልየትናን ባህግናን ኮይኑ፡ ብግቡእ ሃገርን ምሕደራን ምፍላጥ ኣገዳሲ ኮይኑ ይስማዓና፡፡
‘’ እቲ ንናጽነቱ ሰዊኡ/በጅዩ ንመንነቱ/ሩጉጽነቱ ከተኣማምን ዝፍትን ንኽልቲኤን ብሓንሳብ የጥፌን ” ዝበሎ በንጀሚን ፍራንኪሊን(Benjamin Franklin 1706- 1790)፡ ከምኡ እውን “ ዓለም ኣብ ሓደጋ ክትወድቕ ዘስግኣ/ዘሻቕላ ሑሱማት/ኩፉኣት ሰባት ዘይኮነስ፡ እንታይ ድኣ በቶም ንሕሰምን ክፍኣትን ተንኮልን ክዉን
ንኽኸዉን ዘፍቅዱ ወይ ስቕ-ኢሎም ዝርእዩ እዩም ’’ ዝበለ ኣልበርት ኤንስታይን(Albert Enstain 1879- 1955)ኣገደስቲ ጠቕስታት ምዝካር ኣገስቲ ንረኽበን፡፡
በንጅሚን ዝበሎ፣ ንናጽነቶም በጅዮም ምስ ቀዳማይ ሚንስትሪ ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ወጊኖም ዘለዉ፤ ሕልሚ ስትራተጂ ማፍያ ደስቡጣ ኢሳያስ ምስ ጉጅልኡ ብምድጋፍ፡ ነታ ብኽንደይ መስዋእቲ ህዝባ ናጽነት ዘራጋገጸት ሃገረ ኤርትራ፤ ነቲ ስጋብ ቀረባ እዋን ዋዕ ኢሎም ዝዝምርዎ ዝነበሩ ናጽነት የጥፍእዋ ከም ዘለዉ፣ ብፍልጠት ይኹን ብዘይ-ፍልጠት ዝተሰቆሮም ኣይመስልን። ይኹን’ምበር ደድሕሪኦም ከይንኸይድ እቲ ዘድሊ ሓርበኛዊ ቓልሲ ከነካይድ ሕድሪ ሱውኣትናን ሕልነዊ ግደታናን ከም ዘሎና ክንርስዕ የብልናን።
ከምቲ ኣልበርት ኤንስታይን ዝበሎ፡ ንዓለም ዘስግኡ እቶም ክፉኣት እከያት ሰባት ዘይኮኑስ፣ እቶም ንዕኡ ኩዉን ክኸዉን ዘፍቅዱ እዮም፣ ነዚ ማፍያ ደስቡጣ ስርዓት ክዉኑን ክቕጽልን ዘፍቀዱ እቶም ዝኸፍኡ ምዃኖም ብሩህ ስለ ዝኾነ፡ነዚኦም ንምቅላስ ዝግበር ፍትሓዉን ህዝባዉን ስትራተጂ እቲ ቀዳማይ ስራሕ ኮይኑ፡ብሽም ህዝቢ ክዛረብ ዝኽእል (Authority) በዓል ስልጣን፣ ብወገና ኮሚሳሪ/ሉኡኽ/ወኪል (Commissary) ካብ ኩሉ ሕብረተሰብና ዝሳተፎ ኢልና ኣብ ዝሓለፉ ጹሑፋትና ንኣብነት ደወል ገሊጽና ነይርና። ስለዚ ናይ ሓባር ሽማግለ ብሽም ህዝቢ ክዛረብን ኣብ ኩሉ ዓለምላኻዊ ባይቶታን መንግስታትን ወኸስታቱን ጥርዓን ህዝቡን ዘቕርብ፡ ውሽጣዊ ዝምድናታት ህዝብና ዘደልድል፣ ነቲ ናይ ሓባር ዘቃልስ ጽላል ዘጣጥሕ፣ ስርሓት’ዉን ዘካይድ ኩሉ ኣብ ደምበ ፍትሒ ዝዋሳእ ዝነጽጎ ኣይመስለናን፡፡
እዚ ሰረት፡ ምፍቃር ሃገርን ሓድነት ህዝብን ኮይኑ ይስምዓና። (Montesquieu) ሞንተስኲ ዝምሃሮ፡ንናጽነት በቢ-ዓይነቱን ዝተፋላለየ መልክዕን ፣ ንሓንጎል ደቂ ሰባት ዝትንክፍን ሰፊሕ ምርምራት ዝተኻየዶ ኣምር ወይ ስነ ሓሳብ ምዃኑ መጠን ፈሊኻ ንምቕራቡ ንሰባት የሸግሮም፡ ኢሉ ነይሩ። ወሲኹ ሞንተስኲ ናጽነት እቲ እትደልዮ ምግባር ዘይኮነስ፣ እንታይ-ደኣ እቲ ክግበር ዘለዎ ክትገብር ምስ እትበቅዕ እዩ ይብል፡፡ ስለዚ ሕጂ ብወገን ደምበ ፍትሒ ክንገብሮ ዘሎና፡ ሃገርን ህዝብን ካብ ተጓኒፍዎ ዘሎ ጸገም ንምድሓን፣ ብሽም ህዝቢ ኤርትራ ክዛረብ ዝኽእል ሉኡኽ/ወኪል ፡ ሓቢሩ ዝዋሳኣሉ ሰፊሕ ሃገራዊ ዲሞሰክራስያዊ ጽላል ምጥጣሕ ናይ ቀዳምነት ቀዳምነት ምዃኑ ምርግጋጽ እዩ፡፡23/05/2021 መን እዩ ብልቡ ንሃገር ዘፍቅር?
እዚ ንምግባር ሃገርነት ብደምቢ ምርዳእ ክህልወና የድሊ ካብ ምባል፡ ካብ መጽሓፍ ኣለም ሰገድ ( ካብ ፈደረሽን ናብ ጐበጣን ሰውራን 1956-1962) ብዛዕባ ተርእዩ ሃገረውነት ብሓፈሻ ኣብ ገጽ 187፡ ጹማቚ ወይ ቁራጽ ምቕራብ ጠቓሚ ኮይኑ ረኺብናዮ። ቅድም ግን ሓደ ኤተን.ዲ.ላ.ቦቴ ዝባሃል ፈረንሳዊ ፍላስፋ ብዛዕባ ሓደ
ውልቀ መላኺ ዝበሎ ሓሳብ ንርአ ፤ ‘’ እሱ፡ እቲ ኣብ ልዕልኻ ኮይኑ ዝቆጻጸረካ ክልተ ዓይኒ ጥራይ እዩ ዘለዎ፤ ክልተ ኢድ ጥራይ እዩ ዘለዎ፤ ሓደ
ነብሱ ጥራይ እዩ ዘለዎ፤ ካብዚ ዝበዝሕ ዘለዎ ወላ ሓደ ሰብ የለን። ብርግጽ ንሱ ንኸዕንወካ ካብቲ ባዕልኻ ትቅርበሉ ንላዕሊ ወላሓደ ነገር የብሉን። ንስኻ ባዕልኻ እንተዘይ ትቕርበሉ ከመይ ጌሩ እዚ-ኹሉ የዒንቲ ንዓኻ ንኽስልየካ ረኺብዎ ? ከመይ ጌሩ እዩ’ሞ ንዓኻ ንኸውቅዕ እዚ ኩሉ ኢድ ረኺቡዎ ? ንስኻ ባዕልኻ እንተ
ዘይተለቅሖ ? ናትካ እንተ ዘይኮይኑ ነይሮም እቶም ንዓኻ ዝረግጹ የእጋር ካበይ ምረኸቦም ?
ካብዚ ንርድኦ ነገር እንተሎ ዝኾነ ሕጊ፣ ውጥን ወይ ፖሊሲ፡ ብዘይገድስ በየናይ ኣካል ወይ ውልቀ-ሰብ ወይ ኣበየናይ ቦታ ይጸድቕ፡ ይትግበርን ኣይትግበርን ንኹልና ዘመልክት ጉዳይ ይኸዉን ማለት እዩ፡፡ እቲ ሕጊ ወይ ውጥን ንመሰረታዊ ሰብኣዊ መሰልና፡ ክብሪን ናጽነትናን ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ክኸዉን ይኽእል እዩ፡፡ መሰልና፣
ክብርና ናጽነትና ኣብ ሓደጋ ይወድቁን ወይ ወሰንቲ መጻኢ ህይወትና ንኸዉን ኣይንኸዉንን ግን፣ ኣብቲ ነቲ ሕጊ ወይ ውጥን ዘጽደቐ ወልቀ-ሰብ ወይ ኣካል ዘይኮነስ፣ ኣብቲ ነፍሲ-ወከፍና ንሓብሮ ንጥፈታት ብሰፊሑ ይምርኮስ ማለት እዩ፡፡ ስለዚ ዝስዕብ ዝበለ… ብዘይምትሕብባር ናይ ህዝቢ ወላ-ሓደ መንግስቲ ወይ ስርዓተምምሕዳር ንሓንቲ ካልኢት’ዉን ትኹን ክሰርር ኣይኽእልን፡፡ …. ህዝቢ ብኹሉ መዳያት ንመንግስቲ ምትሕብባር ዓቕሚ ይስእን። …. እወ ምንጪ ሓይሊ ስልጣንን ምዕባለን ናይ ሓንቲ ሃገር ህዝቢ እዩ፡፡
እዚ ብምርዳእ ምእንቲ ክንበቅዕ ቅድም ሃገር ምስ ዶባት መሬትን ባሕርን ጠፈርን ክትህሉ ስለ ዘድሊ፡ እዛ ሃገር’ዚኣ ክኣ ከም ኤርትራ ዘኣመሰለት ብደማን ዓጽማን ዜጋታታ ናጽነታ ዝረኸበት ብረፈረንድም ህዝባ ልዕላውነታ ዘራጋገጸት፡ ኣብ ሓደጋ ከይትወድቕ ብሓላፍነትን ሓድነትን ክንኻላኸለላ ይግባእ። ናብ’ቲ ዝጠቐስናዮ ካብ መጽሓፍ ኣለም ሰገድ ብዛዕባ ተርእዩ ሃገራውነት ብሓፈሻ፡ ተመሊስና ብምርኣይ፤ በነዲት ኣንደርሰን ዝባሃል ብዛዕባ ክልተ ሓሳብ ሃገራውነት ዓሚቚ ምርምር ዘካየደ ኣመሪካዊ፡ ብዓይኒ ታሪኽ ሕብረተሰባት ክርአ እንከሎ፡ ሃገራውነት ናይ ቀረባ እዋን ወይ “ዘመናዊ” ተርእዮ ክነሱ፡ ኩሎም ሃገራውያን ግን ናብ ናይ ጥንቲ ኣማጻጽኣ ማሕበረ ኮሞም ከም ዝመጡዎ ይገልጽ። ሎሚ፣ ቀጺሉ ኣንደርሰን፣ከምቲ ኩሉ ሰብ ጾታ(ተባዕታይ ወይ ኣንስታይ) ክህልዎ ግድን ዝኾነ፡ሃገር ክህልዎ ግድን ኮይኑ’ሎ። ግን ከኣ፣ ሃገር ጾታ ኣድማሳዊ ዘይኮነ፣ፍሉይ ሃገርነት(ንኣብነት ናይ ግሪኻውያን) ተባሂሉ ይመቓቐልዩ። ኣብ ልዕሊ’ዚ ኹሉ፡ኩሉ ህገራውነት ፖለቲካዊ ሓይሊ’ኳ እንተ ሃለዎ፡ፍልስፍናኡ ግን ድኻን ዘይንጹርን’ዩ። ብፍሉይ ዝኾነ ባህልን ባህላዊ ቕርስታትን ድማ ዝያዳ ይግለጽ፡፡
ካብዚ ተጋራጫዊ ወይ ስግንጢር ባህርያት ሃገራውነት ተበጊሱ ኣንደርሰን፡ ነቲ ሎሚ ከም ቅቡል ተወሲዱ ዘሎ ትርጉም ናይቲ ተርእዮ ሂቡ። “ሃገር” ኢሉ ንሱ፣ ብምስሊ ዝተሃንጸ ወይ ዝተማህዘ(imagined)ፖለቲካዊ ማሕበር ኮም (community) እዩ። ከም ብተፈጥሮኡ ዝተወሰነን (limited) ልዑላዉን (sovereign) ድማ
ይሕሰብ(ይምሰል)። ብኻልእ ኣዛራርባ፣ ኣብ ኣእምሮ ናይ ዘይፋለጡን ዘይራኸቡን ሰባት፣ “ምስሊ ናይ ህይወቶም ይህሉ” ማለት’ዩ። እዚ ናይ ተምሳል ወይ ናይ ሓሳብ ውህደት ኣብ ዉሽጢ ጆግራፍያዊ ዶባት ስለ ዝሕጸርን ኪኖ’’ቲ ኻልእ ናይ ተምሳል ውህደት ወይ ሃገር ስለ ዘሎን፡ ብቦታ ዝተኸለለ እዩ፡፡ ሃገርነት፡ ኣንጻር እቲ ብኣምላኽ ተቐቢኡ እናተባህለ ኣብ ልዕሊ ህዝብታት ዝተጻዕነ ሃይማኖታውን ንሁሳውን ግዝኣታት ብ18-19 ክፍለ ዘመን ስለ ዝተቐልቀለ ድማ፡ ብልዕሊኡ ተጽዕኖ ከም ዘየፍቅድ ወይ ልዑላዊ(sovereign)እዩ ተማሂዙ፡፡
ነዚ ናይ በነዲት ኣንደርሰን ክልስ ሓሳብ ምስ ሓቅነታት ኤርትራ ከዋስቦ እንከሎ፡ ናይ ቀረባ ተማሃራይ ኣንደርሰን ዝኾነ ኤርትራዊ ተመራማሪ ፋኣድ መኪ፡(ኣብ ደንበ ፍትሒ ክኣ ዶር. ገብረ ሃብተዮናስ ገብረማርያም) ክትዕ ብዛዕባ ኤርትራዊ ሃገራዉነት፡ ኣብ ውሽጢ’ቲ(ናይ ኣንደርሰን)ትንታኔኣዊ ስእሊ ክርአ ኣለዎ ኢሉ። ኤርትራ፤ ይብል ፋኣድ መኪ፤ ቅድሚ ምምጻእ መንግስቲ ኢጣልያ ከም ሃገር ስለ ዘይነበረት፣ ንሳቶም ዳህሲሶም ንኽረኽብዋ(discover ክገብርዋ)ትጽበ ከም ዝነበረት ኣካል ምቚጻራ ጌጋ እዩ፡፡ (ዶር. ገብረ ካቡኡ ሓሊፉ ኤርትራ ቅድሚ ኢትዮጵያ ከም ሃገር ከም ዝቖመት፤ ከም ዕድመ ድማ ንትዮጵያ ከም ትዓብያ ሚሂሩ ነይሩ)።23/05/2021 መን እዩ ብልቡ ንሃገር ዘፍቅር? በቲ ኻልእ ወገን፤ ከም ታሪኽ ኤርትራዊ ሃገረነት ከም ብሓድሽ ክጻሓፍ እንተ ኾይኑ፡ ከም ዝሰረተን ዝጸንሐን
ወይ ናይ ጥንትን(organic and primordial)ካብ ምርኣዩ፡ከም ሓደ መስርሕ ናይ ማሕበራዊ፣ ፖለቲካውን ታሪኻውን ህንጸት(construction)ምርድኡ ዝበለጸ እዩ።
እቲ ጹሑፍ ቀጺሉ ብዛዕባ ኣማጻጽኣ ሕብረተሰብ ኤርትራ ምውህሃዱን፣ ኣንጻር ኩሎም ባዕዳውያን ጋዛእቲ ተቃሊሱ ፡ ምእንቲ ሓድነት ህዝቡን ልዕላውነት ሃገርን ሓበራዊ መስዋእቲ ኸፊሉ ነቲ ብመሰረቱ ንብዝሕነቱ ኣጣሚሩ ብሓባር ዝነብረላ ሃገር ብቓልሱ ዘራጋገጸ ምዃኑ ዓለም’ዉን እትምስክሮ ታሪኻዊ ጉዳይ ምዃኑ የብርህ።
ንምሕጻር ጹሑፍን ኩሉ ኤርትራዊ ብሃገርነቱ ዝሕበን ንልዕላውነቱ ኣሕሊፉ ዘይህብ ምዃኑ፣ ብተዳጋጋሚ ኣብ ቅድሚ ባዕዳውያን ገዛእቲ ኣመስኪሩ ክነሱ ፡ ነዚ ኣብ ውሽጢ ሰውራኡ ዓዂኹ ከም ነፋሒቶ ቆርበቱ እናቐየረ ዝመጸ ማፍያዊ ደስቡጣ ስርዓት ኢሳያስ ጉጅሉኡን ካብ ስሩ ሚሑኻ ምድርባይ ግን እታ መፍትሕ ገና ዘይተረኽበት እያ ዘላ። ህዝብና ክኣ ኣደዳ ግፍዕን ጭኮናን ኮይኑ ይጸንት’ውን ኣሎ። ካብ ኩሉ ዝኸፍአን ዝገደደን ክኣ ኣብዘይ ጉዳይናን ዘይምልከተናን ውግእ ሓድሕድ ናብ ዓለታዊ ምጽናት ዘምርሐ ንደቅና ብግዲ ክሳተፍዎን ዓለም ዝኹንኖ ገበናት ክፍጸም ክትርእይ ኮሎኻን፡ኣብ ሞንጎ ህዝብታት ናይ ጽልኢ ውርሻ ክህሉ ክሓድርን፣ ዝግበር ዘሎ በዚ(sadist)ተገናዛዪ/ጨካን ኢሳያስን ጉጅሉኡን ብቕጽበት ጠጠው ክብል ጻዕርና ክታዓጻጸፍ
ይግባእ፡፡
ኩላትና ካብ እንርድኦ እዚ ደስቡጣ ስርዓት ኣብ ሻቕሎትን ውግእን ህዝብታት እዩ ተሓቢኡ ክነብርን ዕምረ ስልጣኑ ከነውሕን ዝጽዕርን ዝሰርሕን ። ነዚ ፍሉጥ ስርሓቱ ንምብርዓን ደምበ ፍትሒ ፍቕሪ ሃገርን ህዝቡን ልዕሊ ኩሉ ርእዩ፣ ንመስልን ክብርን ብዝዓበየ ግን ልዕላውነት ሃገርን ህዝብን ቀዳምነት ብምሃብ፡ ቁርጡውን ሓያልን፡ ንጹር ስትራተጂን ተኻታተሊ መደበ ዕዮን ዘለዎ መሪሕነት ክህልዎ ይግባእ፡፡ ኣብዚ ንምብጻሕ ቀጻሊን ምዕቡሉን ኣጋባብ ኢሂን ሚሂን ኢልካ ብምዝራብን (compromise)ልዝብ/ውረድ ደይብ እዩ ክብጻሕ ዝኽእል።
ከም መዕጸዊ፣ “ናጽነት ማለት ፡ናይ ፍልልይ-ሓሳባት ዘራጋግጽ ህሞት ምስ ዝህሉ እዩ” ትብል ሮሳ ሉስምበርግ (Rosa Luxemburg 1871-1919)፡ስለዚ ዝተፋላለየ ሓሳብን፣ካብ ዝተፋላለየ መስርሕ ቃልሲ ዝመጸ ሕብረተሰብና ግዚኡን እዋኑን ሓበራዊ ጽላል ዘብቅዕን ፡ ዘድሊ ምስግጋር ኣብ ምውዳቕ ማፍያዊ ደስቡጣ ስርዓት ኢሳያስ ጉጅሉኡን ዝስንድን ሓላፍነት ዝስከምን ጡርኑፍን ውህድን ካብ ኩሉ ክፍልታት ሕብረተሰብና ዝቖመ ህዝባዊ ሽማግለ የድሊ ካብ ምባል ኣይንቁጠብን።
ሕጂ’ዉን ሕሰብ ኣስተውዕል ተማራመር ተባራበር
አቕረብቲ ፍትዊ ክፍለ ምስ ብዙ ቡቱኞሊ
You must be logged in to post a comment.