ግደ ተስፋ ዝቆረጸ ኮብላሊ ዑፍ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ።

ግደ ተስፋ ዝቆረጸ ኮብላሊ ዑፍ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ።
ከም ሶማል ኢትዮጽያ ጅቡቲ ኤርትራ ከንያ ሱዳን ደቡብ ሱዳን ዝኣመሰላ ሃገራት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሰንኪ ብኩራት ፖሊቲካዊ ቅሳነት ኤኮኖምያዊ ዕቤት ስነ-ፍክጠታዊ ምዕባሌ ዕቤት ህንጸትን እናተሳቀያ ኣብ ጭራ መስርዕ ዓለምና ይርከባ። ምኽንያት ናይዚ ድማ ምሰንኪ ፖሊሲታት ናይቶም ክገዝእወን ዝጸንሑን ዘለዉን ምልካውያን ስርዓታት ኢዩ። እቲ ኩሉ መዳያዊ ዘይቅሳነት ናይዘን ሃገራት ኣብ ህዝበን ድኽነትን ድሕረትን ጥሜትን ሕማማትን ኣስዒቡ ይርከብ ኣሎ። ከም ኣብነት ንሶማልን ኤርትራን ኢትዮጽያን እንተወሲድና ንኣህዛቦም መሰረታውያን ናይ ሂወት ባእታታት ክቅርቡ ብዘይክእሉ ፍሹላት ስርዓታት ክመሓደራ ይርከባ።
ኣብ መጀመርያ ናይዚ ወርሒ ዲክተተር ኤርትራ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ንሱዳን ትጽቢት ዘይተገብረሉ ሃንደበታዊ ዑደት ኣካዪዱ። ካብዚ ዑደት ዲክተተር ኤርትራ ተዓዛቢ ዝገመቶ እንተሊዩ ንከኣባዊ ዝምድናታት ክልቲአን ሃገራት ንምምዕባልን ከም ውጽኢቱ ድማ ነቲ ካብ 2018 ዓ ም ክሳብ ዚ እዋን ተዓጺዩ ንዝርከብ ዶብ እተን ሃገራት ንምኽፋት ግደ ክህልዎ ዩ ዝብል ዩ ነሩ። ብኻልእ ሸነኽውን እቲ ዑደት ከም ውጽኢት እቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብፍላይ ከኣ ኣብ ኢትዮጽያ ሰፊኑ ዝርከብ ጎረባብቲ ሃገራት ብኣሉታ ተጸሊየናሉ ዘለዋ ሃለዋት ዘተኰረ ክኸውን ከም ዝኽእል ፍሉጥ ዩ ክብሉ ጸኒሖም። ምኽንያቱ ሱዳን ንስርዓት ኤርትራ ኣብቲ ምስ ኢትዮጽያ ዘሎ ናይ ዶብ ኲናት ኣብ ጎኒ ኢትዮጽያ ብዃን ይዋጋእ ከም ዘሎ ብተደጋጋሚ ክትከስስ ጸኒሓ ኢያ።
ይኹን እምበር ገለ ማዕከናት ዜና ዓለም ከም ዝገለጾኦ መራሒ ስርዓት ህግደፍ ነቲ ኣብ መንጎ ሱዳንን ኢትዮጽያን ዘሎ ናይ ዶብ ምስሕሓብ ንምፍታሕ ከም መንጎኛ ኮይኑ ክሰርሕ ከም ዝሓተተ ተሓቢሩ። ብሰንኪ ዚ እምበኣር ዕማም ናይቲ ተስፋ ዝቆረጸ ኮብላሊ ዑፍ ነቲ ኣተኣናጋዲ ብንዕቀት ዝርኢ እምበር ከምቲ ኣብ ማዕከናት ዜና ዝተገልጸ ኮይኑ ኣይተረኽበን። ከም ውጽኢቱ ኸኣ ዲክተተር ኤርትራ ኣብ ማዕከናት ዜና ዋላ ብዝወሓደ ደረጃ ከም ፍረ ዑደቱ ክግለጽ ዝኽእል ቁሩብ መቃልሕ ኳ ስለዘይተሰምዐ ጥራይ ኢዱ ፈሺሉ ከም ዝተመልሰ ዘመልክት ዑደት ዩ ተሪፉ። ብርግጽ ከኣ ዲክተተር ኤርትራ ንሱዳናውያን ከዕግቦምስ ይትረፍ ከምቲ ናይ ወትሩ ስርሑ ካብ ጉዳይ ትግራይ ኮነ ቢንሻንጉል ኣብ መርገጺኦም ንክጥንቀቁ ከይስግኦም ተስፋ ቆሪጹ ተመሊሱ። ብሓቂ ኸኣ ምኒስተር ዜና ስርዓት ኢሰያስ የማነ ገብረመስቀል ንሱዳን ናይ ምኽሳስን ምጽላምን ህውተቱኡ ንፍሽለት ዑደት መራሒኡ ዘመልክት ኣብ ርእሲ ምኹኑ ሱዳን ንጠለብ መንግስቲ ህግደፍ ከም ዝነጸገትን ኣብቲ ኣብ ዞና ቀርኒ ኣፍሪቃ ክጻወቶ ዝርከብ ናይ ኣዕናዊ ግዲኡ ተሪር ናይ መጠንቀቅታ ግብረ መልስን ከም ዝሃበት ዩ ዘረድእ። ብርግጽ ከኣ ገለ ነገር ዘይብሉ ክህብ ኣይክእል ዩ። ኩሉ ሕሉፍ ኮነ ህልው ታሪኽ ኢሰያስ ከም ዘመልክቶ ድማ ኣብ ግርጭታትን ጎጽታትን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብዘይካ ጠንቂ ምዃን እምበር ሰላም ናይ ምምጻእ ኣካል ኮቶ ኮይኑ ኣይፈልጥን ኢዩ። ንሱን ሰራዊቱን ኣብ ዝረገጽዎ ቦታ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኮነ ኣብ ዞባና ሞትን ዕንወትን ኲናትን እንተዘይኮኑ ሰላም ተራኢዩ ኣይፈልጥን። እቲ ዑደት ከካይደሉ ዝተራእየ ፈተነ እምበኣር ናይ ስርዓቱ ዕርበት ብኹሉ መዳያት ተገማጊሙ ስለዝተራእዮ ልክዕ ከምቲ ግደ ተስፋ ዝቆረጸ ኮብላሊ ዑፍ ከዕለብጥ ይርከብ ኣሎ።
ናይ ህዝቢ ሱዳንን ህዝቢ ኤርትራን ጂኦግራፊካዊ ማሕበራዊ ታሪኻዊ ባህላዊ ናይ መውስቦን ምትእስሳር ዝፈጥ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ተሪር ነቅ ዘይብል ዝምድና ክህሉ ከም ዝግባእ ዩ ዝርዳእ። ይኹን እምበር ብሰንኪ ኣብተን ሃገራት ዝነበሩ ስርዓታት ብፍላይ ከኣ ብሰንኪ ኣዕናዊ ፖሊሲታት ስርዓት ኢሰያስ ካልእስ ይትረፍ ዘራኽበን ዶብ ኳ ክሳብ ሕጂ ተዓጺዩ ይርከብ። ምኽንያቱ መለኽቲ ስርዓታት ብዘይካ ቀጻልነት ግዝኣቶም ረብሓን ሰላምን ኣህዛብ ኣየገድሶምን ኢዩ። ከምቲ ኩሉ ዝፈልጦ ስርዓት ኢሰያስ ኣንጻር ሱዳን ቀቢላውን ዓሌታውን ማሕበራዊ ሕማማት እናጻሕተረ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ሓው ኣህዛብ ኲናት ጽልኢ ከስፍን ጸኒሑ። ምስዚ ኩሉ ግን ዋላ ዶብ ተዓጺዩ ከሎ ዝምድናታት ኣህዛብ ሱዳንን ኤርትራ በቲኹ ኣይፈልጥን። ምኽንያቱ ድማ ድሌት ህዝቢ ካብ ድሌት መለኽቲ ዝሓየለ ስለዝኾነ ዩ።
ስርዓት ኢሰያስ ሎሚ ሓላዪ ሱዳን ኰይኑ ክረኣየሉ ዝርከብ እምበኣር ብሰንክቲ ኣብ ኲናት ኢትዮጽያ ዝኣተዎ ናይ ዕብዳን ተረኽቦ ብቦታውን ብዞባውን ኣህጉራውን መዳያት ከቢብዎ ካብ ዝርከብ ሓደጋ ንምምላጥን ካብ ኲናት ትግራይ ንምህዳምን ከምቲ ናይ ተስፋ ዝቆረጸ ኮብላሊ ዑፍ ዓጽረ-ሞታዊ ፋሕተርተር ጥራይ ኢዩ።
ይኹን እምበር ካብ ኲናት ትግራይ ናይ ምውጻእ መንገዲ ብሰቲ ዝተመድመደ ጎደና ኣይኮነን የግዳስ ምእሾኽ ዝመለአ ከቢድ ዋጋ ዝሓትት ሓደገኛ ጎደና ኢዩ። ንህዝብን ሃገርን ኤርትራ ኣድሒኑ ንስርዓት ኢሰያስ ኣብ ናይ ታሪኽ ጎሓፍ ዝቀብር ንክኸውን ድማ ኩሉ ኤርትራዊ ሓላፍነቱ ክስከም ይሕተት።
ስለዝኾነ ድማ ስርዓት ኢሰያስ ከምቲ ማዕከን ዜና ሲ አን አን ኣብ ጸብጻቡ ዝበሎ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ኣይወጸን ክብል ዝገለጾ እቲ ስርዓት ኣይንዓቀብ ኣይንቁልቁ ኮይኑ ኣብ ትግራይ ምህላዉ ብሓደ ሸነኽ ንጸጥታዊ ውሕስነተይ እንሓሳእ ድማ ንሓድነት ኢትዮጽያ ንምሕላው የ ኣብ ትግራይ ዘሎኹ ክብል ዝርከብ።
እቲ ሓቂ ግን ንስልጣን ኣብይ ኣሕመድ ንምሕላውን ምስኡ ብምምሕዛው ንስልጣኑ ንምውሓስን ኢዩ። ስለዚ
ጉጅለ ህግደፍ ብሰንኪ ዕብዳኑ ኣብ ጸቢብ ናይ ውድቀት ኣፍደገ ዩ ዝርከብ። ምዚ ኩሉ ኣቀድም ኣቢሉ ዝተገልጸ ካብ ትግራይ ክስሕብ ከሎውን ብኤርትራውን ብዙሕ ሓደጋታት ከጋጥሞ ዩ። ሰራዊት ኣንጻሩ ክለዓል ተኽሎታት ኣሎ። ምኽንያቱ ብዙሓት ካብ ታሕተዎት ሓለፍቱ ቅድም ኩናት ስለዝተቃወሙ ቀጺሎምውን ኣብ ኲናት ትግራይ ንዝቆሰሉ ቀንዲ ኰራኹር ስለያ ኢሰያስ ስለዝቀተልዎም እሞ ብዛዕቦኦም ሓቲቶም ዝተኣስሩ ብምህላዎምውን ከምውን ህዝቢ ብዛዕባ ኣብ ትግራይ ዝሞቱ ደቁ ክሓትት ስለዝኾነን ኢሰያስን ጉጅሊኡን ኩሉ መንገዲ እሾኽ ኰንዎም ናብ ውድቀቱ ከምርሕ ይርከብ።
ስለዚ ኩሉ ብሃገሩን ህዝቡን ዝግደስ ኤርትራዊ ኣብዚ ወሳኒ እዋን ሓላፍነቱ ክስከም ሕተት።
ሽፋ መ/ኑር
ትርጉም ኣቡ ያረት
You must be logged in to post a comment.