ምቛም መንግስቲ ኣብ ስደት !


ምቛም መንግስቲ ኣብ ስደት !
ርእሰ ዓንቐጽ
ንተርእዮን ኣተሓሳስባን ምቛም መንግስቲ ኣብ ስደት፡ ብዙሓት ሃገራት ወይ ሰበ ስልጣን መንግስታት ይኹኑ ፖለቲካውያን ሓይልታት ኣብ ስደት መንግስቶም ኣዊጆም ኣብ ንቡር ንምምላስ ዝተጠቕምሉ ኣገባብ መስርሕ ቃልሲ ኰይኑ’ዩ። ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ልዕሊ 15 ዝኾና ሃገራት መብዛሕትአን ኤውሮጳውያን ዝተረፋ ከኣ ኣብ ርሑቕ ምስራቕ ኤስያ መንግስታት ኣብ ስደት ኣዊጀን። ኣብ’ዘን ሃገራት መንግስቲ ኣብ ስደት ክእውጁ ዝደረኾም ሓባራዊ ረቛሒ ካልኣይ ኵናት ዓለም ይኹን’ምበር ብደረጃ ፖለቲካዊ ስርርዕን ቅርጽን ቅድሚ ኵናት ከም መንግስታት ኣብ ስልጣን ዝነበሩ እዮም። ከምኡ’ውን ብሰንኪ ኵናት ካብ ሃገሮም ዝተመዛበሉ ስርዓታት ወይ መንግስታት ኣብ ስደት ዝጣበቑ ሓይልታት ምንባሮም ምዝካር’ውን ኣገዳሲ’ዩ።
40 ዓመታት ድሕሪ ካልኣይ ኵናት ዓለም፣ መዋእል ዝሑል ኵናት ኣብቂዑ መንደቕ በርሊን ድሕሪ ምፍራስ፣ ኣብ ገገለ ሃገራት ድሕሪ መግዛእቲ ነጻነተን ዝረኸባ ግን ከኣ ህዝባዊ ዲሞክራሲያዊ ትካላት ዘይነበረን ሃገራት ኣፍሪቃን ኤስያን ብግሉጽን ምስጢራውን መንግስቲ ኣብ ስደት ንምቋም ጻዕርታትን ፈተነን ከም ዝተኻየደ ዝሕብር ኣሎ።
ጉዳይ ኤርትራ ምስ’ዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ንምምስሳልን መንግስቲ ኣብ ስደት ንምቋም ተኽእሎ ነይሩ ክበሃለሉ ዝኽእል ሓደ ድሕሪ ምፍራስ ፈደረሽን ክኸውን ምተኻእለ ዝብል ሓሳብ ክቅድም ይኽእል። ምኽንያት ከኣ ኣለዎ። ልክዕ ከም’ቲ ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም መንግስታት ብሰንኪ ኵናት ዓዶም ክገድፉ ዘገደዶም፡ ኣብ ኤርትራ ከኣ ተመሳሳሊ መስርሕ ምፍራስ መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣባላት ባይቶ ኤርትራ ተሃዲኖም ዝእሰሩሉን፡ ንስደት ከምርሑ ዝተገደድሉ ኩነታት ብምንባሩን እዩ።
እዚ ሕቶ’ዚ ኣገዳሲ ስለ ዝኾነ፡ ክንመራመረሉን ከነጽንዖን ርእይቶን ሓሳብ ክንህበሉ ዝግባእ እዩ። እቲ ሕቶ ከም ሕቶ ቀሊል ብዘይምኳኑ ከኣ ቅኑዕን ጌጋን ብምባል ዘይኮነስ መሰረት ኣመዓባብላን ኩነታት ህልውናና ብቀዳምነት ህዝቢ ኤርትራ፡ ከምኡ መሳርዕ ፖለቲካዊ ሓይልታት ወሳኒ ተራ ስለ ዘለዎ ኣገዳሲ መስርሕ’ዩ።
ኤርትራ ኣብ ዓለም ፍትሒ ምስ ተነፍጋ፣ ድሕሪ 30 ዓመታት ደማዊ ብረታዊ ተጋድሎ ብ1991 ነጻነታ ተጓናጺፋ። ከም ዓለማ ነጻነት ኣዊጃ፡ ኣባል ኣህጉራዊ ሕብረተ ሰብ ዓለም ኮይና። ህዝቢ ኤርትራ ከም ዝኸፈሎ መስዋእቲ መጠን፡ ህዝባዊ ዲሞክራሲያዊ መንግስቲ ክምስርት ኣይበቕዐን ዘይኮነስ ዕድል ኣይረኽበን። ምስ ምእዋጅ ነጻነት ኤርትራ፣ ህዝቢ ኤርትራ ግን ሓርነቱ ተጨውዩን መሰላቱ ድማ ስለ ዝተነፍገ ፣ዲሞክራስያዊ ትካላዊ መንግስቲ ክምስርት ኣይተዓደለን።
ኣብ ኤርትራ ድሕሪ ነጻነት ሓደ ምልካዊ ስርዓት ክምስረት’ዩ ዝብል እምነት’ኳ እንተዘይነበረ፡ ውዒሉ ሓዲሩ ዘይተርፎ ምዃኑ ዘመልክቱ ውሽጣውን ግዳማውን ዓበይቲ ፖለቲካዊ ወስታት ዝነበሮ’ዩ። ህ.ግ ከም ዛዛሚ ኵናት ንነጻነት ኣብ ውሽጡ ዝነበረ ፍልልያትን፡ ጉዳይ ውድባት ኤርትራን ዝተወገነ ብዘይምንባሩ ሓደ ካብ’ቲ ጸገማት ክሩቋሕ ይኽእል።
ምስ’ዚ ተሞክሮ ብዝተኣሳሰረ ድሕሪ 2001 ደጊሙ 2015 ኣብ ዝተፈላልየ እዋን ምቋም መንግስቲ ኣብ ስደት ክቃላሕ ጀሚሩ። ኩሉ ግዜ ሓሳብ ኣይጽላእን’ዩ። ይኹን’ምበር ንግብራዊ መስርሕ ክህሉ ዝኽእል ብመሰረት ሰፊሕ ደገፍ ህዝቢ ኤርትራን ኣህጉራዊ ሕብረተ ሰብን ኣብ ሚዛን ዝኣተወ ክኸውን ይግባእ። እወ። ኣብ’ዚ ጉዳይ’ዚ ክለዓሉ ካብ ዝኽእሉ ዓበይትን ኣገደስትን ሕቶታት እንተርእናዮም፡-
1. መንግስቲ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ፡– እዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ታሪኻዊ ኣመዓባብላ ምቋም መንግስቲ ኣብ ስደት፡ ጉዳይ ኤርትራ ብኽመይ ኣገባብ’ዩ ክስራዕ ዝብል ቀዳማይ ሕቶ’ዩ። ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ሃገራዊ’ዩ እንተደኣ ተባሂሉ ተወሲዱ፡ ምስ’ቲ ኣብ ካልኣይ ኵናት ዓለም ዝነበረ ኩነታት ተሞክሮ ይፈላለ ብምህላዉ ተረድኦ ምቋም መንግስቲ ኣብ ኣስደት ደገፍ ከይረክብ ይኽእል’ዩ።
2. ፍልልያት ህዝብን ፖለቲካውያን ሓይልታት፡- ውህደትን ሓባራዊ ኣሰራርሓ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ብዝምልከት ኣገዳስነቱ ንባዕሉ ነቲ ኣብ ስደት መንግስቲ ንምቋም ግደ ዘለዎ እጃሙ ዘበርክት ምዃኑ ተፈሊጡ፡ ምስ ህሉው ኩነታትና ሓጋዚ ድዩ ዓንቓፊ ኣብ ግምት ዝኣተወ ክኸውን፡ ይግባእ።
3. ሚዛን ደገፍ ኣህጉራዊ ሕብረተ ሰብ፡– ብዲፕሎማስያዊ ስራሓትና ዘረጋገጽናዮም ደገፍ ኣህጉራዊ ማሕበረ-ሰብ ክህልዉ ይግባእ ዝብል እምነት ኣለና። ስለ ዝኰነ እዚ ኣገዳሲ ረቋሒ’ዚ ብዓቢ ተገዳስነት ክርአ ኣለዎ ድማ ንብል።
4. ልዕሊ ኩሉ ከኣ ሕጋውነት ወዘተ ክለዓሉ ግድነት’ዩ። ሕጋውነቱ ብዝምልከት፡ ልክዕ ብዝተወደበ ዝተሰርዐን ጉባኤታቱ ብዘጽድቆ ውሳኔታት ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ዝካየድ ኤርትራዊ ቃልሲ ሕጋዊ’ዩ። ይኹን’ምበር ካልኦት ሕቶታት ክለዓሉ ከኣ ግድነት’ዩ። ንኣብነት፡- ሀ/ እዚ ጉባኤታት ንኩሉ ዝውክል ሓድነታዊ ውሳኔ ዝሕለፈ ድዩ? ለ/ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ኣስደትን ዘሎ ህዝቢ ክህልዎ ዝክእል ግደን ተራን ምንጻር ዝብል እዩ።
እቲ ኩሉ ሓሳብ ትልምን ዲሞክራሲያዊት ኤርትራ ንምርኣይ ዝዓለመ ክሳብ ዝኾነ ብኣውንታ እንተርእናዮ፡ ኣብ መወዳእታ ከም ኣማራጺታት ክቀርብ ዝክእል ሕቶታት ቅድሚ ምቋም መንግስቲ ኣብ ስደት ክምለስ ስለ ዘለዎ፡ ብርእይቶና ከም’ቲ ልዕል ክብል ዝተጠቕሰ ኣገደቲ ደቀቕቲ መሰረትዋይን ሕቶታት እንታይ ክንገብር ኣለና ብዝብል ሓሳብ ክቅድም ክፍተሽን፡ ንውሽጣውን ይኹን ግዳማውን ሽግራት ክፈትሕ ይኽእል ዝብል እምንቶ’ዩ። ከም ኣብነት:-
- ሀ. መንግስቲ ኣብ ስደት ንምቋም እንታይ ክንገብር ይግባእ እንታይ የድልየና?
- ለ. መሰናድኦታቱኸ እንታይ ይመስሉ?
- ሐ. መንግስቲ ኣብ ስደት ንምቋም ዝተማልአ ሕጋውነቱ ተረጋጊጹዶ?
- መ. ደገፍ ኣህጉራዊ ሕብረተ ሰብ ኣሎ ዶ? እንታይ ከ ይመስል?
ምቋም መንግስቲ ኣብ ስደት ንዝቀርብ ሕቶታት ንምምላስ ከኣ ዝሕግዝ እዩ። እምበኣር ኣብ ከም’ዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠቕሰ ተሞክሮታትን ዝተዛመደ መስርሕ ምስ ዝካየድ ከኣ ይንዋሕ ይሕጸር ኣብ ስደት ይኹን ኣብ ውሽጢ መተካእታ መላኺ ስርዓት ህግዲፍ፡ ህዝባዊ ዲሞክራሲያዊ መንግስቲ ኤርትራ ክምስረት ተኽእሎ ክህሉ ይኽእል።
ቤት ጽሕፈት
ዜናን ባህልን ውሓኤ
You must be logged in to post a comment.