ውድባዊ መግለጺ

ውድባዊ መግለጺ

ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን (ውሓኤ) ብምኽንያት ምትሓዝ ከተማ መቐለ ኣመልኪቱ እዚ ዝስዕብ መልእኽቲ የመሓላልፍ፡-

ዝኸበርካ ህዝቢ ትግራይ!

ጸረ-ህዝቢ ዝዀነ መሪሕነት ጭፍራ ህግደፍ፣ ንህዝቢ ኤርትራ ቅድሚ ሕጂ ርእይዎ ዘይፈልጥን መዘና ዘይብሉን በደል ኣብ ልዕሊኡ ኣውሪድሉn/የውርደሉ ከኣ ኣሎ። ኣብ ኩሉ መነባብሮ ሂወት ህዝቢ ኤርትራ ኣትዩ ኣድሚይዎ እዩ። እዚ ማለት ኣደንቁርዎ፡ ኣጥምይዎ፡ ኣርዒድዎ፡ በታቲንዎ ከይኣክል ኣደዳ ሞትን ስቅያትን ገይርዎ ከም ዘሎ ንኣኻ ንህዝቢ ትግራይ ስዉር ኣይኮነን። ስለ ዝዀነ ካብ ኤርትራ ሃዲሙ ንዝመጻካ ኤርትራዊ ኩሉ ከኣ መጠነ-ሰፊሕ ዝዀነ ልግሲ ኣርኢኻ ሓብሒብካዮ ኢኻ። ነዚ ልዑል ምስጋና ይግብኣካ’ዩ።

ጭፍራ ህግደፍ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ጥራሕ ከይኣኽሎ ምስ ወጻኢ’ውን ኣብ ዝተፈላለዩ ውግኣት እንዳኣእተወ ንህዝቢ ኤርትራ ብደም የላብሶ ከም ዘሎ ትርእዮ ዘለኻ ሓቂ እዩ። ህግደፍ ነጸብራቕ ናይ ኤርትራ ውሽጣዊ ፖሊሲ ተኸቲሉ ንጐረባብትና እንዳ-ዓመጸ ደም ከላብሰና ይርአ ኣሎ። ኣብ ዓለም ንኽትዛረበሉ ብዘሰክፍ መልክዑ ብዱልስ ገበነኛ ከም ዝኸውን ክገብሮ ንርኢ ኣለና። ብፍላይ ኣብ ልዕለኻ ኣብ ልዕሊ ተባዕን ጅግናን ዝኾንካ ህዝቢ ትግራይ፣ ህግደፍ ዘውረዶ ዘሎ መጠን-ሰፊሕ ግፍዒ ንኽትኣምኖ ኣዝዩ ዘሸግር መቕዘፍቲ ዓለም ዝርእዮ ዘሎ እዩ።

ዓጢቑ ንዝገጥም ተዋጋኣይ ክቐትል ክቕተል ንቡር እዩ። እቲ ኣዝዩ ነውራምን ዘይንቡርን ግን ኣብ ልዕሊ ሓፍትኻ፡ ሰበይትኻ፡ ጓልካ፡ ኣደኻ፡ ሓትኖኻ፡ ኣሞኻ ወዘተ ክበጽሕ ዘይትትምነዮ ዓለም ዝምስክሮ ጾታዊ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ደቂ-ኣንስትዮ ትግራዎት ክበጽሕ ተራእዩ እዩ። ብሓፈሽኡ ድማ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ሲቪላዊ ህዝቢ ትግራይ መዳርግቲ ዘይብሉ መቕዘፍቲ፣ ብመራሕቲ ህግደፍ ክወርደካ ሰብ ይዕዘቦ ኣሎ። እዚ ኩሉ ዝግበር ዘሎ በደላት፣ ዕድመ ስልጣን ሰይጣናዊ ኢሳይያስ ኣፈወርቅን፡ ኰራኹር ደቂ መዛምርቱን ንምንዋሕ ስልጣኖም ጥራሕ ዝዓለመት እያ።

ስለ’ዚ ህዝቢ ትግራይ ብጀጋኑ ደቁ ተመሪሑ፡ ንዝወረዶ መቕዘፍትታት ከይተጻዕደ ብትብዓት መኪቱ ንወረርቱን ዓመጽቱን ብዝግባእ ገጢሙ ክስዕር ንርእዮ ዘለና ሓቂ እዩ። መሪር ዋጋ ከኣ ይኸፍል ኣሎ። እዚ መሰረት ብምግባር ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን (ውሓኤ) ንህዝቢ ትግራይን ጀጋኑ ደቁን ዮሃና ብምባል እንቋዕ ሓጐሰኩም ክብል ደስ እንዳበሎ እዩ።

ክብርና ክምለስ ሓቢርና ንቃለስ!

ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ዝምድናታት ውሓኤ

29-06-2021   

Leave a Reply

Please log in using one of these methods to post your comment:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.