ኣንጸባራቂ ወተሃደራዊ ዓወታት ወያኔ ናበይ ገጹ ፡

ክብሮም ግረነት

ኣንጸባራቂ ወተሃደራዊ ዓወታት ወያኔ ናበይ ገጹ ፡

ኣብ ፈለማ ምጂማር ወራር ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ፡ ኣብ ዘቅረብኹዎ ጽሑፍ እቲ ኹናት ብዓወት ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ (ም.ሓ.ት) ክፍጸም ምዃኑ ገለጺ ነይረ ። እዚ ከኣ ህዝቢ ትግራይ ኣብ መሬቱን ኣብ መንነቱን ንዝመጾ ወራር ሓይሊ ክምክቶን ኣብ መወዳእታ ከኣ ግዜ ይንዋሕ ይሕጸር ተዓዋቲ ምዃኑ ዘጠራጥር ጉዳይ ስለ ዘይነበረ ። ምኽንያቱ  ሰውራ ኤርትራ ሕያው ኣብነት ስለ ዝኾነ። እዚ ተረኺቡ ዘሎ ዓወት ግን ብከምዚ ዓይነት ብቁልጡፍ ክፍጸም እዩ ዝብል እምነት ግን ዝኾነ ሰብ ዝነበሮ ኣይመስለን ። እንቛዕ ሓጎሶኹም ! ኣመዝጊብኩምዎ ዘሎኹም ዓወታት ክትዕቅቡ ከኣ ናይ ብዙሓት ተስፋን እምነትን እዩ ።

                  እዚ ዓወታት እዚ ክገልጸልና ዝክእል ሰለስተ ነጥብታት ክንርዳእ ንክእል ።

ቀዳማይ ፡ ህዝቢ ትግራይ ዝጠምሮ ሓደ ቛንቛ ፡ሓደ ባህሊ፡ሓደ ስነ ኣእምራዊ ኣታሕሳስባን ጆኦግራፊኻዊ ኣቀማምጣን ይውንን ። ከምኡ እውን ካብ ሕሉፍ ታርኽ ናይ ኣክሱማውያን ነገስታት እተወርሰ ሕላገት ናይ ኒሕን ቆራጽነትን ልዑል ሞራል ኣስኒቁዎም ኣሎ ። ህዝቢ ትግራይ ልዕሊ ኩሉ ካብ እምነታቱ ሃገሩ ንቅሚት ይሰርዕ ። እዚ ተውህቦ እዚ ስለ ዝውንን ፡ወራር ኢትዮጵያ ኤርትራን ኣብ ዝመጸሉ ፡ ከም ሓደ ኣካል ኾይኑ ፣ብሓደ ተላዒሉ ክምክትን ኣገረምቲ ዝኾኑ ዓወታት ኣንጻር ወረርቲ ሓይልታት ከመዝግብ ተራእዩ ። ከምዚ ውሁብ ዝኮነ ጸጋታት ዝውኑኑ ህዝብታት ዓለምና እንተኾነ እውን ፡ኣብ ወተሃደራውን ፡ኣብ ፖለቲካውን ፡ ኣብ ቁጠባውን ስሉጥ ዝኮነ ዓወታት ከመዝግቡ ተራእዮም እዮም ። ብጣዕሚ ወሳኒ ናይ ዕብየት መሳርሒ እዩ ።

ካልኣይ ፡ ንሓይልታት ምኽልኻል  ትግራይ ኣብዚ ኹናት እዚ ዝመርሑ ዘለው ጀነራላት ፣ ኣብ ሓርነታዊ ቓልሲ ትግራይ እተመከሩን ኣብ ብሱል ዕድሜ ዘለዉን ኢዮም ። ብተወሳኪ እተወልዱሉ ኣቀማምጣ መሬት፡ ጎቦታቱን ረባታቱን ክሊማን ደሚርኻ ዘሎዎም ኣፍልጦ ወሳኒ ናይዚ ወተሃደራዊ ዓወታት የንጸባርቕ ። ልዕሊ ኩሉ ግን ናይ ህዝብን ሰራዊትን ልዑል ሞራል ወሳኒ ተራ ኣሎዎ ።ብመንጺር ናይዚ ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ 2018 ኣብ ስልጣን ዝመጸ ኮረነል ዓቢይ ኣሕመድ ዓሊ ተመክሮ ዘይብሉ ፣ ነዛ ኢትዮጵያ እትብሃል ሃገር ክመርሕ ዘይበቂዕ ፡ ኣብ መንጎ ሓቅን ሕሶት ደረት ዘይፈሊ፡ ኣብ ስልጣን ክጸንሕ ንብዙሓት ኣኣሲሩን ኣቅቲሉን ከይኣክሎ ፡ ነቲ ፈደራላዊ ሰራዊት ከኣ፡ ነቶም ምኩራት ዝነበሩ መራሕቲ ኣባሪሩ ፡ በቶም ተመክሮ ዘይብሎ ገሊኦም ኣብ ግዜ ሓርነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ እተማረኹ ጀነራላት  ደቂ ኦሮሞ ክመርሕዎ  ኣዚዙ ይርከብ ።

ሳልሳይ ፡ በዚ ኣብ ኢትዮጵያ ማዕቢሉ ዘሎ ናይ ብሔራት ጽልእታትን ፡ ብርዱእ ሕሉፍ ታሪካዊ  ምኽንያታትን፣ ዝኮነ ዜጋ ንብሔሩን ንወገኑን ንመሬቱን ከም ዝሓስብ እምበር ኢትዮጵያ እትብሃል ሃገር ከም ቀዳምነታቱ ከይገበረ ክህነጽን ክዓብን ጸኒሑ  ። ስለዚ እዚ ሰራዊት እዚ  ድልየትን ሞራላን ስለ ዘይብሉ ኣብ ኹናት ዝብርትዓሉ ግዜ ንክሃድም ጸገም የብሉን ።ስለዚ ብሕጽረት ምኩራት መራሕቲ ኹናትን  ፡ እቲ ሰራዊት ከኣ ኣብ ዘይምልከቶ ክልል ከይዱ ክዋጋእ እውን ድልየት ስለ ዘይብሉ ክስዓር ናይ ግድን እዩ። እዚ ሕጂ ንርእዮ ዘሎ ናይ ክልላት ሰራዊት ኣብ ጎኒ ኣምሓራ ተሰሊፉ ዝብል ሓበሬታ ፡ ነዚ ተመስጊቡ ዘሎ  ዓወት ኹናት ናይ ሓምት ክሃሲ ዝክእል ኣይኾነን ።ምኽንያቱ እቲ ኹናት ቁሩብ ምስ ጻዕጸዔ ናብ ዝመጹሉ ክልል ክሃድም እዮም ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ናይ ዕጥቅን ስንቅን  ጸበባ ከጋጥሞ እዩ ። ብግዜ መንግስቱ ሃይለማርያም እውን ኢትዮጵያ ሓደ ምኽንያት እተሰዓረትሉ ደኽያ ሰራዊታ ክትቅልብ ስለ ዘይከኣለት እዩ ።   

                  ቀንዲ ነዚ ኹናት ክባራዕን ኣበርክቶ ካብ ዝገበሩ እቶም ኣብ ኤርትራ ዓስኪሮም ዝነበሩ መራሕቲ ጉንቦት ሻውዓተ ዝብሃሉ ኣቶ ኣንዳልካችው ጽገን፡ ዶክቶር ብርሃኑ ነጋን እዮም ። እዞም ክልተ ሰባት ምስ ኢሳያስ ኣፈውርቂ ዝነበሮም ዝምድና ዓባይ ኢትዮጵያ ናይ ምፍጣር ባህግን ሕልምን ነይሩዎም ፡ እዚ ከኣ ካብቲ ድልየትን ሕልምን ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝፍለ ኣይኾነን ብተወሳኪ እዞም ክልተ ሰባት ኩቱር ጽልኢ ኣብ ልዕሊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ነሩዎም ። ክልቲኦም ማእሰርቲ ወያኔ ጢዒሞም እዮም ፡ እቲ ቀንዲ ምኽንያቱ ግን፡ ወያኔ ፈደራላዊ ሕጊ መንግስቲ ብምትእትታው ነቶም ተጨቒኖም ዝነበሩ ብሔራትን ብሔረሰባትን ኢትዮጵያ ርእሶም ከማሓድሩ ገይሩዎም ፡ በዚ ከኣ ብሔር ኣምሓራ ነቲ ንነዊሕ ዘመናት ሒዞሞ ዝጸንሑ ስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ተሓዲጎም ስለ ዝኾኑ  ። ስለዚ ወያኔ ዓንቓፊት ናይዚ ኻኣባዊ ዝሕሰብ ዘሎ ፕሮጀችት ስለ ዝኾነት ፣ብከመይ ክትጠፊእ ኣሎዋ ዝብል መርሓ ግብሪ ኣቶ ኣንዳልካችው ካብ ኣቶ ኢሳያስ ኣፈውርቂ   እተዋህቦ ሰነድ ንኮረነል ዓቢይ ከም ዘረከቦ ኣብ ኣዳባባይ ክልጹዎ እዪ ።  እምበኣር ካብዚ ጅሚርካ እቲ ናይ 2018 ውዑል ሰላም ከምቲ ናይ ኖቤል ናይ ሰላም ሽማገለ እተገንዘብዎ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሰላም ንፍጣር ዘይኾነስ ብከመይ ገርካ ንወያኔ ከቢብካ Game Over ትብል እዩ እቲ መደብ ነይሩ ። እዚ ከኣ ከመይ ገይሮም ንህዝቢ ትግራይ ካብ ገጽ መሬት ምጥፍኡ ወይ ከኣ ን100 ዓመት ንድሕሪት ምምላሱ እዩ እቲ ተግባር ዝምስክሮ ። ካብዚ ኣታሓሳስባ እዚ ተበጊስካ እቲ ወያኔ  ኣብ ልዕሊ ሰሜን እዝ ዝወሰድዎ ስጉምቲ እዋናውን ቁኑዕን ነይሩ ። ምኽንያቱ ኮረነል ኣቢይን ፡ ኢሳያስ ኣፈወርቅን  ብዘይ ምኽኑይ ጉዳይ ኣብ ከባቢ መሬት ትግራይ ካብ ርሓቅን ቀረባን ሰራዊት  እናምጽኡ ከስፍሩዎ እንከልዉ ፡ ምስቲ ዝነበረ ኩነታት መንግስቲ ትግራይ ኣቀዲሙ ስጉምቲ ምውሳድ ናይ በላሕቲ ኣእምሮ ተግባር እዩ   ።

                  ነጻ ሃገረ ትግራይ ምምስራት ፡

                  ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ሰላም ክነግስ ነጻ ሃገረ ትግራይ ከትፍጠር ኣሎዋ ። ኢትዮጳያ እትብሃል ሃገር ንልዑላውነት ኤርትራ ክትፈልጥ ምጽባይ ከምቲ ህበይ ሰማይ ከይትወድቆ ኣንቓሪሩ ሰማይ እናጠመታ ዝሓድር ዝመስል ጽውጹዋይ እዩ ። ኢትዮጵያ ልዑላውነት ኤርትራ ክትፈልጥ ኣሎዋ ዝብሉ ምሁራት ምስማዕ ፣ ነቲ ደረቕ ሓቂ ክቅብሉ ዘይምክኣሎም ኣብ ሕልሚ ዝነብሩ ምህላዋም ትርዳእ ። ብኣንጻሩ ህዝባዊ ወያኔ ሓርነት ትግራይ ብሩዱእ ምኽንያት ክሳብዛ ሎሚ መሰል ርእሰ ውሳኔ ናይ ህዝቢ ኤርትራ እተቀበለ እንኮ ውድብ እዩ ። ብሰንኪ እዚ መገርጾም ከኣ ኢትዮጵያውን ብዘይ ወድብ ኣትሪፍኩምና እናበሉ መዓልታዊ ጸለመ ከም ዝቅበሉ ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ እዩ። ሓደ ብኢትዮጳያውያን ዝልዓል ሕቶ ኣሎ ፡ ንሱ ከኣ ህወሓት ንምንታይ ንወድብ ዓሰብ ክወሓባ ዘይሓተት ዝብል ኣሎ ። ብወገነይ ክርእዮ እንከሎኹ ፡ ኢትዮጵያ ወናኒት ወደባት ምስ እትኽውን ፡ ትግራይ ተሰማዕነትን ተቀባልነትን  ዘይብላ ትክውን ፡ ስለዚ እቲ ሕቶ ናይ ነጻ ሃገረ ትግራይ ናይ ምምስራት ይምህምን ። ሕጂ ግን ነጻ ሃገረ ትግራይ ናይ ምምስራት መድረኽ  ዝቀረበ ይመስል ኣሎ ።

                  መንቀሊ ወይ መበገሲ ናይዚ ዝኻየድ ዘሎ ኹናት እቲ ኣብ ባድመ 1998 ዝጀመረ ምርጻም ናይ ክልተ ስነ ሕሳባትን ድልየታትን ናይ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ናይ ህዝባዊ ወያኔ ሓርነት ትግራይ እዩ ። ኢሳያስ ኣፈርወቂ  ኣብ 1991 ኢትዮጵያ ክገዚእ ተራእዩዎ ፈደረሽን ወይ ኮንፈደረሽን ክብል  ፡ መለስ ዜናዊ ከኣ ነጻነት ኤርትራ ተራእይዎ ረፈረንዱም ክግበር ተሓባቢሩ ። ስለዚ ምኽንያት ኹናት ባድመ ከምዚ ኣብ ታሕቲ ተገሊጹ ዘሎ እዩ ።

                  ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ተጋድሎ ኤርትራ ዝተጸንበረ ነታ ብተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ እተምራሕ ዝነበረት ህዝባዊት ውድብ ናይ ኣስላም ኾይና ስለ እተራእየቶም፡ ምስ ዝለኣኩዎ መሳፍንቲ ኢትዮጵያ እናተደገፈ ከትጠፊእ ተቓሊሱ፡ ኣብ 1982 ከኣ ተዓዊቱ። ልክዕ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ነቲ ዝወፈረሉ ዕላማ ብዕቱብ ኩሉ ግዜ ኣብ ውሑስ ቦታ ኾይኑ እዩ ዝከታተሎ ዝነበረ ኣብ ህወቱ ክመጾ ዝክእል ሓደጋ ከኣ ኣይነበረን ። ኢሳያስ ኣፈወርቂ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግምባር ዘይፈልጥዎ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዙሕ ርክባት ይገበር ነይሩ ። ንኣብነት ሻለቓ ዳዊት ወልደገርኪስ ከም ዝብሎ ምስቶ ዕልዋ ዝመርሑ ጀነራት ደርጊ ኣብቲ ክምስረት ተሓሲቡ ዝነበረ ግዝያዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከኣቱ ተሰማሚዑ ፡ቶክሲ ድው ክብል ገይሩ ክምዝነበረ ይፍለጥ ። ተጋ  መስፍን ሓጎስ እውን ኣብ ሜዳ እንከለዉ ምስ ኢትዮጵያ ብኮንፈደረሽን ክንዕርቅ ዝብል ቦጮቅ ከብል ከም ዝሰምዖ ይገለጽ ። ኢሳያስ ኣፈውርቂ እቲ ዝሓልሞ ናብ ኢትዮጵያ ምጽንባር ምስ ድልየታት መራሕቲ ውድብ ህግሓኤ ህዝቢ ኤርትራን ከምኡ እውን ውድብ ህወሓት ምሉእ ነጻነት ኤርትራ ይድግፉ ስለ ዝነበሩ ብኩሉ እቲ ድልየታት ኢሳያስ ኣብ  ኣብ ረጽሚ ይኣቱ ነይሩ  ኣሎን ከኣ ። ኣብ ኣኼባ ለንደን እውን ኤርትራን ኢትዮጵያን ብኮንፈደረሽን ንሓሙሽተ ዓመት ክጸንሓን ፡ ናይቲ ኮንፈደረሽን መራሒ ንሱ ክኽውን ዘቅረቦ ጠለብ ፡ ብመለስ ዜናዊ ተነጽጉ ፡ ኤርትራ ብረፍረንዱም ነጻ ክትወጺእ ተውሲኑ ። ስለዚ ኢሳያስ ኣፈውርቂ ንመደባቱ ኣብ እተናወሔ መድረክ ከተግብሮ ደኺመ ከይበለ ንህዝቢ ኤርትራ በጃ እናገበረ መጀመርያ ኣብ 1991 ኣብ ኣዲስ ኣባባ ከይዱ ክንዮ ዶባት ከምዘሓስብ እንታይ ከምዝደሊ ገሊጹዎ እዩ ። እንደገና ኣብ 2018 ኣብ ማእከል ኢትዮጵያ ከይዱ “ ሓደ ህዝቢ ኢና ፡ ክልተ ህዝቢ እዮም ዝብል ዓሻ ዘይፈልጥ እዩ ፡ ወሲኩ ከኣ ኣይከሰርናን ንብረትና ኣምልስና ኣሎና “፡ ብታሕጉስ ልቡ እናሃረመ ምልእ ዓለም ተዓዚባቶ ።  ስለዚ ኣብዚ ክንግንዘቦ ዘሎና ህዝቢ ኤርትራን ውድባቱን ከምኡ እውን ውድብ ወያኔ ሓርነት ትግራይ ናይ ህዝቢ ኤርትራን መሰል ርእሰ ውሳኔ ክእምኑ እንከለዉ ፣ ንበይኑ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ክሕውሳ ክሳብ ሎሚ ኣብ ቓልሲ ኣሎ ። እዚ ብዕለት  11/4/2020 ኣብ ትግራይ ዝጀመረ ኹናት ፡ ንኢሳያስ ኣፈወርቂ ቂሙን ጽልኡን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ውድቡን ዘውጸኣሉን፣ ነቲ  ምስ ኢትዮጵያ ክገበሮ ዝብህግ ኮንፈደረሽን ከኣ መንግዲ ዝጸርገሉ ገይሩ ፣ ትሑዝ ጉዳይ ገይሩ ተረዲኢዎ ነይሩ ። ኩናት ከኣ ብዘይ ናይ መውጽኢ እስትራተጂ  ክትጅምሮ ሓደገኛ እዩ ። ምኽንያቱ ምስ ተጀመረ ኣበይን መዓስን ከምዝውዳእ ኣይፍለጥን እዩ ። ሕጂ ከኣ ኢሳያስ ኣፈርወቂ እከይ መደባቱ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብክፍል ፈጸሙ ግን ምሉእ ስዕረት ኣጓኒፉዎ ናብ ኤርትራ ተመሊሱ ኣሎ። ክድቅስ እዪ ማለት ግን ኣይኾነን ።  

                  በቲ ካልእ ሽነክ ነጻ መንግስቲ ትግራይ ክትፍጠር ፡ ነጻ መንግስቲ ኤርትራ ክትህሉ ናይ ግድን እዩ ። ተጋሩ ቃልሲ ኣብ ዝጀመረሉ ነጻ ኤርትራ ዋሕስ ናይ ነጻ ትግራይ ምዃና ኣቀዲሞም ዝኣመኑሉን ዝተበገሱሉን እዩ ። ንኣብነት ኣቦይ ስብሓት ነጋ” ንኤርትራ ክውርር ዝመጽእ ሓይሊ እንተሎ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ኾይና” ክንምክቶ ኢና ኢሎምነ ይሮም ።  ተጋድልቲ ወያኔ ትግራይ ናብ ሳሕል ወሪዶም ኣብ ጎኒ ህግ ብምዃን ብኣሸሓት ሰንሎኪምን ተሰዊኦን እዮም። ምኽንያቱ ህልውና ህግ ንቀጻልነትን ህሉውናን  ህወሓት ኣማራጺ ክተምጽኣሉ ዘይከኣል ጉዳይ እዩ ። እዚ እናተገብረ ግን ኣብ መንጎ ህግ ወያነን ሽግራት ኣይነበሩን ማለት ኣይኮነን ። ህግ ንወያኔ ንስኹም ካብ እትዮጵያ ክትንጸሉ ኣይትክእሉን ጉዳይኩም ኣብ ውሽጢ ዓባይ ኢትዮጵያ ክፍታሕ ኣሎዎ ክትብል ፡ ንሶም ከኣ ፍቲሕ እንተደሊና መን እዩ ፍቲሕ ዝክልክለና ክብሉ  ይስምዑ ነይሮም ። ካብዚ ናይ ክልቲኦም ምልልስ ከም እንግንዘቦ ፡ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ሕልሙ ዓባይ ኢትዮጵያ ስለ ዝነበረ ንወያኔ ኣብ ኢትዮጵያ ክጸንሑሉ መሰል የብልኩምን ክብሎም ይርኤ ።ብዝኾነ  ወያኔ ኣብዘን  ዝሓለፈ 30 ዓመታት ኣብ ትግራይ ብዙሓት ናይ ቁጠባን ናይ ጥዕናን  ናይ ትምህርትን ትኻላት ክሃንጹ እንከለዉ ኩሉ ግዜ ግን ኣብ ልቦም ነጻ ዝኮነት ሃገረ ትግራይ ኣብ ሕልሞም ተደኹና ትርከብ ጸኒሓን ኣላን። ኩሉ ግዜ ንኹናት ዕጡቓትን ድሉዋትን ኾይኖም ጸኒሖ ።

                  ብኻሊእ ወገን ወያኔ ኣብዘን ዝሓለፋ 30 ዓመታት ጉድለታት ነይሩዎም ፡ እዩ ። ንኢሳያስ ኣፈወርቂ ብእገዳ ዓጽዮም ከምዝመውት ንምግባር ዝገሽዎ መንገዲ ፍሬ ክህብ ኣትኻእለን ። እወ ብሓደ ወገን ድክመታት ናይቲ ደምበ ተቓውሞ ነይሩ ፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ወያኔ ምትእትታው እናገበሩ ነቲ ኣብ ኣዲስ ዓስኪሩ ዝነበረ ደምበ ተቃወም ክለምስ ግይሮሞ እዮም ። ስለዚ እዚ ክርኤ እንተ ኽይኑ ወያኔ ክልተ መንታ መንግዲ ሒዞም ይኽዱ ነይሮም ። ሓደ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝገለጽኩዎ ዘየወላውል ዕላዊ መርግጽ ኣብ ልዑላውነት ኤርትራ ክኽውን እንከሎ ፡ በቲ ካልእ እቲ ኣብ ኤርትራ ንኢሳያስ ኣፍወርቂ ዝትክእ ኣካል ካብቲ ደምበ ተቓውሞ ብኣራኣያን ተምስልን ኣታሕሳስባን ወያኔ ክህነጽ ጻዕሪ ከካይዱ ተራእዮም ፣ ግን ክሰልጦም ኣይከኣለን ። እዚ ከኣ ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ዑቅባ ክሓቱ ዝመጹ ፍሉጣት ኤርትራውን እናመልመሉ ገንዘብን ቦታ ታዕሊም እናሃቡ ፈቲኖም ኣይተዓወቱን ። ኣብዚ ክበርህ ዘለዎ ህወሓትን ኤርትራውያን ውድባት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ከልግስ እናደለዩ  ናይ ሓባር ክዕውቶም ዝክእል እስትራተጂ ከውጽኡ ኣይከኣሉን ። በዚ ከኣ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ነዚ ዕድል እዚ ተጥቂሙ ትማሊ ንኤርትራ ኣዕኒዮ ፡ ሎሚ ከኣ ኣብ ትግራይ ዝክኣሎ ኣዕኒዩ ኣሎ ።

                  መራሕቲ ወያኔ ኣብ ኣዲስ ብዘጋጠሞም ፖለቲካዊ ስዕረት ፡ ኣብ መቀለ ተመሊሶም ብቅዋም መሰረት ፡ ዕውት ምርጫ ወከልቶም ንፈደረላዊ ባይቶ መሪጾም ፡ ድሕሪ ምርጫ ኩነታት ምስ መዘኑ ኢሳያስ ኣፍወርቅን ዓቢይ ኣሕመድን ተሻሪኾም ካብ መሬት ክጥፍእዎም ኣብ ምድላው ከም ዝኾኑ ተረዲኦም ። እዚ ከበባ እዚ ከኣ ከምቲ ጸላእቶም ዝቀየስዎ ኣይኮነን ። ወያኔ እተን ቀዳሞት ሰሙናት ናይቲ ኹናት ድሕሪ ምጽማም ካብ ከተማታት እንስሓብ ብምግባር ሓይሎም ካብ ጉድት ከድሕኑ ኪኢሎም ። ኣብ ወርሒ 6 /2021 ከኣ ከም በሓዲሽ ወተሃድራዊ  ስርርዕ ገይሮም ተመሊሶም ንወረርቲ ሓይልታት ጸራሪጎም ኣሸሓት ምውታትን ምሩካትን ብምግባር ዳርጋ ንመላእ ትግራይ ሓራ ገይሮም ኣሎው። ምሓት ነቶም ወረርቲ ሓይለታት ኣብቲ ቅድሚ  11/4/2020 ዝነበሮም ቦታ ክምለሱ ጸዊዖም ። እቲ መጸዋዕታ ምስ ዘይቅበሉ ከኣ ብሓይሊ ክጽረጉ ምዃኖም ተገሊጹሎም ጸኒሑ። እዞም ወረርርቲ ሓይልታት ነቲ መጸዋዕታ ስለ ዘይተቀበሉ እቲ ኹናት ይቅጽል ኣሎ ።

                  ኣብዚ መድረኽ እዚ እቶም ቀንዲ መራሕቲ ምክልኻል ሓይልታት ትግራይ  ብስለት ፖለቲካ ዘለዎም ይመስሉ ።ምክንያቱ እቲ ኢሳያስ ኣፈወርቂ  ኣብ መንጎ ህዝቢ ኤርትራን ትግራይን ነባሪ ጽልኢ ክፈጥር ዝገብሮ ዘሎ ናይኹናት ሜላ፡ ንጎኒ ገዲፎም ኣክብሮት ናይ ህዝቢ ኤርትራ ከምዘለዎም ገሊጾም ።  ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ዝገለጽዎ ርእይቶታት ጽቡቅ እምበር ጉድኣት ኣይረኣኩሉን ። ዝኮነ ሕቅነት ከኣ ብግብሪ ስለ ዝምዘን ፡ ብሓፈሻዊ እቲ ዝብሉዎ ዘለዉ ኣብ ግብሪ ከንጸባርቅዎ እሞ ንዝምድናታት ህዝብታት ኤርትራን ትግራይን ብሩህ መጻኢ ክህሉዎ ይገብር ።  

                    ኣብዚ ክበርህ ዘሎዎ ኤርትራ ብዙሕት ብሔራትን ቛንቛታትን ዘለዋ ሃገር እዩ ፣ትግራይ ኣይኮነትን ።  ስለዚ እቶም በዚ ናይ ህዝቢ ትግራይ ዓወታት ደስ ደስ ዝበለና  ፡ እሞ ኣቶ ገታቸው ረዳ  እንተ ደሊና ኣስመራ ክንከይድ ኢና ዝበሎ ከም ውዱእ ወሲድኩም ኣስመራ ንክከይድ እትጽውዑ ቁሩብ ርግእ በሎ ። ኤርትራ ነጻ ሃገር እያ ፡ እንተኾነ ሕማቕ ኣጋጣሚ ኾይኑ ብሓደ ብዕሉግ ሰብ ትምራሕ ኣላ ። ስለዚ ካብ ፈታዊና ይኹን ጸላኢና ዝኾነ ወራር ክመጸና እንከሎ ፡ ከምቲ ግዜ ቓልሲ ዘመስከርናዮ ፡ ሕጂ እውን ክንድግሞ ኢና ። እዚ ከኣ ከምዚ ሕጂ ህዝቢ ትግራይ ኣንጻር ወረርቲ ሓልታት ዝገበሮ ዘሎ ዝፍለ ኣይኾነን  ። ስለዚ ኣብ መንጎ ህዝቢ ትግራይን ህዝቢ ኤርትራን ነባሪ ሰላም ክህሉ መንግስቲ ትግራይ ዶብ ኤርትራ ክሰግሩ የብሎምን ። ከምቲ ፕረሲደንት ሃገረ ትግራይ ዝበሎ ፡” ናይ ኢሳያስ ኣፈውርቂ ጉጂሊኡን ምእላይ” ንኤርትራውያን ዝግደፍ መስሪሒ እዩ።

                  ባድመ

                  ኹናት ባድመ ኢሳያስ ኣፈወርቂ መደባቱ ከም ዝወጠኖ ክሰልጦ ስለ ዘይከኣለ ፡ ዝወልዖ ኹናት እዩ ። እቲ ኹናት ተላዒሉ እንተ ዘይኾውን ኣብ ምንታይ ኹነታት ምሃሎና ? ከምቲ ብዙሕ ግዜ እተገልጸ ፡ ባድመ ኣብ ኢድ ተሓኤ ነይራ ። ህወሓትን ህግሓኤ ብሽርክና ኣብ ልዕሊ ንተሓኤ ኹናት ብምክፋት ናብ ሱዳን ክትእቱን ብረታ ንመንግስቲ ሱዳን ክተውርድ ተገዲዳ  ። ህግሓኤ 1982 ጀሚራ ንባድመ ንህወሓት ገዲፋትላ ። ኣብ ግዜ ረፈረንዱም እቶም ኣብ ባድመ ዝነበሩ ኤርትራውያን ከም ኣብ መሬት ኢትዮጵያ ዝነብሩ ዘለዉ ኾይኖም ተመዝጊቦምን ኣድሚጾምን ። እዚ እቲ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈልጦ ሓቂ እዩ ። እቲ ኩሉ ሰብ ዘይተጸበያ ኹናት ተወሊዑ መንእሰያት ካብ ክልቲኡ ሸነክ ከም ቆጽሊ ረጊፎም ። እቲ ጉዳይ ኣብ ይግባይ ዘይብሃሎ ፍርዲ ተመሪሑ ፡ እቲ ፍርዲ ቤት ከኣ ባድመ ናይ ኤርትራ ምዃና ወሲኑ ። ከምኣ እውን እቲ ፍርዲ ቤት ኤርትራ ጀማሪት ኹናት ምዃና ከኣ ወሲኑ ።ኢትዮጵያ ነቲ ውሳኔ ኣይፍጽምን በለት ። ዕስራ ዓመት ከኣ ሓሊፉ ። ሕጂ ከኣ ኣብዚ ሓዲሽ ኹናት ኣብ መንጎ ክልል ትግራይን ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ንርከብ ። ኣብ መንጎ ኤርትራን ፡ትግራይ/ ኢትዮጵያ ሰላም ክሰፈን ጉዳይ ዶብ ብውሳኔ ኮሚሽን ዶብ  ክፍታሕ ይግባእ ። እዚ ሕጂ ዘሎ ኹናት ብኸመይ መዓስን ከም ዝዛዘም ተራእዮ፡ እቲ ዝመጽእ ምዕብልናታት ምክትታትል የድሊ ።  

                  ኣብ መወዳኣታ ፡

                  ኣብዚ ኹናት እዚ ኢሳያስ ኣፈወርቂን ፡ ዓቢይ ኣሕመድን ተሳዒሮም እዮም ። ህዝቢ ትግራይን  ሓይልታት ምኽልኻሉን ተዓዊቶም እዮም ። ስለዚ ህዝቢ ትግራይ ዓወታቱ ክዕቁብን ነቲ ሕሱምን ጨካንን ዝኮነ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ክውገድ ብዕቱብ ብልፍንቲ ምስ ተቓወምቲ ኤርትራውያን ክውግን ኣሎዎ ። ዝመጸ ሓይሊ ይምጻእ ንኤርትራውነት ከፍርስን ክትክእን ዝክእል ሓይሊ የለን። ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ተጋሩን ጽልእን ሁውከትን ዝሰብኩ ኣሎው ። እንተኮነ ዝበዝሕ ህዝቢ ኤርትራን ትግራይን ምትእምማ ብምፍጣር ነባሪ ሰላም ዝብህግ ህዝቢ እዩ ።

ክብሮም ግረነት

8/21/21

Leave a Reply

Please log in using one of these methods to post your comment:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.