ወራር ምክልኻል ሓይልታት ትግራይ ( ም.ሓ.ት) እንናፍቅ ኤርትራውያን!

ወራር ምክልኻል ሓይልታት ትግራይ ( ም.ሓ.ት) እንናፍቅ ኤርትራውያን!

ኤርትራ ከም ሃገር ካብ ትፍለጥ ካብ 1993 ክሳብ እዛ ዕለት እዚኣ ፣ ብሕጊ ዝቆመ ህዝባዊ መንግስቲ ዘይኾነስ ብሓደ ውልቀ መላኺ እትምራሕ ዘላ ሃገር እያ ። ስለዚ ኣብዘን ዝሓለፋ 30 ዓመታት ምስ ጎረባብትና እተኻያዱ ኣዕነውቲ ውግኣት ብድልየት ህዝቢ ኤርትራ ከምዘይኾኑ ዝኾነ ኤርትራዊ ዝስሕቶ ኣይኾነን ። እወ ህዝባዊ ውክልና ዘይብሉ ጉጂለ ፡ ስለ ምንታይ ክንድዚ ግዜ ክወሃቦን ክንድዚ ዕንወትን ጥፍኣትን ኣብ መንእሰይ ኤርትራን ህዝቢ ኤርትራ ክፍጽም ኪኢሉ ፣ እቲ ኩሉና ክንምልሶ ዝግብኣና ሕቶ እዩ ።
ኣብዚ ናይ ሎሚ ርእይቶ ክህበሉ ዘድለኩ ግን ብርክት ዝበሉ ኤርትራውያን ም.ሓ.ት ክሳብ ኣስመራ ክይዶም ውራር ክፍጽሙን ነቲ ኣብ ኣስመራ ዘሎ ውልቀ መላኪ ኣልዮም መንግስቲ ከረክቡዎም ዝጓየዩ ኣብዚ ደምበ ተቓውሞ ምህላዎም ክገርመና የብሉን ። ካብዚኦም እቲ ጎሊሁ ዝርኤ ወናኒ መደበር ተለቪን ኣሰና ጋዜጠኛ ኣማኑል ኢያሱ እዩ ። ኣማኑኤል ኢያሱ ኣብ 2001 ኣብ ኤርትራ እንከሎ ኣንጻር ጉጂለ 15 ኣብ ዝንቀሳቀሉ ዝነበረ ፡ “ ሃገር ብወያኔ ተወሪራ እንከሎ ስለምንታ ብዛዕባ ዲሞክራሲ ይዛረቡ ፡ ብቀዳምነት ሃገር ካብ ወራር ምክልኻል ይግባእ “ ዝብል ዝነበረ እዩ ። ሎሚ ኣማኑኢል ኢያሱ ኣብ ቅድመ ግምባር ተሰሪዑ ወያኔ ንኤርትራ ክወርር ኣብ ምዕዳም ይርከብ ። ኣማኑኤል ኢያሱ ኣብ ሞያ ጋዜጠኚነት ጥራሕ ኣይኾነን ዝነጥፍ ፡ ፖሊትካን ኣክቲቭስት እውን እዩ ። ሕጂ ከኣ በቲ ዝረኸቦ ተፈላጥነት ውድባት ስለ ዘይነፍዓ/ዝሓመቓ እናበለ ሓዲሽ ውድባ ኣኻኪቡ ክነጥፍ ጀሚሩ ኣሎ ። ዓወት እምነየሉ !
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሓደ ናይ ነዊሕ ግዜ ዝፈልጦ ዓርከይ ፡ካብዞም ወራር ዝዕድሙ ኾይኑ ረኪበዮ ። ንሱ ክገልጽ እንከሎ ፡ “ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሕዝቢ ንነዊሕ ግዜ ብህግደፍ ኣደዳ ማእሰርትን ሞትን ስደትን እምበር ፍጹም ዝረኸቦ ቁጠባዊ ዕብየት የለን ። ስልዚ እዚ ዓይነት ህወት እዚ ኣብ ሓደ ውሱን መድረኽ ከብቂዕ ፡ይኣክል ክብሃል ኣሎዎ” ይብል ። ቀጺሉ ኣብዚ ግዜ እዚ ከኣ ብዘይ ወያኔ ንህግደፍ ከልግስ ዝክእል ሓይሊ የለን ይብል ። ወሲኹ (For any action , there is equal and opposite reaction) ህግደፍ ዶብ ሰጊሩ ኣብ ትግራይ ዝፈጸሞም ኢሰብኣዊ ተግባራት ፣ወያኔ ሕነ ናይ ምፍዳይ መሰል ኣሎዎም ይብል ። ኣነ ከኣ ብከምዚ ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሩ ዘሎ ምክንያታት ክረደኦ ፈቲነ ፡ ግን ክቅበል ኣይመረጽን ፡ ናይ ኣራኣእያ ፈልልይና ኣብ ቦታኡ እንከሎ ተፈላሊና ። ሓንቲ ሕቶ ግን ሓቲቱኒ “ ድሕሪ 40 ወይ 50 ዓመታት እዚ ህዝቢ ናይዚ ከባቢ እንታይ ክመስል ትድልዮ “ በለኒ ። ኣነ ከኣ ብሓጺሩ ደሞክራስን ፍትሕን ሰላምን ተጎናጺፉ ከምዚ ናይ ኤውሮፓዊ ሕብራት ሰብን ንብረትን ብነጻ ዝንቀሳቀስሉ ክኽውን ይምነ “ ክብል መሊሰሉ ።
እምበኣር እቶም ወራር እንቓወም ህግደፍ ዶብ ሰጊሩ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ንብረትን ትግራይ ዝፈጸመ ገበናት ብትሪ ንኹንን ። ምኽንያቱ ከምዚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ እተፈጸመ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ክፍጸም ኣይንደልን ። ኣብ ልዕለኻ ክፍጸም ዘይተደልዮ ፣ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ክፍጸም ዘይምድላይ ፡ ዝብል ቁዱስ ቓል ኣሎ ። ህዝቢ ትግራይ ምሉእ ካሕሳ ናይ ህወት ሰብን ንብረትን ክረክብ ይግብኦ ። ምክንያቱ ሓደ ግዜ ሓደ ወራሪ ሓደ ተወራሪ ፡ ጽኒሑ ከኣ ሓደ ተወራሪ ሓደ ወራሪ እናኾነ መዋእል ይሓልፍ ኣሎ ። እዚ ህዝቢ ቀርኒ ኣፍሪቓ ካብ ድክነትን ጥሜትን ሕማምን ነጻ ከወጽእ ሰላም ክረክብ ይግብኦ ።
ቀዳማይ ፡ እቲ ወራር ከስዕቦ ዝክእል ስነ ኣእምራዊ በሰላ ግን ጽባሕ ነቶም ዝቓወሙ ዘለዉ ጥራሕ ዘይኾነ ወላ ነቶም ወራር እንዕድም እውን ንዕድሜና ምሉእ ቅሳነት ዝህብ ኣይኾነን ። ኤራትራውያን ካብ 1961-1991 ብልዑል ጅግንነትን ተወፍይነት ምእንቲ ኤርትራ ተሰዊኦምን ሰንኪሎምን ኣሎው ። እዚ እቲ ዝለዓለ ክብርን ህያብን ነዚ ዘሎን ዝመጽእ ወሎዶታት እዩ ። ከም ኤርትራውያን ኣብ መዋእል ቅልሲና ኣብ እተፈላለያ መድራኻት ዝመርሑና ክንሕበነሎም ዘሎና ጀጋኑ( Heroes )ኣሎውና ። ይፈቶ ይጸላእ እዚ እቲ ሓቂ እዩ።
ካልኣይ ፡ እቲ ብወራር ወያኔ ኣብ ኤርትራ ዝቀውም መንግስቲ ብመንን ብከመይን ይቁም ብዘየገድስ ፡ ብኣብዝሓ ህዝቢ ኤርትራ ተቀባልነት ክህሉዎ ኣይኾነን ። ምኽንያቱ እቲ ጻዊዒት ወራር ዝዕድም ዘሎ ፡ካብ ውልቀ ሰባት ናይ ሓደ ውሱን ከባቢ እዮም ። ርሑቅ ከይገድና ብኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ዘቆመቶ ግዝያዊ መንግስቲ ክልል ትግራይ ፡ብህዝቢ ተቀባልነት ስለ ዘይረኽበን ስለ እተጽልኤን ኣብ መወዳእታ ከኣ ንኣዲስ ኣባባ ሃዲሙ እዩ ። ኣብ ሊብያ ድሕሪ መዓመር ካዛፊ ክልተ ወገናት መን ስልጣን ሓዘ ኣብ ምቅትታል ይርከቡ ። ስለዚ ኣብ ኤርትራ ንኢሳያስ ኣፈወርቂ ቀቢርኻ ፡ ብዘይ ውሽጣዊ ተሳትፎ ፡ ብወራር ወያኔ ዝመጽእ መንግስቲ ሕማቅ ሳዕቤናት ክኸተል እዩ ።
ብተወሳኪ ሳዕቤን ናይቲ ዝጥለብ ዘሎ ወራር ፣ እቶም ወረርቲ ሓይልታት በየነይ ስነ ምግባር ከምዝገዝኡ ዝፈልጥ ነገር የለን ። ከም እንፈልጣ እዛ ከበሳ ናይ ሓደ ረፍዲ ጉዑዞ ኢያ ክትኾኖም ። ነቲ ከበሳ ምስ ሓዙዎ ንባጽዕ ምውራድ ዘጸግሞም ኣይኾነን ፡ እዚ ዕድል እዚ እንተ ረኺቦም ጽባሕ ኣይንወጽእን እንተ በሉ ፡ ኣማኑኤል ኢያሱ በታ ቲቭ ናቱ ዲዩ ተዋጊኡ ከውጽኦም ? ራእሲ ኣሉላ ንራእሲ ወንደሚካኤል ኣብ ኹናት ሲዒሮም ዲዮም ኣሲሮም ናብ ሃጸይ ዮሃንስ ንትግራይ ዝወሰዱዎም ? ድሮ ከም በዓል መሓሪ ዮሃንስ መስራቲ ውድብ ነጻነት ትግራይን መምህር ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቀለ ነበር ፣ ሕጂ ምስ ሓ.ም.ት ዘሎ “ ኤርትራውነት ካንሰር እዩ ፣ ንሱ ከይጠፍኤ ሰላም የለን” እናበለ ዝፍክር ዘሎ ፣ኣብ ጎኑ ተሰሊፍና ሃገር ክነውርር ድሉዋት ዘሎና ፡ መንገዲ ደኣ ንቀይር ።
ካብ ኩሉ ዝገፍኤ እዚ ሕጂ ዘሎ መንእሰይ ንወረርቲ ሓይልታት ከም ነጻ ዘውጽእዎን ሃገራዊ ነጻነት ዘምጽኡሉን ገይሩ ክወስዶም እዩ ። ምኽንያቱ ኩሉ ሰብ ነቲ ኣብ ቅድሚኡ ዝፈጸም ዘሎ ተግባር ቀሪጹ ስኢሉን ክነብር ስለ ዝክእል ። እቲ ናይ 24 ግንቦት 1991 ዝነበረ ደስታን ታሕጓስን ደብዚዙ ክተርፍ እዩ ። ስለዚ ብዓል ጀነራል ምግበይ ሃይለ ፡ ጀነራል ታደሰ ወረደን ፡ ከምኡ እውን ጀነራል ጻድቓን ገ/ትንሳኤን ከም ናቶም ጀጋኑ ገይሮም ክዝክርዎም እዮም ። እቶም ነዛ ሃገር ኤርትራ ክትከውን ዝተሰውኡ ጅጋኑ ተጋደልትና ግን ክርስዑ እዮም። ድሮ እቶም ወራር ኣንዕድም ዘሎና ረሰኢዕናዮምን ክሕድናዮም ኣሎና ። እቶም ኣብዚ ቓልስ ሰልቺዩና ዘሎ ሰባት ፡ ኣብ ክንዲ ወራር ንዕድሙ ፡ ንተኣለ፡ ጉዳይ ናብራና ንግበር ።
ኣብ መወዳእታ
ድምበ ተቓውሞ ሓደ ናይ ማእከል ስሕበት ዘሎዎ ፖሊቲካዊ ውደባ ክንፈጥር ኣሎዎ ። እዚ ማለት እንካን ሃባን (Compromise) እናገበረ ነቲ ናይ የማንን ናይ ጸገም ሕሉፍነት ባይታ ዘይሃብ ነቲ ካሊእ ንኹሉ ዝሓቁፍ ጽላል ይኩን ግምባር ምፍጣር ወዓል ሕደር ዘየድሊዮ እዋናዊ ዕማም ክኽውን ይግባእ ። ወራር ዝዕድሙን ወራር ዝቓወሙን ብሓሳብ ኣብ ሓደ ጽላል ምህላው፣ ከም ኣብ ስብራ ዘይብሉ ኩዳ ሸንኾለል ምባል እዩ ። ብመሰረት እቲ ኣብ ላዕሊ ዝገለጽኩዎ ወራር ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ክፍጸም ኣድላይነት የብሉን ፡ ብኣንጻሩ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ተቓወምትን ፡ መንግስቲ ትግራይ ናይ ልፍንቲ ምትሕብባር ክህሉ ይመረጽ ። እዚ ማለት ቅድሚ ሕጂ ኣብ መንጎ ህግን ህወሓት ተፈቲኑ ውጽኢት ዝተረኽቦ ጉዳይ እዩ ።
ዘለዓለማዊ ዝክሪ ንስውኣትና !
ክብሮም ግረነት
7/29/2021
You must be logged in to post a comment.