” ክቑነና ዝመጻ ስ ተነጽየን ይወጻ”

” ክቑነና ዝመጻ ስ ተነጽየን ይወጻ”
ርእሰ ዓንቐጽ
21 ነሓሰ 2021
ጃንዳ መራሒ መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ካብ ጽባሕ ነጻነት፡ ንባህግታት ህዝቢ ኤርትራ ደፊኑ ንተስፋታትን መጻኢ ዕድል ወለዶ ኤርትራ ዘምከነ ዘቅባጸ መርሆ ሃገራዊ ህንጸት፡ ብፍላይ ንንእሱ ወለዶ ዝኣወጆ ገደብ ኣልቦ ወፍሪ ሃገራዊ ኣገልግሎት ሎሚ ኣብ 2021 መበል 34 ዙርያ በጺሑ ይርከብ። ኣብ’ዚ ዝሓለፈ 23 ዓመታት ገደብ ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ኤርትራ ይኹን ኣብ ኣህጉራዊ ሕብረተ ሰብ ካብ ዝተዘርበሉን ዝዝረበሉ ዘሎን ዓበይቲ ኣርእስቲ ሓደ’ዩ። ከመይስ መጻኢ ሓንቲ ውልዶ ሃገር ብተካኢ ሓድሽ ወለዶ ኤርትራዊ እትናበን እትመሓደር ኮይና ክትረአ ዝነበረ ሃንቐውታን ትጽቢትን ብዕለቱ በኒኑ ምትራፉ’ዩ። ግደ ሓቅን ርትዕን ከኣ መጻኢ ወለዶ ኤርትራ ከም’ቶም ቅድሚኡ ዝሓለፉ ጀጋኑ ኣቦታቱን ኣደታቱን ኣብ ወታሃደራዊ ከይተወሰነ፡ ኣብ ስነ ፍልጠት ተክኒክ ብሓፈሻ ብኣካዳሚያዊ ትምህርቲ፡ ሰልጢኑ ነፍሱን ስድራ ቤቱን ከይዱ ከይዱ ሃገሩ ከገልግል ትጽቢት ዝተገብረሉ፡ተስፋ ዝተነበረሉ’ዩ።
ጃንዳ መራሒ መላኺ ስርዓት ግን ዝሓብኦ ኣጀንዳ ስለ ዝነበሮ መንእሰይ ኤርትራ ኣብ ዝኣተወ ይእቶ ኣራርዩ ንሳዋ ብምውራድ ነዚ ሓድሽ ደም ወለዶ ኤርትራ ብምስምስ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ሳዋ ኣውሪዱ ጅሆ ካብ ዝሕዞ እንሆ 23 ዓመታት ሓሊፉ። ህግዲፍ ድሕሪ’ቲ ዝወረዶ ሓያልን ተሪርን ተቃውሞ ኣህጉራዊ ሕብረተ ሰብ ዓለም ኣብ 2017 ቀጺሉ ብሕቡራት መንግስታት ብ30 ሰነ 2018 ዝቀረበ ፍሉይ ጥርዓን ሓፊሩን ብቀስበን ንህዝቢ ንምድዕዓስ ሃገራዊ ኣገልግሎት ካብ 18 ኣዋርሕ ክሕጸር ምዃኑ ንስምዑለይ መግለጺ ከውጽእ ተገዲዱ እዩ። ይኹን’ምበር ንመንእሰይ ኤርትራ ድሕሪ’ቲ ውሱን ግዜ ሃገራዊ ኣገልግሎት ንኸይፋኖ ወይ ንኸይጣየስ ዘንጸላልዎ ሓደጋታት ከም ዘሎ መዓልታዊ ዜናታት መሓውር ህግዲፍ ዝፍኖ ፕሮፓጋንዳንዊ ወፈራታት ብምክያድ ነቲ ዝተኣመነሉ ሓቂ ንምድፋን ጉልባብን ንምግባር ዘካየዶ ንህዝብና ካብ’ቲ ዝነበሮ ቀዳማይ ስግእትታ ከገላግሎ ዘይክእል ቅሳነት ዝህብ ኣይነበረን። ንወዮ ሃገራዊ ኣገልግሎት ደሞዝ ክስልዓሉን ናብርኡ ክመሓየሽ ብዝብል ጽገናታት ብቀጻሊ ኣብ ድፍዓት ከም ዝበሊ ገይርዎ’ዩ።
ሃገራዊ ኣገልግሎት ብሕርያ’ምበር ብጅምላ ኣይኮነን።እዚ ማለት ሙሉእ ጥዕና ዘለዎም ኣካላዊ ብቅዓት ዝውንኑ ንውሱን ዕላማታት ዝምለመሉ ደኣ’ምበር ብሽም መንእሰያት ሃገር ብሃገሩ ከም ሕሱም እንዳሃደንካ ካብ ስድራ ቤቶምን ካብ ትምህርቶም መንዚዕካ ሳዋ ወሲድካ ጅሆ መላኺ ስርዓት ክኾኑ ምፍራዶም ግቡእ ኣይነበረን። ህግዲፍ ግን ገይርዎ።
መንእሰያት ኤርትራ ድሕሪ ውዕል ኣልጀርስ፡ ድሕሪ ብይን ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ዶብ ኤርትራ ዝተገብረሎም ፍትሒ ወይ ለውጢ ዘይምንባሩ ሓደ ምስክርነትን መርኣያ ኣተሓሕዛ መጻኢ ወለዶ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ መላኺ ስርዓት ህግዲፍ እንርእዮ ዘለና መረዳእታ’ዩ። ኮይኑ ከኣ ስርዓት ህግዲፍ ኣብ ትሕቲ ጽላሎት ኵናት እንዳነበርና መደብ ህንጸት ሃገር ከንካይድን ንቡር ሂወት ምጥያስ ኣገልግሎት የሎን እንዳበለ፡ ድሕሪ ኣህጉራዊ ብይን 2001-2003 ንእስታት 17 ዓመት ብዘይ ሓደ ለውጥን ምምሕያሽን ክቅጽል ድሕሪ ምጽንሑ ። ሃንደበታዊ ውዕል ሰላም ኢትዮ-ኤርትራ 8 ሓምለ 2018 መጸ። ውዕል ሰላም እንተኾነ ነቲ ጉዳይ መሊሱ ኣጋደዶ’ምበር ሰላም ኣይተረኽበን። እቲ ሰላም ማሕዲግዎ ዝነበረ ህዝብና ተዛንዩ ብምጽንሑ ጽባሕ ውዕል ሰላም ኢትዮ-ኤርትራ ከኣ መበል 31 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ከም ቀደሙ ካብ ፈቐዶ ቤተ ክርስትያን፡ ውራይ፡ ኣብ ጉዕዞ ዝነበሩ መንእሰያት እንዳሓፈስካ ንሳዋ ምውራድ ከኣ ኮነ። ደጊም እቲ መሰረት ኣዋጅ ሃገራዊ ኤርትራ ንህጸት፡ ንዕብየትን ምዕባለን ዘይኮነስ ገና ንዝተሓብአ ኣጀንዳ ክሳብ ዝትግበር ብሕቡእ ይቅጽል ምምባሩ መሊሱ ተጋህደ። ነቶም ንሕና ንሱ፡ ንሱ ንሕና ዝብሉ ዝነበሩ ዕውራት ደገፍቲ ከይተረፈ በቲ ኣሕዛኒ ” ኣይከሰርናን ኣይጠፍኣና” ዝብል መደረ ደኣ ተደበሱ። እወ እቶም ድሕሪ ደጊም ወይለኹም ደላይቲ ፍትሒ ደኣ’ምበር ቅዋም ክትግበር’ዩ ዶብ ክሕነጽጽ’ዩ ዝብሉን ዝፍክሩን ዝነበሩ ሎሚ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ ጠጠው ኢሎም ክዛረቡ ከም ዘይክእሉ ፍሉጥ ኮይኑ ኣሎ።
ኣብ’ዚ ዝሓለፈ 23 ዓመታት ልዕሊ 0.6 ሚሊዮን ዝግመቱ መንእሰያት ንሳዋ ወሪዶም ብዝተፈላልየ ምኽንያት ንቤቶም ዘይተመለሱ’ዮም። በጃ ሃገር ዝኾኑ ጀጋኑ፡ መብዛሕትኦም ዝተጠጅአ ኵናት ክሳብ ዝውላዕ ኣብ መዛግብትን ቅድመ ግንባራትን ጅሆ ዝተታሕዙ፡ ገገለ ሂወቶም ንምድሓን ጎረባብቲ ሃገራት እግሮም ዝመርሖም ዝተሰደዱ፡ ኣደዳ ሞትን ጥፍኣትን ግዳይ ምድረበዳ ሲናይን ማእከላይ ባሕርን ዝኾነ ታሪኽ እዩ።
ድሕሪ እዚ ኩሉ ኣብ ኤርትራ ዝተራእየ ዘይውዳእ ጸገማት ከኣ ሎሚ ዓለምና ተመሓላላፊ ለበዳ ሕማም ኮሮና ቫይረስ ኣርኪቡ ቅልውላ ኣብ ዝነበረሉ፡ ውሉድ ወለዶ’ኳ ተረሓሒዝቁ ዝሓልፎ ዘሎ ኩነታት ገዲፍካ መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝሃልፍዎ ዘለዉ ሂወት ዘደንጹ፡ ብተወሳኺ ብስግረ ዶብን ኮብሊሎም ተባሂሎ ተኸሲሶም ብኣሽሓት ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ መንእሰያትና፡ ልዕሊ ኩሉ ከኣ እቶም ተኣኪቦም ንኵናት ስግር ዶብ 4 ሕዳር 2020 ዝተሳተፉ ግዳይ ዝኾኑ ፖሊሲ መላኺ ስርዓት መርኣይኡን ዝገልጽ እዩ። ሰላም እንዳተባህለ ኵናት ክእወጅ፡ መንእሰይ ኤርትራ ተገዲዱ ኣብ ዘይምልከቶ ኵናት ክጠፍእ ተራእዩ። ህዝብና ዝብ ዘይጉዳዩ ተዋሪዱ ሕጂ’ውን ክቡር ዋጋ ከፊሉ ኣሎ።’እቲ ብዘይካ መንበር ስልጣኑ ካልእ ዘይሓስብ መራሒ ጃንዳ መላኺ ስርዓት ዝተሳተፎ ኵናት ስግረ ዶብ መንእሰያትና ግዳያት ገይሩን ኣጥፊኡን ሎሚ ከም ኣብ ማይ ዝኣተወት ኣንጭዋ ኣጽቒጡ ይሓልፎ ኣሎ። ኣብ’ቲ ንድርዒ ስልጣኑ ዝተሓስበ ስግረ ዶብ ዝተኻየደ ኵናት’ውን ኣይተዓወተን። ”ክቝነና ኢለን ዝመጻስ ተነጸይን ወጻ” ዝበሃል ዕምሪ ስልጣን ንምንዋሕ ዝተገብረ ውዲት ከኣ ፈሺሉ ንደመር ምጉዳል ኮይኑ፡ ሰላም ንኵናት ተቐይሩ መጻኢ ዕድል ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ መንእሰይ ኤርትራ ኣብ ድንግርግር ኣትዩ ይርከብ ኣሎ። ካብ’ዚ ሓደገኛ ኩነታት ንምውጻእ ፍታሕ ንምርካብ ከኣ ተሪር ሓያል ሓድነት ደላይ ፍትሒ ህስብና ሓድነት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ይድለ ኣሎ።
ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንስውኣትና
ውሓኤ
21 ነሓሰ 2021
You must be logged in to post a comment.