ምዕዋት ዕላማ ድሕነት ህዝብን ሃገርን

ምዕዋት ዕላማ ድሕነት ህዝብን ሃገርን

ርእሰ ዓንቐጽ

ኣብ ህሉው ኩነታት ኤርትራ ብቀዳምነት ዝስራዕ መደብ ምዕዋት ዕላማታት መላእ ደላይ ፍትሒ ድሕነት ህዝብን ሃገርን’ዩ። ኣርዑት ቀይዲ፡ ሰንሰለት ጭቆና መላኺ ስርዓት ጃንዳ ህግዲፍ ሰባቢርካ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ንምርግጋጽ ይጽንሓለይ ዘይበሃለሉ ቀንዲ ሃገራዊ ውራይ እዋናዊ ሕቶ ኮይኑ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ዝጭርሓሉን ኣብ ዝተፈላልየ መዳይ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ስርሪዒታውን ውደባን ቃልሲ ዝነጥፈሉ’ውን እዩ። ድሕነት ህዝብን ሃገርን ይጽንሓለይ ዘይብሃለሉ ሃገራዊ ውራይ ንምዕዋት ክስርሓሉ ዘለዎ ኣገዳሲ ፍሉይ መድረኽ ክስረት’ሞ ክሕይልን ክዓብን፡ ተሪርን ጥሙርን፡ ድልዱል ሓይሊ ሓድነት ደላይ ፍይሒ ክህሉ ከኣ ግቡእ እዩ።

ሓድነት ኤርትራውያን ንምህናጽ፡ ብግሉጽነትን ቅንዕናን ካብ ሓሳብ ክሳብ ንትግባረ ዝስጉም፡ ሕድገታት ልዕሊ ኩሉ ከኣ ብመሳልል ሓድሕድ ምትእምማን ክረጋገጽ ወሳንን ልሉይ ኣገዳስነት ኣለዎ። ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ ሓይሊ ውድባዊ መደብ ዕዮታት ዝፈላልየና ዘይኮነስ ንእዋናዊ ሕቶ ንምፍታሕ ሳቮፕያ ንብለሉ እዋን፡ ኣብ ቦትኡ እንዳሀለወ ኣብ’ቲ ከም ህዝብን ሃገርን ክንሃንጾ እንደሊ መደብ ሓድነት እምበር ብሕድገታትን ብምትእምማን ዝግበር ውዕላትን ስምምዕን ከም መኽዘን ወይ ቆፎ ዘዝበለጸን ዘዝሓሸን ተሞክሮታት ኮይኑ ንዕብየት ዘገልግል ትሑዝ መኽሰብ ጌርካ ምርኣዩ ሓጋዚ’ዩ። ከም ደምበ ተቃውሞን ደላይ ፍትሒ ዝኾነ ህዝብና ክበጽሖ ንዘለዎ ዕላማታት ንዝሰርዖም መደባት ስራሕ ንዝሕንጽጾም ዕላማታት ሓጋዚ፡ መንገዲ ዝመርሕ፡ ኩሉ መዳያዊ ንጥፈታት ኣካላት ደላይ ፍትሒ ዘበራትዕን፡ ንዕዮን ስራሕን ዝግስግስ ንዕብየት ቃልሲ ዘርእዮ ተወፋይነትን ሓልዮት፡ ምትሕግጋዝ ኣብ ውሽጡ ዘሎ ኩሉ እንተናዊ ተሞክሮታት’ዩ ምስጢሩ። ምንጪ ሓይሊ ህዝብና ከኣ ኣብ’ቲ ቀዳምነት ስሩዕ መደብ ምዕዋት ዕላማታትና ንጭርሖ ዘይኮነስ፡ ንዕማላታትና ንምዕዋት ነንብሮ እምነ መሰረት፡ መሰረት ሕድገታትን ምትእምማንን’ዩ። እዚ ስለ ዝኾነ ንፍጹም ሓድነትና ይኹን ንወፍሪ ሓባርዊ መደባትና ሓጋዚ ይኸውን።  

ኣብ መንጎ ሓይልታት ኤርትራ ዝግበር ፍጹም ሓድነት ይኹን ወፍሪ ሓባርዊ ቃልሲ ሕደገታቱ ምትእምማኑ ከይብረዝን፡ ከይብተን ኣብ ሓደጋ ከይኣቱ ብሕግን ስርዓትን ዝምእዘዝ ወይ ዝቀውም ሓይሊ ወይ ሓይልታት ክኸውን ግድነት’ዩ። ከም’ቲ ኣቦታትና ዝብልዎ ” ዳኛ ዘይብሉ ነገር ጥፉእ፡ ማሕለኻ ዘይብሉ ጸባ ድፉእ” ከይኸውን ነቲ እንሰርሖን እንሃንጾን ሓድነት መከላኸሊ ጠርናፊ ሕጊ ንስለ ዝድልዮ። መምርሒ ሕጊ ሓድነትና ከኣ መወከሲና ኮይኑ ንዘሎ ውሽጣውን ግዳማውን ጸገማት ክፈትሕ ዘኽእል ሓይሊ ክህልዎ ይኽእል። ሕጂ’ውን እንተኾነ ብዘይሕድገትን ምትእምማን ክብጻሕ ዝኽእል ስለ ዘየልቦ ከም’ቲ መሰረቱ ኣብ ጉዕዞ ሓድነት ኣብ መንጎ ሓይልታት ብዘይምቁራጽን ቀጻሊ ህላወ ሕድገትን ምትእምማን ኣብ መስርሕ ትግባረ መደብ ዕዮታት ብኣውንታዊ መታን ከንጸባርቕን ንድሕነት ህዝባውን ሃገራውን ዕላማ ከዕዉት ኣዝዩ ወሳኒ’ዩ።

ሕድገታትን ምትእምማንን ከም መሳጋገሪ ንሓድነት እንተደኣ ተቐሚጡ፡ ንዕኡ ዝኣስር፡ ዝርጥንፍን ዘማእኽልን፡ ብኡ ዝምእዘዝን ሕጊ እንተዘይሃለወ ግን ጉዳይ ”ጥፉእን ድፉእን” ጥራሕ ኮይኑ ይተርፍ’ሞ፡ ንመሰረት ተበግሶ ዕላማ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ዝግበር ሓድነት ይኹን ሓባራዊ ወፍሪ የላሕልሖን የፍኵሶን።

ስለምንታይ ፖለቲካውያን ሓይልታት ሓድነት ዝጭርሑ ኣብ ባይታ ካብ ዘሎ ሓቕታት ዝምስክሮ ዝነቐለ’ዩ።፡ ኣብ ቅድሚት ተሰሪዑ ዘሎ መደብ ሃገራዊ ዕላማ ኣብ ሽቶኡ ንምብጻሕ ሓሊዃ ሒዝዎ ዘሎ ዝረአ ድኽመታት ማለት ክበሃል ዝኽእል’ዩ። ኣብ ደምበ ተቃውሞ ደላይ ፍትሒ ህዝብና፡ ብዙሓትስ ይትረፉ ሓደ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ’ኳ ዓቕምን ሓይልን እንተዝህልዎስ ህዝብና ሃገርና ኣብ’ዚ ወሪድዎ ዘሎ ኣሰካፊ፡ ዘሰቃቕ ዘሻቅል ኩነታት ክበጽሕ ኣይምኸኣለን። ዕንደራ 30 ዓመት ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ’ውን ክንዲ’ዚ ዝኣክል ዕድመ ኣይምሃለዎን። ኣብ ደላይ ፍትሒ ዝኾነ ህዝብና ደምበ ተቃውሞ ካብ ነዊሕ ክሳቕየና ዝጸንሐን ዘሎን ትንፋስ ዘይህብ ከቢድ ጸበባ ህዝብናን፡ ሓደገኛ ግዕዞ ሃገርናን ሓደ ሸነኽ፡ ሓድነት ፖለቲካውያን ሓይልታት ተረጋጊጹ ንህግዲፋዊ ዓመጽ ጠጠው ከብሎ ዘይምኻኣሉን እንርእዮን ንቐንዓና እንቃለሶ ዘለና ጉዳይ ካልኣይ ሸነኽ’ዩ።

ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ከም ቀዳማይ ዕላማ ወሲድና ነቲ ካባና ዝተበገሰ ሓሳብ ኣብ ኢድና ብዘሎ ተሞክሮ ዓቕምና ክእለትን ብዘፍቅዶ ናህሪ ንትግባረ ንቕሎ ህንጸት ሓድነት ሓይልታት ኤርትራ ንምርግጋጽ፡ ሓድነትን ደሊኻ ቀይድን ሕግን ጸሊእኻ፡ ብሓደ ሸነኽ ጥራሕ ክዕመም ዝከኣል ኣይኮነን። ሕድገትን ምትእምማንን ዓይኒ እንተኾይኑ፡ ሕጊ ከኣ ጠርናፊ ብርኪ ስለ ዝኸውን ክልቲኡ ፈላሊኻ ክረአ ዘይክእል ክውንነት’ዩ።

ሎሚ ምዕዋት ዕላማ ድሕነት ህዝብን-ሃገርን ብሓፈሻ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ ፡ ብፍላይ ደላይ ፍትሒ፡ ደምበ ተቃውሞ ፖለቲካዊ ሓይልታት ዘሎ ሕቶ ብዙሕ ዘፈላሊ ጉዳይ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ንጹርን ብሩህ ሕቶ ስለ ዝኾነ። ሕቶ ህላውነት ህዝብን እዋናዊ ፍሉይ ቅዲ ፖለቲካዊ ዲፕሎማስያዊ ቅሉጡፍ ውዳበን ስርርዕን ዘድልዮ ምቅርራብን ኣሰራርሓ ክህልዎን፡ ብዝያዳ ንምእንቲ ህዝብናን ሃገርና እንገብሮ ሕደገታት፡ እነንብሮን እምነት ካብ’ዚ ክሳብ ሕጂ ተኸፊልዎ ዘሎ መስዋእቲ፡ ክሳራ፡ ብርሰት ስደት ንኸይቅጽል ገደብን መዕገትን ክግበረሉ ኣስተዋጽኦ ኩሉ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ሓይልታት፡ ሲቪክ ማሕበራትን ውልቀ ሰባትን ዘድልዮ ብምኳኑ ኣብ ትሕቲ ስምምዕን ውዕላትን፡ ብሕጊ ዝተቐየደ ክኸውን ይግባእ። እዚ ምስ ዝህሉ ከኣ እቲ ውህሉል ተሞክሮታት ከም ውጽኢት ንሙሉእ ፍታሕ ከምጽእ ብቅዓት፡መሃዝነት፡ድልዉነት፡ ተወፋይነት፡ ሓልዮት፡ ወዘተ ከርኢ ይኽእል ክንብል ክንደፍር የኽእለና።

ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንስውኣትና፡

ነጻነት ኤርትራ ተኸቢሩ ይንበር፡

ክፍሊ ዜናን ሓበሬታን

ውሓኤ

27 ነሓሰ 20021   

Leave a Reply

Please log in using one of these methods to post your comment:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.