ቃል ሓዘን ስነ ጥበባዊ ሓርበኛ ተኽለሚኪኤል ገብሩ (ወዲ ገብሩ)

ቃል ሓዘን ስነ ጥበባዊ ሓርበኛ ተኽለሚኪኤል ገብሩ (ወዲ ገብሩ)

ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን ብሞት ሃገራዊ ስነ ጥበባዊ ሓርበኛ ተኽለሚኪኤል ገብሩ (ወዲ ገብሩ) ተኻፋሊ ሓዘን ስድራ ቤትን መሓዙትን መቃልስቱን ምኻኑ ይገልጽ።    

ሞት ስነ ጥበባዊ ሓርበኛ ተኽለሚኪኤል ገብሩ (ወዲ ገብሩ) ብቀረባን ርሑቕን ዝፈልጥዎ ንብዙሓት ኤርትራውያን ኣዝዩ ዘሕዘነ ተርኽቦ ምዃኑ ኣብ መራኸቢ ብዙሓት ተኻፋልነቶም ዝገልጹ ውሑዳት ኣይኮኑን።

ሓርበኛ ነፍስሄር ተኽለሚኪኤል ገብሩ ኣብ ባህላዉን፡ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ዝገበሮ ዓብይ ኣስተዋጽኦ ምስ ታሪኽ ተታሓሒዞም ነበርቲ ዜማታቱን ግጥሚታቱን ንህዝቢ ኤርትራ ዘበርከቶ ዓብይ ህያብ ዝኽሪ ስነ ጥበብ ባህላውን ፖለቲካውን ዘይርሳዕ’ዩ።

ኣብ ክልተ ታሪኻዊ ህሞት ጽንኵር ኩነታት ኤርትራ መግለጺ ሓልዮት ህዝቡን ሃገሩን ትብዓቱን ኣብ’ዚ መወዳእታ እዋን ዘፍረየን ” ንኩሉ እንቛዕ ኣርከብክሉ”   ” ዘብዘብ” ዝብላ ደርፍታቱ ወይ ዜማታቱ ምስ ሕሉፍ ታሪኽ ባህላውን ፖለቲካውን ቅኒቱ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ቀዳማይን ዳሕረዋን ወለዶታት ዘተኣሳሰረ ታሪኻዊ ተርኽቦ’ዩ ክበሃል ይኽእል። ቅርሲ ታሪኽን ዝኽርን ሓዲጉ ከኣ ሓሊፉ።

ንመዋቲ ነፍስሄር ተኽለሚኪኤል ገብሩ መንግስተ ሰማይ የዋርሶ፡ ንመላእ ስድራ ቤቱ፡ መሓዙትን መቃልስቱን ከኣ ጽንዓትን ሓይልን ይሃቦም።

ዜናን ሓበሬታን

ውሓኤ

30 ነሓሰ 2021

Leave a Reply

Please log in using one of these methods to post your comment:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.