ቃል ሓዘን ስነ ጥበባዊ ሓርበኛ ተኽለሚኪኤል ገብሩ (ወዲ ገብሩ)

ቃል ሓዘን ስነ ጥበባዊ ሓርበኛ ተኽለሚኪኤል ገብሩ (ወዲ ገብሩ)
ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን ብሞት ሃገራዊ ስነ ጥበባዊ ሓርበኛ ተኽለሚኪኤል ገብሩ (ወዲ ገብሩ) ተኻፋሊ ሓዘን ስድራ ቤትን መሓዙትን መቃልስቱን ምኻኑ ይገልጽ።
ሞት ስነ ጥበባዊ ሓርበኛ ተኽለሚኪኤል ገብሩ (ወዲ ገብሩ) ብቀረባን ርሑቕን ዝፈልጥዎ ንብዙሓት ኤርትራውያን ኣዝዩ ዘሕዘነ ተርኽቦ ምዃኑ ኣብ መራኸቢ ብዙሓት ተኻፋልነቶም ዝገልጹ ውሑዳት ኣይኮኑን።
ሓርበኛ ነፍስሄር ተኽለሚኪኤል ገብሩ ኣብ ባህላዉን፡ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ዝገበሮ ዓብይ ኣስተዋጽኦ ምስ ታሪኽ ተታሓሒዞም ነበርቲ ዜማታቱን ግጥሚታቱን ንህዝቢ ኤርትራ ዘበርከቶ ዓብይ ህያብ ዝኽሪ ስነ ጥበብ ባህላውን ፖለቲካውን ዘይርሳዕ’ዩ።
ኣብ ክልተ ታሪኻዊ ህሞት ጽንኵር ኩነታት ኤርትራ መግለጺ ሓልዮት ህዝቡን ሃገሩን ትብዓቱን ኣብ’ዚ መወዳእታ እዋን ዘፍረየን ” ንኩሉ እንቛዕ ኣርከብክሉ” ” ዘብዘብ” ዝብላ ደርፍታቱ ወይ ዜማታቱ ምስ ሕሉፍ ታሪኽ ባህላውን ፖለቲካውን ቅኒቱ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ቀዳማይን ዳሕረዋን ወለዶታት ዘተኣሳሰረ ታሪኻዊ ተርኽቦ’ዩ ክበሃል ይኽእል። ቅርሲ ታሪኽን ዝኽርን ሓዲጉ ከኣ ሓሊፉ።
ንመዋቲ ነፍስሄር ተኽለሚኪኤል ገብሩ መንግስተ ሰማይ የዋርሶ፡ ንመላእ ስድራ ቤቱ፡ መሓዙትን መቃልስቱን ከኣ ጽንዓትን ሓይልን ይሃቦም።
ዜናን ሓበሬታን
ውሓኤ
30 ነሓሰ 2021
You must be logged in to post a comment.